ድለ

ነቲ ንመዓልቲ ምድኃን እተኃተምኩምሉ ናይ አምላኽ መንፈስ ቅዱስ አይተጕህይዎ። ኤፈ 4፡30

ምዕራፍ 4 ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፈሶን ክልአይ ክፍሊ ገርና ክርአያ ንኽእል። ነዚ ኸአ ገለ ፍሉይ ተግባራዊ ሳዕበናት ናይ ዝሓለፈ ትምህርቲ አብ ሕይወት ሰማዕቱ መሰረት ገሩ እዩ ዝህቦ። ናይ ዝሓለፈ ትምህርቱ (1-3) ዘሎ ምዕራፋት ናይ ክርስቶስ ግልጸት ዘተኮረ እዩ። አብተን ቀዳሞት ምዕራፋት መጀመርያ ብክርስቶስ ዝርከብ መንፈሳዊ በረኸት ድሕሪ ምግላጽ ጳውሎስ ጸሎትን ምስጋና የቕርብ እዚ ኸአ አብ ሕይወት ኩሎም ዝርአዮ መሰረት ገሩ እዩ፥ ነዚ ክድልድል ኢሉ ብክርስቶስ ሕያው ምዃን ከም ዘድሊ ብዕምቆት ይገልጽ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንመንፈስ ቅዱስ አይተጒህይዎ

ንባብ፡ ኤፈ 4፡30 ነቲ ንመዓልቲ ምድኃን እተኃተምኩምሉ ናይ አምላኽ መንፈስ ቅዱስ አይተጕህይዎ።

አርእስቲ ትምህርትና ወይ አስተንትኖና አብ ትምህርቲ ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ኤፈሶን ዝጽሓፋ መሰረት ዝገበረ እዩ። ቅ. ጳውሎስ ምስቲ አብ እዋኑ ዝነበረ ኩነታትን ነቶም አመንቲ ይሕግዞም እዩ ዝበሎ ትምህርትን ሓሳብን አብ ግምት አእትዩ ናብ ዝተፈላለዩ ሰባትን ህዝብን መልእኽትታቱ ጽሒፉ። ሎሚ በዚ አጋጣሚ እዛ መልእኽቲ ብፍላይ ከአ እዛ ጥቕሲ ንአይን ንአኻትኩምን ከም ዝተጻሕፈት ገርና ንርአያ ሽዑ ብሓቂ ፍረ ክህልዋ እዩ። ጸገምና መልእኽትታት ጳውሎስ ቅድሚ 2000 ዓመት ዝተጻሕፉ ነቶም ብግዚኡ ንዝነበሩ ጥራሕ ዝተጻሕፈ ከም መወከሲ እምበር ንአና ከም ዝተጻሕፈ ገርና እንተ ዘይረአናዮ አይ ክሕግዘናን እዩ፥ ስለዚ እዘን ቅዱሳት ቃላት ጳውሎስ ንነፍሲ ወከፍና ከም ዝኾነ ገርና ንርአየን። ቅድሚ አብቲ ዝርዝር ምእታውና ንርድኢትና ምእንቲ ከዕብዮ መሰረት ትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ ክንርኢ ሓጋዚ እዩ።

ምዕራፍ 4 ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፈሶን ክልአይ ክፍሊ ገርና ክርአያ ንኽእል። ነዚ ኸአ ገለ ፍሉይ ተግባራዊ ሳዕበናት ናይ ዝሓለፈ ትምህርቲ አብ ሕይወት ሰማዕቱ መሰረት ገሩ እዩ ዝህቦ። ናይ ዝሓለፈ ትምህርቱ (1-3) ዘሎ ምዕራፋት ናይ ክርስቶስ ግልጸት ዘተኮረ እዩ። አብተን ቀዳሞት ምዕራፋት መጀመርያ ብክርስቶስ ዝርከብ መንፈሳዊ በረኸት ድሕሪ ምግላጽ ጳውሎስ ጸሎትን ምስጋና የቕርብ እዚ ኸአ አብ ሕይወት ኩሎም ዝርአዮ መሰረት ገሩ እዩ፥ ነዚ ክድልድል ኢሉ ብክርስቶስ ሕያው ምዃን ከም ዘድሊ ብዕምቆት ይገልጽ። ኵልና ብክርስቶስ ሓደ ኢና እናበለ በቲ እዋን ዝነበረ ግጉይ አተሓሳስባን ፍልልያትን ርእዩ ክርስቶስ ምእንቲ ኩልና እዩ መይቱ አብኡ ፍልልይ የለን ስለዚ ሓድነት ደቂ ሰብ ናይ ክርስቶስ ድለት እዩ። ወንጌላዊ ዮሓንስ ነዚ ሓሳብ አትሪሩ ይገልጾ። ንሱ አብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከለካሊ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ. . . . . ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም አበሠረኩም ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ኸአ ሰላም አበሠሮም ከመይ ክልተና ብእኡ ኢና ብሓደ መንፈስ ናብ አቦ እንአቱ። ቀጺሉ ጳውሎስ ዕዮኡ (3) አብ አህዛብ ይገልጽ።

መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፈሶን አብ ክልተ ክትክፈል ይክአል እዛ ሎሚ እንርአያ ኤፈሶን 4 ካልአይ ክፋል ናይ መልእኽቱ እያ። ከም ዝተባህለ አብ ቀዳሞት ምዕራፋት አብ ምግላጽ ምስጢር ክርስቶስን ንኹሎም ደቂ ሰብ ከም መጸዋዕታ ከም ዝኾነ ዘተኮረ እዩ። አህዛብን አይሁድን ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ክፈጥሩ። ካልአይ ክፋል ናይ እዛ መልእኽቲ ኸአ መጸዋዕታ ንሓደነት ክርስትያን አብቲ ንምፍልልያት ዝፈታተኖም እዋን ብዝያዳ ክስርሓሉ (ኁ 1-3) ይነግሮም። ካብቲ ቀንዲ ክጥንቀቑሉ ዝመኽሮም ነቲ ዝተፈላለየ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፎም ተዋሂብዎም ዘሎ (ኁ 7) ከምቲ ግቡእ እምበር ካብኡ ወጻኢ ከይጥቀሙሉ ይምዕዶም፤ ከምኡ ካብ መናፍቓን ግጉይ ትምህርቲ ወይ ሓሳባት ክጥንቀቑ ይምዕዶም (ኁ 14)። አንጻር እዚ ኹሉ ጳውሎስ ዝምህሮ ሓድነት ቤተ ክርስትያን አብቲ ናይ አምላኽ ሓድነት ከም ዝተመስረተ ይነግር (ኁ 4-6)፥ ክርስቶስ አብ ምህናጽ ሰውነቱ ብዝተፈላለየ አገልግሎታ ብምሉእ ስልጣን ይዓዪ (ኅ8-13)፥ ከምኡ ብናይ አባላታታ ምትሕግጋዝ (ኁ 14-16)።

