ድለ

2019.07.25 Gesù insegna il padre nostro - vangelo della domenica San Giovanni Evangelista e apostolo 2019.07.25 Gesù insegna il padre nostro - vangelo della domenica San Giovanni Evangelista e apostolo 

ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም) የካቲት 12 2015 ዓ.ም. (2/19/2023)

መዝሙር፡ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሓት. . . . . ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብራዕድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ዕብ 13፡7-17፥ ያዕ 4፡6-ፍ፥ ግ.ሓ. 25፡13-ፍ፥ ሉቃስ 11፡1-13.         ምስባክ፡.    ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፥ ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ መዝ. 2፡11።

ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጽሞና ዘሕለፎ 40 መዓልቲ የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከምዝኾነ ጾመ 40 ከአ ናብ ፋሲካ የሰንድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ 1. ዘቅበላ፥ 2. ዘቅድስት፥ 3. ዘምኵራብ፥ 4. ዘመጻጉዕ፥ 5. ዘደብረዘይት፥ 6. ዘገብርኄር፥ 7. ዘኒቆዲሞስ፥ 8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።

ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ንአምላኽ ብዓቢ አኽብሮት ክንቀርቦ እሞ ነቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት አስተማቒርና ክንክእል ንቕረቦ እናበለ አብ አምላኽ ዘቕርብ ሕይወት ክንለብስ የዘኻኽረና። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር እዚ ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እዩ። አብ ጊዜ ጾም ፍሉይ ክንገብሮን ክነስተንትኖ እንሕተት ሰለስተ ነገራት ብፍልይ አሎ።

  • ምጽዋት፡ ናይ ፍቕርን ሓልዮትን ምልክት ኮይኑ መጀመርያ ንአምላኽ ካብቲ ብጸግኡ ዝሃበና ክነመስግን ምእንቲ ክንምጽውት ንአምላኽ ካብቲ ናቱ ክንህቦ እሞ ንሕና ከም ወሃብቲ ዝበለጸ ጸጋ ክንዕደል ኢልና እንገብሮ እዩ። ካልአይ ንኸማና ዝበሉ ሓውናን ሓፍትና አብዚ እዋን ጾም ክንሕግዞም። ብንዋትን ብሞራልን ሓገዝና ህያባትና ክንዝርግሓሎም። ወድሰብ ክምጽውት እንተ ዘይክኢሉ ብንብረት ዓለም ተማሪኹ ከምዘሎ ምልክት እዩ። አብዚ እዋን ጾም እምብአር ንጽጉማት ክንረድእ ክንምጽውት ትሑዛት ኢና። ምጽዋት ምልክት ፍቕሪ እዩ።
  • ጸሎት፡ ጊዜ ጾም ጊዜ ጸሎት እዩ። ጸሎት ምስ አምላኽ ዘራኽበናን እንዛረቦ ቋንቋ እዩ። ገዛና ዓጺና ምስ ሰማያዊ አቦና ክንዛረብ ክነዕልል ድላይናን ጸገመናን እንገልጸሉ እዋኑ እዩ። ዝጽሊ ንአምላኽ ይፈልጥ ይብል ቅ. አጎስጢኖስ። ሓዋርያት ንመምህሮም ኢየሱስ ጸሎት ምሃረና እናበሉ ለሚኖሞ። ሎሚ ጸሎት ክንምሃር ዕላል ምስ አምላኽና ክንለምዶ እሞ ናፊቕናዮ ኩሉ ጊዜ ክንጽሊ እንውስነሉ እዋን እዩ። ጊዜና አብ ናይ ዓለምን ካልእ ነገራትን ከይንሕልፎ አብ ጥቕሚ ነፍስናን ክነውዕሎ ይግብአና። ገዛኹም ዓጺኹም ምስ ሰማያዊ አቦኹም ተራኸቡ ይብለና ወንጌል። ከየቋረጽኩም አብ ጸሎት ተጸመዱ ይብለና ሓዋርያ ጳውሎስ። አብ ጸሎት እዩ ናይ ሕይወትና ተሓድሶ ዝርከብ፥ አብ ጸሎት እዩ ሰላም ሕድገት ምሕረትን ምስጋናን ዝርከብ እሞ ጸለይቲ ክንከውን ነዚ ቅዱስ እዋን ብጸሎት ክነሕልፎ ፍቓደኛታት ንኹን።
  • ጾም፡ ስጋና ሓለዋን ምቕጻዕን ክግበረሉ እንከሎ ካብ መገዲ አምላኽ ክወጽእ አይክእልን እዩ። ጾም ክንብል እንከሎና ብፍላይ ካብቲ ምስ አምላኽ ክንራኸብ ዝኽልክለና ነገራት ክንክልከል ከሎና እዩ እምበር ካብ ጥልላት ማለት ጥራሕ አይኮነን። ጥልላት ዳርጋ ዝንአሰ ዓይነት ጾም እዩ። ንርእስና ንስምዒትና ብምልኡ ክንቆጻጸር፥ ኩሉ ሕዋሳትና አብ አገልግሎት አምላኽ ክነውዕሎ፥ ንሕማቕ ወልፍና፥ ጠባይና፥ ትዕቢትና ከምኡ ዝኾነ ሕማቕ ዝናባሌና ክነሸንፈሉ እንጥቀሞ ዓይነት ጾም እዩ። በዚ እዋን እምብአር ንርእስና መሊኽና አብ አገልግሎት አምላኽ ክንወፍር ንኹሉ ንአምላኽን ሰብን ዝጎድእ ካብ ምግባር ንርእስና ክንዓግት እሞ ዕለት ዕለት መስቀልና ጸርና ጉዕዞ ጾምና ክንቅጽል።

