ድለ

ናይ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መለለዪ ወግዓዊ ኮይኑ ናይ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መለለዪ ወግዓዊ ኮይኑ 

ናይ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መለለዪ ወግዓዊ ኮይኑ

ብርሃን ቅዱስ ቁርባን . . . እግዚኣብሔር ንህዝቡ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣብ ዙሪያ ቃል ህይወትን ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያው እንጌራን እናኣከበ ብቐጻሊ ንታሪኽ ደቂ ሰባት ሓድሽ ኣንፈት ይህብ

እቲ ካብ ዕለት 8 – 15 መስከረም 2024 ዓ.ም. ኣብ ኤኳዶር ርእሰ ከተማ ኲቶ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ወግዓዊ መለለዪኡ ዕለት 22 ግንቦት ብወግዒ ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ጳጳሳዊ ዓለም ሓቆፍ ኣህጉራዊ ሽማግለ ቅዱስ ቁርባን ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 22 ግንቦት ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ናይቲ ኣብ ኪቶ ንኽካየድ ዝተወሰነ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መለለዪ ብወግዒ ከም ዘቕረቦን፥ መርሕ ቃሉ ድማ “Faternidad para sanar el mundo - ዓለም ንምፍዋስ ሕውነት ዝብል ኮይኑ፡ እዚ እውን ነቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ዘሎ፥ “ኩሉኹም ኣሕዋት ኢኹም” ዝብል ናይ ኢየሱስ ቃል መሰረት ዝገበረ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተበገሰ ሲኖዳውነት ዘዘኻኽር እዩ። ቤተ ክርስቲያን ሕውነት ናብ ኩሉ ከተስፍሕ ዝተጸወዐት ምዃና ዝገልጽን፡ ኩሉ ናይ ኩሉ ዝኾነሉን ኩሉ ተኻፋሊ ዝኾነሉን ሓደ’ኳ ስኡን ዘይኮነላ ኣእንገዲት ቦታ ምዃና ዝገልጽ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መርሓ - መለለዪ

መስቀል ክርስቶስ ነቲ ብሓጢኣት ዝተኸፍተ ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ ንብጻይ ምግሃስን ምዝመዛ ፍጥረትን ዘስዕቦ ቁስሊ ንምፍዋስ ናብ ስጋ ዓለም ከም ዝኣተወ ዘርእን እዚ እውን ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ዝኸፈተን እቲ ካብ ጎድኑ ዝፈሰሰ ደምን ማይን . . . ፍቕሪ ፍድፋድ ምዃኑ ዘረጋግጽን፥ ስለዚ እቲ ዝተሰቕለን ዝተንሰአን ክርስቶስ ዘርእይ፡ በተን ዝተዝርጋሓ ኣእዳዉ ድማ ንኹሉ ከም ኣሕዋት ምስ ኣቦ ዘተዓርቕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኮይኑ፥ . . . ንኹሉ ሓድሽ ፍጥረት ዝገብር ምንጪ ፍቕሪ፥ ዝውክል ከም ዝኾነ እቲ ዝወጸ መግለጺ ዝሃቦ መብርሂ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሞት ክርስቶስ ድሕሪ ደጊም ሞት ዘፍስስ ዘይኮነ ምንጪ ህይወትን ዕርቅን ዘውሕዝ እዩ። ስለዚ እቲ ክፉት ቁስሊ ናይቲ ካብ ሞት ተንሲኡ ኣብዚ ሕጂን ንኹሉ እቲ ገና ክፉት ዝኸውን ቁስሊ “ቁስሊ ጽልእን ዓመጽን ሞትን” እውን ዝፍውስ ሓድሽ ናይ ፍቕሪ ቁስሊ እዩ።

ብርሃን ቅዱስ ቁርባን . . . እግዚኣብሔር ንህዝቡ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣብ ዙሪያ ቃል ህይወትን ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያው እንጌራን እናኣከበ ብቐጻሊ ንታሪኽ ደቂ ሰባት ሓድሽ ኣንፈት ይህብ። ቅዱስ ቁርባን . . . ናይ ሕውነት ማእስር እዩ። ሓጢኣት ኣሕዋት ምዃንና ክከሓድ ዝግበር ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ቅሩባን ድማ ከም ደቂ ሓደ ኣቦ ኣብ ሓደ መኣዲ ይእክበና . . ኣሕዋት ይገብረና።

እቲ መለለዪ ነታ እቲ ጉባኤ ኣተአንግድ ከተማ ዘጉልሕ እዩ

“ኪቶ ርእሰ ከተማ ኤኳዶር - ኣብ ማእከል ዓለም እትርከብ ከተማ ክትከውን እንከላ። ኣብ ላቲቲዩድ ዘሮ እትርከብ ከተማ እውን እያ። እቲ ድንኳን ኩላትና ኣብዚ ዓቢ ሕልሚ ዝኾነ ግን ከኣ ብዝተበጀወና ፍቕሪ ክርስቶስ ዳግም ዝተሓደሰ ሕውነት ዘመልክት ኮይኑ እዚ እውን ደጊሙ “ኵላትኩም ኣሕዋት ኢኹም” (ማቴ. 23, 8) ዝብለና ምዃኑ ዘጉልሕ መለለዪ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን እቲ ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ቅዱስ ቁርባን ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

23 May 2023, 15:44