አስተምህሮና አብ ኁ 30 ዝተመስረተ እዩ። ነቲ ንመዓልቲ ምድኃን እተኃተምኩምሉ ናይ አምላኽ መንፈስ ቅዱስ አይተጕህይዎ። ንመንፈስ ቅዱስ ምጕሃይ ማለት እንታይ ማለት እዩ? ጳውሎስ ነዚ ክብል እንከሎ አብምንታይ መሰረት ገሩ እዩ ዝብሎ። ብርግጽ አቐዲሙ አብ ዝተንተኖ ሓሳባት አተሓሒዙ እዩ ዝብሎ። አትኩሮ ጳውሎስ ነቲ ብእዋኑ ዝነበረ ክርስትያናዊ ሞራላዊ ባህሊ ካብ ናይ ካልኦት ፍሉይ ከምዝኾነ ንምግላጽ እውን እዩ። ነዚ ኸረድእ ኢሉ ንስኻትኩም ሓደስቲ ፍጥረት ኢኹም ምዃንኩም ዘክሩ (2ቆሮ 5፡17) እናበለ ክርስትያን ምዃን አብ ሓዲስ መንነት ምእታው ማለት እዩ። ናይ ሓደ ክርስትያን ሞራላው ሕይወት አብዚ ዓላማን ርድኢት ኃጢአት አንጻር አምላኽ ዝተሰረተ እንተ ዘይኮነ ጨሪሹ ክርስትያን አይ ኮነን። ናይ ጳውሎስ ነጥቢ ከምዚ እዩ፥ ዝኾነ ግጉይ ሕይወት ንመንፈስ ቅዱስ የጕህዮ ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ማኅተም ናይ እቶም ኩሎም ዝድኃኑ ናይ ክርስትያን ውርሻን አብኦም ዝነብርን እዩ። ኩሉ ኃጢአት አንጻር ባህሪ አምላኽ እዩ አዝዩ ኸአ የጉህዮ። ሓደ ክርስትያን ክኸውን እንከሎ አብ ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ እዩ ዝአቱ አብ ፍቕሪ ይአቱ እምበር ከም ሓደ ሕጊ ዘፍርስ አይ አቱን። ሓደ አብ ኃጢአት ምስ ወደቐ ሕጊ ብምፍራሱ አይኮነን ክጉሂ ዘለዎ እንታይ ድአ ነቲ አንጻር እቲ አዝዩ ዘፍቅሮ ስለ ዝኸደ እዩ ክጉሂ ዘለዎ። ነዚ ከመይ ገርካ ትገጥሞ እንተ በልና ቀጺልካ አብ ቅድሚ ህላዌ አምላኽ ከምዘሎኻ ምሕሳብ የድሊ። ኩሎም ክርስትያን አብ ቅድሚ አምላኽ ከምዘለዉ ዘኪሮም ካብ ዝኾነ ክፉእን ንአምላኽ ዘጉህን ክርሕቁ አለዎም። እዚ ዓይነት ሕይወት አብ ሰናይ ክመርሖምን ምስኡ ሕጉስ ሕይወት ከምዝነብሩ ይገብሮም።

አብ እምነትና ምልስ ኢልና እንተ ሓሰብና ለቢስናዮ ዘሎና ጸጋ እንታይ ከም ዝኾነ ክንርዳእ ንኽእል። ሓደ ካብቲ ቀንዲ እምነትና ቅ. ጳውሎስ ከም ዝምህረና መንፈስ ቅዱስ ንሓድነት ቤተ ክርስትያን ዝጠምር እዩ (ኤፈ 4፡ 3-4)። እንተ ኾነ ብዝኾነ ምኽንያት ነዚ ሓድነት ዝብትን ወይ አብ መንጎ ፍልልያት ዝፈጥር ንመንፈስ ቅዱስ የሕዝኖ። መንፈስ ቅዱስ አብ ጸጋ ጥምቀት ምስ ተቐበልናዮ ማኅደሩ ንኸውን ምሳናን አባናን ይኃደር ካብዚ ንድሓር ምስ መንፈ ቅዱስ ጥቡቕ ርክብ አሎና። ድሕሪ ጥምቀት እቲ ዝተቐበልናዮ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ብምስጢረ መሮንን ካልኦት ምስጢራት ክንቅበል እንከሎና ምስኡ ዘሎና ርክብ ይጸንዕ። አብ ጉባኤ ፍሎረንስ ብ1319 ብዛዕባ ምስጢረ ሜሮን ከምዚ ይብል፡ መንፈስ ቅዱስ ዝተወሃብና ከምቲ ንሓዋርያት አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ብዘይ ዝኾነ ፍርሒ ንስም ክርስቶስ ከምዝምስክሩ ዝገበሮም ንሕና ኸአ ከጽንዓና ምእንቲ ሜሮን ንቕበል። ቅ. አምብሮዝዮዝ ብዛዕባ ምስጢረ ሜሮን ክትንትን እንከሎ ነፍሲ ሜሮን ክትቕባ እንከላ ማኅተም ትቕበል እዚ ኸአ ናይ መንፈስ ፍልጠትን ምርዳእን፥ ናይ ምጽንናዕ መንፈስ፥ መንፈስ ፍልጠት መንፈሳዊ ምዃንን፥ ከምኡ መንፈስ ቅዱስ ፍርሃት ይዕድላ ይብል። እግዚአብሔር አቦ ኃቲምኩም፥ ክርስቶስ ጎይታ አጽኒዕኩም፥ ናይ ንመንፈስ ቅዱስ ምልክት (ዕላመት) አብ ልባትኩም ሰሪጹ። ምስጢረ ሜሮን ሓደ ካብቶም ሰለስተ መስጢራት አብ ነፍስና ማኅተም ዝግበር እዩ፥ እዚ ማኅተም ንዘለዓለም ዝነብር እዩ።