ሓቀኛ ተኸታል ክርስቶስ አብ ክብሪ ርእሱን አብ ቅድሚ ካልኦት ናእዳ ክረክብ ኢሉ ዝሰርሕ አይኮነን። እዞም ሰለስተ ነገራት ጾም ጸሎት ምጽዋት አብቲ ግላዊ ሕይወትና ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ዝተመስረቱ ኽኾኑ ይግባእ። እግዚአብሔር ድሮ አብ ልብና ዘሎ ድለትን መንፈስን ስለ ዝፈልጦ ነዚ ሰባት ክፈልጥዎ ኢልካ መናፍሕ ምውቃዕ አየድልዮን እዩ። አብ ስርዓትን ባህልን ሮማውያን ሓደ ሃብታም ሰብ ንድኻታት ንጽጉማት ክሕግዝ ግቡእ እዩ ነሩ እዚ ግን ክብሩ ንምሕላውን አብቲ ዘለዎ ስልጣን ንምንባርን ክሕግዚ እምበር ነቶም ጽጉማት ክሕግዝ ኢሉ አይኮነን። ናይ ክርስትያን ሓገዝ አብ ፍቕርን አብቲ ጽጉም ሰብ ምስኡ ሓደ ናይ ምዃን ምልክት እዩ እምበር ንክብሪ ንሞጎስ አይኮነን። ንናእዳን ንክብሪ ንረአዩለይ ኢልና እንገብሮ አብ መገዲ ኵነኔ እዩ ዝመረሓና እሞ ሎሚ አብ ርእስና አቲና ንጸጋን ፍቕርን አምላኽ ነለሊ። እዚ እሙናት መስከርቲ አምላኽ ይገብረና።

ናይ ኢየሱስ ተኸተልቲ ክንከውን እሙናትን አብ ሓቂ እንነብር ክንከውን ይግብአና። አብ ቤት ኢየሱስ ጃህራ ግብዝነት ትዕቢት አንነት ቦታ የብሉን። ሓዋርያነት ብስም ጥራሕ እትገብሮ አይኮነን ብልብኻ ለቢስካዮ እትነብሮ ክትከውን አሎካ። ሓቀኛ ሓዋርያነት አብ ትሕትና አብ ምልኪ ርእስና ዝተመስረት እንተ ኾነ እዩ ትርጉም ዘልኦ። አብ እምነትና እምብአር ንቀለዓለም ንርአዩለይ ብፈሪሳውነት ዝተመርሐ ሕይወት ቦታ የብሉን፥ ነዚ ድኹም መንፈስ አብዚ እዋን ጾም ኢና ክነሸንፎ እንኽእል እሞ ብምሉእ ልብና ክንብገስ ይግብአና። 

