ድለ

2022.05.26 Ascensione 2022.05.26 Ascensione 

ሰንበት ዘዕርገት ግንቦት 28 2014 ዓ.ም. (6/05/2022)

መዝሙር፡ በሰንበት ዐርገ ሐመረ.. . ብሰንበት አብ መርከብ ደየበ ንባሕርን ንንፋሳትን ገሰጾም፥ ከምዚኸኣ በሎም፥ አብ ልብኹም ጥርጥር አይእቶ ከምቲ አቦይ ንአይ ዝለኸኒ አነ ኸአ ንአኻትኩም እልከኩም አሎኹ አብ ቤት አቦይ ብዙሕ ማኃደር አሎ እንደገና ክመጽእ እየ ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ አብ ሰማያት ምእንቲ ክትኮኑ እውን ክወስደኩም እየ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ኤፈ 1፡17-23፥ 1ጴ 3፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡1-11፥ ማር 16፡15-20   ስብከት፡ ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ፥ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን፥ ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ። እግዚአብሔር ብእልልታ ዓረገ፥ ጎይታና እውን ብመለኸት ዓረገ፥ ዘምሩ ንኣምላኽና ዘምሩ” መዝ. 47፡5-6።

አብ ወንጌል ደጋጊሙ ዝውሃብ ምሳሌታት ንረክብ፦ ሓደ ጎይታ አርሒቁ ዝገይሽ እሞ ነቶም አገልገልቱ ክሳብ ዝምለስ ናይ ግዝኣቱ ሓላፍነት ዝህቦም። አብ መዓልቲ ዕርገት እዚ ሓቂ እዚ አብ ግብሪ ተራእዩ። ኢየሱስ ናብ ሰማያዊ አብኡ ይነቅል እሞ ንሓዋርያቱ ክሳብ ብግርማ ዳግማይ ምጽአት ናይ ኩሉ ግዝኣቱ ሓላፍነት ሂብዎም ይኸይድ። አብ ኩሎም ወንጌላውያን እንተ ረኤና ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ሓዲግዎም ከም ዝኸደ ነንብብ። አብዚ ናይ ፈነዋ እዋን እንርእዮ ናይ እቲ ዕርገት ከመይ ኮይኑ ከም ዝኾነ ዘይኮነ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ቅድሚ ዕርገቱ ዝበሎም ነንብብ። ናይ ኢየሱስ ብስጋ ምዕራጉ ዝሕብረናን ዝገልጸልናን ሉቃስ ጥራሕ እዩ። አብ ወንጌሉን አብ ግ.ሓ፥ ሉቃስ ብዛዕባ ዕርገት ይዛረብ። ወንጌል ማርቆስ አብ መጨረሽታ ብዕርገት ብምንግር ይዛዝም። አብ ሉቃስን ግ.ሓ እንተ ረኤና ፍልልያት አሎ ከምኡ አብ መንጎ ማቴዎስን ማርቆስን እውን ፍልልያት አገላልጻ አሎና።

ንኣብነት አብ ሉቃስን ግ.ሓ. ዕርገት አብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኾነ ነንብብ፥ አብ ማቴዎስን ማርቆስን ግን አብ ገሊላ ከም ዝኾነ ኢና እነንብብ። ክልቲኦም ዝሰማምዑሉ ዕርገት አብ ጎቦ ከም ዝኾነ እዩ። አብ ሉቃስን ግ.ሓ.ን ዕርገት ድሕሪ 40 መዓልቲ ድሕሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ደጋጊሙ ድሕሪ ምርኣዩ ከም ዝኾነ ይገልጹልና። አብ ማቴዎስን ማርቆስን ብዛዕባ 40 መዓልቲ ዝገልጽ አይንረክብን። እታ መጀመርታ መዓልቲ ድሕሪ ትንሣኤ ንሓዋርያቱ ዝተራእየላ መዋዳእታ እውን እያ። ጸሓፍቲ ወንጌል ብዛዕባ ብደቂቕ ልክዕ ታሪኽ ምንጋር አትኩሮ ዝህቡሉ አይኮኑን። ንኦም ዝግድሶም ወይ አተኩርኦም አብ መልእኽቲ ምምሕልላፍ ጥራሕ እዩ።