ነዚ ርድኢት ሒዝና ነቲ ዘሎና አፍልጦ ክነዕቢ ንኽእል። መንዩ መንፈስ ቅዱስ? ብዙሓት መንፈስ ቅዱስ ካብቶም ክልተ አካላት ቅድስት ስላሴ ትሕት ዝበለ ገሮም ዝርድኡ አለዉ እንተ ኾነ መንፈስ ቅዱስ ቅ. መጽሓፍ ከም ዘረጋግጸልና አምላኽ ጥራሕ አይ ኮነን ናቱ ድለት፥ ናቱ ካብ ካልኦት (personality) ዘልኦ ከምኡ ክጉሂ ዝኽእል እዩ።

ሽድሽተ ፍሉያት ኃጢአት አንጻር መንፈስ ቅዱስ ዝፍጸሙ አለዉ።

ፕዮስ X (1903-1914) አብ ዘስተምሃርዎ ትምህርተ ክርስቶስ ሽድሽተ አንጻር መንፈስ ቅዱስ ዝኾኑ ኃጣት ይገልጹ፡

1.   እግዚአብሔር አይምሕረንን እዩ ኢልካ ተስፋ ምቝራጽ (Desparing of salvation) ። ሓደ ሰብ ተስፋ ድሕነት ከቋርጽ እንከሎ ማለት ዘለዓለማዊ ድሕነቱ ከም ዘጥፍአን ዝተኾነነን ገሩ ክሓስብ እንከሎ።  አብዚ እቲ ጌጋ ንመለኮታዊ ምሕረት ንኡስ ገርካ ምሓሳብ። ናይ አምላኽ ርትዕን ኃይልልን ዘይምእማን እዩ።

2.   ዓቢ ኃጢአት እናገበርካ ክትድኅን ተስፋ ምግባር (Presumption of salvation)። እዚ ሓደ ሰብ አብ ሕልንኡ ዘለዎ ጽቡቕ ብቕዓት አብ ትዕቢትን አንነትን ዘምርሕ ከሕድር እንከሎ ዝፍጸም እዩ። ድሕነቱ በቲ ዝገብሮ ከም ዘረጋገጸ ዝሓስብ እዩ።

3.   ዘጽድቕ ሃይማኖት አየናይ ምዃኑ እናተረድአካ ዘይምምእማን (Denying a truth)። ነቲ ብቤተ ክርስትያን ዝተአወጀ ሓቂ ምኽሓድ። ንዓምዲ እምነት ክኽሕድ እንከሎ፥ እዚ መናፍቕነት እዩ። ነቲ ግላዊ ርድኢቱ ልዕሊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን ነቲ ብአስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ንልዑላዊ አካል ቤተ ክርስትያን ዝመሃሮ ትሕቲ ርድኢቱ ገሩ ዝሓስብ።   

4.   ብጸጋ እማትካ ምቕናእ (Envying the grace that God gives to other people)።  ቅንኢ ዕጉብ ናይ ዘይምዃን ስምዒት እዩ ምኽንያቱ ካልእ ሰብ ጽቡቕ ነገር ብምርካቡ ወላ ንስኻ ድሮ ዘሎካ ነገር እንተ ኾነ ወይ እውን ሓደ መዓልቲ ክትረኽቦ ምዃንካ ዝፍለጥ እነተ ኾነ። ሓውካ ጽቡቅ ነገር ከይረክብ ምድላይ እዩ። አብዚ ኃጢአት ንገዛእ ርእሰይ ፈራዲ እዚ ዓለም እገብር። አንጻር መለኮታዊ ድለት እልዓል አሎኹ። አንጻ ሕጊ ፍቕሪ ንሓደ ሓወይ እርብሽ አሎኹ።  

5.   ብኃጢአትካ ከይተጠዓስካ ጸኒዕካ ምንባር (Obstinacy in sin)። ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልካ እንከሎኻ አብ ኃጢአትካ ጸኒዕካ ምንባር። አብዚ እቲ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ መለክዒታት ንሞራላዊ ፍርዲ ይፈጥር ወይ ጨሪሹ ንዝኾነ ሞራላዊ ሓቂ አይቅበልን በዚ ኸአ ንገዛእ ርእሱ ካብ ድለት አምላኽ ይፈሊን ንድሕነት ከአ ይነጽግ።

6.   ከይተነሳሕካ ምማት (Final impenitence)። እዚ አብ ምሉእ ሕወትካ ካብ አምላኽ ብምርሓቕ ዝፍጸም እዩ። አብ ክፍአት ቀጺሉ ጸኒዑ ክሳብ መጨረሻ ሕይወቱ ዝነብር እዩ። ንገዛእ ርእስኻ ንአንጻር ኢየሱስ ምውፋይ እዩ። ወላ አብታ መጨረሻ ሰዓት ናይ ሞት አብቲ ክፍአት ጸኒዕካ አብ አምላኽ ክትምለስ ምእባይ። ንገዛእ ርእሱ ንመጸዋዕታ መንፈስ ቅዱስ አይከፍትን እዩ።

አብ ወንጌል ማቴ 12፡32  ክበድ ንመንፈስ ቅዱስ ምጕሃይ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ኽገልጽ ኢሉ፥ አብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ገለ ቓል ዝተዛረበ ኪኅደገሉ እዩ፥ አብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና አብዛ ዓለም እዚአ ኾነ አብታ እትመጽእ አይኪኅደገሉን እይ” ይብለና። ንጸጋ አምላኽ ዝነጽግ ነቲ አምላኽ ዘቕርበሉ ናይ ድሕነት ዕድመ እዩ ዝነጽግ። ነዚ ኃጢአት ዝፍጽም ሰብ ልቡ ብኃጢአትን ክፍአትን ተሪሩ ስለ ዘሎ ምሕረት አምላኽን ብመንፈስ ቅዱስ ዝውሃቦ መጠንቀቕታ ዕድመን አይደልን ይአቢ።

ንመንፈስ ቅዱስ ምጕሃይ ትርጉምን ነዚ አብነት ዝኾነኑና።

ምጉሃይ ክብሃል እንከሎ ከም ዝሓዝን አብ ውሽጡ ሕማቕ ከም ዝስምዖ ምግባር እዩ። አብ ምድራውያን ወለዲ ንደቆም ሕጊ መምርሒ ይህብዎም ግን እቶም ዉሉዳት አብ ገለ እውን ነቲ ዝተዋህቦም ሕጊ አየኽብርዎን እንተ ኾነ ወለዲ በቲ ዝገበርዎ ካብ ቤቶም ጨሪሶም አይሰጉዎምን እዮም። ብርግጽ ይጉህዩ ምኽንያቱ ደቆም ክሽፍቱ ክርሕቁ ከለዉ ስለ ዝርእዩ፥ ንገዛእ ርእሶም ይጎድኡ ከምዘለዉ ስለ ዝርእዩ፥ አብ ሕይወቶም ሕማቕ ዘርኢ ይዝራእ ከምዘሎ እሞ አብ ድሓር ዕድሚኦም ከምዝጎድኦም ስለ ዝፈለጡ ይጉህዩ። እዚ አብ ምድራውያን ወለድና ዝርአ እዩ።

ሰማያዊ አቦና ክንደይ ዝበለጸ ነገራት እዩ ዝምነየልና። ንሱ አባና ቅንአት አለዎ (ትንቢት ናሆም 1፡2)ጸላእ ነፍስና አብ ልዕለና ክዕወት ብዘተፈላለየ መገዲ ክዕወተልና አይደልን እዩ። ብደም ክርስቶስ ከም ዝተመሓርና ንፈልጥ ኢና፥ ኩሉ ኃጢአትና ተሓጺብልና እዩ፥ ነዚ ህያብ ምስ ተቐበልና አባላት ስድራቤት አምላኽ ንኸውን (ሮሜ 10፡9)። አስማትና አብ መጽሓፍ ሕይወት ናይ እቲ በግዕ ይጽሓፍ። እንተ ኾነ ከምብሓዲስ ተወሊድና ምባል ክንኃጥእ አይክአልን ማለት አይኮነን። ግን አባላት ሰማያዊ ስድራቤት ስለ ዝኾና ንትእዛዛቱ ምሕላው ክንአቢ ከሎና ንእግዚአብሔር ነጉህዮ። በዚ እዩ ቅ. ጳውሎስ ንሰብአ ኤፈሶን ንመንፈስ ቅዱስ አይተግጕህይዎ ዝበሎም። ግን ብንጹር እንታይ እዩ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዝጕሂ ዝገብሮ።

1.   ክፉእን ዘዋርድ ቃላት ንመንፈስ ቅዱስ ከም እንጕህዮ ይገብረና፤ Negative Speech.

አብ ኤፈ 4፡29 ሰናይ ዘረባ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ አፍኩም አይውጻእ ይብል። እዚ አበሃህላ ዝተበላሸወ ሕማቕ አዘራርባ፥ ቅለት፥ ጽዩፍ ቃላት፥ ነውራም ስዲ ቃላት ዝአመሰሉ ዘጠቓለለ እዩ። ካብ አፍና ንአምላኽን ሰብን ዘጉሂ ከይወጽእ ዘጠንቅቕ ሓሳብ እዩ።

አብ ብሉይ ኪዳን እስራኤላውያን ብቐጻሊ ከጕረምርሙ ንርኢ። ወላ ሓደ ነገር ዘሓጉሶም አይነበረን አብ ክንዲ አብቲ ካብ ባርነት ግብጻውያን ዘወጽኦም ከምኡ አብቲ ኩሉ ጉዕዝኦም ዝገብረሎም ዝነበረ ዘተኩሩ ንኹሉ ብኽፍአት ይርእይዎ ነሮም። 

 ንቃል እግዚአብሔር ተጠራጢሮም ንምድሪ ግብጽ አብ ባርነት ክምለሱ ደልዮም። በዚ ከአ ነቶም ነዚ ሓሳብ ዝገበሩ አብ ምድረ ተስፋ ከምዘይአትዉ ገርዎም። ልቦም ስለ ዘትረሩ ንቃሉ ክሰምዑ አይክአሉን (ዕብ 3፡7-11)። አብ ርእስና እንተ ተመለስን ልክዕ ቃላት ካብ አፍና ወጺኡ ንአምላኽ ከጕህዮ ይክአል እዩ።

2.   መረረ፥ ዘይትቆጻጸሮ ስምዒታት ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዝጕህን ዝሓዝንን ይገብሮ። Uncontrolled Emotion.

መረረ ክብሃል እንብከሎና ዝቐሓረን መረረ ዘልኦ መንፈስ ንዕርቂ ዝአቢ መንፈስ ክመልአካ እንከሎ ዝፍጠር ኩነት እዩ። ገለ ሰባት አለዉ ክሓርቁ ዝፈትዉ። ንተጻብኦ፥ ክትዕ መኛኽ ምባልን ባእስን ናግራማት ዕግርግር ኽገብሩ ዝተፈጥሩ ዝመስሉ አለዉ። እዚ ምስ ካልኦት ኃጢአት ከይተቆጻርናዮን ከይተነሳሕናሉ እንተ ቐጸለ እናኸፍአ እዩ ዝኸይድ።

እቲ ዘሕዝን ዘማርሩ ሰባት ውሑዳት እዮም ነቲ መረረ አብ ገዛእ ርእሶም ጥራሕ ዝገብርዎ፥ ብአንጻሩ አብ ካልኦት እዮም ዘባጽሕዎ ንካልኦት እዮም ዝጸልዉን ዝምርዙን። አብ መልእኽቲ ዕብራውያን 12፡15 ካብ ጸጋ አምላኽ ሓደ እኳ ኸይወፅእ ከምኡዉን መሪር ሡር በቍሉ ኸየጨንቐኩም  ንብዙኃት ከአ ከየርክስ ተጠንቀቑ  ይብል።

መረረ ምስ ጽልኢ ዝመሳሰል እዩ። ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ሱር፥ ፍረ ናይ ፈጺሙ ድኹም ዝኾነ ሰብ እዩ። አብዚ ሱር እዚ ናይ ኩሉ ካልእ ክፉእ ግብሪ ይዝራእን ይዓብን። ዘማርር ንጸጋ አምላኽ ርእዩ ዘይክአለ ጥራሕ እዩ።

አብ ገለ እዋን ቍጥዓ ዝትንስእ አብ ውሽጥና ዘይቅኑዕ ነገር ክንርኢ እንከሎና እዩ። እዚ ዓይነት አብቲ ኢየሱስ አብ ቤተ መቕደስ ዘርአዮ ቁጥዓ እዩ። ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ቍጥዓ አብ ሕነ ምፍዳይ አብ ጽልእን ቅርሕንትን ክምስረት እንከሎ እዩ። ቅ. ጳውሎስ ክትቍጥዑ ከሎኡም አብ ኃጢአት ከይትወድቁ ተጠንቀቑ ይብለና(ኤፈ 4፡ 26)።

