ድለ

ህንዳውያን ኣቡናት በቲ ዘይምግዳስን ስቕታን ብዛዕባ እቲ አብ ማኒፑር ዝተፈጸመ ዓመጻ ጓሂኦም ይገለጹ ህንዳውያን ኣቡናት በቲ ዘይምግዳስን ስቕታን ብዛዕባ እቲ አብ ማኒፑር ዝተፈጸመ ዓመጻ ጓሂኦም ይገለጹ   (ANSA)

ህንዳውያን ኣቡናት በቲ ዘይምግዳስን ስቕታን ብዛዕባ እቲ አብ ማኒፑር ዝተፈጸመ ዓመጻ ጓሂኦም ይገለጹ

"ኵሎም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ህንዲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ሰላምን ስኒትን ንምምጻእ ኣብ ምዕባለ ዅሉ ክፍልታት ህዝቢ ከተኵሩ ንጽውዖም ኢና።"

እቶም ንማኒፑር ዝበጽሑ ተወካሊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ፣ ነቲ ኣብቲ ዞባ ብቀጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ሓባራዊ ዝኾነ ዓመጻ ንምቍጽጻር ናይቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ዝኾኑ አካላት መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ስቕ ምባሎምን ዘይምግዳሶምን ነቐፉ።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

ሓንደ ላዕለዋይ ጕጅለ ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ ትማሊ ሰኑይ 24 ሓምለ ናብቲ ናዕቢ ተላዒሉሉ ከባቢ ማኒፑር ናይ ኽልተ መዓልቲ ዝገበሮ ምብጻሕ ዛዚሙ፣ ኣብኡ ድማ ንህዝቢ ዘድሊ ረድኤትን ሓገዛትን ዓዲሉ። 

ብመሰረት ማተርስ ኢንድያ እተሰምየ አገልግሎት ዜና ከም ዘመልከቶ፣ እቶም ተወከልቲ ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ምክትል ዋና ጸሓፊ አባ ጀርቪስ ዲሱዛ ከምኡውን ላዕለዋይ አመሓዳሪ ናይ ካሪታስ ህንዲ ዝኾኑ አባ ፖል ሙንጀሊ ዝርከብዎም ኢዮም ።

ዓመጻ ኻብ ዚጅመር ኣትሒዙ ንመጀመርታ ግዜ ወግዓዊ ምብጻሕ ማኒፑር 

እዚ ምብጻሕ እዚ ካብቲ ብ3 ግንቦት ኣብ መንጎ ቐቢላታት ኩኪን መብዛሕትኦም ህዝቢ ሜቲን እተላዕለ ናይ ሓባር ዓመጻ ንነጀው ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ብምኻድ ዝተገብረ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ምብጻሕ ኢዩ ዝነበረ ። 

እቲ ዓመጻ ኽሳዕ ሕጂ ይቕጽል ከም ዘሎን፣ ክሳዕ ሕጂ ድማ ልዕሊ 160 ሰባት ከም እተቐትሉን፣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ድማ ግዳም ሓደር ኰይኖም ከም ዘለዉን፣ አስታት 349 ኣብያተ-ክርስትያንን ትካላትን ከኣ ከም ዝዓነዉ ካብቲ ቦታ እቲ ዝመጸና ዜና የመልክት። 

ካብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ናይ ጉባኤ ጳጳስት ህንዲ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ እታ ጕጅለ ተወከልቲ አብቲ  እተጠቕዐ እተፈላለየ ቦታታት ከም ዝበጽሐት ከምኡውን "አብቶም ዓመጽ ዝተፈጸመሎም ቦታታት ኣባይቲ ግለሰባትን ኣብያተ-ክርስትያን ቦታታት ኣምልኾ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምኡውን አብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትካላት መጠነ-ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረደ ተዓዚባ ከም ተመልሰት" ይገልጽ። 

እቶም ኣባላት እታ ጕጅለ ነቲ ዝባደመ ቦታታት ምርኣዮም  "ልቢ ዝሰብር" ኩነታት ምዃኑ ገሊጾም ከምኡ ውን - "ብዛዕባ አብቲ ቦታቲ ዝርከብ ናይ ሓቂ ዅነታትን ከምኡ ውን መጻኢ ናይቶም ካብዚ ቦታ እዚ አባይቶምን ደምበኦምን ገዲፎም ዝሓደሙ ስድራቤታትን ደቆምን ብማዕረ የተሓሳስቦም" ምኹኑ ገሊጾም። 

ቤተ-ክርስትያን ነዚ ቕልውላው እዚ ዝሃበቶ ምላሽ 

ካሪታስ ህንዲ ምስ ኣገልግሎት ረድኤት ካቶሊክን ምስ ማሕበራት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሰበኻታትን ብምትሕብባር ነቲ ተመዛበልቲ ዝርከብዎ መዓስከር ብምድጋፍን ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ነዚ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ምላሽ ከም ዝሃበት እቲ መግለጺ ይሕብር ። እዚ ትካል ረድኤት ክሳዕ ሕጂ 30 ሚልዮን ሩፒ ( አስታት 330,928 ዩሮ) ዝግመት  ረድኤት ከም ዝገበረ ውን ይመልክት። 

ብተወሳኺውን ኣብ ህንዲ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ማኒፑር ዘጋጠመ ቕልውላው ብጸሎት ምላሽ ከም ዝሃበትን ናይ ሰላም ርክባት ከም ዝገብረትን፣ ከምኡ ውን ከምቲ ብጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ ዝወጸ መደብ መሰረት ነትም ዝተመዛበሉ ወገናት አብ ምንቅስቓስን ናብ መዕቆቢታት ንምብጻሕ እጃማ ከም ዘበርከተት ዝፍለት ኢዩ። 

ገደብ ዘይብሉ ዘይተገዳስነት አኽበርቲ ሕጊ

እቶም ተወከልቲ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ ዝኾኑ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማኒፑር ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዓመጻ ዓሚቝ ጓሂኦም ክገልጹ ኸለዉ ከምኡውን "ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ግፍዒ ከምኡውን መጥቃዕቲ" ክዅንኑ ኸለዉ ነቲ "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስቕታን ዘይተገዳስነትን ናይቶም ኣኽበርቲ ሕጊ" ዘለዎም ወቐሳ ውን ገለጹ። 

ንመንግስቲ ብወገኑ "ንሕብረተሰብአዊ መዋቕር እታ ሃገር ኽድግፍን፣ ቅዋማዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከደልድልን፣ ከምኡውን እተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብሕብረት ብሰላማዊ ህላወ ክነብሩን ክሰርሕ" ምሕጽንታኦም አቕረቡ። 

"ኵሎም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ህንዲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ሰላምን ስኒትን ንምምጻእ ኣብ ምዕባለ ዅሉ ክፍልታት ህዝቢ ከተኵሩ ንጽውዖም ኢና።" ክብሉ ውን ጻውዒቶም አቕረቡ።

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ ክልተ ኣንስቲ ዕራቐን ተጨውየን ድሕሪ ምጽናሕ ብብዙሓት ሰብኡት ከም እተዓመጻ ዜርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ኻብ ዚርአ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ጸኒሑ ነዚ ምብጻሕ እዚ ክግበር ወሲኑ ክብል አገልግሎት ዜና ቫቲካን የመላኽት።

25 July 2023, 16:28