ድለ

ጳጳሳት ኣንጎላን ሳው ቶመን፥ ህዝቢ ድኽነት ከም ንቡር ናይ ምቕባል ሓደጋ ክነጽጎ ይዕድሙ ጳጳሳት ኣንጎላን ሳው ቶመን፥ ህዝቢ ድኽነት ከም ንቡር ናይ ምቕባል ሓደጋ ክነጽጎ ይዕድሙ 

ጳጳሳት ኣንጎላን ሳው ቶመን፥ ህዝቢ ድኽነት ከም ንቡር ናይ ምቕባል ሓደጋ ክነጽጎ ይዕድሙ

ናይ ኣንግሎላን ሳው ቶመን (CEAST) ጳጳሳት ኣብ ዞባኦም ብዛዕባ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ስክፍታኦም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣንጎላን ሳው ቶመን ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኾሰ ማኑኤል ኢምባምባ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ካብ ናይ ኣንጎላ ርእሰ ከተማ ሉዋንዳ ብሸነኽ ምብራቕ 400 ኪሎ መትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ርእሰ ሰበኻ ማላንዠ 21 ናይ ኣንጎላን ሳው ቶመን ጳጳሳት ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ናይቲ ጉባኤ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ድኽነት ከም ንቡር ናይ ምቕባል ስግኣት” ከም ዘሎን ነዚ ድማ ህዝቢ ኣይፋል ክብሎ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ንቕሓት ዝወስድ ስጉምቲ ምሕላው

ናይ ሳውሪም ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ኣንጎላን ሳው ቶመን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ገለ ካብቶም ኣብቲ ዞባ ንህይወት ቤተ ክርስቲያን ዘመልክቱ ምዕራፋት ኣጉሊሖም፡ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ዓመት ናይቲ ንህጻናት ዝተወፈየ ዓመት ሃገረ ስብከታት ኣንጎላን ሳው ቶመን ዝምልከት ጸብጻብ ከም ዘቕረቡን ሊቀ ጳጳስ ኢምባምባ ኣብ መንጎ ካህናት፣ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካልኦት ወከልቲ ጓሶትን ብዛዕባ ኣገዳሰንትን ህጹጽነትን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምኡ እውን  ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝፍጸም ግህሰት ናይ ምቅላዕን ምቅላስን ባህሊ ንምትብባዕ ርኡይ ጻዕሪ ይግበር ምህላዉ ኣመልኪቶም፥ "ሕብረተሰብ ንብሉጽ ህይወት ህጻናት ዝገበሮ ጻዕሪ ዝረአ እኳ እንተኾነ፡ ገና ብዙሕ ክስራሕ ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበራዊ ኩነታትን ብድሆታትን

ኣብ ሳልሳይን ኣብ ናይ መወዳእታን ዓመት ናይ ኣንጎላን ሳው ቶሜን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ሊቀ ጳጳሳት ኢምባምባ፥ እቲ ጉባኤ ጳጳሳት ብዛዕባ ክህነታውን ገዳማውን ህይወት ተክለ ሰብነት ከንጸባርቕ ሓሳብ ኣቕሪቦም። እንነብረሉ ዘሎና እዋን ካብ ኩላትና ዓሚቕ ውሽጣዊ ምሕዳሰን ምልዋጥን ይሓትት" ቢሎም፥

ንማሕበራዊ ኩነታትን ብድሆታትን ብዝምልከት ሊቀ ጳጳስ ኢምባምባ ብፍላይ ኣብ ኣንጎላ ነቲ ናይ ድኽነትን ሕሰምን ኩነታት ከም ንቡር ናይ ምቕባል ስግኣት ከም ዘሎ ገሊጾም፡ ነዚ ኸኣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገረ ስብከታት ዝቐረቡ ጸብጻባትን ዛዕባ ኣብ ማሕበራዊ ክውንነት ኣንጎላ ዝተገብረ ብዙሕ መጽናዕትታትን መሰረት ብምግባር ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ "ኩሉ ሕማቅ እንሓልፎን ዘጋጥመና ዘሎን ብሰንኪ ዓሚቝ ቅልውላው ስነ-ምግባር እዩ" ክብሉ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጎላን ሳው ቶሜን ጳጳሳትን ተስፋን ዝሓሸ ኩነታት ክህልው ከም እትጽልይ ኣረጋጊጾም፡ እቲ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኣንጎላን ሳው ቶሜን ዕለት 4 መጋቢት ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

05 March 2024, 16:42