ኩልና አብዞም ዓይነት ስምዒታት ንወድቕ ኢና። አብ ሕይወትና ክሳብ ክንደይ ከምዝጎድኡና ንፈልጥ ኢና። መንፈስ ቅዱስ ብከምዚ ሕይወትና ክንመርሕ ከሎና ይጉሂ ምኽንያቱ ከምዚ ብምግባርና ንገዛእ ርእስና ጥራሕ ኢና እንጎድእ። ቀጻሊ ቍጥዓ ወይ አብ ሕርቃን ምንባር ንልባትና የትርሮ።

3.   ነድሪ ዓቐን ዘይብሉ ቍጥዓ ንመንፈስ ቅዱስ የሕዝንን የጕህን።

ነድሪ ብዛዕባ እቲ ብቐሊል ዝቍጣዕን ድምጹ ዓው ዘብልን ይዛረብ። ነቲ አብ ልዕለኻ ዝወረደ ነገራት ብነድርን ቍጥዓን ክንምልስ ከሎና ንነፍስና ምቍጽጻር ንስእን አብ ክቱር ሕርቃን ጽልእን ንወርድ። ምልኪ ርእስኻ ተጥፍእ ሽዑ ብቐሊል ዘየድሊ ነገራት ክትገብርን ክትብልን ትኽእል።

ኩልና አብ ዘመን ሕይወትና ዝተፈላለየ ጉድአት ዝተጎዳእና ኢና ግን ከመይ ኢልና ክምእንምልስ ምርጫ አሎና። አብ ገለ እዋን ሕነና ክንፈዲ ንደሊ ኢና እንተ ኾነ አምላኽ ሕነ ምፍዳይ ናተይ እዩ ይብለና። ቅዱስ አጎስጢኖስ አብ መንደቕ ገዝኡ ከምዚ ዝብል ናይ ጽሑፍ ምልክት ነርዎ ይብሃል፥ “እቲ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ወይ ሰበይቲ ሕማቕ ዝዛረብ አብዚ ጣውላ ክቕመጥ አይ ክእልን እዩ”።

ንመንፈስ ቅዱስ እነጕህዮ በቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ጥራሕ አይ ኮነንን በቲ አብ መንጎና ዘሎ ርክብ እውን እዩ። አብ ነነድሕድና ክፍአትን ሕማቕን ንዛረብ አብ ነነድሕድና ሕያዎትን ሓቂ እንዛረብን ክንከውን ይግባአና። ነነድሕድና ክንምሕሓር ድላይ አምላኽ እዩ። አብ ዝመሃረና ጸሎት ክንምሓር ክንምሕር ከም ዘሎና አስተምሆሩና እዩ። አብ ነነድሕድና ዘሎ ርክብ ንጉዳይ ድሕነትና ወሳኒ ተራ አለዎ። ነቲ ምሳና ዘሎ ሓውናን ሓፍትናን ዘየፍቀርና ንአምላኽ ክነፍቅር አይክአልን እዩ (1ዮሓ 4፡20)። ቅ. ጳውሎስ አብ ኤፈ 4፡32 “ከምቲ አምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሩኃትን ኳንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ” ይብለና። ንሰባት ምምሓር ምምሓር ክኸውን አለዎ እንተ ዘይኮነ ንመንፈስ ቅዱስ ኢና እንጕህዮ።

መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ጊዜ ብአምሳል ብርሃን እዩ ዝግለጽ። ነቲ አብ ልቢ ዘሎ ጸልማት የብርሆ ሽዑ ብኃጢአትና ይኹንነና (ዮሓ 16፡7-11)። ንሱ መብራህቲ ንቃል እግዚአብሔር፥ ንሓቀኛን ትምህርቱን ከምኡ ሓቂ ክቡር ከምዝኾነ የብርሃልና (1ቆሮ 2፡6-16)። ከምቲ ሙሴ ንግርማ አምላኽ አብ ደብረሲና ራእይ ገጹ ዝተለወጠ (ዘፀ 34፡29፥ 2ቆሮ 3፡7) ከምኡ ንሕና ብመንፈስ ቅዱስ ክንቅየር እሞ ንግርማ አምላኽ አብ ገጽ ክርስቶስ ክንርኢ።

መንፈስ ቅዱስ ብሰለስተ መገዲ እዩ ብርሃና ዝኸውን፡ ጉድለትና ኃጢአትና ብምግላጽ፥ ንቃል አምላኽ አነጺሩ ብምግላጹ፥ ንክርስቶስ ከም እንርኢ ብምግባር። ብኻልእ አገላልጻ ከም መለኮታዊ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ኃጢአት አብ ምግላጽ ይዓዪ፥ ንሓቂ ይገልጽን ንክብሪ ግርማ ይገልጽ። ነዚ ብርሃን ካብ ምርአይ ዓይንና ምስ ዓመትና ወይ ነቲ በዚ ብርሃን ዝረአኻዮ ብምስትንዓቕ፥ ነመንፈስ ቅዱስ ብምዕጋትና ብምቅዋማና በደለኛታት ኢና (ግ.ሓ. 7፡51)። ወይ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ብምጥፋእ (1ተሰሎ 5፡19)፥ ወይ ንመንፈስ ቅዱስ ብምጕሃይ (ኤፈ 4፡30) ነዚ ብርሃን ንዓግቶ። አብ መንጎ እዚአን ሰለስተ አገላልጽ ንአእሽቶይ ፍልልይ ክህሉ ይክአል ግን ሰለስቲኦም ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ይዛረቡ። ክትርኢ ዘይምድላይን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘርእየናን ዝሕብረና ምንጻግን።

ስለዚ እንተ ወሓደ ሰለተ ነገራት አለዉ ንመንፈስ ቅዱስ ከም እነሓጉስ ዝገብሩና፥ እዞም  ሰለስተ ነገራት ዘገርሙ ዘይተጸበናዮም ክኾኑ ይኽእሉ ምኽንያቱ ምስቶም ሰለስተ ነገራት  መንፈስ ቅዱስ ከም ብርሃን ንጉድለታትና ኽገልጽ፥ ንቃል ብዝያዳ ዘብርሃልናን ንክርስቶስ ዘርእየናን።