እንታይ እዩ እቲ መልእኽቲ ኢየሱስ ብኣካል ካብኦም ክፍለ እንከሎ ንሓዋርያቱ ሓላፍነት ሂቡ ዝሓደጎ? አብ ግ.ሓ፥ አብ ወንጌልን እቲ መልእኽቲ ብዝተፈላለየ አገላልጻ ተገሊጹ ንረኽቦ።

አብ ግ.ሓ.1፡8 መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዝወርድ ግና ኃይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም፥ አብ ኢየሩሳሌምን ኩላ ይሁዳን አብ ሰማርያን ክሳብ ወሰን ምድሪ ኸአ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም በሎም ዝብል ነንብብ።

አብ ማቴዎስ እምብኣር ኪዱ እሞ፥ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እና አጠመቕኩምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም። ከምኡ እውን ዝኣዘኩኹም ኩሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም። እንሆ አነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ እናበለ ተዛረቦም (28፡19-20) ይብል። 

 አብ ማርቆስ ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ፥ ንብዘሎ ፍጥረት ከአ ወንጌል ስበኹ፥ እቲ ዝአመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ፥ እቲ ዘይአመነ ግን ኪዅነን እዩ። ነቶም ዚአመኑ እዚ ምልክት እዚ ኪስዕቦም እዩ፥ ብስመይ አጋንንቲ ከውጽኡ ብሓዲስ ቋንቋ ከአ ክዛረቡ አትማን ኪኅዙ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸአ ከቶ አይኪጎድኦምን እዩ፤ አእዳዎም አብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሓውዩ እዮም (16፡15-18) ዝብል ነንብብ።

 እዚኤን እየን እተን ናይ መጨርሽታ ቃላት ኢየሱስ አብ ወንጌላውያንን ግ.ሓ. ዝተጻሕፋ። ኩሎም ዝሰማምዕሉ፡ ሀ. ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክሳብ ዳግማይ ብዓቢ ግርማ ዝምለስ ተልእኮ ሂብዎም። ወከልቲ ኢየሱስ ኮይኖም ክመርሑ ከስተምህሩ ስልጣን ሂብዎም። ናይ አገልግሎት ስልጣን፥ ወኪል ብመጠኑ ሓላፍነት አልኦ ወካሊኡ ክሳብ ስወሰነሉ ሓላፍነት ክገብር ክእለት አልኦ። ሓዋርያት ነዚ ሓላፍነት ምስ ተቐበሉ አብ ኩሉ ክሰብኩ ጀሚሮም። ሓደ ዓይነት ትምህርቲ እዮም ሂቦም ምኽንያቱ ሓደ እዩ ለኣኺኦም ነቲ ንሱ ዝሃቦም ሓላፍነት አብ ድለቶም ወይ ከም ዝርድኦም አየብጽሕዎን ከምዘልኦ ከምቲ መምህሮም ዘስተምሃሮምን ዝበሎምን እዮም አመሓላሊፎሞ። ንሶም ጥራሕ እዮም ነቲ ስልጣን ዝተቐበሉ ወላ እኳ ካልኦት አመንቲ እንተ ነበሩ። ናይ ኩሎም አቡናትን ካህናትን ሓላፍነት መሰረቱ አብዚ እዩ። ለ. ነዚ ተልእኮ ክገብሩ ከለዉ ሰማያዊ ሓገስ ኩሉ ጊዜ ከም ዘሰንዮም አረጋጊጽዎም ከይዱ። መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝመርሖም ንመልእኽቲ ክርስቶስ እንተ አብጽሑ ምሉእ ሓጎስ አብ ልቦም ክርኤ እዩ። ንሓና እውን አብ ሕይወትና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮን ዝበለናን እንተ መራሕና ሓጎስ አብ ልብና ከም ዝመልእ ርግጽ እዩ። ክንሕጎስ ንአምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ይግብኣና።

