ድለ

2020.06.12 Vangelo del giorno pregare preghiera Bibbia 2020.06.12 Vangelo del giorno pregare preghiera Bibbia  (©4Max - stock.adobe.com)

ሰንበት ዘቅድስት ዘጾም ፵ የካቲት 19 2015 ዓ.ም. (2/26/2023)

መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ. . . .ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር። እናበለ ሕይወትና ምስ አምላኽን ሰብ ክህልዎ ክሕዞ ዝግብኦ መገዲ የዘኻኽረና። ጉዳይ ሰማይ ተነቃፊ ብቐሊል ዘይመልክዑ ክነልብሶ ስለ እንኽእል ዓቢ ምስትውዓል ከም ዘድልየና የዘኻኽረና።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ፪ቆሮ 5፡16-ፍ፥1ጴጥ.1፡13-ፍ፥(ኢዩኤል 2፡12-18; ግ.ሓ.10፡17-30፥ማቴ 6፡1-18.   ስብከት፡  “እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ” “እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ” መዝ። 96፡5።

አብ መዝሙር ዘቅድስት ሕይወትና ምስ አምላኽን ሰብ ክህልዎ ክሕዞ ዝግብኦ መገዲ የዘኻኽረና። ጉዳይ ሰማይ ተነቃፊ ብቐሊል ዘይመልክዑ ክነልብሶ ስለ እንኽእል ዓቢ ምስትውዓል ከም ዘድልየና የዘኻኽረና።

አብ ጊዜ ጾም ፵ ፍሉይ ጸሎት አስተንትኖ ተጋድሎ ክንገብር ቤተ ክርስትያን ተዘኻኽረና። እዚ እዋን እዋን ንስሓ እዋን ዕርቅን ሕድገት ኃጢአትን እዩ፥ አብ አምላኽ ተመሊስና ፍቕሩን ጸግኡን ክነስተማቕር አብ መንጎና ንዘሎ ጸገም ምእንቲ አምላኽ ኢልና ክንሓድግ ከምኡ መገዲ አምላኽ ክንሕዝ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ።

አብ አምላኽ ዝመልሰና መገዲ ንሓዝ፡

አብ ኢዩኤል ነብይ 2፡12-18 ዘሎ እንተ አንበብና ነዚ እዋን ጾም እዩ ዘመልክት። ኩሎም ንባባት አብ ጊዜ ጾም እነንብቦም ንሕማማት ኢየሱስ ከም ዝግባእ ክንርዳእን ነቲ ዝዓበየ ብዓልና ትንሣኤ መድኃኒና ብዝያዳ አብ ሕይወትና ብምሉእ አወሃሂድና ክነብዕሎ ክሕግዙና ምእንቲ እዮም ተቐሪቦምልና ዘለዉ። ነፍስወከፍ ነቲ አብ ግጻዌ ዘሎ ንባባት ነናይ ዕለቱ እንተ አንበብና ዓቢ መንፈሳዊ መኽሰብ ክንረክብ ንኽእል። እግዚአብሔር ካባና ዝደልዮ ክንርኢ ንኽእል ከምኡ አብ ሕይወትና እቲ ክንገብሮ ዝግብአና ክንገብር እሞ አብ መገዲ አምላኽ ክንምለስ ክሕግዘና ይኽእል።

ኢዩኤል ነብይ ብዙሕ ብዛዕብኡ ዘይፍለጥ ነብዪ እዩ፥ ስሙ አብ መንጎ እቶም ብዙሓት ነብያትን ጸሓፍቲ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቒሱ ንረኽቦ። አብ ጽሑፉ ብምርአይ ንሱ አብ ይሁዳ አብ ጊዜ ግዝአት ፋርሳውያን (ፐርስያውያን) አብ ታሪኽ አይሁድ (539-331 BC) ይነብር ከምዝነበረ ክንፈልጥ ንኽእል። መብዝሕትኡ ጥቕስታት አብዚ ጽሑፍ እንረኽቦ ንአሶራውያን ወይ ባቢሎናውያን አይጠቅስን ስለዚ ዝነበረሉ ዝነበረ አብ መንጎ 400-350 BC እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኢዩኤል ካብቶም ብዛዕባ ስርዓት አምልኾ ዝዛረብ ነብይ እዩ፥ እዚ ማለት ከአ አገልግሎቱ አብቲ አብ ቤተ መቕደስ ዝግበር ዝነበረ ነገራት ብዝርኢ ዘተኮረ እዩ። 

