ድለ

ናይ ኮንሶላታ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ጠቕላሊ ሓለቓ ንመጀመሪያ ግዜ ሓደ ኣፍሪቃዊ ናይ ኮንሶላታ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ጠቕላሊ ሓለቓ ንመጀመሪያ ግዜ ሓደ ኣፍሪቃዊ 

ናይ ኮንሶላታ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ጠቕላሊ ሓለቓ ንመጀመሪያ ግዜ ሓደ ኣፍሪቃዊ

ኮንሶላታ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ካብ ዝቐውም 122 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ፡ ካብ ዝተፈላለያ 30 ሃገራት ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ 906 ኣባላት ዘለውዎ፡ ኣብ 29 ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን እስያን ኤውሮጳን ብጠቕላላ 231 ማሕበረሰብ ከም ዘለዎ

ኮንሶላታ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣብ ሮማ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ናይቲ ማሕበር ሓፈሻዊ ጉባኤ ዕለት 12 ሰነ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለኻ ንኽኾኑ ንመጀመሪያ ግዜ ሓደ ኣፍሪቃዊ ከም ዝሓረየን፥ እዞም ሓድሽ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኮንሶላታ፡ ኣብ ኬንያ ዝተወልዱ ኣባ ጀምስ ሌንጋሪን ንማሕብሮም ክሳብ 2029 ዓ.ም. ክመርሑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ናይቲ ማሕበር ቤት ጽሕፈት ርክብን ሓበሬታን ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 12 ሰነ እቶም ንሓፈሻዊ መበል 14 ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣርብዓ ናይቲ ማሕበር ላዕለዎት ኣካላት፥ ንኣባ ጀምስ ቦላ ሊንጋሪ ኣብ ታሪኽ ኮንሳላታ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ዓስራይ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ኣፍሪቃዊ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንማሕበሮም ካብ 2023 – 2029 ዓ.ም. ጠቕላሊ ሓለቓ ብምዃን ክመርሑ እዮም።

ኣብ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያንን

ሓድሽ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ጀምስ ቦላ ሊንጋሪ፥ . . . ነቲ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ኣሕዋቶም ዝሃብዎም ሓላፍነት ኣብ ማሕበረሰብ ኮንሶላታን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብጽቡቕ ክፍጽምዎ ክጽዕሩ፡ ብፍላይ ብጸሎት ኩሉ ተደጊፎም ከገልግሉ ምዃኖም ገሊጾም፥ ምእንቲ ከከም ምልክታት ዘመን ነቲ ጐይታ ብሓላፍነት ዝሃበና ህዝቢ ክንሰምዕ ኩሉ ክጽሊ ተማሕጺኖም፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት እቲ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ነቶም ሓድሽ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣርባዕተ ኣማኸርቲ ኣካላት ክመርጽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዞም ሓድሽ ሓለቓ ናይቲ ማሕበር መስራት ተኸታሊ ዓስራይ ጠቕላሊ ሓለቓ ከም ዝኾኑን ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ናይ ዝርከብ ተልእኾ ማሕበር ኮሶላታን ናይ ምምራሕ ስልጣን ዘለዎም ኮይኑ፡ ነቲ ማሕበር ብቤተ ክርስቲያናውን በርገሳውን መገዲ ዝውክሉ፡ ናይቲ ማሕበር ተልእኾ ወንጌልም ማሕበራሰብኣዊ ሓድነትን መንፈሳዊ ሕይወትን ሓዋርያዊ ምንቅስቓሳትን ናይ ምድንፋዕ ሓላፍነት ኣለዎም።

ኮንሶላታ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ካብ ዝቐውም 122 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ፡ ካብ ዝተፈላለያ 30 ሃገራት ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ 906 ኣባላት ዘለውዎ፡ ኣብ 29 ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን  እስያን ኤውሮጳን ብጠቕላላ 231 ማሕበረሰብ ከም ዘለዎ ዜና ቫቲካን ናይቲ ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

14 June 2023, 16:10