ድለ

ኣብ ሃይቲ ዝተጨውዩ ኣርባዕተ ገዳማውያንን ሓደ መምህርን ናጻ ተለቒቖም ኣብ ሃይቲ ዝተጨውዩ ኣርባዕተ ገዳማውያንን ሓደ መምህርን ናጻ ተለቒቖም 

ኣብ ሃይቲ ዝተጨውዩ ኣርባዕተ ገዳማውያንን ሓደ መምህርን ናጻ ተለቒቖም

ኣብ ሃይቲ ዕለት 23 ለካቲት ዝተጨውዩ ኣርባዕተ ኣሕዋት ቅዱስ ልብን ሓደ መምህርን ናጻ ክልቀቑ እንከለዉ፡ ክልተ ድማ ክሳብ ሕጂ ተጨውዮም ከም ዘለዉን ናይ ቅዱስ ልቢ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ዘውጸኦ መግለጺ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንግስቲ ንምውዳቕ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣትን ሃይቲ ኣብ ትሕቲ ህጹጽ እዋን ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ሃይቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ፖርት ኦ ፕሪንስ ካብ እተጨውዩ ሽዱሽተ ኣባላት ማሕበር ውፉያንን ሓደ መምህርን ዝርከብዎም እቶም ሓሙሽተ ናጻ ከምእተለቁ ናይቲ ማሕበር ውፉያን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካልኦት ክልተ ገና ኣብ ኢድ ጨወይቶም ከም ዘለዉ

ኣርባዕተ ኣባላት ማሕበር ኣሓው ቅዱስ ልብን ሓደ መምህርን ናጻ ክልቀቑ እንከለዉ ገና ካልኦት ክልተ ኣብ ኢድ ጨወይቶም ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፡ እዞም ሸውዓተ ብዕጡቕ ጉጅለ ዕለት 23 ለካቲት ናብቲ ዝሰርሑሉ ኣብ ማእከል ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ዝርከብ ዕጡቓት ጉጅለታት ናብ ዝቆጻጸርዎ ከባቢ ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩሉ እዋን ከም እተጨውይን እቶም ጨወይቲ ነቲ ማሕበር ቅዱስ ልቢ እውን ኣባላቱ ናጻ ክለቆም ገንዘብ ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ናይቲ ማሕበር ምግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ኣፍሊጡ፡ ኣብ ሃይቲ ጭውያ ቀንዲ መርከቢ እቶት ናይቶም ዋና ከተማ እታ ሃገር ዝቆጻጸሩ ገበነይናታት ጕጅለታት ኮይኑ ከም ዘሎን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ብቐጻሊ ጭውያ ዝፍጸም ምዃኑ ይሕብር።

መራሔ መንግስቲ ኣርየል ሄንሪ ገና ኣብ ፖርቶሪኮ ይርከብ

እታ ሃገር ካሪብያን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓሚቝ ሁከት ከም ዝኣተወትን  ዕጡቓት ጉጅለታት ዕለት 3 መጋቢት ኣሽሓት እሱራት ካብ ቤት ማሕቡስ ክወጹ ከም ዝገበሩን መራሔ መንግስቲ ኣርየል ሄንሪ ኣብ ናይሮቢ ንነዊሕ እዋን ዝተደናጐየ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ተልእኾ ስምምዕ ውሑስ ክኸውንን ስርዓትን ጸጥታን ክምለስ ኣብ ዝብል ዝክረ ነገር ክዝትዩ ኣብ መገሻ ከም ዝነበሩን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን እኳ እንተ ተኣወጀ፡ ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ልዕሊ መደበራት ሓይሊ ጸጥታን ካልኦት ትካላት መንግስትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ዝያዳ የሐይሉ ከም ዘለዉን ብፍላይ መራሔ መንግስቲ ሄንሪ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይሓቱ ምህላዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መራሔ መግንስቲ ሄንሪ ካብ ናይሮቢ ኣብ ምምላሱ ኣብ ዝሓለፉላ ሃገረ ፖርቶሪኮ ከም ዝርከብን ናይ ፖርት ኦ ፕሪንስ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ  ታሕቲ ቁጽጽር እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ብምዃኑ ናብ ሃገሩ ንኸይኣትዉ መኸላእታ ኮይንዎም ከም ዘሎን ኣብ’ዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት፡ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ቀንዲ ሓላፍነት ዘይብሎም ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ዝዓዩ ዜጋታቱ ከውጽኣን ነቲ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ጸጥታን ድሕንነትን ውሑስ ንምግባር ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝርከቡ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ድጋፍ ዝኸውን ተወሳኺ ሓይሊ ክልእኽ ከም ዝወሰነን ኣብ ሃይቲ ዝርከብ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ንግዚኡ ቤት ጽሕፈታቱ ዓጽዩ ኣብታ ሃገር ዘለዎ ህላወ ከም ዘጉድለ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።

ኣብ ጃማይካ ዛዕባ ቅልውላው ሃይቲ ዝመኸረ ኣኼባ ማሕበረሰብ ካሪቢያን

መራሕቲ ማሕበረሰብ ሃገራት ካሪብያን ዕለት 11 መጋቢት ኣብ ጃማይካ ብምርኻብ ኣብ ሃይቲ ብዛዕባ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ናጻ ጉባኤ ርእሰ ብሔር ንምቛን ከምኡ እውን ምውፋር ብዙሕነታዊ ተልእኾ ዓቃቢ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ይመኽሩ ከምዘለዉን ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶንይ ብሊንከን እውን ይሳተፍ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ጉባኤ ማሕበረሰ ሃገራት ካራይቢ ዘውጸኦ መገልጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሃይቲ ዘለዎም ሓልዮት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃይቲ ዝረአ ዘሎ እዋናዊ ምዕባለታት ብስክፍታ ይከታተልዎ ከም ዘለዉን ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 10 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ወሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ምዕራጎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ነታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ህዝብን ሃይቲ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ዓመጽ ከብቅዕ ኩሉ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክጽሊ ሓደራ ቢሎም፥ ሰላምን ዕርቅን ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ምእንቲ ክዕወት ኵሉ ሰብ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሃይቲ ኣበርክቶ ኽገብር ድማ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ሃይቲ ዝተጨውዩ ኣርባዕተ ገዳማውያን ሓደ መምህርን ናጻ ተለቒቖም
12 March 2024, 16:14