አብ ምስባክ ከም ዝሰማዕናዮ ንአምላኽ ክንፈርሖ ክነኽብሮ ከምዝግብአና ክንዝክር እሞ አብ ቅድሚኡ ዝግብኦ ክብርን ምስጋናን ሒዝና ክንቀርብ ይነግረና። ንአምላኽ ምፍራሕ ማለት ንሱ ከአል ኩሉ ፈጣሪ ስለ ዝኾነ ንሕና ምስኡ ተነጻጺርና ኢሚንቲ ምዃና ዘኪርና ዕብየቱ ተረዲእና ምሓረና ክንብሎ። መጽሓፍ ምሳሌ 1፡7 ፍርሃት እግዚአብሔር መጀመርያ ጥበብ እያ ይብለና። ፍርሃት አምላኽ ዘልኦ ሰብ ክፉእ ክገብር አይደፍርን እዩ ምኽንያቱ ሕይወቱ አብ ቅድሚ አምላኽ ከምዘላ ይዝክር እዩ። ዳዊት ነዚ ከስተንትን እንከሎ ንዑ ፍርሃት እግዚአብሔር ከምህረኩም መዝ 33፡1 ይብል። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ንዕብየት አምላኽ ከስተንትን እንከሎ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ንድሕነት ርእስኹም ዕየዩ (ፍሊ 2፡12) ይብል። ቅዱስ ጴጥሮስ ከአ አብዚ ዓለም እዚ ብፍርሃት አምላኽ ክነብር ኢሉ አብ ጊዜ ግሽነትኩም ብፍርሃትን ብፍቕርን ንበሩ (2ጴጥ 1፡17) ይብለና።

አብዚ ጾም አብ እንጅምረሉ ዘሎና ጊዜ ከም መበገሲ ክሕግዘና ንመልእኽቲ ዕብራውያን ንሎሚ ዝተነበት ክንርኢ። እዛ መጨረሽታ ምዕራፍ ናብ ዕብርውያን ሓፈሻዊ መግለጺ ሕይወት ናይ ሓደ አማናይ እያ እትገልጸልና፥ አብ ፍቕሪ ተመስሪትና ተቐበልቲ አጋይሽ ክንከውን ይነግረና። አብ መንጎና ዝርከቡ ኩሎም በብድረጅኦም እቲ ዝግብኦም ክብርን ፍቕርን ከይነግዱለሎም ይነግረና። ንኹሎም ጽጉማት ብፍላይ ንእሱራት ንሕሙማት ንኹሎም ዝተገፍዑ ክንግደሰሎም ይላበወና። ሎሚ እውን አብ ሕይወት ሓደ አማናይ ክዝውተር ምእንቲ ቤተ ክርስትያን ክነስተንትኖ ትላበወና አላ።

·       አብ መንጎና ፍቕሪ ክነዘውትር። ከምቲ አብ ጸሎተ ሓሙስ ዝአዘዞም ከምቲ አነ ዘፍቀርክኹም ነነድሕድኩም ተፋቐሩ ይብለና ከምዚ እንተ ገበርኩም ኩሉ አርድእተይ ምዃንኩም ክፈልጠኩም እዩ (ዮሓ 13፡34-35)። ኩሉ ቃላትና ተግባርና ርክባትና አብዚ እንተ ተመስረተ ክንጋገ ካብ አምላኽ ክንርሕቕ አይንኽእልን ኢና። ነዚ አብ ትምህርቲ ጳውሎስ አብ 1ቆሮ 13 ከምኡ አብ መልእኽታት ዮውሓንስ ምዕራፍ 3ን፥ 4 ክንርእዮ ንኽእል።

·       አጋይሽ ተቐበሉ። መልአኽ ከም ማንም ሰብ ኮይኑ ክመጻኩም ይኽእል እዩ እሞ ንኹሎም አጋይሽ ብኽብሪ ተቐበሉ ይብለና። ከምቲ አብርሃም ነቶም ሰለስተ አጋይሽ ገሩ ዝተቐበሎም፥ ከምቲ ሎጥ ነቶም ሰለስተ አጋይሽ ዝተቐበሎዎም (ዘፍጥ 18ን 19) ንስኻትኩም ከአ ተቐበልቲ አጋይሽ ኩኑ ይብለና። ገደዎን (ዘመሳፍ 6) ማኑሄ (ዘመሳፍ 13) ንልኡኻት አምላኽ ከምዝተቐበሉ ነንብብ፥ ስለዚ ንዝኾነ ጋሻ ብአኽብሮት ክንቅበል ድላይ አምላኽ እዩ። አብዚ ዓለም ኩልና አጋይሽ ንሰማያዊ ዓድና ገጽና እንጉዓዝ ዘሎና ኢና።

