ድለ

2018-03-13 ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ስምምዕ ቆጵጣዊትን ካቶሊካውትን ቤተ ክርስቲያን 2018-03-13 ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ስምምዕ ቆጵጣዊትን ካቶሊካውትን ቤተ ክርስቲያን 

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ስምምዕ ቆጵጣዊትን ካቶሊካውትን ቤተ ክርስቲያን

. . . ነቲ ቃል ስጋ ኮነ - ተሰግወ ዝብል ስነ ክርስቶሳዊ መሰረት ኣብቲ ፍጹም ሰብኣውን ምሉእ መለኮታውን ኣብ ዝብል ውሳኔ ዝተበጽሐ ስምምዕ

ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ብምኽንያ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ስምምዕ ቆጵጣዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ናብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ምዃኖም ኣብ ሎንደን ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ናይ ቆጵጣዊትን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ስነ ክርስቶሳዊ ጉዳይ ዝበጸሐኦ ስምምዕ፡ ነቲ ን 1500 ዓመታት ዝጸንሐ ስነ መለኮታዊ ክትዕ መዕለቢ ብምግባር ኣብ መንጎኤን ሓድሽ ርክብ ከም እተበገሰ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነዚ ዓብይ ኣጋጣሚ እዚ ንምጽንባል ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብዚ ሰሙን እዚ ሮማ ክኣትዉ እዮም።

ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘቕርቡዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክርከቡን ንፈለማ ግዜ መራሒ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ሓፈሻዊ ናይ ዕልተ ረቡዕ ኣስትምህሮ ትምርህተ ክርስቶስ ተረኺቦም ቃል ከስምዑ እቲ ናይ ብጹዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ፋልማይ ክኸውን እዩ። ሓሙስ እውን ክልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖት ብሓባር ክጽልዩ እዮም፡ ሰንበት ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ መደብ ከም ዘሎ ኣብ ሎንደን ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ኣንገሎስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ እውን ንብጹእ ወቅዱስ ታዋድሮስ ዳግማዊ ከሰንይዎም ከም ዝኾኑ ገሊጾም፥ “ኣብ መንጎ እቶም ሕጂ ዘለዉ መራሕቲ ክልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያን ዓቢ ፍቕርን ምክብባርን” ከምዘሎ እውን የመላኽቱ።

ብርግጽ እቲ ኣብ 1973 ዓ.ም. ዝተኻየደ ፈላሚ ርክብ ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ክሌኣዊ ርክብን ዝምድናታትን መሰረት እይ . . . እቲ ርክብ ካብ ዝምድናታት ክንየው ኣብ ስነ መለኮታዊ ውሳኔታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘንበረ እውን ብምዃኑ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ናይ ሕጂ ምብጻሕን ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ መንጎ ነፍሰ ሄር ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ሽኖዳ ሳልሳይን ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ዝተኸተመ ናይ መጀመርታ ስነ ክርስቶሳዊ ስምምዕ ንምኽባር ዝኣመተ እውን ምዃኑ ገሊጾም፥ . . . ነቲ ቃል ስጋ ኮነ  - ተሰግወ ዝብል ስነ ክርስቶሳዊ መሰረት ኣብቲ ምሉእ ሰብኣውን ምሉእ መለኮታውን ኣብ ዝብል ውሳኔ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝዝክር ምዃኑ ኣብሪሆም በዚ መሰረት እውን ሎሚ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ይቕጽል ከም ዘሎ የረጋግጹ።

እቲ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ ናይ ዓቢይ ምትሕብባርን ምርድዳእን ዝምድናታት በቶም ቀጺሎም ዝተኻየዱን በቶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝካየዱ ርክባት እናረጐደ ይኸይድ ምህላዉ ዝምስክር እዩ . . .

ኣብ መንጎ ስነ ክርስቶሳዊ ስምምዓትን ቲዮሎጊያው ስምምዓትን ከምኡ እውን ቀጻሊ ዝምድናታት ሕውነታዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ምፍልላይ ኣገዳሲ ይኽውን . . . ስለዚ ኣብ ዓለም ነቲ ዘሎ ፍልልያትና ኣለሊና ነቲ ክንምስክሮ ዝተጸዋዕናሉ ብሓባር ንምቕራብ ብሓባር ክንሰርሕ ብዘይ ምቁራጽ ክንሰርሕ ኢና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

09 May 2023, 15:56