አብ ምዕራፍ ክልተ ኢዩኤል ብዛዕባ አንበጣ ምምጻእ ይዛረብ እዚ ኸአ ፍርዲ አምላኽ ከምዝገልጽ ይነግር። አምላኽ ክንስሑ ክምለሱ ከም ዝደሊ ዝገልጽ ገሩ ይዛረብ። እምብአርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም አባይ ተመለሱ እናበለ ይነግር። አብ ስርዓት አይሁድ አብ ዓመት ሓደ ጊዜ ክጾሙ እዩ ዝእዝዝ እዚ ኸአ አብ መዓልቲ መዓልቲ ሕድገት ኃጢአት Day of Atonement (ሌዋ 16፡31) ከምኡ አብ ዓቢይ ጉድአት ባህርያውን ሰብ ዘምጽኦ ዝወረደሉ እዋን ጥራሕ እዮም ዝጾሙ። አብ ዳሕረዋይ ዘመን መማህራን ሕግን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዝያዳ ክጸድቁ ኢሎም ዝወሰኽዎ እዩ እቲ አብ እዋን ኢየሱስ ዝጽወም ዝነበረ። አብ ርድኢት አይሁድ እምብአር ጾም ክብሃል እንከሎ ህዝቢ ኃጢአቱ ተአሚኑ አብ አምላኽ ዝመልሶ መገዲ ክሕዝ እንከሎ ምልክት ንስሓን ርእስኻ አብ አምላኽ ምቕራብን እዩ።

አብ ንስሓ ዝጽውዕ አምላኽ ባዕሉ እዩ፡

ኢዩኤል ነቲ ህዝቢ ክንሳሕ አብ አምላኽ ክምለስ ይነግሮ፥ እግዚአብሔር እዩ ዝጽውዕ ዘሎ፥ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ድአ ቅደዱ እናበለ ይነግሮም ነሩ፥ ስለምንታይ? ምኽንያቱ ንሱ ንዅራ ደንጓዪ ብምሕረት ከአ ምሉእ ካብ ክቐጽዕ ኪርኅርኅን ኪምሕርን እዩ ዝፈቱ (ኢዩኤል 2፡13)። እዚ ነቲ ዮናስ ነብዩ ዘይቅበሎ እግዚአብሔር ንኃጥአን ብቐሊል ዝምሕር ዝብል አብ ኢዩኤል እግዚአብሔር መሓሪ ከምዝኾነ እዩ ዝነግር። አብዚ እንርእዮ አምላኽ ንህዝቡ ንንስሓ ከምዝጽውዕ እዩ። ንስሓ ክብሃል እንከሎ አብ ዝሓለፈ ዝተገብረ ምጥዓስ አይ ኮነን፥ ጨሪሽካ ሕይወትካ ምቕያር እዩ ዘስምዕ። ዝያዳ ዝጽቀጠሉ አብቲ ውሽጣዊ ለውጢ እምበር አብ ግዳማዊ ነገር አይኮነን። ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹምድአ ቕደዱ።

ጾም ንአና እውን ውሽጣዊ ሕይወትና ንምቕያር እምበር ንስለ ስርዓት ጥራሕ እንገብሮ አይኮነን። ንንአሽቱ ነገራት ብዙሕ ዘይጎድኡና እንተ ጾምና፥ ጾምና ጥቕሚ የብሉን። ልዕሊ ጾም ዝኸይድ ንነፍስና ዝጠቕመና አብ ውሽጣዊ ሕይወትና ለውጢ አምጺኡ አብ መአዲ ቅድስና ዝጽንብረና ንጉዕዞ ሕይወትና በቲ ቅኑዕ መገዲ ዝመርሓናን ዝሕግዘናን ክኸውን አለዎ። አምላኽና ፈቃር አምላኽ እዩ። ንሱ ንዅራ ደንጓዪ ብምሕረት ከአ ምሉእ፥ ካብ ኪቐጽዕ ኪርኅርኅን ክምሕርን እዩ ዚፈቱ እሞ ናብ እግዚአብሔር አምላኽኩም ተመለሱ (ኢዩኤል 2፡13) ይብል።  እዚ ዳርጋ አብ ብሉይ ኪዳን መምርሒ ኮይኑ ብተደጋጋሚ ንህዝበ እስራኤል ዝንገር ዝነበረ እዩ፥ ሎሚ ቤተ ክርስትያን ነዚ ጾም ፵ ክንአቱ ከሎና ንአና እውን ድላይ አምላኽ ትነግረና አላ። ከምዚ ምስ እንገብር ጥራሕ ኢና አብ ቅድሚ አምላኽ ክንቀውምን ክንአቱን እንኽእል።

አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንስሓ ክብሃል እንከሎ ናይ ጣዕሳ ስምዒት ነቲ አብ ዝሓለፈ ዝተገብረ  በድል ሕድገት ምልማን ጥራሕ አይኮነን። አብ ሕይወትካ ምሉእ ለውጢ ምግባር ማለት አተሓሳስብኻ ጨሪሽካ ምቕያር፥ ንሕይወትካ ብሓዲስ መልክዕ ምርአይ፥ መገድኻ ቀይርካ በቲ ቅኑዕ መገዲ ምጉዓዝ እዩ። አብ ወንጌል ነዚ መታኖያ (Metanoia ዝብሎ እዩ ማለት ጨሪሽካ ካብቲ ዝነበርካዮ ምልዋጥ እዩ። ፍጹም ለውጢ አብ ጉዕዞ ሕይወትካ ምግባር ከምኡ አብ አረአእያ ትርጉም ሕይወት ዝነበረካ ጨሪሽካ ምቕያርን ነቲ ሓዲስ መገዲ ሒዝካ ምጉዓዝን እዩ።

ዝድለ ዘሎ ንስሓ ከመይ እንተ ገበርና ኢና አብ ግብሪ ክነውዕሎ እንኽእል?

“አብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፥ ጾም አውጁ፥ አኼባ ጸውዑ፥ ህዝቢ አክቡ፥ ቅዱስ ጉባኤ ከምዘሎ ንገሩ፥ አረገውቲ፥ ቆልዑት፥ ሕፃናት ዚጠብዉን ከይተረፈ አክቡ. . . . . መርዓዊ ካብ ቤቱ ይውጻእ፥ መርዓት ከአ ኻብ ሕልፍኝአ ትውፃእ. . . .  ክህናት አገልገልቲ እግዚአብሔር ይለምኑ፥ ኩሎም ብሓባር ንምሕረትን ሕድገትን ይለምኑ። ነፍስወከፍ ካብ ኃጢአቱ ክምለስ ሕድገት ኃጢአቱ ክልምን እዩ ዝድለ ዘሎ። ካብ ካህናት ክሳብ ሕፃናት ኩሎም ብመሪር ሓዘን ክንስሑ ይግባእ። አብዚ እግዚአብሔር ከም ምዝኽኻር ዝደሊ ገሩ የቕርቦ ኦ ግዚአብሔር ንህዝብኻ ንሓፎ ንርስትኻ አሕዛብ ክገዝእዎ አኅሊፍካ አይትሃቦም፥ ስለምንታይከ አኅዛብ አምላኽኩም አበይ አሎ እናበሉ ዘላግጹልና ኢሎም እናጸለዩ ይብከዩ ይብል።

አምላኾም አበሎ ከይብሉና? አብ ምህልላ ዘመነ ፍልሰታ “አምላኾም አበሎ ከይብልኑ ምህልላና ስምዓና” እናበልና ንጽሊ። አብ ዓለም ዝተፈላለየ ዓበይቲ ጸገማት ባህርን ሰብ ዝፈጠሮን ተገሩ ንአብነት ውግእ ዓለም ክልቲኡ፥ ናዚ ሚልዮናት ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ አምላኽ አበይ ነሩ? ዓድና ብጸልኢ ክነድድ ክሕረድ ክጠፍእ አምላኽ አበይ ነሩ? አኽረርቲ አስላም ንንጹሓት ክርስትያን ክሓርዱ ክቐትሉ እንከለዉ አምላኽ አበሎ? እዝን ከምኡ ዝምስልን ብዙሕ ጊዜ ዝሕተት ሕቶታት እዩ።

እቲ ሕቶ አምላኽ አበይ ነሩ ዘይኮነ “ንሕና አብይ ነርና? አበይ አሎና እዩ። አብ ትንቢት ኢዩኤል ነብይ አምላኽ ይምልስ እዩ፥ ጸሎቶም ይስማዕ እቲ ጥፍአት ደው የብል። አምላኽ ንህዝቡ ደንገጸሉ ይብል። ሎሚ ካባና ዝድለ ዘሎ ንነገራት ከምቲ አምላኽ ዝርእዮ ርኢና ክንጽሊ ይግባእ። ንባባትና ብምስትውዓልን አስተንትኖን ንርአዮ እምበር አምላኽ ሎሚ እውን ካባና ርሑቕ አይኮነን።

አብ ቀዳመይቲ ንባብ ካብ ካልአይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፋ ሓያልን ንጹርን ንአና እውን ነዚ ጾም ክንጅምር እንከሎና ዘስምዕ ነንብብ ኢና አምቢብና።

