ድለ

፪ይ ሰንበት ዘስተምህሮ ዘቅድስት. (19 ኅዳር 2014 ዓ.ም. (11/28/2021)/መዓልቲ ምስጋና

መዝሙር፡ ሎቱ ስብሓት ወሎቱ አኮቴት. . . .ነቲ ንሰንበት ዝቀደሰ ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ አይነበረን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ንሱ ዘይነበሮ ጊዜ አይነበረን ንአኡ ክብሪ ይግብኦ። ንሰብ ብአርአያኡ ፈጠሮ ኩሉ አብ ኢዱ እዩ፥ ንሰማይን ምድርን ይገዝእ፥ ከም ዝደልዮ ገበረ አምላኽ ወዲ እግዚአብሔር።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት    ቆላ 1፡12-ፍ፤ 1ጴጥ 1፡13-21፥ ግ.ሓ.19፡21-ፍ፥ ዮሓ 5፡16-28.     ምስባክ፡ ኩሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ በሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። እግዚአብሔር ኩሉ ዝደለዮ አብ ሰማይን ምድርን አብ ባሕርን አብ ኩሉ ቀላያትን ገበረ” መዝ. 135፡6።

ተፈጥሮ ብምልኡ አብ ትሓቲ አምላኽ እዩ፥ ፍጡር በቲ ዘልኦ ንአምላኽ ከመስግን እዩ ተፈጢሩ። ልዕሊ ኹሉ ፍጡር ሰብ ብአርአያን አምሳልን እግዚአብሔር ስለ ዝተፈጥረ ዝያዳ ክብሪ አልኦ፥ ብመጠኑ ኸአ ሰብ ንአምላኽ አብ ኩሉ ክምስክሮ ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ክገብር ይግብኦ። አምላኽና ፈቃር አምላኽ እዩ። ፍቕሩ በቲ ሓደ ወዱ ገሊጹልና እዩ።

አብዚ ምድራዊ ሕይወት ወከልቲ አምላኽ ስለ ዝኾና ሕግን ድለት አምላኽ መምርሒና ገርና ክንጉዓዝ እሞ ዓለምና ናይ አምላኽ ኮይና ክትርከብ ናይ ኩልና መዝነት እዩ። እዛ እንነብረላ ዓለም እምብአር ናይ አምላኽ ክትከውን ናታትና ተራ የድሊ። ከምቲ አምላኽ ክፈጥር እንከሎ ዝሃበና ኩልና ብሓደ ክንጥቀመላ ኩልና አብ ቅድሚ አምላኽ ሓደ ምዃና ፈሊጥና ንኸማና ዝበለ ሰብ ግቡኡ ከይነግድለሉ ክንጥንቀቕ ሓላፍነትና እዩ። ሰብ አምላኽ ዋንኡ ምዃኑ ምስ ዘንግዔ ንኹሉ ይቕይሮ እሞ ዓለሙ ሕሰም፥ ስእነት ሰላም፥ ጭካኔ፥ ዝበዝሓ ትኸውን። በዚ ሰንበት እምብአር አምላኽ ዋናና ገርና ሕይወትና ክንመርሕ ንዕደም አሎና።

ወንጌል ንሎሚ ዝተነበ ካብ ዮሓንስ እዩ። ቅድሚ እዚ ዝተነበ ምዕራፍ ዘሎ እንተ ረኤና ኢየሱስ አብ ሓደ ዓላማ ዘተኮረ ክልተ ተአምራት ከም ዝገበረ ንርኢ። ክልቲኡ ቃል ኢየሱስ ሕይወት ዝህብ ምዃኑ ይገልጽ። አብ 4፡50 ዘሎ ኪድ ወድኻ ሓውዩልካ እዩ እናበለ ንሓደ ወዲ ሹም አሕውዩ። አብ 5፡8 ተንስእ እሞ ዓራትካ አልዒልካ ኪድ እናበለ ነቲ ን38 ዓመት ሓሚሙ ዝነበረ ብቓሉ አሕውይዎ። ነዚ መሰረት አንጺፉ ዕሞቕ ምስጢር ናይ እቲ ዝገበሮ ነጊርዎም። አብቲ ዘስተምሃሮ እንተ ረኤና ብገርሂ ክንርድኦ ንኽእል። አቦ ንሙታት ከም ዘትንሥኦም ሕያዋን እውን ከም ዝገብሮም ወልድ ድማ ኸምኡ ነቶም ዝደልዮም ሕያዋን ይገብሮም (ኁልቅ 21) አብዚ ኢየሱስ መን ምዃኑን ምስ ሰማያዊ አብኡ ዘልኦ ርክብ ክገልጽ ኢሉ ነዚ ተዛሪብዎም። አብ ኁልቍ 24 ዘሎ ኸአ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ በቲ ዝልአኸኒ እውን ዝአምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት አላቶ፥ ንሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ይሳገር እምበር ናብ ፍርዲ አይክበጽሕን እዩ ንቃል ክርስቶስ ክንሰምዕ ከሎና፡ ንሰማያዊ አቦና ክንአምን እንከሎና አባና ሕይወት አሎ ማለት ኃጢአትን ፍረ ኃጢአትን አይርከበናን እዩ።

ንቃል ክርስቶስ ሰሚዕና ሕይወትና ብቅድስና ክንመርሕ ፍቓደኛታት ክንከውን ሎሚ ንሕተት አሎና። አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ገሩ አብ መገዱ ክንጸንዕ ምልክት ይህበና። ንአምላኽ ዝህቦ ምልክት ክንርዳእ ጽን ክንብል ጊዜ ወሲድና ጣዕሚ ፍቕሪ አምላኽ ክነስተውዕል ይግብአና። አምላኽ ሎሚ ከም ቀደም ብቃሉ ብቤተ ክርስትያኑ ከምኡ ብዝተፈላለየ ናይ እዋና ምልክት ገሩ ይዛረብ አሎ። ክንሰምዕ ክነስተውዕል ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ።

ሙታት ድምጺ ወዲ አምላኽ ዝሰምዑላ ሰዓት ቀሪባላ ዝብል ሓሳብ ኩሎም ካብ መገዲ አምላኽ ዝርሓቑ ብመንፈስ መይቶም እዮም እንተኾነ እግዚአብሔር ብብዙሕ መገዲ ገሩ ዝምለሱሉ ምኽንያት የቕርበሎም። ሰንበት ሓንቲ ካብቲ ብዙኅ አብ አምላኽ ክንምለስ እትሕግዘና ቅድስቲ ዕለት እያ። ብመዓልቲ ሰንበት ክንሳሕ እሞ ቅዳሴ ሰሚዕና ካብ ሥጋኡን ደሙን ክንቅበል እምነታዊ ግድነትና እዩ።

አብዚ ወንጌል እምብአር ናይ ኢየሱስ አምላኽነትን ናይ አምላኽ ሓድነት ክገልጽ ዝዓለመ ኮይኑ ደቂ ሰብ ከአኒ ነዚ ብኢየሱስ ዝተገልጸ አሚና አብ አምላኽ ክንምለስ ዝጽውዓና ቃል እዩ። ኢየሱስ አግሂዱ ንሱ መን ምዃኑ ነጊርዎም፥ አምላኽነቱ ገሊጽሎም፥ አብ ሕይወትና ንኢየሱስ ዝዓበየ ቦታ ሂብና ንቅድስና ዝዕድም ሕይወት ሒዝና ክነብር ይግብአና።

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ አርባዕተ ምዕራፍ ዝሓዘት እያ። ትሕዝቶአ ጳውሎስ አብ ኤፈሶን ኮይኑ ዝጸሓፋ እያ፥ እዛ ቤተ ክርስትያን እዚአ ብስብከት ጳውሎስ ዝቖመት አይነበረትን እንተ ኾነ ጳውሎስ ወሪኦምን ዝነበሮም ጸገማትን ሰሚዑ ጽሒፍሎም። ገለ ሰባት ግጉይ ትምህርትን ንስርዓት አይሁድ ከም ቀንዲ ገሮም የጸግምዎም ስለ ዝነበሩ ንሓቂ ከስተምህር ኢሉ ከምኡ አብ እምነቶም ክጸንዑ ኢሉ ጽሒፍሎም። ኩሉ እምነት አብ ክርስቶስ ክምስረት ንሱ አምላኽ ስለ ዝኾነ ምንጪ ናይ ኩሉ እዩ ስለዚ ካልእ ብዘይካኡ የለን ዝብል ትምህርቲ አትሪሩ ይገልጽ።

አብ ታሪኽ ድቂ ሰብ ካብ አምላኽን ሕግታቱን ዘውጽኡ፥ ተግባራት፥ ኩነታት ዝፈጥሩ በብእዋኑ አለዉ። ንገርሄኛታት ካብ አምላኽ ዘርሕቕዎም እሞ አብቲ ግጉይ እምነትን ሓቂ ዘይብሉ ከም ዝነብሩ ዝገብሩ አብዚ እዋና እውን አይተሳእኑን። ንሓቂ ደፊኖም ንጸልማት ከም ብርሃን ንሞት ከም ሕይወት ገሮም ንሰብ ልቡን ቀልቡን አደንዚዞም ካብ አምላኽን ካብ ሰብን ዘርሕቑ ናይ እዋና ነብያት ኮይኖም ዝስምዖም ብዙሓት እዮም። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ዓይነት መንፈስ ዝዝርግሑ አብ መንጎ ሰብ ቆላሳስያ ከም ዘለዉ ሰሚዑ ብድፍረት ነቲ ሓቀኛ እምነት ምሂሩ። ሎሚ ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመት ከምዚ ዝአመሰለ ትምህርቲ ከይጋግየና አፍልጦ እምነትና ክህልወና ከምኡ ንሓቂ ሓዲግና ከይንኹብልል ቤተ ክርስትያን ክንሰምዓ ትላበወና አላ።

