ድለ

2023.01.18 Conferenze regionali di Africa

ዞባውያን ዋናታት ጸሓፍቲ ሲኖዶስ-ኣፍሪቃ ውጽኢት ሲኖዶስን ብድሆታቱን የካፍሉ!

ናይ ቫቲካን ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ንሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙኃን ሚድያ ካቶሊካውያን ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቤተ ክርስቲያን ካባኦም እትደልዮ ብዛዕባ መስርሕ ሲኖዶስ ንጹርን ትኽክለኛን ሓበሬታ ከጋውሑ ምዃኑን ነዚ ከኣ ዓቢ ትጽቢት ከምዘለዋ ገሊጾምሎም።

ዜና ቫቲካን!

ምክትል ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ልዊ ማሪን ዘቅዱስ ማርቲን ናይ ኣፍሪቃ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሥራሑ ንምዝርጋሕ ሓበሬታ ናይቲ ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዚካየድ ዘሎ ሥራሓት ሲኖዶስ ዘበርክትዎ ዘለው ዓቢ ተራ  ኣድናቖቶም ገሊጾም።

ሲኖዶስ መስርሕ እዩ! ኣብቲ ዝሓለፈ ሶሉስ ዙም ብዝበሃል ብመርበብ መራኸቢ ብዙሓን ዝግበር ርክብ ንዝተሳተፉ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ወከልቲ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣፍሪቃ መኽፈቲ ቃል ዝሃቡ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ሲኖዶስ መስርሕ እምበር ፍጻመ ከምዘይኮነ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ንዓይ ሲኖዶስ ንኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓሚቝ ምሕዳስን ተስፋን ዝግበረሉ መስርሕ እዩ። ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ምፍጣር ኣይኮነን። ክርስትያናዊ ሓድነት ምስ ክርስቶስ ምትእስሳርን ምስ ሕብረት ኣሓትን ኣሕዋትን ኣብ እምነትን ምትእስሳር ምርካብ እዩ። እዚ መስርሕ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ፍሉይ ታሪኽና ኣብ እንገብሮ ጻዕርታት ስብከተ ወንጌል’ውን ከም ኣብነት ደራኺ እዩ። መስርሕ እምበር ፍጻመ ኣይኮነን።”

ሲኖዶስን ባህላዊ ብዙሕነትን!

ብፁዕነቶም ብዛዕባ ኣህጉራዊ መድረኽ ሲኖዶስ ኣብ ዝገልጹሉ እዋን፡ ቤተ ክርስቲያን ተዋፊራቶ ዘላ መንፈሳዊ መስርሕ ኣብ ክንዲ ንቤተ ክርስቲያን ዳግመ ክትውድባ ወይውን ዳግመ ውደባ ጉስነት ጥራይ ገርካ ምሕሳብ መመያ ወይውን ምልላይ ስለ ዝኾነ፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንሓድሕድካን ጽን ቢልካ ምስማዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ኣድላይነት ናይ ኣህጉራዊ መድረኽ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ባህላዊ ብዙሕነት ስለ እተለሊ፡ ኣህጉራዊ መድረኽ ሲኖዶስ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝለዎ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ከምዚ ክብሉ ኣረጋጊጾምሎም።

“ከምቲ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ሥጋ ዝለበሰ፡ መስርሕ ሲኖዶስ እውን ኣብ መወዳእታ ንባህላዊ ብዙሕነት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣህጉራትን ኣፍልጦ ዝህብን ብኣኡ ዝሃብተመ ውሳኔታት ክወስድ ኣለዎ። እዚ ባህላዊ ብዙሕነት እዚ ነታ ኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ከሀብትማ እዩ።”

ውጽኢትን ብድሆታትን ሲኖዶስ ኣፍሪቃ!

ዋናታት ጸሓፍቲ ሲኖዶስ ዞባ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ብዙም ዘካየድዎ ጉባኤ፡ ካብ ዞባታቶም ንዝመጹ ተመኩሮታት ብሓጺሩ ከካፍሉ ዝቱዂቱኻ ክልተ ሕቶታት ተሓቲቶም። እታ ቀዳመይቲ ኣብ ዞባኹም ቀንዲ ውፅኢታትን ብድሆታትን ጽን ቢልካ ምስማዕ እንታይ እንታይ እዮም? ትብል ነበረት።

መብዛሕትኦም ዋናታት ጸሓፍቲ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ብዙሓት ምእመናን ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ሲኖዶስ ሰበኻን ሃገረ ስብከትን ዝሳተፉሉ ዕዉት ናይ ምምኽኻር ጽን ቢልካ ምስማዕን ምዕራፍ ከምዝነበረ ገሊጾም። ብመሰረት’ቲ ጸብጻባት ድማ፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ንር.ሊ.ጳ. ርእይቶታቶም ንከቅርቡን ንክስምዑን ነዚ ዕድል እዚ ዚሃብዎም ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦም። ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ብዝያዳ ሓዪላን ተዋሃሃዳን ንክትወጽእ ተስፋ ከምዝገብሩን ከምዝጽልዩን ኣብሪሆም።

ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሮም ዋና ጸሓፊ ኣሜሰያ ኣባ ፍራንክ ኣንቶኒ ማኩንደ፡ ነቲ ሓፈሻዊ መልእኽቲ ናይቶም ጸብጻባት ብሓጺሩ ዝገለጽዎ ይመስሉ፣ ከምዚ ከኣ ይብሉ።

