ድለ

ካብ ማላዊ ናብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ሙዚቃን መልእኽቲ ሰላምን! ካብ ማላዊ ናብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ሙዚቃን መልእኽቲ ሰላምን! 

ካብ ማላዊ ናብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ሙዚቃን መልእኽቲ ሰላምን!

ናይታ ጉጅለ ጭርሖ ድማ፥ “ንህይወት ብሓሴት ንሙዝቕ” ዝብል እዩ

ብተበግሶ ኣባል ማሕበር ሞንፎርታኒ ልኡካነ ወንጌል ኣባ ማሪዮ ፓቺፊቺ ኣብ 1978 ዓ.ም. ዝተመስረተ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ዑደት ዝርከብ ኣብ ማላዊ ዝያዳ ተፈታዊ ዝኾነ ካብ 2000 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት እትሳተፍ ሃለሉያ ጉጅለ ሙዚቃ ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽትሳተፍ ትዳለው ከምዘላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃለሉያ እተሰምየ ጉጅለ ሙዚቃ ኣባ ማሪዮ ፓቺፊቺ ኣብታ ካብ ማላዊ ርእሰ ከተማ ሊሎንግወ ብሸነኽ ደቡብ 200 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ባላክ ኣብታ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ዝጀመሩላን ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መንእሰያት ብምትሕብባር ዕለት 19 ጥሪ 1978 ዓ.ም. ከም እተመስረተት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ካብ ማላዊ ናብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ሙዚቃን መልእኽቲ ሰላምን!
ካብ ማላዊ ናብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት፥ ሙዚቃን መልእኽቲ ሰላምን!

ርክብ ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

እታ ጉጅለ ሙዚቃ ባላካ ኣብ ማላዊ ኣዚያ ተፈታዊትን ተደላዪትን ምዃና ገሊጾም፥ ናይታ ጉጅለ ጭርሖ ድማ፥ “ንህይወት ብሓሴት ንሙዝቕ” ዝብል እዩ፡ ማላዊ ብመሰረት ግምታት መዐቀኒታት ሕቡራት ሃገራት ሓንቲ ካብተን ኣብ ድኽነት ዝርከባ ሃገራት ዓለም እያ፡ እተኾነ ግን ሰብኣዊ ረቛሒታት ማለት ኣቀባብላን ልግስን ዝያዳ ህልው ዝኾነላን በዚ መንፈስ እዚ እዩ ህዝቢ ነቲ ካብ ዕለት 4 – 6 ግንቦት 1989 ዓ.ም. ንናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንፈለማ ግዜ ኣብታ ሃገር ንዘካየድዎ ዑደት ዝተቐበለ። እታ ንሶም ዘቖሙዋ ጉጅለ ሚዚቃ እውን ኣብቲ መርሓ ግብሪ ዓቢይ ተራ ከም ዝነበራን ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝያዳ ምትእስሳር ከም ዝገበረትን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽታሰፍ በቒዓን ምርኢት እውን ከም ዘቕረበትን ካብቲ እዋን ኣቲሒዛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንስእስያት ብቐጻሊ ከምእትሳተፍ ይዝክሩ።

 

Photogallery

ሃለሉያ እተሰምየ ጉጅለ ሙዚቃ
26 July 2023, 15:51