ድለ

cq5dam.thumbnail.cropped.750.422.jpeg

ር.ሊ.ጳ. ንህጻናት ኣፍሪቃ፥ ናይ ሰላም ልኡካን ኩኑ!

ዓለም ንጽባቐ ፍቕሪ ብሓባር ምንባር ሕውነትን ምትሕግጋዝን ዳግማይ ምእንቲ ክትረኽቦ ናይ ሰላም ልኡካን ኩኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓመታዊ መዓልቲ ኣፍሪቃ ብኣባይቲ ስድራኦምን ብናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበርን ዝተሰንዮም ኣስታት 1500 ሕጻናት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ነቶም ሕጻናት  ንሃገሮምን ንሰላምን ዝሓሸን መጻኢን ዝሓልምዎ ሕልሚ ክቕጽሉሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ሕልምታትኩም ፈጺምኩም ተስፋ ኣይትቑረጹ” ከምኡ እውን፥ “ዓለም ንጽባቐ ፍቕሪ ብሓባር ምንባር ሕውነትን ምትሕግጋዝን ዳግማይ ምእንቲ ክትረክብ፡ ናይ ሰላም ልኡካን ኩኑ”፥ ዝብል ዕድመ ቅዱስነቶም ዕለት 29 ግንቦት ብምኽንያት ዕለት 25 ግንቦት ተጸምቢሉ ዝወዓለ መዓልቲ ኣፍሪቃ፡ ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝውክሉ ሕጻናት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ዕለት 25 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣፍሪቃ ዝበዓለሉ ዕለት እዚ ምስ ምስራት ሕብርት ኣፍሪቃ ዕለት 25 ግንቦት 1963 ዓ.ም. ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት 25 ግንቦት ድማ ብዝተፈላለዩ መደባት ተሰንዩ ዝበዓል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስነቶም ዕለት 25 ግንቦት “ምልእታ ኣፍሪቃ ንሓርነትን ሰላምን ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለን ንእትገብሮ ቃልሲ ምልክት እያ፡ ከምኡ እውን ንባህላዊ ቅርሲ ኣፍሪቃ ንምሕያልን ንምዕማቝን ዝኣመተ እዩ፡ ስለዚ ንስኻትኩም ምልክት ናይዚ ሃብታም ባህላዊ ብዙሕነት ኢኻትኩም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ፍሉይነት ምዕቃብ

ኣብ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ እቲ “መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ቅዱስነቶም “ክርስቶስ ህያው እዩ” ብዝብል ኣርስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ፥ “ንጽባቐ ልግሲ ኣገልግሎት ንጽሕና ትብዓት ይቕረታ፡ ቃልሲ ንፍትሕን ሓባራዊ ረብሓን፡ ፍቕሪ ንድኻታትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ንንምስካር፡ መንእሰያት ነቲ ፍሉይ ዝገብሮም ፍሉይነቶም ብትብዓት ክዕቅቡን” ዝብል ዘንበርዎ ምዕዳን ደጊሞም ከም ዘቃልሑ ኣፍሊጡ።

በቲ ኣብ ሃገራትኩም ዘሎ ገዚፍ ብድሆ ተስፋ ኣይትቑረጹ

ቅዱስነቶም ብተወሳኺ ንህጻናት ኣፍሪቃ፡ በቲ ሎሚ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ “ገዚፍ ብድሆታትን ቅልውላዋትን” ተስፋ ከይቆርጹ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ድማ ግብረ ሽበራ ሕማቕ ምሕደራ ብልሽውና ሰፊሕ ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት፡ ስደት ግጭት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባትን፡ ቅልውላው ኩነታት ከባቢ ኣየርን መግብን ዝብል እውን እንተሀለወ ሕልምታቶም ከየቛርጹ ምዒዶም፡ ሓደ ካብ ሃብቲ ኣፍሪቃ ንቑሕ ብልሒ መንእሰያታ እዩ” እንክብሉ ርእይቶኦም ብምሃብ፡ ንመጽናዕቲ ዘለዎም ተወፋይነት ንሰብኣውን ኵለንታዊ ውሁድ ምዕባለ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ክህልዎም” ዝብል ድሌቶም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥

ነቲ መዓት ህጻናት ወተሃደራት ጉዳይ ማለት ሕጻናት ኣብ ዝተፈላለየ ግጭትን ኩናትን ብምውፋር ኣብ ልዕሊ ሕጻንታ ዝፍጸም መዓት እናሓሰቡ፥

ኣብ ሕልምታትኩም ፈጺምኩም ተስፋ ኣይትቑረጹ፡ እቲ ሕምልታትኩም ዘቕርቦ ጸዋዕታ እይትቕበሩ፡ ንስዕረት ድማ ፈጺምኩም ኣይትቀበለዎ። ነቲ ናይ ሓቂ ጸዋዕታ ኮይኑ ዝስምዓኩም እተለለዩን ኣብ ምንባሩን ክትጽዕሩ ሓደራ

ቢሎም፡ መንእሰያት ዝሓሸ ዓለም ንምህናጽን ምስ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ክዝትዩን ክራኸቡን ኣገዳሲ ምዃኑ ደጊሞም ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥ “ምስ ሱርና ምስ ኣረጋውያን ኣብ ምዝታይን ምርኻብን ንቕድሚት ክንስጉም የኽእለና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ንደቂ ሰባት ዓቢ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ናይ ሰላም ልኡካን ኩኑ

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም፥ ኣብ ዝሩያኦምን ኣብ ውሽጦምን ሰላም ብምንባር ኣብዚ ንደቂ ሰባት ዓቢ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን “ናይ ሰላም ልኡካን” ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም፥

ዓለም ንጽባቐ ፍቕሪ ብሓባር ምንባር ሕውነትን ምትሕግጋዝን ዳግማይ ምእንቲ ክትረኽቦ ናይ ሰላም ልኡካን ኩኑ

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

31 May 2023, 09:06