ድለ

ህንዲ፥ ልዕሊ ሓደ ሺሕ መንእሰያት ናይ ማኒፑር ስቓይ ሒዞም ናብ ዓ.ቅ.መ. ሊዝበን ህንዲ፥ ልዕሊ ሓደ ሺሕ መንእሰያት ናይ ማኒፑር ስቓይ ሒዞም ናብ ዓ.ቅ.መ. ሊዝበን  (AFP or licensors)

ህንዲ፥ ልዕሊ ሓደ ሺሕ መንእሰያት ናይ ማኒፑር ስቓይ ሒዞም ናብ ዓ.ቅ.መ. ሊዝበን

ነቲ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ብቐጻሊ ዝረአይ ዘሎ ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ህንዲ ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገብረ ዓመጽ ናብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብምቕራብ ዝነብርዎ ስክፍታ ንብጾቶም ከካክፍሉ

ኣስታት 900 መንእሰያትን ኣወሃሃድትን ነዞም መንእሰያት ዘሰንዩ ኣስታት ብጠቕላላ 200 ካህናት ጳጳሳት ሓለፍቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳያትን ዝርከብዎም፡ ካብ ህንዲ ዝመጹ መንሰያት ኣብ ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ናብ ሊዝበን ክጓዓዙ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልዕሊ ሺሕ ህንዳውያን መንእሰያት ኣብቲ ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊዝበን “ማርያም ተንሲኣ ብታህዋኽ ከደት” (ሉቃ. 1,39) ብዝብል ወንጌላዊ ቃል ተመሪሑ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ናብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ክነቕሉ ምዃኖም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ህላወ ህያው ክርስቶስ

ኣብ ህንዲ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ሽማግለ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት፥ “እቲ ማርያም ተንሲኣ ብታህዋኽ ከደት” ዝብል ዛዕባ ማርያም ዝነግር ቃለ ወንጌል፡ ንማርያም ከም ልእኽቲ ገባሬ ሰናይ ከም ዘቕርባን” እዚ እውን ህያው ህላወ ክርስቶስ ዘበስር ተግባር ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እውን እዩ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ተባዓት ልኡካን ክኾኑ ዝምዕዱ፥ ህያው ህላወ ክርስቶስ ንምብሳር” እንክብሉ በዚ መንፈስ እዚ ነቶም ኣብ ሊዝበን ዝሳተፉ ህንዳውያን መንእሰያት ከም ዘዳለዎም የመልክት።

ኣብ ማኒፑር ዝፍጸም ዓመጽ

መንእሰያት ህንዲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅነ መንእሰያት እስያ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መንእሰያት እስያ ክበራበሩን ንቑሓት ክኾኑን እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ይዝክሩ። እቶም መንእሰያት ህንዲ ነዚ ጻውዒት እዚ መሰረት ገይሮም ነቲ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ብቐጻሊ ዝረአይ ዘሎ ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ህንዲ ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገብረ ዓመጽ ናብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብምቕራብ ዝነብርዎ ስክፍታ ንብጾቶም ከካክፍሉ ምዃኖ ኣብ ህንዲ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ሽማግለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ፥ ነዚ እውን ጸሎት ገይሮም ከቕርብዎ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ካብ ግዝኣት ሚጋላያ ዝርከቡ መንእሰያት ህንዲ ካብ ኣስታት 120 ኣባይቲ ትምህርቲ ዝተዋጽኡ ልዕሊ 50 ሺሕ ተመሃሮ ኣብ ከተማ ማኒፑር ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላም መደብ ጸሎት ከም ዘካየዱን ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ እውን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ህንዲ ጻውዒት ሰላም ከም ዘቐረቡ፡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ካብ ህንዲ ዝተዋጽኡ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት ዝሳተፉ ኣብ ግዛኣት ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ማሕበራዊ ሰላም ክምለስ ምስቶም ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ኣብቲ ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት ምስ ዝሳተፉ ብጾቶም ሓቢሮም ጸሎት ዘቕርብሉ ኣህጉራዊ ኣጋጣሚ እዩ ይብል።

ጻውዒt ንሰላም

እቶም ህንዳውያን መንእሰያት እቲ ኣብ ማኒፑር ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ሰባትን ንብረቶምን ናይ ኣምልኾን ስግደትን ቦታታት ዝፍጸም ዓመጽ ደው ክብል ጻውዒት የቕርቡ፡ “ኣብ ህንዲ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ንኽንዓዪ ዝተጸዋዕና ከምዝኾንና ይስምዓና . . . ሓነጽቲ ሰላም ስኒት ሓድነት ክንከውን መታን!” ነዚ መንፈስ እዚ እውን ካብ ዝተፈላለያ ካልኦት ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ህንዲ ዝካፈልዎ ዕላማ እውን ምዃኑን ኣብቲ ጻውዒት ሰላም እውን ይሓብሩ ምህላዎም “ናይቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ድላይ ሒዝና ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ መንጎ ወለዶታት ርህራሄን ምርድዳእን ሓባራዊ ሓላፍነትን ንምድንፋዕ ክንሳተፍ ኢና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

26 July 2023, 15:46