ድለ

2023.01.18 ኣብ ዓለም ልዕሊ 360 ሚሊዮን ክርስቲያን ብኣሳዶ ይሳቐዩ! 2023.01.18 ኣብ ዓለም ልዕሊ 360 ሚሊዮን ክርስቲያን ብኣሳዶ ይሳቐዩ! 

ኣብ ዓለም ልዕሊ 360 ሚሊዮን ክርስቲያን ብኣሳዶ ይሳቐዩ!

ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃን ብሰንኪ ጅሃዳዊ ናዕቢ ከምኡ እውን ኣብ ኢራንን ኣብ ሚያንማር ድሕሪ እቲ ኣብ ለካቲት 2021 ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ

ክፉት ማዕጾ እተሰምየ ብእምነቶም ምኽንያት ንስቓይ ዝዳረጉ ክርስቲያን ዝሕለቕ ዘይመንግስታዊ ማሕበር በቢ ዓመቱ ዛዕባ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶን መከራን ጸብጻብ ዘቕርብ ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፥ ናይ 2022 ዓ.ም. ብሰንኪ እምነቶም ልዕሉ ስደትን ኣድልዎን ዘጓንፎም ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣሃዛዊ ስእሊ ዝቕርብ ጸብጻብ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት እቲ ኩፍት ማዕጾ እተሰምየ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ዝሕለቕ ጒጅለ ናይ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብሰንኪ እምነቶም ዘጋጥሞም ልዑል ስደትን ኣድልዎን ብኣሃዝ ዘርኢ ወግዓዊ ዝገበሮ ጸብጻብ 2022 ዓ.ም. ዝሓለፈ ዓመት 2022 ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና እዚዩ ከቢድ ናይ ስቓይ ዓመት ምንባሩ የመላኽት።

ሰሜን ኮርያ ብቐዳምነት ትጥቀስ

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ዘቕርቦ መረዳእታ፡ ልዕሊ 360 ሚሊዮን ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ብሰንኪ እምነቶም ኣዚዩ መሪር ስደትን ኣድልዎን ከም ዘጓነፎምን ኣብ ዝሓለፍ ዓመት እውን ተመሳሳሊ ቁጽሪ መዝጊቡ ከም ዝነበረን፡ ይኹን እምበር ኣብተን እቲ ሓደጋ ዝረአየለን ሓምሳ ሃገራት ኣሳዶን ኣድልዎም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን እናዐበይ ይኸይድ ምህላዉ የመላኽት።

ሰሜን ኮርያ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝያዳ ተጻባኢት ሃገር ከም ዝምዝኾነትን ብሰንኪ እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝተደንገገ ሓድሽ “ሕጊ ኣንጻር ግብረ መልሲ ኣተሓሳስባ፡” ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ማእሰርቲ ከም ዝወሰኸን፡ ናይ ኣምልኾ ናጽነት ዝሓክኽ እምነቶም ክገልጹ እተረኽቡ ድማ ሞት እንተዘይኮኑ ኣብ ማዕስከር ንናይ ጉልበት ዕዮ ከምዝዳረጉን መጽሓፍ ቅዱስ ምውናን እውን በቲ ሕጊ መሰረት ከቢድ ገበን ስለ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ዝተረኽበ ንከቢድ መቕጻዒት ከም ዝፍረድ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣፍጋኒስታን ኣብ ታሽዓይ ደረጃ ትርከብ

ኣብቲ ዝወጸ ጸብጻብ ፒዮንግያን ብኣፍጋኒስታን ትትካእ። እዚ ድማ ኣብ ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ጣሊባን ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ ስዒቡ ከም ዝኾነን፡ እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታ ምምሕያሽ ስለ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ካብታ ሃገር ይወጹ ብምህላዉ ከም ዝኾነ ዘመላኸተ ጸብጻብ ኣስዒቡ፥ ካብ እምነት ምስልምና ናብ ካልእ እምነት ምእታው ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሞት የቕጽዕ፡ ስለዚ እቲ ንእሽቶ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እምነቱ ብሕቡእ ክነብር ይግደድ፡ ሰሜን ኮርያ ስዒበን ሶማሊያን የመንን ሊብያን ናይጀሪያ ፓኪስታንን ኢራንን ኩለን ወይ ኲናት ወይ ውሽጣዊ ምስሕሓብ ዘጋጥመን ሃገራት ዝምልከት ኮይኑ፡ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ኢራን ምልካዊ ስርዓት ዘለወን ሃገራት ብሰፊሕ ዝረአይ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ምዃኑ የነጽር።

