ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ማቻዶ፥ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ፓኒፑር ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶ ዘሰክፍ እዩ! ሊቀ ጳጳሳት ማቻዶ፥ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ፓኒፑር ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶ ዘሰክፍ እዩ!  (AFP or licensors)

ሊቀ ጳጳሳት ማቻዶ፥ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ፓኒፑር ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶ ዘሰክፍ እዩ!

እቲ ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ነቲ ዕለት 6 ግንቦት ዝተፈጸመ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ ዝተለዓዓለ ከም ዝኾነ

ኣብ ህንዲ ናይ ሰበኻ ባንግሎር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐተር ማቻዶ ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ንክርስቲያን ዒላማ ዝገበረ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትን ኣሳዶን ዘሰክፍን ዘጨንቕን ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰበኻ ባንግሎር ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ማቻዶ ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብ ማኒፑር ዝተለዓዓለ ዓመጽ፥ “ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒላማ ዝገበረ እዩ” ቢሎም፥ እቲ ዝተለዓዓለ ዓመጽ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ መከራን ኣሳዶን ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣብ 1974 ዓ.ም. ዝተሓንጸ ሰለስተ ኣቢያተ ክርስቲያንን ገለ ኣባይቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብሓዊ ከም ዝተቓጸለን ህዝቢ እውን ቤቱን ንብረቱን ዛሕዚሑ ናብ ውሑስ ቦታታት ክስደድ ይግደድ ምህላዉ ጸብጻባት” ከም ዝበጸሖምን፥ “ካልኦት ብዙሓት ኣቢያተ ክርስቲያን ነዚ ሓደጋ እዚ ከም እተቓልዓን ኣብ ልዕሊ እቶም ከባቢ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውን ናይ መፈራርሒ ቃልት ይፍነው ምህላዉን እዚ ኹሉ እቲ ብክርስትና እምነቶም ምኽንያት ነዚ ሓደጋ እዚ ዝተቓልዑ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም ከቢድ ምዃኑ ዘርኢ እዩ” ከም ዝበሉን “ናይ ህዝቢ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ምርግጋጽ ናይ መግንስቲ ሓላፍነት እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ መገልጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ ማኒፑር ዘሎ ግጭት

እቲ ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ነቲ ዕለት 6 ግንቦት ዝተፈጸመ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ ዝተለዓዓለ ከም ዝኾነን፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝበዝሑ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱን ምስልምናን ዝኾኑ ዓሌት መኢይተኢ ዝተለዓዓለ ግጭት፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዓሌት ናጋ ዝኾኑ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ንሓደጋ የቃልዕ ምህላዉን፡ ኣብ ማእከል እቲ ናዕቢ ኣስታት 9 ሺሕ ሰባት ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ከም እተገዱን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዝወረደ ሓደጋ ዝሕብር ጸብጻብ ገና ከም ዘየሎን እቲ ግጭት ዝተለዓዓለ እቶም ዓሌት መይተይ ዘይኮኑ ጉጅለታት ነቶም ዘይመይተይ ዝኾኑ ናይቲ ግዝኣት ተቐማጦ ኣፍልጦ ክወሃቦምን በዚ መንጽር ድማ ናይ ስራሕን ናይ መሬት መሰልን ካልኦት ረብሓታት ክረጋገጸሎም ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝተበገሰ ከም ዝኾነን ዓሌት ማይተይ ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ 50 ሚእታዊ ዝሽፍን እውን ምዃኑ የመላኽት።

08 May 2023, 15:56