፩ያ ንመንፈስ ቅዱስ እነጉህዮ ንእኡ ከም ንምኽንያት ኃጢአትና ክንጥቀመሉ እንከሎና እዩ።  መንፈስ ቅዱስ ምንጪ ናይ እምነት አብ ልቢ ወዲ ሰብ እዩ። ክንደይ ዘሕዝን እዩ ሓደ ክርስትያን ንመንፈስ ቅዱስ ሓጋዚ ነቲ ናይ አምላኽ ዘይኮነ ነገራት ገርካ ክተቕርቦ ከሎኻ። እዚ ሰባት ብልክዕ ተጠፋፊኦም ክገብርዎ እንከለዉ ወይ ከአ ባዕላቶም ብዓላማ ክገብርዎ እንከለዉ።  ነቲ አብ ቅዱስ መጽሓፍ መሰረት ዘይብሉ ነገራቶም ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተመርሑ ኽገብርዎ እንከለዉ ወይ ንጥቕሚ ገንዘብ ክድልቡ ከውዕውልዎ እንከለዉ፥ ወይ ንሓዲስ ምንዝርናዊ ናጽነቶም ከውዕውልዎ እንከለዉ። መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ጊዜ መንፈስ ቅድስና እዩ። ንሱ ንኃጢአትና ርኢና እንኽእለሉ እምበር ከም ምኽንያት ተጠቒምና ዘይናቱ መልክዕን ርድኢትን ክጥቀመሉ ኢሉ አይኮነን። ነቲ ደሊና ዝመረጽናዮ ኃጢአት አብኡ ክንበጽሕ ዝገበረና ንመንፈስ ቅዱስ ከም ምኽንያት ክነቕርብ እንከሎና ክሳብ ክንደይ ዘጕህዮ ምዃኑ ግሉጽ እዩ።

፪ይ ንመንፈስ ቅዱስ እነጕህዮ አንጻር መጽሓፍ ቅዱስ ገርና ክነቕርቦ እንከሎና። መንፈስ ቅዱስ ንሓቂ ቃል አምላኽ ዝገልጽልና እምበር ካብኡ ከምእንርሕቕ ዝገብር አይ ኮነን።  አብ ክርስትያናዊ ሕይወት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ አንጻር መጽሓፍ ቅዱስ ዝኸይድ ዝኾነ ሓሳብ ወይ ተግባር ቦታ የብሉን። ዝኾነ ሰብ ንመንፈስ ቅዱስ ከኽብር ዝደሊ ንመጽሓፍ ቅዱስ አብ ምኽባርን አብ ምግላጽን ከአ ብዝልዓለ ይሕግዘና።

ገለ ክርስትያን ነቲ ካብ ዮሓ 16፡ 13 እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ናብ ኵሉ ሓቂ ዘበለ ኺመርሓኩም እዩ ዝብል ከም  ነቲ ብምንፈስ ቅዱስ ዝውሃብ ተስፋ ንምግላጽ ይጠቕሱ። እዚ ኸአ ነቲ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘይተጠቕሰ ኽገልጸልና እዚ ሳልሳይ አካል ቅድስት ስላሴ ከም ዝሕግዘና ንምግላጽ እዩ። እንተ ኾነ እዚ አብ ዮሓ 16 ተጠቒሱ ዘሎ ሓቂ ነቲ ኩሉ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ሓቂ ዘጠቓለለ እዩ፥ ንሱ እቲ መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዝመጽእ ነገራት ዝገልጽ እዩ (ዮሓ 16፡12)፥ ማለት ናይ ኢየሱስ ሞትን ትንሣኤን ዕርገትን ጥቕሚ ወይ ትርጉም ዝገልጽ እዩ።  መንፈስ ቅዱስ ነቦን ንወልድን ንሓዋርያት ነቲ ኩሉ ኢየሱስ ዝበሎ ክዝክሩን ነቲ ሓቀኛ ትርጉም ክርድኡን ኢየሱስ መን ዃኑ ክፈልጡ ነቲ ኩሉ ዝገበሮ ክፈልጡ ዝሕግዝ እዩ (ዮሓ 14፡26)።

እዚ ማለት ከአ መንፈስ ቅዱስ ናይ ኢቲ ሓዋርያት ዝሰብክዎ ሓቂን ብማዕሪኡ ነቲ አብ ጽሑፍ ዘስፈርዎ አብ ሓዲስ ኪዳን ዘሎ ሓላፊ/ዋና እዩ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንአምን ኲኖ ቅዱስ መጽሓፍ ክንከይድ ከአ አየድልየናን ምኽንያቱ ሓዋርያትን ኩሎም አብ ትሕቲ ሥልጣን ዝነበሩን ንቅዱስ መጽሓፍ ጽሒፎም ክንብል እንከሎና ብግልጸት መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። አብ መጽናዕታዊ ትንታኔ፥ ተሎጋዊ ትርጉምን ምስትውዓል ዝተገብረ መጽናዕቲ አብ ቃል አምላኽ  ዘተኮረ ንአፍልጦ አእምሮና ከም ዘነአእሶ ንስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝጻረር ገርና ክንወስዶ የብልናን።

፫ይ ንመንፈስ ቅዱስ ዘጉህዮ አብ ክርስቶስ ክነተኩር እንከሎና ከም ዝቐንእ ገርና ክንሓስብ እንከሎና። ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ምግልጋል እዩ። ንሱ ነቲ ዝሰምዖ ጥራሕ እዩ ዝዛረብ (ዮሓ 16፡13)። ነቲ ዝተዋህቦ እዩ ዝገልጽ፥ ተልእኮኡ ንኻልእ ምኽባር እዩ (ዮሓ 16፡14)። ሰለስቲኦም አካልት ቅ. ስላሴ ብአምላኽነቶም ምሉአት እዮም፥ እንተኾነ አብ አብ መለኮታዊ ናይ ድሕነት ስራሕ ወልድ ንአቦ የፍልጦ መንፈስ ቅዱስ ከአ ንውልድ ከም ዝኸብር ይገብሮ። ስለዚ ንመንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ከም ዘይገብር ገርካ ምርአይ ወይ ነቲ ኹሉ አብ ሕይወትና ዘይጠፍእ ተራ ምንጻግ አፍልጦ ዘይምህላው እዩ። ክንፈልጦ ዘሎና ንክርስቶስ ክነኽብር እንከሎና ንመንፈስ ቅዱስ እውን ነኽብር ኢና። መንፈስ ቅዱስ ማለት አብ ክርስቶስ መብራህቲ ምብራህ እዩ፥ ንሱ ከም ብርሃን ክኸውን አይቀንእን እዩ።