እዚአ መልእኽቲ ቆላስያስ ናይ ምስጋና መልእኽቲ እያ ነቲ ኩሉ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበረልና አምላኽ አመስጊና ክንክእል ትምዕደና። ብኹሉ መንፈሳዊ ጥበብን ርድኢትን ፍቓድ አምላኽን እንታይ ከም ዝኾነ እትግንዘቡሉ ምሉእ ፍልጠትን ምእንቲ ክህልወኩም እናለመና ብዛዕባኹም ካብ ምጽላይ አቋሪጽና አይንፈልጥን .  . . . ብፍልጠት አምላኽ እናዓበኹም ንእኡ ዚበቅዕ ሕይወት እናነበርኩም ንጎይታ ብኹሉ ምእንቲ ክተሓጕስዎ ንጽሊ አሎና (ቆላ 1፡9-10)። ሓደ አማናይ ክርስቶስ መለልይኡ ንድላይ አምላኽ ርእዩን ፈሊጡን ክነብር እዩ። ነዚ ክግንዘብ ኢሉ ጳውሎስ አብ ነነድሕድና ብጸሎት ክንዘኻኸር ይምዕደና። ንድላይ አምላኽ ክነብሮ ክንርድኦ እንከሎና ናይ ብሓቂ ቅሳነት ሰላም ምርድዳእ የውርደልና።

ንሓዲስ ሕይወት ብክርስቶስ ዝተገብረልና ክንርዳእ ኢሉ ቀደም ካብ አምላኽ ዝርሓቕኩም ብሓሳብ ኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም፥ ንሱ ግና አበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገሩ አብ ቅድሚኡ ምእንቲ ከቁመኩም ብሞት ሥጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም እናበለ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ይገልጸልና። ክርስትያን መንነቱ ክፈልጥ ንአምላኽ አብ ሕይወቱ ቀዳምነት ሂቡ ክነብር ንቅድስና ክለብሶ እዩ። ዘይናትካ ኮንካ ምንባር ንርክስትያን ክሳራ እዩ። አብዚ ሕይወት ጣዕሚ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝጎደሎ ክንመርሕ እንከሎና ንልብና ጸልማት ይጉልብቦ ሽዑ ባህሪ እንስሳ ወይ ዘይመፍቀር አምላኽ ለቢስና ንርእስና ተሃዊኽና ንኻልኦት ክንህውኽ ንነብር።

እምነትና ክንፈልጦ ክንምሃሮ ይግብአና። ኩሉ አብ ክርስቶስ ዝአምን ሰብ ንሓቂ ሒዙ ክጉዓዝ አፍልጦ እምነት ክህልዎ፥ ንእምነት ክፈልጥ ክምሃር ከንብብ ክሰምዕ ይግብኦ። ቤተ ክርስትያን አፍልጦና ክዓቢ በብእዋኑ መግለጽን ትምህርትን ትህበና። ቅዱስ መጽሓፍ ክነንብብ፥ ጉባኤ ቫቲካን ዝአወጆ ክነንብብን ክንርዳእን፥ ንሓዲስ ትምህርቲ ክርስቶስ፥ ብምልኡ ክነንብቦ ክንርድኦን ንሕተት አሎና። ግላውን ሓባራውን ጸሎታት፥ አስተምህሮታት ከምኡ ጉባኤታት ክንሳተፍ ሓደራ ትብለና አላ። እምነትና ክነብሮ ክንሰብኮ እንተ ኸአላና መንፈስ አምላኽ ንዓለምና ክወርዳ እዩ። ክንሕደስ ክንቅየር አብ ልብና አቲና ንኽአል።

ካልአይቲ ንባብና ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ እያ፥ ብዛዕባ ናይ እምነት መልሲ ይነግረና። አብ እምነት ምምላስ ምንሳሕ ጥራሕ እኹል አይኮነን ክንምልስ ክንክእል አሎና። እቶም ዝተመልሱ ንእምነቶም ብሓቂ ክነብርዎ ይግብኦም ሓቛቚ ልብኹም ተዓጠቑ ከምኡውን ተጠንቀቑ፥ ተስፋኹም ከአ ብምሉኡ አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን፥ ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ቐደም ደናቑር ከሎኹም እትገብርዎ ዝነበርኩም ክፉእ አይትመነዩ (1፡13-14) ይብል። ብኻልእ አዘራርባ ከም አምላኽ ክኾኑ እዩ ዝነግር ዘሎ። “አነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ” (1፡16)። እምነት መጠን ዝዓበየሉ መጠኑ አብ አምላኽ ክኸውን አለዎ።

አብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ እናበለ መጀመርያ እዚ እንነብሮ ዓለም ከም መገሻ ዝውዳእ ሓላፊ ምዃኑ ፈሊጥና ክነብር፥ ከምኡ ኩሉ ጊዜ ድኹማት ስለ ዝኾና ስኩፋት ክንከውን ንአምላኽ ርኢና ክንክእል እሞ ጉዕዞ ሕይወትና ብቅድስና ክንመርሕ። ቅድስና ሓለዋ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ድላይካ እናገበርካ ዝርከብ ጉዳይ አይኮነን። ርእስና መሊኽና ነቲ እንስሳዊ ባህርና አቢና ነቲ አብ ቅድስና ዝወስደና አብ ገለ እዋን አንጻር ድለትናን ርድኢትናን ዝኾነ መገዲ ክንመርጽ ዝግድደና እዩ። ቅድስና ምርጫ አይኮነን ትእዛዝ እዩ። ናታትና ተራ ምቕባል እዩ፥ ናይ እዚ ኩሉ አብ አምላኽ ተስፋ ገርና ክንጉዓዝ እንከሎና እዩ።

ዋጋ ድኅነትና ርኢና ክንክእል እንከሎና ንጉዕዞ ቅድስና ሒዝናዮ አሎና ማለት እዩ። ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝድኃንኩም እምበር ብጠፋኢ ነገር ብብሩር ወይ ብወርቂ ኸም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም እናበለ ጴጥሮስ ዝጸሓፋ ሎሚ ንአና እውን ዋጋ ድኅነትና ርኢና ክንክእል። ንአምላኽ ዝገበረልና ጸጋ በብእዋኑ ክንርኢ እሞ ናቱ ኮና ብምሉእ ክርስትያናዊ ሓላፍነት ክነብር።

ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ቀደም ደናቑር ከሎኹም እትነብርዎ ዝነበርኩም ክፉእ አይትመነዩ (1፡14) ንዝሓለፈ ኃጢአትና ኃዲግና ሓዲስ ምዕራፍ ጉዕዞ ሕይወት ክንጅምር ይምዕደና። ንዓመታት እትጉዓዞ ዝነበርካ ክትሓድግ ቀሊል አይኮነን። አረጊት ድለታትና ተግባራትና ጸጸኒሖም አብኦም ክንምለስ እሞ ግዙአት ኃጢአት ኮና ክነብር እዮም ዝደልዩና። ግን ሎሚ ዝድለ ዘሎ ብንስሓ ሕይወትና ቀይርና ክንርከብ እሞ ንዝሓለፈ ከይንምለሶ ቍርጺ ፍቓድ ገርና ንቅድሚት ንጉዕዞ ቅድስና ክንምርሽ ንሕተት አሎና።

አብ አምላኽ ክንምለስ እንከሎና አብ ሓዳስ ቤተ ክርስትያን አብ ሓድሳ ስድራ ኢና እንጽንበር። ተባሪርና ክነብር ናይ አምላኽ ድለት አይኮነን። አብ ቤትና ተመሊስና መንፈስ ደቂ ቤት ክህልወና ድላይ አምላኽ እዩ።

በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታን ዘሎና ርክብ ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ ንሱ ዝደልዮ ክንርከብ፥ ንዝወደቕናዮ ክንስሓሉ ሓዲስ መንፈስን ሕይወትን ለቢስና ቅዱሳን ክንከውን፥ እምነትና ክነብሮ ክንሕድሶ ድላይ አምላኽ ምዃኑ ፈሊጥና ብእምነት ክንዓቢ ኦ ጎይታና እምነት ወስኸና ኢልና ክንልምኖ እሞ ንቅድስና ንሰላም ንንስሓ ናትና ኢልና ሒዝና ክነብር መብጽዓና እነሓድሰሉ ሰንበት ምዃኑ ፈሊጥና ዕርቂ ምስ አምላኽ ዕርቂ ምስ ከማና ሰብ ክንገብር ንሕተት አሎና።

ኦ ማርያም አደና ጣዕምን ቅድስናን ካባኺ ተማሂርና እሙናት አርድእቲ ወድኺ ክንከውን ለምንልና ጸልይልና ንበላ።

ብሩኽ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

መዓልቲ ምስጋና (Thanksgiving Day)

ንብባት፡ 1ቆሮ 1፡3-9፥ ሲራክ 50፡22-24፥ ሉቃስ 17፡11-19

ሰብ ንአምላኽ ከመስግን ከፍቅር ዝተፈጥረ እዩ። አብ ናይ ባልቲሞር ት/ክ እግዚአብሔር ንምንታይ ፈጠረና አብ ዝብል ክምልስ እንከሎ ክንፈልጦ ክንፈትዎ መንግስተ ሰማይ ክንአቱ ዝብል ተማሂርና። ዓላማ ተፈጥሮን እምብአር ምስ አምላኽ ኮና ፍቕሩ ምስትምቓር እዩ። እንተ ኾነ ሕሱም ጸላኢ ነዚ ሕጊ ተፈጥሮና አብ መንጎ አትዩ አበላሽዩልና፥ ነቲ ብነጻ እንረኽቦ ዝነበርና ጻዕርና ከም ዝሕወሶ ገሩ። ሰብ እምብአር ከመስግን እንከሎ ንተፈጥርኡ እዩ ዝገልጽ። ክነመስግን ግቡእና እዩ።

አብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተፈላለየ መዓልቲ ምስጋና ይኸብር፥ መዓልቲ ነጻነት፥ መዓልቲ ወለዲ፥ መዓልቲ ስዉኣት፥ መዓልቲ መማህራን፥ ከምኡ ናይ ኵስሚ ብዓል ክነኽብር ከሎና. . . ነቲ ሰናይ ዝተገብረልና ክነመስግን፥ ነቲ ኹሉ አምላኽ ዝገበረልና ርኢና ንሕና እውን አብ ሰናይ ግብሪ አሕዋትና ክንወፍር ንማለት እዩ።

ልዕሊ ኹሉ ክነመስግኖ ዝግብአና አምላኽና እዩ ስለ ዘፍቀረና ስለ ዝፈጠረና ዕለት ዕለት ብጸግኡ ስለ ዝናበየና፥ አብዛ ሰዓት ከይተረፈ ንኹሉ ዝሃበና ክነመስግኖ ይግብአና። እቲ ዝለዓለ ፍቕሪ አምላኽ ዝተራእየሉ ንሓደ ወዱ ምእንታና ኢሉ ምስለአኾ ገሊጽልና። ክርስቶስ ምእንታና አብ መስቀል ተሰዊኡ አድሒኑና። አብ ትሕቲኡ ክነብር ኢሉ ቤተ ክርስትያና መስሪቱልና፥ ቤተ ክርስትያን ከአ ብምስጢራቱ ገራ መንፈሳዊ ጸጋታቱ ትዕድለና። ንአምላክ ብክርስቶስ ገርና ክነመስግኖ ባዕሉ ክርስቶስ ምሂሩና። ብስመይ ንሰማያዊ አቦ እንተ ለመንክምዎ ኩሉ ክውሃበኩም እዩ ኢሉና።

አብ መአዲ ቅ. ቍርናን ዝለዓለ ምስጋና ነቕርብ፥ “አኮቴተ ቍርባን” ንብሎ ብግሪኽ ምስጋና ማለት እዩ። ነቲ ምእንታና ዝሞተ ክርስቶስ ዘኪርና መስዋዕቲ ክነዕርግ እንከሎና ዝለዓለ ምስጋና ነዕርግ። አብ ሓደ መአዲ ሓደ መንፈስ ሒዝና ክነብዕል እንከሎና አብ መንጎና ሓድነት ከምኡ ሓደ መንፈስ ክርስቶስ አሎ። ብመንፈስ ቅዱስካ ከም እንሓብር ግበረና እናበልና ንጽሊ። ቅ. ቍርባን ቀዳማይ መለለይኡ ፍቕሪ እዩ ዝገልጽ። ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ አነ አብኡ እነብር ንሱ አባይ ይነብር ይብለና። ሎሚ ነዚ ናይ ምስጋና መአዲ ብዳግም ነዕርጎ። አብ መንጎና ሓዲርካ አሎኻ እሞ ነመስግነካ አሎና እናበልና ጸሎትና ነዕርገሉ።

አብ ቀዳመይቲ መልእክቲ ዝተነበት ጳውሎስ ስለቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተዋህበኩም ጸጋ ንአምላኽ ብዛዕባኹም ዅሉ ጊዜ ንአምላኸይ አመስግን አሎኹ ኢናበለ ምምስጋን ክፍሊ እምነትና ከምዝኾነ ይገልጽ። ንወሃቢ አምላክ ክነመስግኖ ከሎና አብ ልብና አሎ ማለት እዩ። ነቲ አምላኽ ዝገበረልካ ርኢኻ ምኽአል ንሓደ አማናይ ጸጋ የውህቦ። ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ቀንዲ ዘመስግኖም ነቲ ንሱ ዝመሃሮም አብ ልቦም ሓዲሩ ይነብርዎ ከምዘለዉ ምስ ሰምዐ እዩ። ከምኡ እቲ ዝዓበየ ምስጋና ንእምነትካ፥ ነቲ ቤተ ክርስትያን እተስተምህረና ክነብሮ ክንገልጾ እንከሎና እዩ። አብዚ ክንጥንቀቖ ዘሎና ብስም ሰማዕናዮ ንትግብሮ አሎና ማለት አይኮነን ክነብሮ አሎና።

