ድለ

መበል 77 ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ መበል 77 ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ  (Vatican Media)

መበል 77 ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ጽርሃ ሲኖዶስ ካብ ዕለት 22 – 25 ግንቦት ዝካየድ ኮይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘቕርብዎ ናይ መኽፈቲ መደረ ክብገስን

ካብ ዕለት 22 – 25 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ምዃኑን ሰሉስ 23 ግንቦት ንግሆ ሰዓት ትሽዓት ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሱፒ መደረ ከስምዑን ተጋባእያን ምኽትል ኣቦ መንበር ክመርጹን ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት እውን ወከልቱ ክመርጽ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኢጣሊያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ጽርሃ ሲኖዶስ ካብ ዕለት 22 – 25 ግንቦት ዝካየድ ኮይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘቕርብዎ ናይ መኽፈቲ መደረ ክብገስን ዕለት 25 ግንቦት ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ መኽፈቲ መደረ ብጹዕ ካርዲናል ሱፒ

ሰሉስ ዕለት 23 ግንቦት ሰዓት 9 ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ሱፒ ብዘስምዕዎ መደረ ቀጺሉ ተጋባእያን ኣስዒቦም ምኽትል ኣቦ መንበር ክመርጹን ድሕሪ ቀትሪ ድማ ኣብቲ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ መበል 16 ስሩዕ ጉባኤ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ዝውክልዎም ክመርጹን ብዛዕባ ሕጋዊ ምሕደራዊ ግዴታታት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ክዝትዩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣተኩሮ ኣብ ሲኖዶስ

ረቡዕ ዕለት 24 ግንቦት “መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን ዝብሎ ምስማዕ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ምይይጥ ከካይዱን እዚ እውን ናብ መመያ ዝወስድ መገዲ ንምልላይ ዝኣመተ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝካየድ ሲኖዶስ ተጋባእያን ብጉጅለ ተመዳዲቦም ኣብ ዘካይድዎ ናይ ዕዮ ዘተ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተ ክካየድን ንኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ንምስማዕ ዝግበር ኣቃልቦ ንትሑታትንን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡን ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ንዘለዉን ዝምልከት ኮይኑ ትሑታን ልዕል ክብሉ እያቶም ዝብል ቃል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበሩ ጻዕርታት እውን ዝድህስስ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥

ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ.

ሓሙስ ዕለት 25 ግንቦት ንጎሆ ሰዓት 08.30 ብናይቲ ብጹዓን ጳጳሳታ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዝምራሕ ብሁባሬ ምስ ኩሎም ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዓርግን ስዒቡ ልክዕ ሰዓት 11 ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ከምዝኾኑን ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝርክብ ንኡስ ጽርሃ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ጋዜጣዊ መግለጺ ከቕርብን ዕለት 25 – 26 ግንቦት ካብ መላእ ሰበኻታት ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ወከልቲ ኪደት ሲኖዶስ ዘሳተፈ ዓውደ ኣኼባ ሮም ኣብ ዝርከብ ኤርጂፍ ህንጻ ክካየድ ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

20 May 2023, 16:45