ድለ

ኣብ ዒራቕ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ገና ኣብ ዘይውሕስነት ኩነት ይርከብ ኣብ ዒራቕ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ገና ኣብ ዘይውሕስነት ኩነት ይርከብ 

ኣብ ዒራቕ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ገና ኣብ ዘይውሕስነት ኩነት ይርከብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ዓለም ለኸ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞሱልን ኣቕራን ሊቀ ጳጳሳት ሚላኤል ናጂብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዋላ እኳ ንክርስቲያን ዒራቕ ቀጻሊ ጸገማት እንተሃለወ ፍረ ናይቲ ታሪኻዊ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ኣብታ ብብዝሒ ኣስላም ዝነብሩላ ሃገር ቀስ ብቐስ ክረአ ከም ዝጀመረ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ዒራቕ ዕለት 5 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዘካየድዎ ኮይኑ ነታ ሃገር ዝበጽሑ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. እውን ከም ዝኾኑን ኣብ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ባቕዳድን ናብታ ኣብርሃም ዝተወልደሉ ጎልጎል ኡርን ኣብ ከተማታት ናጃፍ፡ ናስርያ፡ ዔርቢል፡ ሞሱልን ቃራቆሽን ብምብጻሕ ምስ ማሕበረሰባት ክርስትያን፡ ከምኡ’ውን ምስ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ላዕለዎት ኣካላት ከም እተራኸቡን ሕመረት ናይቲ ጉዕዞ ድማ ካብቲ ብዳዒሽ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝቐጸለ ዓመጽ ምኽንያት ነቶም ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ እናነከዩ ዝኸዱ ዘለዉ ክርስትያን ቅርበትን መንፈሳዊ ደገፍን ንምሃብን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ምይይጥን ምርዳእን ንምትብባዕ ኢዩ።

ዒራቓውያን ክርስትያን ክሳብ ሕጂ ግዳያት ስደት ኮይኖም ኣለዉ

ኣብታ ኣስታት 40 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር፡ ብዝሒ ክርስትያን ንዓሰርተታት ዓመታት ብቐጻሊ እናነከየ ይኸይድ ምህላዉን ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣስታት 1.4 ሚልዮን ዝነበረ ሎሚ ናብ ኣስታት 250,000 ከም ዝነከየ

ዝገለጹ ሊቀ ጳጳሳት ናጀብ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ዒራቕ እተሰድዱ ክርስትያን ድሕሪ 2017 ዓ.ም. ወተሃደራዊ ስዕረት ዳዒሽ ናብ ዓዶም ንኺምለሱ ዘተባብዑ እውን እንተኾኑ፡ ብዙሓት ግን ሰጋእ መጋእ ይብሉ ኸም ዘለዉን ሓያሎ ኣባይቲ ስድራ ከኣ ቀጻሊ ስግኣት ስለ ዘለወን ካብ ጐላጕል ነነዌን ዒራቕን ይስደድ ምህላዉ ሓቢሮም፥ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ካብቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝዋግኡ ናይቲ ከባቢ ምልሻታት ክፈጥሮ ንዝኽእል ዓመጽን ዘሎ ሓደጋታትን ይጻወሩ ከምዘለዉን መብዛሕትኡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዳዒሽ ዝዓነወ ኣባይቶም ክሳብ ሕጂ ዳግማይ ከም ዘይተሓንጸን ኣብቲ ፍርስራስ ይነብሩ ምህላዎምገሊጾም፥

“ክርስትያን ገና ኣብ ዘይውሑስን መንግስቲ ክቆጻጸሮም ኣብ ዘይክእለሉን ቦታ መነባብርኦም ዳግማይ ክጅምሩ ኣይደልዩን”።”

እቲ ዝበለጸ እወንታዊ ውጽኢት ናይቲ ዑደት ምስ ኣያቶላህ ዓሊ ኣል ሲስታኒ ዝተኻየደ ርክብ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓደ እቲ እወታዊ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዒራቕ ዝካየድዎ ሓዋርያዎ ዑደት ምስ ላዕለዋይ ናይ ሺዓውያን ዒራቕ ዓቢ ኣያቶላህ ዓሊ ኣልሲስታኒ ዘካየድዎ ርክብ ምንባሩ ሊቀ ጳጳሳት ናጂብ ገሊጾም፥ እዚ እውን በቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ምስ ናይ ምስሪ ሱናውያን ናይ ዓል - ዓዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣልጠይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበረዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ዝማላእ እዩ ቢሎም፥ እቲ ፍጻመ ሓደ ካብቶም እወንታዊ ውጽኢት ናይቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዒራቕ ዝገበርዎ ምብጻሕን ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ናብ ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ዝወስድ ተወሳኺ ስጉምቲ ምዃኑን ሓቢሮም፥

“ብዙሕ ዘይምርድዳእ ዝኣለየ ጽቡቕ ርክብ እዩ ነይሩ . . . ኣብ ሰብኣውነት ከም ኣሕዋት እምበር ከም ጸላእቲ ኣይንርአን”

እስላማዊ ግብረሽበራ ጸረ ኩለን ሃይማኖት እዩ

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ መራሕቲ ኣስላም ዒራቕ ኣብ ልዕሊ እስላማውያን ኣኽረርቲ ዘለዎም ኣረኣእያ እንታይ ይመስል ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ሊቀ ጳጳስ ናጂብ፥ ኣኽራሪ እስላማዊ ኣረኣእያ ዳዒሽ ንሓቀይና ምስልምና ከምዘይውክል ኣብ ሓጺር ግዜ ከምዝተረድኡን ከምዝተቓወምዎን ገሊጾም፥ "እዚ ብዳዒሽ ዝልጠፍ መልክዕ እስልምና ብሓደ ወገን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ኣስላም ሱኒን ሺዓን ዝነበረ ምሕዝነት ቅርጺ ዘበላሸውን በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ምሕዝነት ዘሰናኽልን እዩ” ኢሎም።

07 March 2024, 16:57