“ኣህጉር ኣፍሪቃ ሎሚ ተልእኾኣ ኣብ ዝተሓዋወሰ ሕብረተሰባዊ ሃዋህው እያ ትፍጽም ዘላ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት እታ ኣህጉር፡ ካቶሊካዊ እምነት ቀንዲ ሃይማኖት ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ካቶሊካዊ እምነት ምስ ካልኦት እምነታት ብሓባር ዝነብርን ዝሰርሓሉን መንገዲ ክረክብ ኣለዎ።”

ኣባ ማኩንደ ብተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዘሳቕያ ዘሎ ፖሎቲካዊ ዘይርጉእነት ምዃኑ፣ ማለት ነታ ኣህጉር ዝሸምም ተላባዒ ሕማም ኮይኑ ወትሩ  ትሑት ደረጃ ዝሓዘት ወይውን ኩሉ መዳያዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ከም ኲናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝግለጽን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ምዃኑ ገሊጾም። ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ተመኲሮ ካቶሊካዊ እምነት ጽልዋ ዘሕድር ዘሎ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ፊት ንፊት ክገጥማ ይግደዳ ምህላወን እውን ኣይሓብኡን። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ንሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ንምብዳህ ዘለዋ ምሁራዊ ኣቀራርባ ከተሐይል ከምዘለዋ እውን ለበዋ ቀሪቡ።

ምሕያል ህይወት ስድራቤት ኣብ ኣፍሪቃ!

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርከብ ካልኦት ብድሆታት እውን ከም በዓል ጉዳይ መንእሰያት ቅድሚ ብህይወቶን እምነቶምን ተስፋ ምቑራጾም ሃናጺ ጐዳናታት ምዕባይን ኣባኡ ምውፋርን ግድን ምዃኑ ተገሊጹ። ካብቲ ዋናታት ጸሓፍቲ ጸጸኒሖም ዘካፍልዎ ዝነበሩ ሓሳባትን ደጋጊመን ዝጥቀሳ ዝነበራ ምስ ህይወት ስድራቤት ዝተኣሳሰር ብድሆታት ነረን። እዚ ከኣ ብዛዕባ ዝተበታተኑ ስድራቤታት፡ ቅድሚ መርዓ ምትእኽኻብ፡ ኣብ መርዓ ዘይበጽሓ ጐራዙ ጥንሲ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምርዑዋትን ብንጽልን ወለዲ በይነን ኰይነን ቆልዑ ንምዕባይ ዝቃለሳ ዓበይቲ ብድሆታት ዝሓቖፋ ኣለዋ። ብሓፈሻ እቲ ርእይቶታት ኣፍሪቃዊት ቤተክርስትያን ነዚ ንምፍዋስ ስድራቤት ኣብ ምድልዳል ዝያዳ ክትሰርሕ ኣለዋ ዝብል ነበረ።

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ንማሕበረ-ፖለቲካዊ መዳያት ህይወት ኣብታ ኣህጉር ኣሰንያ፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ሱር ከምዝሰድድ ክትገብር ግደኣ ክተበርክት ከም ዘለዋ ተገንዚባ እያ። እዚ ድማ ኣብ ኣገባባት ውሁድ ምዕባለ ከምኡ’ውን ኣብ ስክፍታታት ፍትሕን ሰላምን ዝተዋፈረት ቤተ ክርስቲያን ክትህሉ ግዲ ምዃኑ ዘጒልሕ እዩ።

ኣብነት ድንኳን/ምስሊ ዳስ!

ነቶም ዋናታት ጸሓፍቲ ንማዕከናት ዜና ከካፍሉ ትጽቢት ዝግበረሎም ዝነበረ ካልኣይቲ ሕቶ ብዛዕባ ምስልን ውክልናን እዩ ነይሩ። እታ ሕቶ ከኣ ካብዚ ጽን ቢልካ ምስማዕ ዝብል መስርሕ ሲኖዶስ ንኣፍሪቃ ዝውክል ምስሊ ወይ ኣብነት እንታይ ይመስል? ትብል ነበረት።

ካብቲ ሲኖዶስ ዘቅርቦ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምልክት ክንርሕቅ ኣይከኣልን ዝበሉ ተሳተፍቲ ጉባኤ እቲ ምስሊ ከኣ ምስሊ ድንኳን ወይውን ዳስ ኰይኑ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ 54.2 ዘሎ “ቦታ ድንኳንካ ኣስፍሒ” ዝብል እዩ። እዚ ምስሊ ወይውን ኣብነት ድንኳን ንሲኖዶስ ከም ናይ ቅዱስ ቁርባን ቦታን ናይ ተሳትፎ ቦታን ከምኡ’ውን ዝኾነ ሰብ ዘይተገለለሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወንጌል ተልእኾ መሰረት ክኸውን ዝተሓስበ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

መብዛሕትኦም እቶም ኣፍሪቃውያን ዋናታት ጸሓፍቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ምእመናን ነቲ ኣብ ዙርያ ምስሊ ድንኳን ዘሎ ስምዒታትን ትረኻን ከድንቑ እንከለዉ፡ ብዙሓት ግን ዝተፈላለየ ምልክት ወይ ምስሊ ከምዘድሊ እውን ኣይሓብኡን። መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ከም ዝያዳ እዋናዊ ምስሊ ቤተ ክርስቲያን ስድራቤት ክኸውን ይመርጹ ነበሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ኣፍሪቃዊ ኵነታት፡ ድንኳንን ዳሳትን ምስ መዓስከራት ስደተኛታትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን፡ ማለት ምስ ቦታታት ሕሰምን መከራን ዝተኣሳሰር ስለ ዝኾነ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዝተገብረ ጉባኤ ዙም ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡  https://we.tl/t-AzQ7a7HhLQ

ብድምጺ ንምክትታል!
19 January 2023, 17:52