ድለ

ር.ሊ.ጳ. ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ፍቕራዊ ኢድ ቤተ ክርስቲያን ኵኑ! ር.ሊ.ጳ. ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ፍቕራዊ ኢድ ቤተ ክርስቲያን ኵኑ! 

ር.ሊ.ጳ. ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ፍቕራዊ ኢድ ቤተ ክርስቲያን ኵኑ!

“ቤተ ክርስቲያን ንድኻታትን ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ተኣፋፍያን ዘለዋ ፍቕሪ መስከርትን ኣስተርእዮን ክትኰኑ አተባብዓኵም”

“ኣገልግሎትኩም ብትሕትናንብምህዞን ክትፍጽምዎ ነቶም ኣዚዮም እተገሉ ክትበጽሕዎምን ከምኡ እውን ብዘይንጽል ኵለንተናዊ ምዕባለ ነቲ ጐሓፋይን ሸለልትነትን ባህሊ ፈውሲ ክትኰኑ እዕድመኩም” ብዝብላ ቃላት ኣቢሎም ዕለት 12 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ምኽንያት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ኣባላት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “እትረኽብዎ መንፈሳዊ ሓገዝ ንሓደስቲ ብድሆታት እተሰንፍሉ ክኸውን እተባብዓኩም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቤተ ክርስቲያን ንድኻታትን ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ተኣፋፍያን ዘለዋ ፍቕሪ መስከርትን ኣስተርእዮን ክትኰኑ አተባብዓኵም” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ታሕሳስ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣርዳሻኦም ኣቢሎም ከምዝፈነውን እዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም እዚ ብሓልዮት ፒዮስ መበል 12 ድሕሪ ካላኣይ ወግእ ዓለም ዝተቐላቐለ ሰብኣዊ ጸገማትን ንምእላይን ነቶም ግዳያት እቲ ውግእ ንምሕጋዝን ዝዓዪ ተሓባባሪ ኣካል ንምቛም ዕለት 12 ታሕሳስ 1951 ዓ.ም. ናይ መላእ ካሪታስ ማሕበር ኣህጉራዊ ዋዕላ ምክያዱን ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ተቕዋም ከምእተመስረተን ሎሚ ኣብ 162 ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ማሕበር ረድኤትን ዝሓቁፍን ኣብ ክልተ ሚእቲ ሃገራት ንድኻታትን ስኡናትን የገልግል ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሓባር ንብሉጽ መጻኢ

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ቅዋሜኡ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ “ሰብዓ ዓመት ምስ ድኽነት ቃልሲ” ብዝብል ኣርእስቲ ሎሚ ዕለት 13 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ከምእተኻየደን ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዘስምዕዎ ቃል እቲ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ “ብሓባርን ንሕና - ንብሉጽ ጽባሕ ሎሚ ምዕያይ” ብዝብል መርሕ ቃል ዘካይዶ ዘሎ ወፈራ ዘኪሮም ማሕበርሰብ ኣብዚ ወፈራ እዚ ንኽሓብር ጻውዒት ከምዘቕረቡን ኣብ ይሴባሕን ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስተን ዓዋሲያን መልእኽቲ ዝጸንዔ ወፈራ ክኸውን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ መላእ ዓለም ወትሩ ኣብ ጐድኒ ድኻታት

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ቅዋሜ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ተቕዋም ናይዚ ተቕዋም እዚ ኣበ ነፍስ ብጹዕ ኣቡነ ፒየር ቺባምቦ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ተቕዋም ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ተልእኾ መጋበርያ ክኸውን እተጸውዐ እዩ።  ንድኻታት ብምግልጋል ድማ ይገልጾን ይነብሮን። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ እቲ ተቕዋም ዘይንጸል ክፍሊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ብምዃን ኣብ መላእ ዓለም ዘገልግል እዩ ኢሎም።

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ መላእ ዓለም እዩ ዝርከብ። ስጒምትታቱ ክሳብ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ? 160 ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝሓቁፍ ኣብ 200 ሃገራትን ዞባታትን ዘገልግል ድሕሪ ቀይሕ መስቀል ክበሃል ይከኣል ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ሕጹጽ ሰብኣዊ ኵነት ምስ ዝኽሰት ህልው ብምዃን ዘሰንይን ናይ ህዝብታት ሰብኣዊ ኵነት ክመሓየሽ ብዝተፈለየ መደባት ግብረ ሰናይ ተዋፊሩ የገልግል ናይ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኢድ እዩ። ተልእኾኡ ናይ መላእ ቤተ ክርስትያን ተልእኾ እዩ ኢሎም።

ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን መበል 70 ዓመት ቅዋሜኡ ትዝክሩ ኣሎዅም፥ ናይዚ 70 ዓመት ጸብጻብ እንታይ ይመስል? ክቐውም እንከሎ 12 ማሕበር ረድኤት - ካሪታስ ጠርኒፉ እዩ ዝተበገሰ ሎሚ 162 ዝተፈላለየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕበራትን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ዝሓቁፍ ንምዃን በቒዑ ኣሎ። እቲ ኣብ 1951 ዓ.ም. እተዘርአ ዘርኢ ዓቢይ ኦም እኳ እንተ ዀነ ብቐጻሊ እናዓበየ ዝኸይድ እዩ። ተቕዋማት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ እናዓበየ ከምዝኸይድ ቈልዓ እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝበልዎ፡ እናዐበየን እናደልደለን እዩ ዝኸይድ።

ብዛዕባ መጻኢ. . . ? ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብተን ክልተ ማለት ኣብታ ይሴባሕን ደሓር እውን ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ኣብ ዘርእስተን ዓዋዲያን መልእኽቲ ዘመላኸትዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብ ከነለልይን ዝነብሮ ህልው ኵነታት ክንፈልጥን በዚ መሰረት ንምፍታሕ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብምዃን ምግልጋል እዩ። እተን ዓዋዲያን መልእኽቲ ዘለለየኦ ማሓድሮኣውን ማሕበራውን ቅልውላው ማእከል ብምግባር ከምቲ ቅዱስነቶም “ንድኻታት ኣገልግሉን ኣሰንዩን ተኸላኸሉን” ዝበልዎ ኮይኑ ብምርኻብ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን መፍትሒ ዘቕርብ እዩ። ኣብዚ ቃልሲ እዚ እውን ምስተን ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ይተሓባበርን ኣድማሳዊ ሕውነት ንምድፋዕ ይዓዪ። እተን ክልተ ናይ ቅዱስነቶም ዓዋድያን መልእኽቲ ናይ ካሪታስ እንተርናዚዮናሊስ ቡሶላ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

14 December 2021, 08:59