ድለ

ጳጳሳት፥ ስደተይናታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብውሑስ መገዲ ክኣትዉ ጻውዒት የቕርቡ ጳጳሳት፥ ስደተይናታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብውሑስ መገዲ ክኣትዉ ጻውዒት የቕርቡ 

ጳጳሳት፥ ስደተይናታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብውሑስ መገዲ ክኣትዉ ጻውዒት የቕርቡ

ሰነድ ‘ንጓኖት ኣፍቅር’ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን መትከላት ዘጠቓልል ጥራይ ዘይኮነስ እዞም መትከላት እዚኣቶም ኣብ ህልው ብድሆታት ግዝኣትናን ሕበረሰብናን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ከም ዘለዎም ዘስተንትነሉ እዩ”

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት እንግልጣርን ወይለስን “ንጓና ኣፍቅር” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ “ኣብ ወዲ ሰብ ብኑባሬ ንዘሎ ክቡር ዋጋ ዘበረኸ”  ጉዳይ ስደተይናታት ምምሕዳር ዝጠልብ 24 መትከላት ዝሓዘ ሓድሽ ሰነድ ከም ዘውጸአ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ስደተይናታት ንእንግሊዝ መትረብ ከይሰግሩ ዝኽልክል ሕጊ ከምኡ እውን ኣብ መጻኢ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከይኣትዉ ዝእግድ፡ መሰረት ገይሩ ዝተፈጥረ ክትዕ ይቕጽል ከምዘሎን፡ ጳጳሳት እንግሊዝን ወይልስን ናይ ስደተይናታት ጒዳይ መመሓደሪ ሕጊ “ሰብኣዊ ክብሪ ስደተይናታት ክኽበር” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

24 መትከላት ንናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ

ዝኾነ ናይ ስደተይናታትን ስደትን ጉዳይ ዝምልከት ሕጊ፥ “ብኑባሬ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘብሎ ክቡር ዋጋ” ዝተመርኮሰ ክኸውን ከም ዘለዎ ብጹዓን ጳጳሳት ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ ሰነድ ኣመላኺቶም፥ ዝሓሸ ህይወት ንምድላይ ዓዱ ሓዲጉ ዝስደድ ሰብ ምእንጋድ ዝብል ክስቲያናዊ ግዴታ ኣብሪሆም፡ ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝተመርኮሰ 24 መትከላት ዝሓዘ ሰነድ ከም ዘቕረቡን፡ ብፍላይ ናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርቲ ማእከል ዝገበረ ኮይኑ፥ እዚ “ንጓና ኣፍቅር” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሰነድ፡ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ መራሔ መግንስቲ ሪሹ ሱናክ፥ ዝኾነ ይኹን ሰብ ውሑስ ብዘይኮና ጀላቡ ንመትረብ እግዚሊዝ ከይሰግር” ዝዓለመ፡ እዚ ድማ ዘይሕጋዊ ጸኣት ስደተይናታት ንምዕጋት ዘኽእል ከምኡ እውን ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምብታን ዝሕግዝ እዩ እንክብሉ ድሕሪ ዘቕረብዎን ዕለት 14 መጋቢት ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ስደተይና መመሓደሪ ሕጊ ስዒቡ ዝቐረበ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ብጹዓን ጳጳሳት ይብሉ፥ “እቲ ሓድሽ ሕጊ ዘንብሮ ማዕቅን ዛዕባ ኣህጉራዊ ሕግን ስነ ምግባርን ሕቶታት ዘልዕል፡ ከምኡ እውን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሰነድ ዛዕባ መሰላት ሕጻናትን ስደተይናታትን ብስሩዕ መገዲ ክስደዱ ምስ ዝብል መምርሕታት ዘይቃደው ምዃኑ ገሊጾም፥ “”ሃገራውን ውልቃውን ዝንባለታት ንሰብኣዊ ፍጡር ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ከይንርእዮ ዝድርኽ ክኸውን የብሉን” ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘውጽእዎ ሰነድ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

ስደተይናታት ሰባት እምበር ኣሃዝ ኣይኮኑን

ከም ሕብረተሰብ እቲ መበገሲ ነጥቢ ክኸውን ዘለዎ ስደተይና ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ሰብ ምዃኑ እዩ ኣፍልጦ ክወሃቦ ዘለዎ፡ ስለዚ ብዛዕባ እቲ ናይ እንግልጣርን ወይልስን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ ሰነድ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ፖል ማካሊናን፥ “ዛንታታቶም ካብ ዓዶም ንኽስደዱ ዝደረኾምን ተሰዲዶም መጻኢ ንምህናጽ ዘለዎም ተስፋን ኢና ክንርዳእ ዘሎና” እንክብሉ ገሊጾም፥