ዓለም ሎሚ ንአምላኽ ሓዲጋ ዳርጋ ቦታ አምላኽ ሰብ ተኪእዎ አብ ከቢድ ፈተና ትርከብ አላ። ነቲ ጸጋዊ አምላኽ አብ ጎኒ ሓዲግና አብ ክብሪ ዓለምን ምውናን ነገራትን ዘንቢልና ብዝያዳ እንርእዮ ምዕባሌ ማሪኹና ከም ሰብ ሰዶምን ጎሞራን ኮይና ቦታ አምላኽ ጠፊኡና አብ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት ይነብር አሎ ብፍቕሪ ዝተፈጥረ ሰብ ባርያ ስምዒቱን ባዕሉ ናይ ዝመሃዞ ግዙእ ኮይኑ አሎ። አብ አምላኽ ክንምለስ እሞ ነቲ ኩሉ ዘገበርልናን ዝገብረልና ዘሎን ርኢና ክነመስግን አብኡ ንመለስ። አብ አምላኽ እንተ ተመሊስና እሞ መገዲ እንተ ሒዝና ጳውሎስ ዚጎድለኩም ውህበት ጸጋ የልቦን ይብለና።

አብ መጽሓፍ ሲራክ ነቲ አብ ኩሉ ዓበይቲ ነገራት ዝገበረን፥ ካብ ንውለድ ጀሚሩ ዘኽበረናን፥ ብምሕረቱ ዝናበየናን አምላኽ ኵሉ ፍጥረት አመስግንዎ (ሲራክ 50፡22) ዝብል ንአምላኽ ክነመስግን ግቡእና ከምዝኾነ ይነግረና። ንአምላኽ እንተ አመስገና ብልቢ ከም እንሕጎስ ይገብረና፥ ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን ከአ አብ እስራኤል ሰላም ይህበና፥ ምሕረቱ ይህበና ብኹሉ መዋዕልን ሕይወትና ኸአ የድኅነና እናበለ ፍረ ምስጋና እንታይ ምዃኑ ይነግረና።

አብ ዝተነበ ወንጌል ሉቃስ ኢየሱስ ብመገዲ ክሓልፍ እንከሎ ዓሰርተ ለምጻማት ካብኦም ትሽዓት እስራኤላውያን ሓደ ግን ሳምራዊ ብሓደ አብ ብዓቲ ካብ ሰብ ተፈልዮም ዝነብሩ ዝነበሩ ራሕርሓልና ምሓረና እናበሉ ለመንዎ ይብለና። አብዚ ብዙሕ ነገር ክንሓስብ ንኽእል።