  • ፩ያ ንሕና አምባሳደራት ክርስቶስ ከምዝኾና የዘኻኽረና። አምላኽ አብ ዓለምና ዝርአ ዝስማዕ ዝፍለጥ ብቃልና ግብርናን ብስብከትና እዩ። እዚ ዓቢ ሓላፍነትን ብፍላይ አብዚ እዋን ጾም ብዝያዳ ክንሓስበሉን ክንስከፈሉን ዘሎና ጉዳይ እዩ። ዓለምና ሎሚ አምላኽ ዝተኸወላ እያ እትመስል ዘላ። ሰብ አብ ነነድሕዱ ክጭኻኸን ክጣለም አብ ስድራታት ምብትታን በዚሑ አብ መንጎ አሕዋት አብ መንጎ ደቂ ዓዲ አብ መንጎ ጎረባብቲ ሰባትን ሃገራትን ኮታስ አብ ኩሉ ጽልእን ጥልመትን በዚሑ። ጳውሎስ ነዚ ልኡኻት አምላኽ ኮና እንቕይር ንሕና ኢና ይብለና። አብዚ ክፍታሕ ክዕረቕ ዘይክአል ኮይኑ ዝርአ ዓለም ልኡኻት አምላኽ ኮና መልእኽቱ ክነብጽሕ ዝተሓረና ልኡኻት ንሕና ኢና።

አብዚ እዋን ጾም ነዚ ዝለበስናዮ ሓላፍነት ብዝያዳ ክነስተንትነሉ አነ ከም አነ ናይ መን አምባሳደር ናይ መን ወኪል ወይ ልኡኽ እየ ዘሎኹ ኢልና ንርእስና ክንርኢ እዋኑ እዩ። ቤትካ ከየጽረኻ ቤት ካልእ ከተጽሪ፥ ምስ ሓዳርካ ምስሓውኻ ሓፍትኻ ጎረበትካ ወዲ ዓድኻ ሰላም ከይገበርካ ብዛዕባ ሰላም ክትዛረብ ዘይክአል እዩ? ስለዚ ከመለኹ ኢልና ንርእስና እስከ ንፈትሽ ሽዑ ብዙሕ ዘሰክፍ ጠባይን መንፈስን ግብርን ክንርኢ ኢና። ጾምና ብአና ክጅምር አለዎ እምበር ብኻልእ አይኮነን ዝጅመር።

  • ፪ይ እግዚአብሔር ንሕና ብክርስቶስ ተኻፈልቲ ጽድቂ አምላኽ ምእንቲ ኽንከውን አምላኽ ነቲ ኃጢአት ዘይፈለጠ አብ ክንዳና ኃጢአተኛ ገበሮ ይብል ጳውሎስ ሓዋርያ። እዚ ማለት ኢየሱስ ኃጢአት ዘይብሉ እንከሎ ነቲ ኹሉ ሳዕበን ኃጢአት ዘበለ ኩሉ ተቐቢሉ ብፍላይ መስቀል ጸሩ አብኡ መይቱ። አብዚ ዘብጽሖ ምኽንያት ከአ ንሕና አብቲ ቅድስና አምላኽ ሱታፌ ክህልወና ምእንቲ እዩ።

አብ ሕይወትና በቲ ኢየሱስ ዝተጓዕዞ ክንጉዓዝ ጽዉዓት ኢና፥ ንስቓይ ክንዕገስ እሞ ከምቲ ዝሞቶ ክንመውት። አብዚ ልዕሊ ኩሉ ክንብሎ ወይ ክንገብሮ ዘይንኽእል እናገበርና አምባሳደራት ኢየሱስ ክርስቶስ ክንከውን ንኽእል። ስለዚ ይብል ቅዱስ ጳውሎስ ከምቲ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝበሎ እዚ ዓቢ መግለጺ ስራሕ አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ከንቱ ከይከውን ሓደራ ይብለና።

ጾም ንአና ትርጉም ሕይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕምቆት እነስተንትነሉን ብፍሉይ ከአ ነቲ ምእንታና ኢሉ ዝተሳቐዮ ስቓይን ሕማምን ሞትን ኢልና እነሕልፎ ጊዜ እዩ። ከምኡ እዚ ንሱ ዝገበሮ ከመይ ኢልና አብ ሕይወትና ለውጢ ከምጽእ እንጽዕረሉ እዋን እዩ። ሕጂ እዩ እቲ ምቹእ ሰዓት ሕጂ እዩ መዓልቲ ምድኃን። ንክርስትያን መዓልቲ ምምላስን ምቕያርን ሕጂ እምበር ውዓል ሕደር ዘይብሉ እዩ። ጾምና ፍረ ክህልዎ ንመለስ ንነሳሕ አምላኽ ከአ ገጹ ክመልሰልና እዩ።

ጾምና ንስሓ ኃጢአትና ገርና አብ አምላኽ እንምለስ ይገበረልና!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

                           

25 February 2023, 15:11