መሰል ስደትን መሰል ምቁጽጻር ዶባትን

“ጓና (ጋሻ) ኣፍቅር”፥ ዋላ’ኳ ሓደ መንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዶባት ናይ ምቁጽጻር መሰል እንተለዎ ከም መንግስቲ ሰባት መሰል ስደት ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ምሃብ ንዝብል ዋጋ ዝቃረን ኣይኮነን፥ ዶባት ናይ ምቁጽጻር መሰልን ነቲ ጋሻ ተቐባሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝድለየሉ ኩነታት ጥራይ እዩ ብንጹር ክድረት ዘለዎ” እምበር፡ ዶብካ ውሑስ ምግባር ምስቲ ምእንጋድ ዝብል ክቡር ዋጋ ዝገራጨው ኽከውን የብሉን፡ ዛዕባ ስደትን ስደተይናን ዝምልከት ሕጊ፥ ርህራሄ ዝጥሕስ ክኸውን የብሉን፡ በንጻሩ ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ሰባት ፍሉይ ኣቃልቦ ክወሃቦም እዩ ዝግባእ” ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም።

ካቶሊካዊ ሕብረተሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ

ናይ እንግልጣርን ወይልስን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ዌስትሚንስተር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ፥ እቲ ካብ ርሑቕ ዝመጸ በቢ እዋን ዝተኣወነ “ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን” ንዝተሓላለኹ ጸገማት ዝርዝር መፍትሒ እኳ እንተዘይሓሰበ፡ ውሑስን ቅጽጽር ዘለዎ ምብጻሕ ዘፍቅድ ኣገባባትን ዑቕባ ንዝሓቱ ፍትሓዊ መስርሕ ክህሉን ብንጹር እዩ ዝጸውዕ፡ ስለዚ እቲ መንግስቲ ዘውጸኦ ሓድሽ ስደተይና ናይ መቆጻጻሪ ሕጊ ነዚ ሓሳብ እዚ ዝጻረር እዩ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብሪሆም፥ መብዛሕቲኦም እቶም ስደተይናታት ብኩናት ካብ ዝተሃሰያን ወይ ኩናት ካብ ዝካየደለን ሃገራት እያቶም ዝመጹ፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ጥራይ 46 ሺሕ ስደተይናታት ብዘይስሩዕ መገዲ ማለት ብመትረብ እንግሊዝ ኣቢሎም ከም ዝኣተዉን ብዙሓት ድማ ከም ዝጠሓሉን እዩ ዝንገር ምስ በሉ፥ እቲ ዘይሕጋዊ ስደተይናታትን ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምዕጋት ብዝብል ምስምስ መንግስቲ ድሕሪ ዘውጸኦ ሓድሽ ሕጊ ጸኣት ስደተይናታት ደው ኣይበለን እንክብሉ ድማ ይሕብሩ።

ዑቕባ ንዝሓቱ ውሑስ ናይ መሰጋገሪ መገዲ

ሰባት ብትኽክል መገዲ “ናይ ስደት መሰሎም ክጥቀሙ መታን ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ኣብ ኣወሃህባ ድዩ ወይ ካልእ ውሑስ ናይ መሰጋገሪ መገዲ” ክህሉ ኣለዎ። በዚ ኣገባብ እዚ ጥራይ እዩ ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ጉዕዞ እግርን ዘጋጥም ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ምግታእን ካብ ሓድሽ ዓይነት ጊልያነት ኣደዳ ካብ ምዃን ንምክልኻል ዝከኣል፥ ስለዚ እዩ ብጹዓን ጳጳሳት እንግልጣርን ወይልስን፥ “ንስደት ወይ መዕቆቢ ንምድላይ ተበጻሒ ኣማራጺ ስለ ዘየለ እዩ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝተፈላለየ ጸገም ዘጋጥም ዘሎ” ኢሎም።

ህይወት ቅድሱን ክቡርን ዝብል ክብሪ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሕጊ ቀዳምነት ክወሃቦ