ንኢየሱስ ልዕል ምባል፥ አብ ክርስቶስ ምትኳርን ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ኢየሱስ ምዝማር ናይ መንፈስ ቅዱስ አናኢስካ ወይ አርሒቕካ ከም እትርኢ መረጋገጺ አይኮነን እንታይ ድአ ንስራሕ መንፈስ ቅዱስ ምግላጽ እዩ። ምልክት ቤተ ክርስትያን መስቀል እምበር ርግቢት ዘይምዃን ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ከምኡ ክኸውን ስለ ዝደለዮ እዩ። ሓደ ጸሓፊ ከም ዝብሎ መልእኽቲ መንፈስ ቅዱስ አባይ ጠምቱ፥ ንአይ ስምዑ፥ አባይ ንዑ፥ ፍለጡኒ ዝብል አይ ኮነን፥ ንሱ ዝብሎ አብኡ ጠምቱ፥ ክብሩ ርአዩ፥ ስምዕዎ፥ ቃሉ ስምዕዎ እሞ ሕይወት ተቐበሉ ፍለጥዎን ህያቡ ናይ ሓጎስን ሰላምን አስተማቕሩ ዝብል እዩ።  

4.   ሓሶት ምዝራብ። Lying

እምብአር ኵልና ናይ ሓደ ሰብነት አካላት ስለ ዝኾና ነፍሲ ወከፍና ሓሶት ምዝራብ ግዲፍና ምስ ብጻይና ሓቂ ንዛረብ (ኤፈ 4፡25)። አብ ገለ እዋን ንሕና ክርስትያን ሓሶት ክንዛረብ ክትሰምዕ አከሎኻ ክትቅበሎ ከቢድ እዩ። አብዚ ጌጋ ዘይንወድቕ ኮይኑ እዩ ዝስምዓና ግን አብ ገለ እዋን ነቲ ሓቂ ብምልኡ ብዘይምዝራብና ንወድቕ። ወላ ንእሽቶይ ሓሶት ሓሶት እያ። አብ ነድሕድና ገለ እዋን ውጹእ ሓሶት ንነግር። ንገለ ሰባት ክንዕንቅፍ አይንደልን ሽዑ ንሸፋፍን ዘይኮነ ነገር ንነግር። ነቲ ክንብሎ ዘይንደሊ ክንብሎ የብልናን ሓሶት እዩ።

ሕመታ፥ ገለ ቃላት ጸሎት ዝመስሉ ወይ ሸፋፊና እንዛረቦም ሓሶት ክኾኑ ይክአል። ናይ ሰባት ጉድለት ደጋጊምካ ብምዝራብ ንጠባያቶም ኽጎድእ ይክእል ማዕሪ ማዕሪኡ ንአና እውን ይጎድአና እዩ። መጠን ዝደጋገምናዮ ነገራት አብ ዝኸፍአ ክበጽሕ ይኽእል። ከመይ ገርና ኢና ሓደ ብሓሶት ከም ኲናት አብ ልብና ዝውርወር እንአምኖ ወይ እንቕበሎ? ዓለምና ሎሚ በዚ እያ እትሳቐ ዘላ። ንሓሶት ንአምን። ቅ. ጳውሎስ ንሰብ ኤፈሶን ነዚ ክብሎም እንከሎ ነቲ ቅድሚ አብ ክርስቶስ ምእማኖም ዝነበሮም ጠባይን ርድኢትን ክቕይሩ አብ ሓቂ ክነብሩ ኢሉ እዩ። አብ ሓሶትን ሕመታን ከይነብሩ የጠንቅቆም። አብቲ ጊዜ ዝነበረ አብ ፍልስፍና ግሪኽ ዝተመስረተ ብምሕሳው እትረኽቦ ጥቅሚ ይበዝሕ ካብ ብሓቂ እትረኽቦ ዝብል ስለ ዝነበረ ነዚ ክእርም ዝበሎ እዩ። እዚ አተሓሳስባ ሎሚ እውን አይ ሞተን አብ ብዙሓት እንርእዮ እዩ።

አባላት ሓንቲ ስድራ ኢና (2ቆሮ 12፡26) ሓደ ኽጉዳእ እንከሎ ኩልና ንጉዳእ፥ እሞ ስለምንታይ ድአ ነነድሕድና ክንጎድእ ንደሊ? ክርስትያን ምዃን ንቅዱስ ጳውሎስ ሓዲስ ፍጥረት ምዃን እዩ ንዝነበረ አረጊት ባህሊ ጨሪሽካ ምሕዳግ እዩ።

5.   ኸንቱ ዘረባ፥ ምጥፍፋእ Falling Deception።

ቅ. ጳውሎስ አብ መልእኽቱ ናብ ሰብ ኤፈሶን አብቶም ንእግዚአብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ቍጥዓ አምላኽ ይወርድ እዩ እሞ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ከይስሕተኩም ተጠንቀቁ (ኤፈ 5፡6) ይብል።  አብ ዘኁልቅ 16፡1-3 ቆራሕ፥ ዳታንን አቤሮን ንሙሴ አንጻሩ ከም ዝተላዕሉን አንጻር ስልጣኑ ከምዘዕገርገሩን ነንንብ። አብ ዘፅ 32 እቶም ህዝቢ ምስሊ ጣዕዋ አብ ምስራሕ አጠፋፊኦሞም። ብአተሓሳስብኦም ሙሴ ካብ እምባ ሲና አይምለስን እዩ ስለዚ ዝመርሑና አምላኽቲ ንስራሕ ኢሎም።

ኢየሱስ ካብ ጸጉሪ በግዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ተጠንቀቑ ይብለና (ማቴ 7፡15)። አብ ገላትያ 5፡4 “ንስኻትኩም እዞም ሕጊ ብምፍጻም ክትጸድቁ እትደልዩ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም ካብ ጸጋ ኸአ ወዲቕኩም ኢኹም ይብሎም።

አብቲ ሓቀኛ መገዲ እንኸውን ንሓቂ ብምፍላጥን እምበር ንዝኾነ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ዝጻረሮ ሓሶት ብምስማዕ ክኸውን አይክእልን። እዚ ንገዛእ ርእስና አብቲ ቃል ብምምስራት እዩ (ሮሜ 12፡1-12)። መንፈስ ቅዱስ ካብ ሓቂ ወጺእና አብ ካልእ ክንከይድ እንከሎና ይጉሂ። ንናይ ሓሶት መምርሒ ብምስማዕ ካብኡ የርሕቐና አብ ናይ ኃጢአት ተግባር ከም እንወድቕ ይገብረና።

6.   ስርቂ Stealing.

