ድለ

ቤተ ክርስቲያን ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ንዝደዱ ንምሕጋዝ ድልውነታ ተረጋግጽ ቤተ ክርስቲያን ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ንዝደዱ ንምሕጋዝ ድልውነታ ተረጋግጽ  (ANSA)

ቤተ ክርስቲያን ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ንዝደዱ ንምሕጋዝ ድልውነታ ተረጋግጽ

ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስቲቨን ኣመዩ ማርቲን ንዅሎም ኣብ ሃገረ ስብከቶም ዝርከቡ ገዳማውያንን ማሕበረሰብ ልኡካነ ወንጌልን ማሕበራት ደናግልን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ነቶም ካብ ሱዳን ዝስደዱ ኣሕዋትንና ኣሓትናን ኣባይቶም ከርህዉ”

ናይ ድቡብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስተፈን ኣመዩ ማርቲን ኣብ ሱዳን ካብ ዕለት 15 ሚያዝያ ኣብ መንጎ ወተሃደራት መግንስትን ንኡስ ሓይሊ ምክልኻው ህጹጽ እዋን ድሕሪ ዝተባርዐ ኲናት ብዙሓት ሱዳናውያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዑቕባ ንዝደልዩ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ስንድውቲ ምዃና ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ናይ ህጹጽ ኩነታት ጉዳያት ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልን ዝተባርዐ ውግእ ጭቡጥ ምልክት ሰላም ኣብ ዘየርእየሉ ዘለሉ እዋን፡ ብዙሓት ሱዳናውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ደብብ ሱዳን ዑቕባ ንኽሓቱ ዝደልዩ ኣብ ምእላዮም ክትዓዪ ድልውነታ ከም ዘፍለጠትን፡ ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስቲቨን ኣመዩ ማርቲን ንዅሎም ኣብ ሃገረ ስብከቶም ዝርከቡ ገዳማውያንን ማሕበረሰብ ልኡካነ ወንጌልን ማሕበራት ደናግልን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ነቶም ካብ ሱዳን ዝስደዱ ኣሕዋትንና ኣሓትናን ኣባይቶም ከርህዉ” ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጉዳይ ተመዛበልቲ

ሊቀ ጳጳሳት ማርቲን ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ናይ ካልኦት ዞባታት ጳጳሳት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ይመኽሩ ከምዘለዉን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ላዕለዋይ ናይል ከተማ ማላካል ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ስተፈን ንዮድሆ ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘጋጠመ ሓድሽ ሰብኣዊ ቅልውላው ህጹጹ ቆላሕታ ይግበረሉ ከም ዘየለን እዚ እውን ብዙሕ ዘጉህይ እዩ ከም ዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቶም ኣብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ደቡብ ሱዳን ንኽምለሱ ዘኽእል መገዲ ይፈጥር ከም ዘሎን ክሳብ ሕጂ 50 ሺሕ ደቡብ ሱዳን ከም ዝኣተዉን ምስርን ጫድን እውን ካብታ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር 70 ሺሕን 30 ሺሕን ዋሕዚ ስደተይናታት ከም እተቐበላን ካልኦት በሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ከም እተጓዓዙን ብመሰረት ኣህጉራው ትካል ስደተይናታት፡ ልዕሊ 700 ሺሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሉ ከም ዝርከብ ክፍለጥ እንከሎ፥

ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ተደጊፉ ኣብ ጂዳ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ነቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ክከኣልን ዜጋታት ንምክልኻል ኣብ ዝብል ነጥቢ ዕለት 11 ግንቦት ኣብ ስምምዕ ዝበጽሑ እኳ እንተኾነ ኣብ ምቁራጽ ተኹሲ ግና ክሰማምዑ ከም ዘይከኣሉን ክሳብ ሕጂ በቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብውሑዱ 750 ሰባት ከም እተቐትሉን ልዕሊ 5,500 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉን ብርክት ዝበለ ንብረትን ትሕተ ቅርጽን ከም ዝዓነወ ዜና ቫቲካን ካብታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታት ጠቒሱ የመላኽት።

በቲ ውግእ እትህሰይ ዘላ ቤተ ክርስቲያን

እቲ ውግእ ኣብታ ሃገር ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጉዳያት ተዋፊራ እተገልግል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማታ ዝተፈላለየ መጉዳእቲ እውን የስዕብ ምህላዉን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኤል ኦበይድ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካቴድራል ሓዊስካ ካልኦት ካቶሊካዊ መሳለጥያታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን መጥቓዕቲ ከም ዝወረዶን ገኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካህናትን ደናግልን ንኽወጹ ኩነታት የገድዶም ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 14 ግንቦት ኣብ ወሰን ከተማ ካራቱን ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጸመ ተኹሲ ገለ ምእመናን ከም እተጐድኡን ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት እውን ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ተሓታትነት ነንድሓድሕዶም ይካሰሱ ምህላዎም ክንገር እንከሎ፡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበራት ረድኤትን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ክፍሊ ረድኤትን ካሪታስ ኣንተርናዚዮናሊስን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላት ብህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብን ካብ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ እውን ተመሳሳሊ ጻውዒት የቕርብ ምህላዉን ኣተሓሒዙ እውን እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ነቲ ውግእ ብህጹጽ ኣቋሪጾም ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ሰላማዊ መገዲ ክደልዩ ንላበው ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 May 2023, 16:33