ስለዚ “ፍቕሪ ንጓና - መጻእተይና” ዝብል ሰነድ ዝኾነ ይኹን ናይ ስደተይና መመሓደሪ ሕጊ ቅድስናን ክብርን ህይወት ቀዳምነት ክህበሉ ኣለዎ፡ ነቲ ንሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ወይ ንዝተሸገሩ ርትዓዊ ሓገዝ ከይህሉ ዝገብሩ ስጉምትታት ክንጸጉን ይጽውዕ፡ ማእሰርትን ብዘይ ፍቓድ ምስጓግን ካልኦት ክብሪ ሰብ ዝጥሕሱ ተግባራትን ካብ ምጥቓም ከምኡ እውን ናይ ስደት መሰል ዝገትእ ተግባር ኩሉ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝጻረር እዩ፥ እዚ እዩ ክእለ ዘለዎ” እዚ እውን እቲ ሰነድ ከም ዘስመረሉ ብጹዕ ካርዲናል ኒኮልስ ይሕብሩ።

ጽልኢ ወጻእተይና/መጻእተይና ንምውጋድ “ተቐባሊ ጋሻ” ምዃን ይግባእ

ብጹዓን ጳጳሳት ስደትን ጉዳይ ስደተይናታትን ንፖለቲካዊ ረብሓ ንምውዓል ዝግበር ከይዲ ብዙሕ ዘሰክፎም ከም ዝኾነ ገሊጾም፡ ስለዚህ እዚ ማሕበራዊ ክስተት እዚ ካብ ፖለቲካዊ ሃልኪ ወጻኢ ህይወት ክቡርን ቅዱስን እዩ ብዝብል መትከል እዩ ክርአ ዘለዎ፥

ገለ ማሕበረሰባት ብዛዕባ ስደት ክህልዎም ዝኽእል ስክፍታታት ንፖለቲካዊ ሃልኪ ምጥቃምን ምምዝማዝን ናብ ጽልኢ ወጻእተይናታት ክምዕብል ክንፈቅድ የብልናን። ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንስደተይናታት ሓቀይናን ቅኑዕን ኣቀባብላ ኣብ ምግባር እጃሞም ከበርክቱ ኣለዎም!

ቫቲካንን ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ነቲ ሰነድ ይድግፉ

ውሁድ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘደንፍዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ህየንተ ብጹዕ ኣቡነ ፋቢዮ ባጆ፥ “እቲ ናይ እንግልጣርን ወይልስን ሰነድ ኣብ ኩሉ ደረጃታቱ ኣብ መንጎ ኩሉ ናይ ርክብ ባህሊ ዘተባብዕን ዘስፍሕን እዩ” እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ “ምክልኻል ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ኣብ ዝመስለሉ እዋን ብዓውታ ምጥባቕን ምሉእ ብምሉእ ክንበር ዝያዳ ፍታሓውን ማዕርነታውን ሕብረተሰብ ክህነጽ ዝረኽበናዮ ዕድል ተስፋ ክይነጥፍእ ይዕድመና ሕብረተሰባት ንረብሓ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምኡ እውን ንሕና ዘይንጽል ሰብኣዊ ምዕባለኦም ክንሓልይ እንኮለና እቶም መጻእተይና ወይ ስደተይናታት ከቕርብዎ ዝኽእሉ ኣበርክቶ ንምእንጋድ ክፉታት ንኸውን” ኢሎም።

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዋና ጸሓፊ ኣባ ማኑኤል ባሪዮስ ፕሪቶ  እውን ብወገኖም፥ “እቲ ናይ እንግልጣርን ወይልስን ብጹዓን ጳጳሳት ሰነድ ነቲ ውልትው እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ መወከሲ እዩ። ንካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮነ ንዝኾነ ሰብኣዊ ክብሪ ከም መሰረት ስኒት ዘለዎ ማሕበራዊ ሓባራዊ ሕይወት ቀዳምነት ዝህብ፡ ብዛዕባ ስደትን ዑቕባን ጽቡቕ ኣንፈታት ክህልዎ ይገብር፥”

ሰነድ ‘ንጓኖት ኣፍቅር’ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን መትከላት ዘጠቓልል ጥራይ ዘይኮነስ እዞም መትከላት እዚኣቶም ኣብ ህልው ብድሆታት ግዝኣትናን ሕበረሰብናን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ከም ዘለዎም ዘስተንትነሉ እዩ”

እንክብሉ ርእይቶኦም ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 March 2023, 16:12