  1. ዓስርቲኦም ብሓባር ይነብሩ ነሮም ሓደ ዓይነት ሕማም ስለ ዝነበሮም። ካብ ሰብ ተፈልዮም አብ ግሉል ቦታ ይነብሩ ነሮም አብ ሰብ ክቐርቡ አይክእሉን እዮም ብምኽንያት ሕማሞም። አይሁድን ሳምራውያንን ጥዑያት ብሓባር ክነብሩ አይኮኑ ሰላም አይብሃሃሉን እዮም። ዓቢ ፍልልይ ነርዎም እዞም ለምጻማት ግን ብሓባር ይነብሩ ነሮም። ሕማሞ ሓድነት ፈጢርሎም። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ክንርእዮ ከሎና ሓጢአት ምስ ገበርና ካብ አምላኽን ካብ ሰብን ንፍለ። ስለዚ ክንሓዊ ንኢየሱስ ክንልምን አሎና። ንሱ አብ መገዲ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ይሓልፍ እዩ፥ እንተ ኾነ ክንጽውዖ ጸገምና ክንገልጸሉ ይደሊ። ንጸውዓዮ። ሕማም ለምጺ በቲ እዋን ከቢድ ሕማም እዩ ነሩ፥ ካብ ሰብ ትፍለ አብ በዓቲ ትነብር ብኹሉ ፍንፉን ኢኻ፥ እዚ አምሳል ናይ እቲ ባዕልና ኃጢአት ዘምጽኦ ጉድአት እዩ።
  2. ብመገዲ ክሓልፍ እንከሎ ዓው ኢሎም ጸዊዖሞ። አብ ብዙሕ ሉቃስ ኢየሱስ ብመገዲ ክሓልፍ እንከሎ ነቶም ዝለመንዎ ከም ዝሰምዖምን ድላዮም ከምዝገብረሎምን ይነግረና። ሎሚ ንሕና አብዚ ቅዱስ ቦታ ብልቢ ንለምኖ ክሰምዓና እዩ። ዓው ኢልና ጥራሕ ንጸውዓዮ። እቶም ለምጻማት ስለ ዝጸውዑ እምበር ምሓለፎም ነሩ እምብአር ጸጋ አምላኽ ከይ ሓልፈና ክንጽውዖ አሎና። አብ አምሳል መገዲ ዝኾነ ሕይወትና ኢየሱስ ክጓነፈና እንከሎ ነለልዮ እሞ ጸገምና ንግለጸሉ። ሕማምና ስቓይና ድኽመትና ጸገምና ብሓጺሩ ዓው ኢልና ንንገሮ እሞ ክሰምዓና እዩ።
  3. አብ መገዲ እናኸዱ ሓውዮም ይብለና። አብ መገዲ ንኢየሩሳሌም ገጾም እናኸዱ ሓውዮም። አብ መገዲ ንስሓ እንከለዉ ምሕረት አምላኽ ወሪድዎም። ኩሎም ከምዝሓወዩ ፈሊጦም እንተ ኾነ ካብኦም እቲ ሓደ ካብ ካልእ ዓለት ዝኾነ ሳምራዊ ጥራሕ ተመሊሱ ንኢየሱስ አመስጊኑ። እቶም ካልኦት አይተመልሱን። ዘገርም እዩ ክሳብ ክንደይ ጠለምቲ ኢና። ነቲ ኩሉ ዝተገብረልና ንርስዕ ንጠልም ንአምላኽ ከም ሓንቲ ዘይገበረልና አይንዝክሮን። ስለዚ አመስገንቲ ክንከውን አሎና። እሞ እስከ ንድሕሪት ገጽና ቁልሕ ንበል ዝሓለፍናዮ ናብራን ሕይወትን ንርአ ንመርምር እዚ አብ ምምስጋን ክመልሰና እዩ።
  4. አምላኽ አብ ዓቢ ውድቀት ከሎና ከይተረፈ ክረኽበና ይደሊ። አብ ዓቢ ኃጢአት አብ ቂምታን ክፍአትን አብ ሕርቃንን ከቢድ ጽልኢ እንከሎና ክረኽበና ይደሊ። ደንበርበር እናበልና አብ ጸልማት ክንጉዓዝ አይደልን እዩ። ንዘሎናዮ ጸልማት አለሊና ንአምላኽ ልብና ክንከፍተሉ እሞ ካብ ኃጢአትና ክነጽሕ እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ይምህረና። ንአምላኽ ጸዊዑ ዝኽእል ዕዉት እዩ።
  5. እቶም ዝሓወዩ ዓሰርተዶ አይኮኑን እቶም ትሽዓተ ድአ አበይ አለዉ? ንሕና ካበነቶም እና? ክነመስግን አብ አምላኽ እንምለስ ዲና ወይስ ሱቕ ኢልና እንኸይድ። ክተመስግን ክትምለስ አሎካ። ተገሩለይ ኢልና አብ አምላኽ ክንምለስ ከሎና ተንሥእ እሞ ኪድ እምነትካ አሕወየትካ ዝብል ኢና እንሰምዕ። ክንሕደስ ክንቅየር ሓዲስ ሕይወት ለቢስና ምስ ሰብና ክንሕወስ አብ አምላኽ ተመሊስና ክነመስግን አሎና።  

ምዓልቲ ምስጋና አብ ሕ.መ.አ. ብደረጃ ሃገር ክብዓል ዝጀመረ በቶም ቀዳሞት ስደኛታት አብ ሓዳስ ክፍለ ዓለም ዝመጹ ብ1621 እዩ። እቶም ቀዳሞት ስደተኛታት ሓንቲ ዘይብሎም አብዚ ሓዲስ ዓለም ምስ መጹ ሓንቲ አይነበሮምን እሞ ምስቲ ኹሉ ቁርን አብ ዘይትፈልጦ ዓድን፥ አብቲ ናይ መጀመርያ ጊዜ እቶም ደቂ ዓዲ ነዞም አጋይሾም ከመይ ገሮም ዕፉን ከም ዝዝራእ አርእዮሞም ስለዚ አብቲ ቀዳማይ ፍረ ማሕረሶም ንዓመት ዝኸውን እትዋት ስለ ዝረኸቡ ብሓባር ምስቶም ደቀባትን ኮይኖም ናይ ምስጋና ብዓል ብሓባር ከብዕሉ ጀሚሮም። ነዚ ብኽልተ ምኽንያት የብዕልዎ ነሮም።

