ሰንበት ዘዘካርያስ (ለእመ ኮነ ፰ መስከረም በሰንበት) መስከረም 8 2015 ዓ.ም. (9/18/2022)
ንባባት፡ 1ጢሜ 1፡12-17፥ 1ጴጥ 4፡12-ፍ፥ ግ.ሓ. 7፡30-39፥ ሉቃስ 15፡1-32። ምስባክ፡ ይትፌሣሕ ጻድቅ ሶበ ይሬኢ በቀለ፥ ወይትሓጸብ እዴሁ በደመ ኃጥእ፥ ወይብል ሰብእ ቦኑ እንጋ ፍሬ ለጽድቅ። ጻድቕ ንምፍዳይ ሕነ ርእዩ ኺሕጐስ፣ ኣእጋሩ ብደም ረሲእ ኪሕጸብ እዩ። ሰባት ከኣ፣ ብሓቂ ንጻድቕሲ ፍረ ኣለዎ፣ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ ኣሎ፣ ኪብሉ እዮም። (መዝ 58.10)
አብ እዋን ሓዲስ ዓመት ኢና ዘሎና ስለዚ ምስ እዋኑ ዝኸይድ አስተንትኖ ክንገብር ብማለት ቤተ ክርስትያን ነዚ ሰንበት ክነስተንትኖ እትደልየና ብዛዕባ ካብቲ ጠፊእናሉ ዘሎና ክንወጽእ ብኃጢአትና ተአሚና አብ ቤት አቦና ክንምለስ ዝሓተና ሰንበት ኢና ዘኪርና ዘሎና። እዚ ምስ እንገብር አብ ዓለም ሰላም ፍቕርን ምርድዳእን ዕርቅን ዘውርድ እዩ። ማእከል ናይ ኩሎም ንባባትና ኸአ እዚ እዩ።
ካብ ሉቃስ ዝሰማዕናዮ አምላኽና ከመይ ዝበለ አምላኽ ከምዝኾነ አብሪሁ ይነግረና። ብባዕልና ክንጸግም እዩ።
አብ ዘፅአት 32 ፡7-14 ዘሎ እንተ እንበብና ንሕና ምስ ባህርና ዝኸይድ ክንርድኦ እንኽእል ባህሪ ዘልኦ አምላኽ ገሩ ይገልጽ። አብዚ ንአምላኽ ብብዙሕ ከም ባህርና ዘልኦ ገሩ የቕርቦ። እግዚአብሔር ነቶም ባዕሉ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም ሙሴ አብ ደብረሲና ከይዱ ምስ ደንጎዮም ምስሊ ምራኽ ሰሪሖም አብኡ ክሰግዱን ከምልኹን ምስ ረአየ ተቖጢዑ ከጥፍኦም ከምዝደለ ይነግረና። እንተ ኾነ በቲ ሙሴ ዝገበሮ ልመና አምላኽ ካብ ቁጥዓኡ ከም ዝተመለሰ ንርኢ። አብዚ አማልድነት ንርእስናን ንካልኦትን ክሳብ ክንደይ ጠቓሚ ከም ዝኾነ ብግሉጽ ንርኢ። ሙሴ ክንዲ ህዝቡ ለሚኑ አድኂንዎም ነቲ ንአብርሃን ይስሓቕ ያዕቆብ ዝአቶኻዮ ኪዳን ዘክር እናበለ ለሚኑ። በዚ ኸአ አምላኽ ካብ ቍጥዕኡ ተመሊሱ። አብዚ አምላኽ ዝገለጸልና ፍቕሩን ምሕረቱን ካብ ቍጥዕኡን ፍርዱን ከም ዘድሕነና እዩ። ፈቃርን ርሕርሑን አምላኽ ስለ ዝኾነ ጸሎተ ሙሴ ሰሚዕዎ። ከምቲ አብ ፪ይ ዜና መዋእል 7፡14 ብስመይ ዝተሰምዩ ህዝበይ ትሕት እንተ በሉ እንተ ለመኑ ገጸይውን እንተ ደለዩ ካብ ክፉእ መገዶም ድማ እንተ ተመልሱ ሽዑ አነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ ኃጢአቶም ከአ ይቕረ ኽብለሎም ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ ዝበለ ንሕና እውን ነዚ ዝብለና ሰሚዕና ብመገዱ እንተ ኸድና ኩሉ ጊዜ ይሰምዓና እዩ። ንአምላኽ ነቲ ፈቃርን ርሕሩሕን ምእንቲ ርእስናን ምእንቲ ካልኦትን ዓለምና ኢልና ካብ ምጽላይ ምልማን ክንደክም የብልናን። ከምቲ ሙሴ ነቲ ዝአተዎ ኪዳን ዘዘኻከሮ ንሕና እውን እናአዘኻከርና ክንልምኖ አሎና።
አብ ቀዳመይቲ ንባብ ቅ. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ጳውሎስ ነቲ አብ ርእሱ ዝርአዮ አባና እውን ከምዘሎ ይገልጸልና። ቅ. ጳውሎስ ድሕነቱ ክዉን ዝኾነ ብናይ ክርስቶስ አማልድነትን ምሕረትን ጥራሕ እዩ። ከም ጳውሎስ ልክዕ ንሕና እውን ናይ አምላክ ዘድሕን ምሕረት ንዘለዓለማዊ ድሕነትና ንጠቐመሉ።
ሉቃስ ወንጌላዊ ሰለስተ ዓይነት ስእሊ ምሕረት አምላኽ አብ ልዕሊ ሓደ ኃጢአተኛ ሰብን ህዝብን ዝገብሮ ይገልጸልና። ሰለስቲኡ ምሳሌታት አብ ሓደ ዓላማ ወይ ከአ መልእኽቲ ዘተኮረ እዩ። አምላኽ ንሓደ ኃጢአተኛ አብ ጽቡቕ ርክብ ክመልሶ ኢሉ ኩሉ ክግበር ዝክአል ይገብር።
እታ ቀዳመይቲ ብዛዕባ ሓንቲ ርግምቲ በግዕ ካብ ብጾታ እትፍለ ዝጠፍአት ይዛረብ። እቲ ጓሳ ክሳ ዝረኽባን ምስ ብጾታ ክሳብ ዝሕውሳን ወላ አየዕርፍን። ምስረኸባ መቕጻዕቲ የለን አብ መንኵቡ ይሕንግራ ነዕርኹቱን ጎረባብቱ ጸዊዑ ብዓል ሓጎስ ይገብር። ካልአይቲ ናይ ሓንቲ ምናልባት ድኻ ሰበይቲ ቅርሺ ብሩር ብዘይክኡ ዘድልያ ክትረክብ ዘይኽእል እንተ ጠፍአታ ክሳብ እትረኽባ ንኹሉ ከም እትፍትሽ፥ ምስ ረኸበታ ብዙሕ ከም እትሕጎስ ምሳይ ተሓጎሱ/ሳ እናበለት ከም እትነግር ይነግር። አብዚ እውን እቲ አትኩሮ አብቲ ሓጎስ ምስቶም ጎረባብታን ፈተውታን ነታ ዝጠፍአት ብምርካብ ዝግበር እዩ።
እታ ሳልሰይቲ ምሳሌ እታ አገራሚት ምሳሌ ብዛዕባ ጥፉእ ወዲ እያ። ግን ብዙሕ ጊዜ እቲ ታሪኽ ብዛዕባ እቲ አቦ ዘርአዮ ሓጎስ ብናይ እቲ ዝጠፍአ ውሉዱ አብ ምምላሱ እዩ። እቲ አቦ እዩ ማእከል ወይ ቀንዲ ናይ እቲ ትረኻ። ካብቲ ዘለዎ ሃብቲ እቲ ወሉዱ ዝብጽሓኒ ሃበኒ ኢሉ ምስ ሓተተ ተሓጒሱ እዩ ሂብዎ። እንተ ኾነ እቲ ውሉድ ነቲ ኩሉ ዝተዋህቦ ጥሪት ብዝርገት እናነበረ በተኖ። አቦ ወዱ ክምለሶ በታ ዝጠፍአላ መገዲ ኩሉ ጊዜ ቍልሕ እናበለ እዩ ይጽበ ነሩ። ሓደ መዓልቲ ደኾን ተጣዑሱ ይምለሰኒ ይኸውን እናበለ ይጽበዮ ነሩ። እዚ ክኸውን እንከሎ ክራገም ወይ ክሓርቕ አይተራእየን። እዚአ ካብታ ቀዳመይቲ ዝተፈልየ ነገራት አለዋ። እቲ ውሉድ አብ ልቡ ምስተመልሰ ንጉዕዞ ንስሓ ጀሚርዎ አብ ቅድሚ ሰማይን አብ ቅድመኻን ኃጢአት ገበርኩ እናበለ ኸአ አብ እግሪ አብኡ ወዲቑ፥ አቦ ብርሑቕ ይመጽእ ምስ ረአዮ ደንገጸሉን አፍቀሮን ጎይዩ ኸአ ብኽሳዱ ሓኒቑ ሰዓሞ። ካብ ምምላስ ወዱ ዝዓቢ ዘይነበሮ ወላዲ ወደይ ሞይቱ ነሩ ሓውዩ ጠፊኡ ነሩውን ተረኺቡ እዩ እናበለ ዓቢ ናይ ሓጎስ ብዓል ገርሉ።
አብዚ እዩ ብዛዕባ ፍቕርን ሕድገት/ምምሓር ክተስተንትን ክትርድኦ ዘጸግም። ሕስብ እሞ ነብሎ ሓደ አባል ስድራና ንኹሉ ገንዘብ ስድራና አብ ጠላዕን፥ ዝርጋንን መስተ፥ ድራግ ንኹሉ ንዘጥፍአ ከመይ ገርካ ኢኻ ክትምሕሮ እትኽእል። ነዚ ከምዚ ዝገበረ ብከመይ ገርካ ኢኻ እትቕበሎ። መብዝሕትና በታ ዝወጻእካያ ጥፋእ ወይ እውን ነቲ ዘጥፍኦ ክሳብ ዝመልስ ክንርእዮ ክንሰምዖ አይንደልን ምበልና።
መብዝሕትና ከምቲ ዓቢ ውሉድ ኢና። ንሱ ጥዑይ ውሉድ ነብኡ ዝእዘዝ አብ ኩሉ ዝሕግዝ፥ ነብኡ ዝኾነ ነገር ክገብረሉ ወይ ክውህቦ ኢሉ ዘይሰርሕ ሰብ እዩ። ባህርያዊ እዩ ወላእኳ ሓዉ ይኹን ነዚ ኹሉ ገንዘብ ዘጥፍአ ከምዚ ዝበለ አቀባብላ ኽግበረሉ ዘየሓጎሶ። ከመይ ኢሉ አቦይ ከምዚ ገሩ ዝቕበሎ? ብሓጺሩ ቅኑዕ አይኮነን።
ነዘን ሰለስተ ምሳሌታት ክንርድአን ነቲ ኩነታት በቲ እዋን ዝነበረ አብ ግምት አእቲና ምስ እንርኢ እዩ። ተቐበልቲ ቀረጽን ኃጥአንን ንኢየሱስ እንታይ ከም ዝብል ኪሰምዕዎ ናብኡ ክቐርቡ ይርአዩ ነሮም። አብዚ እነንብቦ አብ ክልተ ነገራት አብነነድሕዱ ርክብ ዘለዎ ግን ደደረጅኡ ዝሓዘ ክንርኢ ንኽእል። ፩ያ መራሕቲ ሃይማኖት ንርእሶም ዘመጻድቑ፥ ቅኑዓት ገሮም ዝርእዩን እቶም ብሞራላዊ ሕይወቶም ከም ወጻእተኛታት ገሮም ዝርእይዎምን። ፪ይ አብ መንጎ ዓለት ኢየሱስ ወይ እቶም ናቱ ዝኾኑ አይሁድን (በቲ ዓቢ ወዲ አብ ቤት አብኡ ዝነብር ንትእዛዝ አብኡ እናተአዘዘ አብ ቤቱ ዝነብር ዝምሰሉ)፥ እቶም አረማውያን ብዕሉጋትን ብልሽዋትን (በቲ ንኡስ ውሉድ ዝምሰሉ ብሞራላዊ ነገራት ከም ውዱቓት ብኹሉ ጠባያቶም ዝርአይ) ዝምሰሉ እዮም።
