ድለ

ኣብ ብራዚል ናይ መሬት ግጭት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ጸብጻብ ቤተ ክርስቲያን ይሕብር ኣብ ብራዚል ናይ መሬት ግጭት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ጸብጻብ ቤተ ክርስቲያን ይሕብር  (AFP or licensors)

ኣብ ብራዚል ናይ መሬት ግጭት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ጸብጻብ ቤተ ክርስቲያን ይሕብር

እቲ ሽማግለ ጉስነት መሬት ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ዘውጸኦ ሰነድ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ደቀባት ዝፍጸም ዓመጽ ኣናዐበየ ይኸይድ ምህላዉን፡ እቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ምስ ናይ 2021 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ 16 ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን

ኣባይቲ ስድራ ዝጸልው ዓመጽ መሬት

እቲ ሽማግለ ጉስነት መሬት ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ዘውጸኦ ሰነድ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ደቀባት ዝፍጸም ዓመጽ ኣናዐበየ ይኸይድ ምህላዉን፡ እቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ምስ ናይ 2021 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ 16 ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን እዚ እውን ንልዕሊ 181 ሺሕ ኣባይቲ ስድራ ዝጸልው ኮይኑ፥ እቲ ዝለዓለ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መሬት ዞባ ኣማዞን ዝፍጸም ኮይኑ፡ ንህዝቢ ደቀባትን ተቐማጦ ኣማዞን መሬት ናይቲ ዞባ ናይ ምንባሮም ዋሕስ ከም ዝኾነን እቲ ከባቢ እውን ናይ ዓለም ሳንቡእ ተባሂሉ ካብ ዝግለጽ ሓምላይ ሃብቲ ዓለም ሓደ ምዃኑ፥ ነዚ ዕሽሽ ዝብል ኣብ ልዕሊ መሬት ዝፍጸም ዓመጽ ኣብቶም መሬት ንኽውንኑ ዝለዓዓሉ ግለ ሰባትን ትካላትን ብዘዋፍሩዎም ዕጡቓት ጉጅለታት ዝፍጸም ኮይኑ እዞም ጉጅለታት እዚኣቶም ካብ መቕተልን ክሳብ ምፍርራህ ዝኸይድ ገበን ኣብ ልዕሊ ደቀባት ከም ዝፍጽሙ፥

ጸረ ባልዕ ዘጠቃልል መጥቃዕቲ

ደቀባት ካብ መሬቶም ንምስጓግ ዘመትቲ ኣካላት ካብ ዝጥቀሙሉ መጋበርያ ሓደ እውን ጸረ ባልዕ ምዃኑን ኣብ 2022 ዓ.ም. እዚ ተግባር እዚ ብ170 ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን ናይቲ ከባቢ ስሩዕ ናይ ተፈጥሮ ባህርያዊ ሕጊ ዘኽብር ናይ ደቀባት መሬት ናይ ኣጠቓቕማ ባህሊ ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎን ባህሎምን መሬቶም ኩሉ ነዚ ዓይነት ዓመጽ እዚ ኣዚዩ ዝተቓልዓሉ ሚሸል ተመር ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን (2016 – 219) ደሓር እውን ኣብ ናይ ቦልሶናሮ ናይ ስልጣን ዘመን (2019 – 2022 ዓ.ም.) ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ከም ዘመላኽት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ብራዚል ቦልሶናሮ ርእሰ ብሔር ኣብ ዝነበሩሉ ዓመታት እቲ ኣብ ልዕሊ ገጠራትን ህዝቢ ደቀባትን ዝፍጸም ዓመጽ ኣዚዩ ክብ ቢሉ ከም እተራእየ ዝሓበረ ሽማግለ ጉስነት መሬት ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ብራዚል ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣስዒቡ፥ ደቀባት ግዳያት ናይ መሬት ምዝማት ዓመጽ ከምኡ ንመሬት ደቀባት ዝብክልን ዘምክንን ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ዕደና ምኽንያት ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝኾነን ተፈጥሮን ከባብን ብዙሕነት ሃብቲ ስነ ህይወት ዝጐድእ እውን ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ኣብ ሎዕሊ መሬት ዝፍጸ ምዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህይወት ዝፍጸም ዓመጽ እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመረሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ምዝማት መሬት ዒላማ ዝኾኑ ደቀባት

ኣብ 2023 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ዞባ ኣማዞን ሕማም ዓሶን ጥምየትን ብሰፊሕ ከም እተራእየን ብፍላይ ንደቀባት ዓሌት ያኖማሚ ኣዚዩ ከም ዘጥቀዐን እዚ እውን ኣቃልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቡ ከም ዝነበረን ብጹዓን ጳጳሳት ብራዚል ንመሰል መበቆላውያን ህዝብታት ብራዚል ብቐጻሊ ዝሕለቑ ኣብ ልዕሊ ደቀባትን መሬትን ዝፍጸም ዓመጽን ምዝማትን ብዓውታ ብምውጋዝ ቁጠዐዖም እውን ከም ዝገልጹን ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብቲ ጸብጻብ፥ “ቃንዛ ነፍሲ ወከፍ ደቀባት ብመሰረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርትን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርትን ብምንባር ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ፥ ኣብ ምክንኻንን ምዕቃብን መሬት - ናይ ሓባር ቤትና ኣገዳስነት ደቀባት ወሳኒ ምዃኑ ብኣጽንዖት ተሰሚሩሉ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 May 2023, 15:40