ናይጀሪያ

ሓንቲ ካብተን ኣዚየን ዘተሓሳስባ ሃገራት ናይጀሪያ እያ። ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ ስብከት ሚና ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ሓደ ካህን ብሓዊ ተቓጾሎም ከም እተቐትሉን ናይቶም ቆሞስ ተራዳኢ ካህን መቑሰልቲ ከም ዝወረዶን ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናይጀሪያ ብናዕቢ ቦኮ ሓራምን ጓሶት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንስቓይ ከም ዝዳረግን ኣብ 2022 ዓ.ም. 5,898 ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣደዳ ከም ዝኾኑን ከምኡ እውን መጥቓዕቲ ዝወረደን ወይ ብሰንኪ ግብረ ሽበራ ዝተዓጽዋ ኣብያተ ክርትያን ልዕሊ ክልተ ሺሕ ከም ዝኾናን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ቻይና ብዓቢዩ ትጥቀስ።

ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ጭውያ እዚዩ ይውስኽ

ብኻልእ ወገን ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ጭውያ ክብ ከም ዝበለን፡ 5,829 ከም እተጨውዩን እዚ ኸኣ ብጠቕላላ ኣብ ናይጀሪያን ሞዛምቢክን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ . . . ብመሰረት እቲ መረዳእታ ማሕበር ክፉት ማዕጾ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ እምነት ክርስቲያን መጥቓዕቲ ከም ዘጋጠሞምን ኣስታት 30 ሺሕ ፍጻሜታት እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ህንዲ

ኣብታ ናሬንድራ ሞዲ ዝመርሕዎ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ኣብላጺ ኣብ ዝኾነሉ መንግስቲ መሰል ካልኦት እምነት ኣዚዩ ንሓደጋ ይቃላዕ ምህላዉን ኣብ 2022 ዓ.ም. ብድምር 1,750 ብዘይ ፍርዲ ከም እተኣስሩን መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ካልእ እምነት ሰዓብቲ እቲ ዘጓንፎም ምግፋዕ ብረቒቕ ጸቕጢ ዝተሰነየ እዩ፡ እዚ ድማ መዓልታዊ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታን ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ህዝባዊ ትካላት ዝፍጸም ግህሰት ዘጠቓልል እዩ። ብኣሃዝ ንምግላጹ ዘጸግም እኳ እንተኾነ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እውን ኣብ ውሽጥን ንወጻእን ንኽመዛበሉ የገድዶም ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምያንማር

ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃን ብሰንኪ ጅሃዳዊ ናዕቢ ከምኡ እውን ኣብ ኢራንን ኣብ ሚያንማር ድሕሪ እቲ ኣብ ለካቲት 2021 ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ኣባይቲ ክርስቲያንን ዝፍጸሞ ጸቕጢ ርዩይ ኮይኑ ከም ዝፍጸም ኣመላኺቱ፥ ብመሰረት ክፉት ማዕጾ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንኸመዛበል ዝድርኽ ኮነ ኢልካ ዝግበር ስርዓት ኮይኑ ከም ዝፍጸምን እዚ ድማ ህላወ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንምሕካኽ ዝዓለም ምዃኑ ይሕብር።

ሃይማኖታዊ ኣሳዶ ኣብ ሎሊ ደቂ ኣንስትዮ

ካልእ ዘጸይፍ ግን ከኣ ብሕቡእ ዝፍጸም ዓይነት ኣሳዶ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ደቂ ኣንስትዮ ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ ኣሽሓት ንግዱድ መርዓን ብግዲ ሃይማኖት ክልውጣን ከምኡ እውን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊኤን ዝፍጸም ጸያፍ ተግባራት ምኽንያት እውን ንኣሳዶን መከራን ተቓሊዔን ከም ዝርከባን እቲ ጽብጻብ ብውሑዱ ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ክርስቲያን ዓመጽ ከም እተፈጸመን ልዕሊ 717 ድማ ንግዱድ መርዓ ከም እተዳረጋን እዚ ጉዳይ እዚ እውን 2022 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊክርስቲያን ዝፍጸም ዓመጽን ኣሳዶን ኣዚዩ ዝለዓለ ምዃኑ ካብ ዝገብርዎ ምኽንያት ሓደ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 January 2023, 16:35