አብዚ ክልተ ቀንዲ ቃላት አለዋ ምድላይን Seek ምስማዕን hear። ዝኾነ ሰብ ሕሉፍ ሕይወቱ/ታ ጠባዩ/ያ ወይ ሕጂ ዘለዎ ብዘየገድስ እሞ ብልቡ ንኢየሱስ ዝደልን ክሰምዕ ዝደልን ክብሎ ዝኽእል ኩሎም ኃጢአተኛታት ከምዘይኮኑ እዩ።ኃጢአተኛ ዝብሃል ንኢየሱስ ካብ ምድላይን ምስማዕን ዘቋረጸን ደው ዝበለን እዩ። ኢየሱስ ካብቶም አብ ጥቕኡ ዝነበሩ ሰባት ዝደልይዎን ካብኡ ክምሃሩ እሞ ሕይወቶም ክቕይሩ ዝደልዩ ይርኢ ነሩ።
ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ክርእይዎ ዝኽአሉ ሰባት ኃጢአተኛታት ከምዝኾኑ ዝገልጽ ጥራሕ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ኩሉ ጊዜ አብ ምጉርምርሙ ዝርአዩ። እዚ ሰብ (ኢየሱስ) ዘሰንብድ ዘፍርሕ እዩ፥ ኃጢአተኛታት ይቕበል ምስኦም ክአ ይበልዕ ይብሉ። ከም ርድኢቶም ከም ራቢ ወይ መምህር ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ምስ ከምዚኦም ዝአመሰሉ ሰባት ምሕዋስን ብምብልዕን የራኽስ አሎ። ኢየሱስ ንኸምዚ ዝአመሰለ ክሲ ወይ ወቐሳ ዝኾነ ትምህርተ መለከታዊ ዝኾነ መግለጺ አይህበሉን። ታሪኽ/ዛንታ እዩ ዝነግር። አብዚ ከም እንርእዮ ሰለስተ ዛንታታት/ምሳሌታት ነጊሩ። ናይ ሰለስቲኡ ትሕዝቶ ወይ መልእኽቲ ንጹር እዩ። አምላኽ ንኹሉ የፍቅር ኩሉ ኸአ አብኡ ክምለስ ይደሊ። ከምኡ እንተ ገበሩ ብዓቢ ተሓጓስ ይቕበሎም።
ግን ሓደ ጸገም አሎ አብ ትምህርቲ ኢየሱስ ዘየሎ ክትጸሮ አብ ዘይክአል ንኸይድ ኢና። እዚ ኸአ ዝገበርና ንግበር አምላኽ ኩሉ ጊዜ መሃሪ እዩ ዝብል እዩ። እዚ ርእሰ ምጥፍፋእ እዩ። ለባውያን ፍጥረት ስለ ዝኾና አብ ቅድሚ አምላኽ ክንሕተት ኢና።
ምስ አምላኽ አብ እንገብሮ ርክብ ክልተ ነገራት አለዉ ፈላሊና ክንርእዮም ዘሎና።
1. ፍቕሪ አምላኽ። እዚ ፍቕሪ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ እዩ። አነ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃነይ ብዘየገድስ፥ አንጻር አምላኽ ዝገበርክዎ ብዘየገድስ፥ አንጻር ካልኦት ወይ አንጻር ገዛእ ርእሰይ ዝገበርክዎ ንናይ አምላኽ ፍቕሪ ፈጺሙ አይልውጦን እዩ። ቅዱስ እንተ ኾንኩ ዝያዳ አይፈትወንን እዩ፥ ኃጢአተኛ እንተ ኾንኩ እውን አጉዲሉ አየፍቅረንን እዩ። አምላኽ ኩሉ ፍቕሪ እዩ፥ ስለዚ ብምሉእ እዩ አብ ፍቕሪ ዘሎ፥ ቅዱስ ይኹን ዝኸፍአ ጨካን ይኹን ብማዕረ እዩ ዘፍቅር፥ እግዚአብሔር አብ ኃጢአተኛ ገጹ እንተ ዘምበለ ሓደ እዋን አብ ዘስተምሃሮ፥ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥዑያት አይደልይዎን እዮም፥ ኢሉ ነሩ።
