ድለ

ጳጳሳት ቡርኪናፋሶ፦ ንዓመጽ ብፍቕሪ ኢና ንመልስ! ጳጳሳት ቡርኪናፋሶ፦ ንዓመጽ ብፍቕሪ ኢና ንመልስ! 

ጳጳሳት ቡርኪናፋሶ፦ ንዓመጽ ብፍቕሪ ኢና ንመልስ!

ናይ ሰበኻ ዶሪ ጳጳስ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ቡርኪናፋሶ ኣቡነ ዶሪ ሎረን ብርፉኦረ ዳቢረ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ዝቐዘፈ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ነቶም ጥይት ዘቕርቡልና ሰላምን እምነትን ተስፋን ነስፍሕ" ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንህዝቢ ቡርኪናፋሶ ዘሳቕዮም ዘስካሕክሕ ፍጻመታት እኳ እንተሃለወ፡ ክርስትያን ብፍቕርን ብእምነትን ምላሽ ዝህብ ምዃኑ ዘለዎም እምነት ዝገለጹ ናይ ቡርኪናፋሶ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ኣቡነ ዶሪ ሎረን ብርፉኦረ ዳቢረ፡ ነዚ ኣረኣእያ’ዚ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቫቲካን ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣቕሪቦም እዚ ኣረኣእያ’ዚ፣ ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ግብረ ሽበራን ዓመጽን ዘስዕቦ ብዙሕ ሞትን ማህሰይትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ክርስቲያን ንዓመጽ ብፍቕሪ ክምክቶ ዝተጸውዐ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ዘስካሕክሕ ፍጻመታት

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ኣውራጃ ያተንጋ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ኮምሲልጋ፡ ኖዲንን ሶሮን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት 170 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ሓበሬታ ዕለት 3 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ነቶም ኣብተን ሰለስተ ዓድታት ዘጥቅዑ ሰባት ንምልላይን ንሕጊ ንምቕራብን ናይተን ዓድታት ህዝቢ ዝህብዎ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ህዝቢ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክሓብር ጻውዒ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩን ይኹን እምበር ናይቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ተሓትቲ ጉጅለ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተፈልጠ እዩ ዝንገር።

ሰንበት ዕለት 25 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ ስግደትን ኣምኾን ስፍራ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ምብራቓዊ ቡርኪናፋሶ ቁሸት ናቲያቦኣኒ ኣብ ዝርከብ መስጊድ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ጸሎት እንከለዉ ከም እተቐትሉን፡ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኣብ ዘላ ቁሸት ኤሳካነ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ እቲ ኣብ መስጊድ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣሸበርቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጸሎት ሓቢሮም ዝነበሩ ምእመናን ቶኽሲ ብምኽፋት ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝቐትሉን ካልኦት ሓያሎ ድማ ከም ዘቑሰሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ንሰላም ተወፋይነት

ኣቡነ ዳቢረ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ ሓደገይና ኩነታት ሰላምን ምርግጋእን ምድንፋዕ ዓቢ ጸገም ከም ዘሎ ሓቢሮም፥ እቲ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ጥራይ ከምዘይኮነ ኣጉሊሖም፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ መርትዖ እዩ ቢሎም፥

"ስነ መጥቓዕታዊ ሜላ እቶም ኣሸበርቲ" "ሃይማኖታዊ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ዘምስል ጦብላሕታ ንምስራጽን ሃይማኖት መጋበርያ ምድንጋር ገይሩ ንምቕራብን ነቲ ሓደ ሕዝቢ ናይታ ሃገር ኣንጻር ነንሕድሕዶም ክለዓዓሉ ዝዓለመ መጥቓዕቲ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ይገልጹ። "ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝፍጸም ቀጻሊ ስደት ከምዘየለ ኣረጋጊጾም፥ ሰላምን እምነትን ተስፋን ክህሉን፡ ምእመናን "ንዓመጽ ብዓመጽ ምላሽ ኣብ ናይ ምሃብ ፈተና ከይወደቑን ክርስትያናዊ ፍቕሪ ኣብ ምንባር ክቕጽሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ብወንጌል ዝተደፋፍአ

"ንሕና ክርስትያን ሕይወትና ኣብ ወንጌል ዝተሰረተ እዩ፡ ካልእ መገዲ የብልናን ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ኣብ ሕውነትን ዕርክነትን ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ . . . ሕነ ምፍዳይ ካብ ዝብል ዓይነት ዘይ - ወንጌላዊ ህይወት ክንቁጠብ ኣሎና፥ . . . ቅዱስ ኣቦና በቲ ዝተፈጸም መጥቃዕቲ ሞትን ማህሰይትን ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ሰላም ክህሉ ስለ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምስጋና ኣቕሪቦም፥ "ቅርበት ቅዱስ ኣቦና ትብዓትን ሓይልን ይህበናን ክንጸንዕ ይዕድመናን" ኢሎም።

ብናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበት ዝተጸናንዐ ህዝቢ

ኣስዒቦም "ምእመናንና ኣብ ዘጓንፎም ስቓይን መከራን ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ከም ዝስምዖን እዚ ምጽንናዕ እዚ ድማ "ንቕድሚት ንኽስጉሙን ሓነጽቲ ሰላም ኣብ ምዃን ዓቢ ድርኺት" ከም ዝኾነኑን ብፍላይ በቲ ዝወረደ መጥቓዕቲ ቅዱሰንቶም ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጽንዓት ይሃብን ቅርበትን ጸሎትን መልእኽቲ ተለግራም፡ ነቲ ዓመጽ ኮኒኖም ንህዝቢ ቡርኪናፋሶ ኣብ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኖም ድማ ገሊጾም፡ ኣብ ጸሎቶም ህልዋን ምዃኖም ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም፡ እዚ ንሃገር ዘሰንበደን ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ዝሰሓበን መጥቃዕቲ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ዘይውሕስነትን፡ በቶም ኣብ ውሽጢ ዶባት ዝንቀሳቐሱ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለታት እናተሰጋገረ ዝኸይድ ዘሎ ግብረ ሽበራ ተቓሊዑ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

05 March 2024, 16:37