ድለ

ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፥ ፍትሓዊ ሰላም ክህሉ ደጊሞም ጻውዒት የቕርቡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፥ ፍትሓዊ ሰላም ክህሉ ደጊሞም ጻውዒት የቕርቡ 

ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፥ ፍትሓዊ ሰላም ክህሉ ደጊሞም ጻውዒት የቕርቡ

“ሰላም ክረጋገጽ ዘኽእል ፍትሓውን ምክብባርን ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕግን ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ”

ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ፓትሪያርካትን መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዕለት 15 ግንቦት ፍልስጥኤማውያን ኣል ናክባ - ጸኣት ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዝዝክርሉ ዕለት ኣብ ኣህጉራዊ ሕጋውነት ዝተመርኮሰ ቀዋምን ፍትሓውን ሰላም ኣብ ቅድስቲ መሬት ክረጋገጽን ከምኡ እውን ቅዱሳት ቦታት ክኽበርን ደጊሞም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍልስጥኤማውያን መበል 75 ዓመት ዝኽሪ ኣል - ናክባ መዓልቲ ጸኣት ማለት እስራኤል ኣብ 1948 ዓ.ም. ሃገር ኮይና ኣብ ዝቖመትሉ መዓልቲ ብግዴታ ካብ ዓዶም ዝተባረሩሉ ዕለት ኣብ ዝዝክርሉ እዋን ጉባኤ ፓትሪያርካትን መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ቅድስቲ መሬት ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንኽህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሓድሕድ ምክብባር ሰላም ንምርግጋጽ መገዲ እዩ

“እምነትና ኩላትና ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ይምህረና፡ ሰላምን ምጽውዋርን ፍትሕን ንምርግጋጽ ድማ ሓቢርና ክንሰርሕ ከምዘለና ይምህረና” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዕለት 15 ግንቦት ዝተዘርገሐ መግለጺ፥ “ፍቕርን ርህራሄን ሓድሕድ ምክብባርን ኣብ ዓለም ሰላም ንምምጻእ ዝሕግዝ መገዲ ምዃኑ ክርስትና እምነት ይምህረና፡ እዚ ድማ ብፍላይ ኣብታ ንፈትዋ ቅድስቲ መሬት ይምልክት።”

ናክባ እቶም ኣብ 1948 ዓ.ም. ካብ ቤቶም ዝሃደሙ ወይ ተገዲዶም ዝወጹ ልዕሊ 700 ሺሕ ፍልስጥኤማውያን ዝዝከረሉ ዕለት ዕጫ ናይዞም ስደተይናታትን ዘርኦምን ኣብ መላኣ ማእከላይ ምብራቕ ሎሊ 5 ሚሊዮን ዝግመት ኣብዚ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዓረብን እስራኤልን ዓቢ ኣካታዒ ጉዳይ ኮይኑ ይቕጽሎ ኣሎ። እስራኤል እቶም ፍልስጥኤማውያን ስደተይናታት ናብቲ ዝወጽሉ ኣባይቶም ብጅምላ ክምለሱ ዝብል ዝቐርብ ጠለባት ትነጽግ።

ዳግማይ ዝተለዓዓለ ግጭት እስራኤልን ፍልስጥኤምን

ኣብዚ ዓመት እዚ ዝኽሪ ድሕረ ባይታ ናይቲ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ልዕሊ 140 ፍልስጥኤማውያንን ብውሑዱ 19 እስራኤላውያንን ወጻእተይናታትን ንሞት ዝዳረገ ዳግማይ ዝተለዓዓለ ዓመጽ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝገበረ ከም ዝኾነን፡ ካብቲ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ግንቦት ፍልስጥኤዊ እስላማዊ ጅሃድ (ድሕሪ ሓማስ ካልኣይ ዝዓበየ ዕጡቕ ጉለ ኣብ ምድረ በዳ ጋዛ) ካልኦት ጉጅለታትን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ልዕሊ 100 ተወንጫፊ ናብ እስራኤል ምስ ተኮሱን ክምኡ እውን ድሕሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ዝርከብ ፍልስእጤማዊ ምግቢ ናይ ምቁራጽ ኣድማ ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝዓረፈ ምስ ተሰምዐ እቲ ዓመጽ ኣዚዩ ከም እተበራተዐን እቲ መጥቓዕቲ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ዒላማታት ሓማስን እስላማዊ ጅሃዳውያንን ብሓይሊ ኣየር ጸረ መጥቓዕቲ ከም ዘካየደትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጥኤማውያንን ዝኸበደ ውግእ ከም እተራእየ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕግን

ፓትሪያርክ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ኩሉ ሰብ ሓቢሩ ንኹሉ ዝሓሸን ሰብኣውን መጻኢ ንምህናጽ ክሰርሕ” ደጊሞም ተላብዮም። “ሰላም ክረጋገጽ ዘኽእል ፍትሓውን ምክብባርን ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕግን ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ” ከም ዝበሉን፥

ፍትሕን ሰላምን መሰረት ምርግጋእን ምዕባለን እቲ ዞባ ምዃኑ ንኣምን። ነዚ ክቡር ዕላማ ንምዕዋት ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ክንሰርሕ ድልውነትና ነረጋግጽ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ንቅዱሳት ቦታታትን ህልዊ ዅኔታ ምኽባር

ብተወሳኺ መግለጺ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምድጋፍ ሓለዋ ማሕበረሰባትን ኣብ ምዕቃብ ቅዱሳት ቦታታትን ህልው ሕግታት ህልዊ ዅነታን ዝለዓለ ተራ ክጻወት ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ድማ ብዘይተሓበረ መገዲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ኣካላውን ቃላውን መጥቓዕቲታት ኣብ ልዕሊ ክርስቲያንን ካህናትን ዝመልክት እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ኮይኑ፡ መራሕቲ ክርስቲያን ንህዝቢ ፍልስጥኤም ኩሎም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘለዉ ህዝብታት ብሰላምን ብኽብርን ምዕባለን ክነብሩ ዘኽእሎም መሰል ርእሰ ውሳነን ህንጸት መንግስትን ምዕባለን ክረኽቡ ናብ እግዚኣብሔር ንጽሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

17 May 2023, 15:54