ሓባራዊ ናይ ሓዋርያት ተእኮ እምብኣር ነቲ ሰናይ ዜና ክስብ መወዳእታ ዓለም ምብጻሕ እዩ። አብ ኩሎም ነገስታት ዓለም ክሰብኩ ንኹሉ ፍጡር ቃል አምላኽ ከብጽሑ። ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ ብንጹር ነጊርዎም። ዓለት ባህሊ ብዘየገድስ መልእኽቲ ኢየሱስ አብ አእዛን ኩሎም ሰማዕቱ ሰናይ ዜና ከበጽሕ አለዎ። አብዚ እዋና ብዙሓት አህዛብ ወንጌል አይበጽሖምን አሎ እዚ ንሳቶም ነጺገሞ ክቕበልዎ ስለ ዘይደለዩ ድዩ? ወይስ እቶም ነቲ መልእኽቲ ዘብጽሑ ከምቲ ክበጽሖ ዝግብኦ ነቲ መልእኽቲ ዘየብጽሑ ኮይኖም። አብ ገለ ሰበኽቲ ወንጌል ከም ግላዊ ዓወቶም ገሮም ንወንጌል ክሰብክዎ ከለዉ እንተ ረኤና ወንጌል ሰናይ ዜና አይኮነን ንሰማዕቱ። አብ ሕይወትና ብወንጌል ክርስቶስ እንንየት ከም ንሕና እንገብሮ ገርና ክንሰብኮ ከሎና ዘይናቱ መልክዕን ዓለማን ንህቦ ስለዚ መልእኽቲ ወንጌል ክንሰብኽ ከሎና ብናታትና ክእለትን ድለትን ከይጽሎ ጥንቃቐ የድልየና።

አብዚ ዘመና ብዙሓት ስም ክርስትና ተጠቒሞም ከም ዝተዓወቱን አብዚ ሓጺር እዋን ንኹሉ አብ ክርስትና ክነእትዎ ኢና እናበሉ ዝጓየዩ ክንርኢ ልሙድ ኮይኑ አሎ። አብ ሓቂ እንተ ተዓዘብና ናይ ዘመና መለክዒ ካብ አምላኽ ርሒቝ ሰብ ንትምህርቲ ወንጌል ዝጻረር አብ ኩሉ እናዓበየን እናተዘርግሐን ይኸይድ ከምዘሎ እንርእዮን እንዕዘቦን ዘሎና እዩ። ናብራ ዓለም ውሒጥዎም ንአምላኽ ዘይዝክሩ ብዙሓት እዮም። ዓለምና አብ ዝሓለፈ ሓጺር እዋን ክልተ ዓበይቲ ውግኢ ዓለም አሕሊፋ እኳድአ በቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ሃገራት እዩ ጀሚሩ። ሕጂ እውን ድነ ውግእ አብ ኩሉ ይርኤ አሎ። እዚ ኹሉ ዝሕብሮ ንሕና ሰበኽቲ ክንከውን እሞ መልእኽቲ አምላኽ ክነብጽሕ ዝተሓረና ነብጽሖ የለናን እንተ አብጻሕና ኸአ ድላይና እምበር ድላይ አምላኽ ነብጽሕ የለናን ማለት እዩ።

ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ ናይ ሰብ ሓይልን ክእለትን አይኮነን ወሳኒኡ ዋና አለዎ ንሱ ኸአ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ እናመርሐ እዩ ንተልእኮ ሓዋርያት አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ዝገበሮ። አብ ልብና ተመሊስና ነቲ ሓቀኛ ወንጌል ክንሰብኽ ኩልና ክንብገስ ይግብኣና።

