ድለ

ካርዲናል ፒዛባላ፡ “ብቕጽበት ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ይበል!” ካርዲናል ፒዛባላ፡ “ብቕጽበት ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ይበል!”  (REUTERS)

ካርዲናል ፒዛባላ፡ “ብቕጽበት ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ይበል!”

ብማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ፥ ነታ በቲ መዓት ዝተዋሕጠ ወሽመጥ ቓዛ ሰላም ክህሉ ጻውዒት ኣቕርቦም፥ "ህዝቢ ኩሉ ዘለዎ ስኢኑ ንሕጽረት መግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒትን ተቓሊዑ ከም ዝርከብን ገሊጾም፥ ዕርቂ ይከኣል እዩ፡ ክትደልዮ ጥራይ እዩ ዘድልይ" ቤተ ክርስቲያን እቲ ከባቢ ንጸሎት ምእንቲ ሰላምን ንመላእ ህዝቢ ንምሕጋዝን ቃል ኣትያ እያ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ህጹጽ ጉዳይ እዩ!” ብማእከናት ዜና ቫቲካን ነዚ ዝበሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፔየርባቲስታ ፒዛባላ ብሞትን ህውከትን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ ቃንዛ ኣውያት ብማዕከናት ዜና ቫቲካን ብምሕባር፥ “ብጀካ እቲ ዘስካሕክሕ ዓመጽ ደብዳብ ዘስዕቦ ቅልውላው ተራ ህይወት እውን ኣሎ። ሕጽረት መግቢ፡ መድሃኒትን ማይን ኣሎ” ቢሎም፥ እቶም ቅድሚ ገለ መዓልታት ገለ ተረፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሓዝ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ህይወቶም ዝሰኣኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዘስካሕክሕ ምስሊ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣዒንትናን ኣእምሮናን ተሓቲሙ ኣሎ፥ መልክዕ ምቁጽጻር ናይቲ ግዝኣት የለን ከምኡ’ውን ንኹሉ ብዓቢኡ ክንዮ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸይድ ምትሕልላኻት እውን ይረአ ኣሎ . . . ስለዚ መግብን መሰረታዊ ኣድለይቲ ዘበለ ኩሉ ብእኩብ ካብ ሄሊኮፕተራት ብፓራሹት ብምውዳቑ ዝግበር ዘሎ ኣሰራርሓ ሰብኣዊ ሓገዝ ቅቡል ኮይኑ ኣይረኸቦን: "ዝያዳ ስርዓታውን ዝተዋደደን ፍታሕ እዩ ዘድሊ። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ምርጫ ነቲ ዘሎ ምድንጋር ዘዛይዶ እዩ” ይብሉ።

ርጉእ ፍታሕ

ምስ ኩሎም ፓትርያርክን ሓለፍቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ቅድስቲ መሬት ዕለት 1 መጋቢት ካልእ ጻውዒት ሰላም ዝፈረሙ - ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም - ኣብ ቓዛ ዕርቂ ዘይብጻሕ ሕልሚ ኮይኑ ዘሎ ይመስል፥ “ክትደልዮ ጥራይ እዩ ዘድልየካ፡ እቶም ንምትግባር ዝሕግዙ ባእታታት ኣብኡ ኣለዉ። ብኽልቲኡ ወገን ኣብ ምድምማጽ ንምብጻሕ ድሌት ኣድላዪ እዩ። ዝተፈላለየ መንገዲ ንምጅማር ንምፍታን ግዚኡ ብሱል እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።" ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ዘሳቕይ ዘይርጉጽነት እኳ እንተ ተረፈ፡ ሓደ ነገር ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ኣይክእልን እዩ፡ “ድሕሪ እዚ ቅልውላው እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት ዝኸበደ ቅልውላው፡ እስራኤላውያን ይኹኑ ፍልስጤማውያን ንግዚያዊ ፍታሕ ዝያዳ ፍቓደይናታት ኣይክዀኑን እዮም። እቲ ዘሎ ፍጻመታት ርጉእ ፍታሕ ክረክብ ከገድድ እዩ።" ክልተ ህዝብታት፣ ክልተ ሃገራት ዝብል መገዲ እንኮ መገዲ ሰላም ምዃኑ እኣምን፡ . . . ዝኾነ ይኹን ንኽልቲኡ ህዝብታት ምርግጋእን ናጽነትን ከረጋግጽ ዝኽእል መፍትሒ እዩ ዘድሊ!” ኢሎም።

ተሳትፎ ቤተ ክርስቲያን ንሰላም

ኣብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት "ትጽሊ፡ እምነት ዘለዋ፡ ንናይ ገዛእ ርእሳ ድሌታት እትከናኸን ጥራይ ዘይኮነትስ ንጎረባብቲ ህዝብታት ክትሕግዝ እትኽእል" ተራ ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ስእሊ ተስተውዕል። ከምኡ'ውን ብዘይ ርኣዩለይን ስምዑለይን ብሚስጢር፡ "ኣብ መንጎ እቶም ዝምልከቶም ወገናት ናይ መራኸቢ ድልድል ተራ ሒዛ ከም ዘላን፡ ኣብዚ መገዲ እዚ እውን ብዙሕ ትዓዪ ከም ዘላ” ትርዳእ።

05 March 2024, 16:47