2. ምምሓር ቅድመ ኩነት አለዎ። ናይ አምላኽ ምሕረት ፍሉይ እዩ።ቅድመ ኩነት ዘይብሉ አይኮነን። እዚ አብቲ ዛንታ በታኒ ውሉድ ግሉጽ እዩ። አቦ ነቲ ንእሽቶይ ወዱ ብምሉእ ልቡ እዩ ዘፍቅሮ እዚ ከአ አብቲ ዘርአዮ ፍቕሪ ንርእዩ። ጌና ብርሑቕ ክመጽእ እንከሎ እዩ ተቐቢልዎ። ግን ምሉእ ምሕረት ክኸውን እቲ ውሉድ አብቲ ቦታ መከራ ዝረኸበሉ እንከሎ ክንሳሕ ክጥዓስ እንተ ዘይውስን ንጉዕዞ ንስሓ እንተ ዘይጅምር ነሩ ምሉእ ንስሓ አይምኾነሉን። ክንምሓር ኃጢአትና ክሕደገልና ሙሉ ንስሓ ኃጢአትናን ምሉእ ምምላስ ካብ ኩሉ ክፍአትን ኃጢአትናን የድልየና። እቲ ናይ ምምቕቓል ቍስሊ ክሓዊ አለዎ እዚ ኸአ እዩ እቲ ቅድመ ኩነት ክህሉ አለዎ ዘብል ምኽንያቱ ከአ ምሉእ ምሕረት ክትረክብ ምእንቲ።
አብ አተሓስባና ብዛዕባ ሕድገት/ምሕረት ክንሓስብ እንከሎና ከም ሓደ ጎኒ ጥራሕ ጌርና ክንርእዮ አሎና።ንአብነት እገለ ብዝገበረኒ ብሓቂ ተዓንቂፈ እየ፥ እንተ ኾነ ምሒረዮ/ያ አሎኹ፥ እንተ ኾነ እዚ እገለ ተባሂሉ/ላ ዘሎ አይፈልጥን ይከውን ከምኡ ጠባዩ አተሓሳስብኡ ቀይሩ ከምዘሎ አይፈልጥን። አብ ኑዛዜ እግዚአብሔር ብሓደ ወገን ጥራሕ ብምርአይ ካብ ኃጢአትና ከም ዝመሓረና ጌርና ንርዳእ ንከውን። እንተ ኾነ ምስጢረ ንስሓ ከም ምስጢር ናይ ዕርቂ ገርና እንርእዮ ንምሕዳስ ጥራሕ ኢልና አይኮናን።እዚ እዩ አብቲ ምሳሌ በታኒ ወዲ አብ መንጎ አቦን ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ውሉድ ዝተራእየ፥እቲ ውሉድ ፍጹም ጣዕሳን ዓሚቕ ሓዘኑ አርእዩ፥ ብፍቕሪ ነብኡ ዝሓቁፍ እሞ አብቲ ዝነበሮ ወይ ወገኑ ዝምለስ። እዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ አነ ኃጢአተይ ክናዘዘ እንከሎኹ ወይ አብ ተበቲኹ ዘሎ ርክብ ከሕዊ እንተ ኾይኑ።
ዋሕስ ዘለዎ ተቕባል
ሓደ ሓቅን ዝተረጋገጸን ምስ አምላኽ አብ እንገብሮ ዕርቂ ሓንትስ ከምቲ በታኒ ውሉድ ነታ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ወሲደ አብ አምላኽ እመለስ እምበር አምላኽ ብሓጎስ እዩ ዝቐበለኒ። አብ አምላኽ እንተ ወይ ግን ዝብል የለን፥ ዝኾነ ቅድመ ኩነት፥ ምስጋእ፥ መቕጻዕቲ ወይ እንኽሕሶ ነገር የለን ሓንትስ ተጣዒስና ንመለስ እምበር።
