ድለ

ጃስቲን ወልባይ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተረረ ልቢ ክኽፈት ዝገብሩ

“ብሓቂ ሰብኣውነት ዝዓሰሎም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር ዘሎ ልዑል ዋጋ ድማ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ኩነት ክኽበር ከም ዘለዎ ዝኣምኑን ብቓልን ተግባርን ዝምህሩን

ናይ ውህደተ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ወልባይ፥ ብምኽንያት ዝኽሪ 10 ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ንብምልእታ ቤተ ክርስቲያን በረኸት እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ኮይነ ምስ ተሓረኹ -   ይብሉ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ- ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ንፈለማ ግዜ ከም እተራኸቡን ምስ ር.ሊ.ጳ. ክራኸቡ ንመጀመሪያ ግዜ እውን ምዃኑን” ገሊጾም፥ “ብሓቂ ሰብኣውነት ዝዓሰሎም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር ዘሎ ልዑል ዋጋ ድማ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ኩነት ክኽበር ከም ዘለዎ ዝኣምኑን ብቓልን ተግባርን ዝምህሩን እዮም።” ስዒቡ እውን ዘለዎም ግብረ ገባዊ ውፉይነት ብሓቂ ከም ዘድንቑን። ንጸገማት ብዝተፈላለየ መዳያት ዝምልከቱን ዘጽንዑን ናይዚ ኩሉ ድሕረ ባይታ ምናልባት ኢየሱሳዊ ስለ ዝኾኑ  እውን ክኸውን ይኽእል። ብዛዕባ ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ክዛረቡ እንከለዉ ልቢ ሰብ እዮም ዝጥምቱ በዚ ኸኣ እቲ ተሪር ዝበሃል ልቢ እውን ዝኸፍቱ፡ ናይ ፍቕሪ መገድታት ይረኽቡ፡ ዝተዓጽወ ልቢ ክኽፈት ዝገብሩ እዮም።

እቲ ሳልሳይ ኣብኦም ዘድንቖ ነገር ድማ ትኵርን በሊሕን ትሕትናኦም እዩ። እቶም ሰለስተ ነገራት እቲ ዘደንቕ ሓይሊ ኣእምሮኦምን ባህርያቶምን እቲ ዘገርም ዓሚቑ ልቦም ምቕሉልነቶምን ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገበርዎ፡ ነቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዘለዉ ብዘይተለምደ መገዲ ክበጽሑ የኽእሎም፡ ኣብኡ ዕምቆት ኣሎ፡ እዚ ድማ ንሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘኮይነስ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን በረኸት እዮም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 March 2023, 16:20