ድለ

ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም፥ ግደ ኣቢያተ ክርስቲያን ውግእ ደው ኣብ ምባል ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም፥ ግደ ኣቢያተ ክርስቲያን ውግእ ደው ኣብ ምባል 

ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም፥ ግደ ኣቢያተ ክርስቲያን ውግእ ደው ኣብ ምባል

ኣባላት ናይቲ ብዋና ጸሓፊ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም መጋቤ ጀሪ ፒላይ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ሰበ - ስልጣን መንግስቲ ዩክሬይንን ካልኦትን ጽዑቕ ተኸታታሊ ምኽክር ኣካይዶም

ልኡኽ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ንህዝቢ ዩክሬን ፍትሓዊ ሰላም ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ጻዕርታት ቤተ ክርስቲያን ተኽእሎታት ንምድህሳስ ኣብ ዩክሬይን ዘካየድዎ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዑደት ከም ዝዛዘሙን፡ ኣብዚ ዑደት እዚ እውን ናይቲ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ኣካያዲ ማእከላይ ሽማግለ ኣባል ኣብ ባቫሪያ ናይ ሉተራናዊት ፕሮተስታንት ቤት ክርስቲያን ጳጳስ ሃይንሪኽ ቤድፎርድ ስትሮም ከም ዝሓበሩን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ምትሕግጋዝ ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም - WCC፡ ዝሕለፈ ሰሙን ዳግማይ ናብ ዩክሬይን ተጓዒዙ ነታ ተኸቢባ ዘላ ሃህገር ፍትሓዊ ሰላም ንምርግጋጽን ምስ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታውያንን ትካላትን ዝምድና ንምሕዳስን ናይ ሓባር ጻዕሪ ተኽእሎታት ከም ዝዳህሰሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ዑደት ካብ ዕለት 10 – 13 ግንቦት ብሕቶ ማእከላይ ሽማግለ ባይቶ ኣቢያተ ክስቲያን ዝተኻየደ ኮይኑ ኣካል ናይቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብርክባትን ዘተን ድልድልን ሰላምን ዕርቅን ንምሃንጽ ዝዓለመ ተኸታታሊ ዑደት ኮይኑ፡ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ሩሲያ እውን። ኣባላት ናይቲ ብዋና ጸሓፊ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም መጋቤ ጀሪ ፒላይ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ሰበ - ስልጣን መንግስቲ ዩክሬይንን ካልኦትን ጽዑቕ ተኸታታሊ ምኽክር ኣካይዶም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብሩሲያ ዝፍጸም ዘሎ ወግእ ከብቅዕ ከምኡ እውን ንህዝቢ ዩክሬይን ፍትሓዊ ሰላም ንምርግጋጽ ተራ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፡ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ እዚ ተጊሀን ክዓያ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዩክሬይን ምስተን ክልተ ተጻረርቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ምርኻብ

እቲ ልኡኽ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ዕለት 11 ግንቦት ምስ መራሕቲ ካልቲኦትን፥ ምስ ፓትሪያርክ ሞስኮ ወግዓዊ ምትእስሳር ዘለዋ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሕን ከምኡ እውን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ምኽንያት ናይ ቤተ ክርስቲያነይ ፓትሪያርክ ባዕለይ እየ ዝሓሪ ዝብለት ርእሰ-ቀፋላዊ መሰል ዝኣወጀት ካብ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈልየት ኦርቶክዶክስ ቤተ ክርስቲያን መራሕትን ከም እተራኸበን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻረርትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሰዓብተን ዩክሬይን ሰኒት ንምፍጣርን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መንጎአን ዘተ ክህሉ እዚ ርክብ እዚ ድማ ንናይታ ሃገር ሓድነት ኣገዳሲ ባእታ ምዃኑ ልኡኽ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ከም ዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ናይ ዩክረይን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ብወገኖም ንዘተ ክራኸቡ ድልዋት ምዃኖም ንጹር ምልክታ ከም ዘርኣዩን እዚ ድማ ብመሰረት ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም፥ “እዚ ዘሕዝን ግጭት ካብ ዘዕሞቖ ብዙሕ ቁስልን ምፍልላይን ሓደ ናይ ምፍዋስ ተስፋ ምልክት” ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ናይቲ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ርክብ ምስ ጨንፈር ዩክሬይን ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለምን ሃይማኖታውያን ትካላትን

እቲ ልኡኽ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ምስ ሚኒስትር ባህልን ሓበሬ ታ ስርዓተ ደንብን ዩክረይን ኦለክሳንድር ትካቸንኮን ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ሃይማኖታዊ ትካላትን ዩክሬይን እውን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ኣኼባ ወከልቲ ሃይማኖት ዩክሬን ምስ ልኡኽ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ዘሎ ውስጠ ሃይማኖታዊ ምትሕብባር ተመክሮ ብምክፋል ብዛዕባ ኣብ እዋን ኲናት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘካይድኦ ጉስነትን ሰብኣዊ ንጥፈታትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ከም ዝዘተዩን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጳጳስ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን በድፎርድ ስትሮም፥ ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ዘተ

ኣባል ልኡኽን ኣካያዲ ሽማግለ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ናይ ሉተራናዊት ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባቪየራ ጳጳስ ሄይንሪክ ቤድፎርድ ስትሮም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ክልቲአን ኣብ ዩክሬይን ዝርከባ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘርኣየኦ ንዘተ ክፉትነት ነቲ ዘሎ ጸገም መፍትሒ ንምርካብ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንዘተ ዘሳትፍ ተስፋ ክህብ ዝኽእል ዕድል ምዃኑ ሓቢሮም፥ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጋቤ ፒላይ ኣብ ሩሲያ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኣርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ከም እተራኸቡን ጠቒሶም . . . ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ጥራይ ኣብ ዝዕብለል ኩነታት ከም ኣቢያተ ክርስቲያን ለውጢ ክንገብር ከም እንኽል ተስፋ ኣሎና፡ መኸተ ኣንጻር ወራር ኣድላዪ እዩ፡ ግን ንሱ ጥራይ መገዲ ክኸውን የብሉን ናይ ድህረ ኲናት ኣረኣእያ ዝኸፍት ናይ ዘተ መገድታት ክደለ ኣለዎ፡ ኣብዚ ድማ ኣቢያተ ክርስትያን ዓቢ ግደ ዘለዎን ይመስለኒ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

18 May 2023, 16:11