ሰራቒ ኸአ ነቲ ስኡን ዘማቕሎ ምእንቲ ክህልዎስ ጽቡቕ ስራሕ እናገበረ ደአ በእዳዉ ይጽዓር እምበር ደጊም አይስረቕ (ኤፈ 4፡28)። አብ እምነት ክርስትና ስርቂ ክፍሊ ሕይወት ክኸውን አይግባእን። ባንክታትን መኻዚኖታትን ንሰረቕቲ ከፊትና አይንህቦምን። ስርቂ በቲ ዝወስድካዮ ዕብየቱ ወይ ብዙሕ አይ ኮነን ዝልካዕ። ወላ ብመደብ ክንሰርቕ ኢልና አይንሕሰብ ብጌጋ ነቲ ዝወሰድናዮ እንተ ሓዝናዮ፥ ተጋግዮም ከሽርፉ እንከለዉ እንተ ሃቡና እሞ እንተ ሓዝናዮ፥ ሓደ ንጌጋ እንተ ሃበና እንተ ዘይመለስና ስርቂ እዩ። ቀረጽ አብ ምኽፋል ከጠፋፍኡ ይክእሉ፥ ናይ ሓሶት ዶኩመንቲ ክንጥቀም ከሎና እዚኦም ኩሎም አብ ትሕቲ ሓሶት ይአትዉ። ካብ ዝሰረቕናዮ ወላ ንድኻ እንተ መቐልና ስርቂ ካብ ምዃን አይቅይሮን እዩ። ብዝኾነ መልክዕ ካብ ካልእ ሰብ ዘይገንዘብካ ምውሳድ ስርቂ እዩ።

ሕይወት ወዲሰብ ከምቲ ብጊዜ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ሎሚ እውን ልክዕ ከምኡ እዩ ዘሎ። ምናልባት እዚ ዓቢ ነገር አይኮነን ኢልና ክንገብር ንኽእል ግን ከምኡ አይኮነን። ንእሽቶይ ነገር እዩ ኢልና ክንሰርቕ የብልናን እግዚአብሔር ንኹሉ ይርኢ እዩ። ሕጉ ዝንተ ዘይተኸተልና ይጉሂ።

7.   ስኽራን  Drunkenness ።

ብመንፈስ ቅዱስ ድአ ተመልኡ እምበር ናብ ዕብዳንን ስለ ዜብጽሕ ብወይኒ አይትስከሩ (ኤፈ 5፡18)። በዚ ዝርአ ክትዕ ብዛዕባ መስተ ዝርኢ ክሳብ ኢየሱስ ዳግም ዝመጽእ ወትሩ ክትዕ ክህሉ እዩ። እንተ ኾነ ብዛዕባ ስኽራን ቅዱስ መጽሓፍ ንጹር እዩ።  በዚ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ አብ ጽሑፋት ደጋጊሙ ዝነግሮ። ንሰብ ቆሮንጦስ ብዛዕባ ስኽራም ከጠንቅቖም ንረኽቦ ምኽንያቱ ነቲ ምአዲ አሕዋት ዘይመልክዑ የልብስዎ ስለ ዝነበሩ (2ቆሮ 11፡21)። አብዚ ክንፈርድ ወይ ምስታይ ጌጋ እዩ ክንብል  ዘይኮነ ንኻልኦት አብ እምነቶም ዕንቅፋት ክይንኸውን ምእንቲ እዩ (ሮሜ 14፡13)። ኩሉ እንገብሮን እንብሎን ካልኦት ብኸመይ ከም ዝርእይዎ አብ ግምት ክነእቱ ይግባእ። አብ ኩሉ ሕይወትና ክንዕወት እንተ ኾና ንክርስቶስ ክንመስል አሎና።

ነቲ ብሰንክና ዝመጽእ ሓዘን ከመይ እንተ ገበርና ኢና ክንቅይሮ እንኽእል? ንአምላኽ ክንመስሎ አሎና። ጳውሎስ ነዚ ኽገልጸልና ኢሉ፤ እምብአር ከም ፍቁራት ውሉድ ንአምላኽ ምሰሉ (ኤፈ 5፡1) ይብለና።

አብ ፍቕሪ ንበሩ፥ ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና ከም ሓደ ምእዙዝ ሽትኡ መባእን መሥዋዕትን ገሩ ኸአ ንገዛእ ርእሱ ምእንታን አኅሊፉ ዝሃበ ንስካትኩምውን ብፍቕሩ ንበሩ (ኤፈ 5፡2) ይብለና።

ሕያዎትን ይቕረ ብሃልትን ኩኑ። ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ (ኤፈ 4፡32)።

ጽሩይ ተዛረቡ፡ ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዘራረቡ ንጎይታ ካብ ልብኹም ዘምሩን አዚሙን (ኤፈ 5፡19)።

8.   ምምስጋን Give Thanks:

ንእግዚአብሔር አቦና ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ አመስግንዎ (ኤፈ 5፡20)። አብ ፍረ መንፈ ቅዱስ ንበር።  ካብ ኩሉ ነፍስና ሃሰው ዘብሎ ተማሒርና ኢና ግን እዚ ማለት ካብ ዝኾነ ናይ ሥጋ ተግባራት ነጻ ወጺእና ማለት አይ ኮነን። አብ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ቀጺልና እንተ ተንቀሳቐስና ድምጹ ንምስማዕ ቅሩባት ክገብረና እዩ፥ ሽዑ ንዝኾነ ፈተና ክንቋወም ኃይሊ ክህበና እዩ። ፍሪኡ ዝመልከና እንተ ኾይኑ ነቲ አብውሽጥና ንዝነብር ዘሎ አይከግህዮን እዩ። 

አብዚ ዘሎና እዋን እምብአር ንመንፈስ ቅዱስ እሙናት ማሕደሩ ከና ንጹሕ ሕልናን ሕይወትን ሒዝና ክንከይድ ፍቃደኛታት ክንከውን እሽታና ንግለጸሉ ሽዑ ንኩሉ ዝተረፈ ክምልአልና እዩ።

በዚ ኸአ ንመንፈስ ቅዱስ አብ ክንዲ እንጕህዮ ክንሓጉሶ ክነመስግኖን ኢና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

11 June 2022, 15:56