ብዓለ ዕርገት እምብአር ነዞም ዝስዕቡ ክንገብር ይዕድመና።

  • አብ መንጎና ፍቕሪ ክንገብር ይግብኣና። ሓዋርያት ድሕሪ ዕርገት ብሓንሳብ ኮይኖም ይጽልዩ ነሮም። አብ መንግኦም ዝነበረ ፍቕሪ ንክርስቶስ ህያው ይገብሮ ነሩ። ሎሚ ንሕና አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ብሓንሳብ ኮና ክንጽሊ ክሎና ኢየሱስ አብ መንጎና አሎ። ኢየሱስ አብ ኩሉ ጽቡቅ ነገር አብ እንገብሮ ንሱ አብ መንጎና ኣሎ። ፍቕሪ ሓድነት እንተሎ ኢየሱስ ምሳና አሎ። ክንጥንቅቐሉ ዘሎና ንወንጌል ብናትና ርድኢትን ድለትን ከይንጥምዝዞ። ንኢየሱስ ምርካብ እኹል አይኮነን ምስኡ ክንውሃሃድ እሞ ነቲ ንሱ ዝመሃሮ ካብታ ወኪሉ ኾይና እትምህር ቤተ ክርስትያን ክንሰምዖ ይግብኣና። ንኢየሱስ ረኺበዮ ተቐቢለዮ እናበልካ አብ ፈቐዶ መገዲ ዳንከራ ምውቃዕ ክርስትያን አይገብረናን እዩ። ክርስትና ቀለዓለም ዘይብሉ ንጹር ሓቀኛ እምነት እዩ። እዚ ግን ዘደናግሩ አምሰሉታት የለዉን ማለት ከይኮነን። ባዕሉ ኢየሱስ ብስመይ ብዙሓት ክመጽኡ እዮም ንብዙሓት ከአ ከጋግዩ እዮም ኢሉና ኢዩ። ሎሚ ኢየሱስ አብኡ ክንምለስ ነቲ ሓቂ ንሱ ንሓዋርያት ዝበሎ ከምብሓዲስ ክንሰምዖ ልብና ንኽፈት።
  • ኩልና ክርስትያን ትምህርቲ ወንጌል ክነብጽሕ ትሑዛት ኢና። ንምስክርነት ክንልአኽ፡ መንፈስን ትምህርትን ወንጌልን አብ ኩሉ ክነብጽሕ ኩልና ልኡኻት ኢና። ክንልአኽ ከምዘሎና ዝዘንጋዕና ብዙሓት ኢና። ገለና መልእኽቲ ተቐቢልና ከየብጻሕናዮ ሒዝናዮ ዘሎና ብዙሓት ኢና። ሓወይ ሓፍተይ መልእኽትኻ ተብጽሕ ዘሎኻ ንብሃሃል። አብ ግላውን ሓባራውን ሕይወትን ንኢየሱስ ክንምስክር ክንብገስ ምስ ሕልናና ንዘራረብ። ደፋራት አብ እምነትና ክንከውን እዋኑ እዩ። አብ ቅድሚ ሰብ ሰጋእ እናበልና ዝሑል ክርስትና ሒዝና አይንጉዓዝ። ግን ንኢየሱስ አብ ልበይ አብ ሓዳረይ አብ ሕይወተይ ሒዘዮ ዘሎኹ ኢልና ንርእስና ክንሓትት ኣድላዪ እዩ ቅድሚ ምስክርነት እምነትና ክንፈልጦ ይግብአና፥ ሽዑ ክንምስክሮ።
  • መልእኽትና ክነብጽሕ አበይ ከምእነብጽሖ ክንፈልጥ አሎና። አድራሻ መልእኽትና ክንፈልጥ ይግብኣና። አብዚ እዋና ዘሎ ተክነሎጂ GPS አብቲ እንደልዮ ብዘይ ጌጋ ክንበጽሕ ዝሕግስ ጉዳም ዝኾነ መሳርሒ አሎ። አብ ጉዕዞ ከሎኻ ነቲ ዝህቦ ሓበረታ እንተ ዘይተኸተልካ ከምብሓዲስ ክንጅምር ተጋጊኻ አሎኻ ዝዓይነቱ ቃል ይደግመልካ እሞ አብቲ ሓቀኛ መገዲ ክትምለስ ይሕግዘካ። ነዚ ምስ መንፈሳዊ ሕይወትና ክነሳስሎ ሓጋዚ እዩ ናይ እምነትና ጅፕኤስ የድልየና። ኢየሱስ ንቤተ ክርስትያን ክትነግረና ክትሕብረና ሂቡና ናይ ኩሉ እምነትና GPS ቤተ ክርስትያን እያ ክንሰምዓ ክንልአኻ ይግብኣና። ናይ ርእስና ድምጽን ድለትን ጥራሕ እናሰማዕና እንህውትት ብዙሓት ኢና። ዕርገት ኢየሱስ አብቲ ዋና መልእኽቲ ተመሊስና ከም ብሓዲሽ ክንጅምር የዘኻኽረና።
  • አብ ጉዕዞ ሓጋዚ አሎና። ምስኹም ዝኽውን ንኹሉ ዝሕግዘኩም መንፈስ ቅዱስ ክህበኩም እየ ኢሉ ንሓዋርያት ዝሓገዘ አምላኽ ንእና ናይ ዘመና ሓዋርያት ክንሰምዖ ክንክተሎ ፍቓደኛታት እንተኾና መንፈስ ቅዱስ ምሳና አሎ። ንኹሉ ዘብርሃልና አብ ጊዜ ፈተናን ጽንኩር እዋንን ዘጽንዓና ምሳና አሎ ሓንትስ ንእመኖ ጥራሕ። መንፈስ ቅዱስ አብ ልብና ቦታ ክህልዎ ንኃጢአት ካባና ክነርሕቕ እሞ አብ መገዲ ሓቂ፥ ፍቕሪ፥ ክንጉዓዝ አሎና። ኦ መንፈስ ቅዱስ አምላኽና አብ ቅኑዕ እምነት ጸኒዕና ክንጉዓዝ ናትካ ማኅደር ኮና ክነብር ድላይና እዩ እሞ ሓግዘና ኢልና ንለምኖ።