ሀ. በቲ እዋን ዝረኸብዎ ጽቡቕ ቀውዒ ንምምስጋን። ምስቶም ደቂባት ህንዳውያን ኮይኖም ንሰለስተ መዓልቲ ብሓባር አምስጊኖም።

ለ. ንአምላኽ በቲ ኩሉ ዝገበረሎም ንምምስጋን፥ ጸሎትን ምስጋናን አዕሪጎም።

ብዕሊ ንመጀመርያ ብ1777 አብቲ ጊዜ ናዕቢ አንጻር መግዛእቲ እንግሊዝ መዓልቲ ምስጋና ተአዊጁ። ጆርጅ ዋሽንግቶን ጥቅምቲ 1798 ንመጀመርያ ጊዜ መዓልቲ ምስጋና አብዒሉ። አብርሃም ሊንከን ብዝልዓለ ከምእትብዓል ዝገበረ እዩ። ብ1863 ብአዋጅ ሃገራዊ ብዓል ምስጋና ተአዊጁ። ብ1942 አብ ጊዜ ካልአይ ውግእ ዓለም ኮንግረስ ንኹሉ ጊዜ አብ ኅዳር ራብዓይቲ ሓሙስ መዓልቲ ምስጋና ኮይና ክትብዓል ወሲኑ። ሎሚ እምነቶም ብዘየገድስ ኩሎም አመሪካውያን ምስ ስድርኦም ታኪን ሓሪዶም የብዕልዎ። ብሓቂ ናይ ስድራን ናይ ሃገር ብዓል እዩ። በዚ ዕለት ኩሉ ዕዳጋ ይሓስር ኩሉ ሰብ ንብዓል ልደት ዝኸውን ህያባት ወይ ዘድሊ ነገራት ይገዝእ ምኽንያቱ ዋጋ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ይሓስር። ስድራታት ዝተፈላለየ መዘናግዒ ከምኡ ናይ አመሪካውያን ኵዕሶ እግሪ ዝጻወቱ ብምርአይ ይሕልፍዎ። ስድራታት ፍልልዮም አልዮም ብሓባር ዘብዕልዎ ብዓል እዩ። ናይ ስድራ ብዓል እንተ ተባህለ አይገርምን እዩ።

ስድራ ብሓንሳብ ዝሕጎሱሉ ዘጽልይሉ ብሓባር ኩነታቶም ዝግምግሙሉ ክረኽቡ እንከለዉ ርክባቶም ብዝያዳ ይድልድል። ስድራ እንተ ዘየለ ኩሉ ፋሕ እዩ ዝብል። ንስድራኻ ምኽባር ንበተሰብካ ምፍቃር ዝመስልዎ የለን። ሎሚ ንሰብ ከቢድዎ ዘሎ ፍቕሪ ሰላም ምምሕሓር ዝጎደሎ ስድራታት በዚሑ ስለዚ ነዚ ናይ ሎሚ ምኽንያት ገርና ምስ ስድራና ከመሎና ንበል እሞ ንዘሎ ጸገም ንፍትሓዮ። ብሓባር ንጸሊ ነቲ ሰናይ አድሕድ ጥራሕ ንርአ። ንዝአኻኽበና እምበር ንዝፈላለየና አይንጠምት።

ነነድሕድና ነቲ ሰናይ አብ መንጎና ዝግበር ርኢና ክንክእል አሎና። ክነመስግን እንተ ጀመርና አብ ልብና ተመሊስና ነቲ ዝተገብረልና ከነለሊ ክኢልና አሎና መለት እዩ ከምኡ ነቲ ዝገበረ ክሳብ ክንደይ ከምዝፍቅረና ክንርኢ ክኢልና ማለት እዩ። ክነመስግን ከሎና ዓይንና ይበርህ ይርኢ። ቅ. ጳውሎስ ብኹሉ አመስግኑ ከመይ አብቲ ብክርስቶስ ዘሎኩም ሕይወት አምላኽ ዚደልዮ እዚ እዩ (1ተሰሎ 5፡18) እናበለ አመስገንቲ ክንከውን ይነግረና።

  • አመስገንቲ ንኹን። ነቲ ዕለት ዕለት ዝግበረልና ነመስግን። ምስጋናና ገሊጽና ክንክእል አሎና። ነቶም ኩሎም ሰናይ ዝገብሩልና ክነመስግኖም ግቡእ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ ነቲ ዅሉ ጸግኡን በረኸቱን ስለቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ምስ ወደቕና ክነመስግኖ ይግብአና።
  • ንወለድና ክነመስግኖም ይግብአና። ሕይወት ዝሃቡና ንኹሉ ክርስትያናዊ መዕበያን ጽቡቕ አብነት ዝሃቡና።
  • ንኹሎም አዝማድናን አዕሩክትናን ፍቕሪ ዝመልኦ ደገፎም ዘርአዩና ከምኡ አብቲ ሓገዝ ዘድልየና እዋን ዝሓገዙናን ዘበራትዑናን ክነመስግኖም አሎና።

እምብአር ነዚ መዓልቲ ምስጋና መጀመርያ ንአምላኽ ክነመስግ ነቲ ኹሉ ዝሃበና ሕጉ ትእዛዙ እናሓሎና ከነመስግኖ። ነቶም ኩሎም ጽቡቕ ብዝተፈላለየ መገዲ ሠናይ ዝገበሩልና ክነመስግኖም ይግባእ። አምላኽ ንኹሉ ብጸግኡ ክናቢ አብዛ እንነብራ ዓለም ብፍቕሪ ብሰላም ክነብር ክባርኸና ንለምኖ።

ርሑስ መዓልቲ ምስጋና ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 

28 November 2021, 12:25