·       ነቶም አብ ማእሰርትን አብ ሕማቕ ኩነታት ዘለዉ ዘክርዎም።ተአሲረ በጺሕክሙኒ (ማቴ 25፡36)። ሎሚ እሱራት ምድራዊ ገበን ጥራሕ ዘይኮነ ብሰይጣን ተአሲሮም አብ መገዲ ሰይጣን ዘለዉ ካብኡ ክፍትሑ እሞ ንሕና ፈታሕቶም ሓገዝቶም ክንከውን ብዝያዳ ሓላፍነት ክስምዓና ይግባእ። ሰይጣን ልቦም ወሪስዎ አብ ንአምላኽን ሰብን ዘጉሂ ወፊሮም ንዘለዉ እነሸንፍሉ መብጽዓና እንሕድሰሉ እዚ እዋን ጾም እዩ ስለዚ አብ ዘለዎ መጺእና ንምጽሓዮም ቃል አምላኽ ንሓብሮም።

·       ንኹሎም ብዝኾነ ዝተገፍዑን ዝተዓመጹን ዘክርዎም። እዚኦም ክምቲ ሓደ ክኾኖ ዝደሊ ከምኡ ክርአዩ ይግባእ። ሰብ ብዝኾነ ዓቕሙ ተጸንቂቑ ክነብር ምስ ጀመረ ተሳፋ ቍርጸትን ካልእ ነገራትን ስለ ዝገብር ነቶም ብዝተፈላለየ ዝተዓመጹ ፍትሒ ዝሰአኑ ተሳፋ ክንኮኖም መንፈሶም ክሕድሱ አሕዋት አለዉና ኢሎም እምነቶም አብ አምላኽ ክገብሩ እንሕግዘሉ እዋን ሎሚ እዩ ነዚ ቅዱስ ተገባር ንበገስ።

መልእኽቲ ዕብራውያን ዝሕብሮ ኩልና ተኸተልቲ ክርስቶስ ሕይወትና ሓዲስና ነቲ መድሕን ኩሉ ዝኾነ ክርስቶስ ብኹሉ ክንክተሎ ይዕድመና። አብዚ ጊዜ ጾም አብ ግብሪ ክንገብሮን ክንክተሎን ዝግብአና ፈሊጥና ጾምና ቅድስናን ምሕረትን ዘውርድ ክገብረልና ብልብና ንእተዎ። ጾም ንጹም አብ ነነድሕድና ንፋቐር ኢልና ሱባኤ ጾምና ብምሉእ ሕልና ንእተዎ።

ጾም ንተሓድሶን ንፍጹም ርክብ ምስ አምላኽ ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ ኩሉ ሰብ ክጸውም ይግብኦ። አብዚ ጊዜ ፍሉይ ጊዜ ንጸሎት ክነሕልፍ ቅዱስ መጽሓፍ ክነንብብ ከምኡ ተጋድሎ ክንገብር ብፍላይ አብቲ ደጋጊምና እንወድቆ ክፉእ ልማድ እንተ አሎና ክንጽሊ ይግብአና። አብዚ ጊዜ አምላኽ ክበጽሓና ንሕና ክንረኽቦ ዕድል ዝኸፍተልና ስለ ዝኾነ ምስታ ፍቕሪ አምላኽ ብዝያዳ አብ ሕይወታ ዘስተማቐረት ማርያም ኮና ጾምና ንጀምሮ ንሳ አደ ቅድስናን አደ ተጋድሎን እያ ንጉዕዞ ቀራንዮ ብዓወት ዝዛዘመት አደ ስለ ዝኾነት ነዚ ጾምና ምስአ ንጀምሮ አብ ትንሣኤ ክተብጽሓና ኸአ እያ።

ጾምና ቅድስናን ዕርቅን ምስ አምላኽን ሰብን ዘውርድ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

18 February 2023, 12:07