ብዓለ ዕርገት እምብአር ክንሕደስ እሞ ምስ ኢየሱስ ጥቡቕ ሕይወት ለቢስና ናቱ ክንከውን፥ ክንንልአኾ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ መልእኽቱ ክነብጽሕ፥ ንሰባት ክሓውዩ ካብ ስጋውን መንፈሳውን ሕማም ክነጽሑ ክንሕግዞም መብጽዓና ክነሓድስ ምቹእ ኩነታት ዝፈጥረልና እዩ። አብቲ ለቢስናዮ ዘሎና ሕይወት ሓቀኛ ሕይወት ክንለብስ አሎና። አብ እምነትና ጽኑዓት ክንከውን ብየማን ጸጋም ዝነፍስ ካብ ሓቀኛ እምነትና ዝፈልየና ነገራት አለሊና ክንክእል። ጾግሪ በግዕ ለቢሶም ንዝመጽኡና ተዃሉ ክነለልዮም እሞ ግዳያቶም ከይንኸውን ንእምነትና ፈሊጥና ክንምስክር ከም ዘሎና ክንዝክር። አብ ሓደ እምነት ዝሓበርና ኩልና አብ መንጎና ፍሉይ ፍቕሪ ክንዘርእ እሞ ወንጌል ብፍቕርናን ሓድነትና ክንሰቦ ንጽዓር።

ኦ ኢየሱስ መድኃኒና ሎሚ እውን አብ ማእከልና አሎኻ እሞ ጓሳና ኹን አብ ኩሉ ሕይወትና ሓግዘና ጸጋን በረኸትን አብ ዓለምን አብ መላእ ሃገርና የውርደልና። ዝሓለፈ ሰሉስ ንነጻነት ሃገርና ዘክርና በዚ አጋጣሚ ሃገርና ዓዲ ሰላም ምሕረት ፍቕሪ ግበረልና። ብእምነትናን ብሃገራውነትናን እሙናት ኮና ንክርስቶስ መድሕና እንሰብኽን እንምስክርን ይግበረና።

ብሩኽ ብዓል ዕርገት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

07 June 2022, 15:53