ቅ. ጳውሎስ አብ ቀዳመይቲ ንባብና አብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፋ ጽቡቕ ገሩ አመልኪትዎ አሎ። ንሱ ዝዓበየ ኃጢአተኛ ከም ዝነበረ፥ ንተኸተልቲ ክርስቶስ ከጥፍእ ኩሉ ዝክአለኒ እገብር ነረ፥ እንተ ኾነ ሓንቲ ዝገበርክዎ ዘይብለይ እንከሎኹ አብ አገልግሎቱ ጸውዓኒ እናበለ አምላኽ ብከመይ ከምዝምሓሮ ይነግር። ጳውሎስ ንክርስቶስ ረኺቡ ምሕረት አምላኽ ከአ ተዋሂብዎ። ክርስቶስ ኢየሱስ ንኃጥአን ኬድኅን መጸ፥ ዝብል ቃል እሙን እዩ፥ ብምሉኡ ክንቅበሎ ዚግብአና ቃል እዩ። ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ ዝገደደ ኃጢአተኛ ከም ከምዝነበረ ይእመን። እንተ ኾነ አብ ተመክሮኡ ነቲ ዘይጽንቀቕ ትዕግስቲ ክርስቶስ ብግብሪ ርእይዎ። በዚ ኸአ ባዕሉ ከምዝብሎ ልዕሊ ኹሎምን ዝበርትዐ ተልእኮ ከምዝገበረ ይገልጽ። ጳውሎስ ኩሉ ዘልኦ ህንጥዩነትን ትግሃትን ክርስቶስ አብኡ ከይኑ ከምዝዓዩ ዘሎ ገሩ ይአምን ነሩ።
አብነት አምላኽ ክንክተል አሎና።
ከምቲ አምላኽ ገሩ ዝቕበለና ንሕና እውን ንሓውናን ሓፍትናን ዝገበርዎ ብዘየገድስ ክንቅበሎም አሎና። ኃጢአትና ሕደገልና እናበልና ቀጺልና አብቲ ጸሎት ጎይታ ንጽሊ ኢና፥ ከምኡ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ክንሓድገሎም። ከምቲ ሰማያዊ አቦኹም ፍጹም ዝኾነ ፍጹማት ኩኑ ይብለና፥ እዚ ማለት ንኹሉ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት አፍቅር ከምቲ አምላኽ ዘፍቅረኒ ከምኡ ክተፍቅር ክትዕረቕ ክትምሕር ምስ ዝኾነ ሰብ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ክትገብር ስንድው ኩን።
አብዚ እዩ ፍጽምና ዝርከብ። ከምቲ ፈሪሳውያን ዝሓስብዎ አብ ምሕላው ስርዓትን ሕግን ዘይኮነ አብ ፍቕር አምላኽን አሕዋትን አሓትን ከነዘውትር እንከሎና ጥራሕ እዩ።
ኦ አምላኽ ብኃጢአትና ክንጥዓስ እሞ አባኻ ክንምለስ ሓግዘና ንበሎ ነዚ ኸአ የብቅዓና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