ድለ

DRCONGO-UNREST-DISPLACED DRCONGO-UNREST-DISPLACED  (AFP or licensors)

ካርዲናል ኣሞንጎ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ብዘስፋሕፍሕ ዘሎ ዓመጻ ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም

ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ሊቀ-ጳጳስት ኪንሻሳ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ዘሎ ዅነታት ኣመልኪቶም፣ ብቕልጡፍ እናኣንቈልቈለ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም ። ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኣጽዋር እተዓጥቁ ወተሓደራት ኣብቲ ኸባቢ ንዝርከባ ሓያሎ ኸተማታት ማሪኾምወን ይርከቡ ኣለዉ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳ ኮንጎ ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ኣብታ ናይ ምብራቃዊ ዞባ ርእሰ ከተማ ዝኾነ ኪቩ  ዓመጽ እና ወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉን እቶም ኤም23 ዝበሃሉ ወተሓደራዊ ሓይሊ እና ኣስፋሕፍሑ ምምጽኦምን ንብዙሓት ከተማትት ይቆጻጸሩ ብምህላዎም ድምጾም ብምልዓል ስምዕታ የቕርቡ ኣለዉ።

ካርዲናል ኣምቡንጎ ኣብቲ ምስ ካቶሊካዊ ናይ ተልእኾ ትካል ዜና ፊደስ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት "ሰራዊት ኮንጎ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሕንፍሽፍሽ እናሃለወ፣ እቲ ኤም23 ዝተሰምየ ወተሓደራዊ ሓይሊ ሰፊሕ ግዝኣታት ክቖጻጸር ይርከብ ኣሎ” ክብሉ ገለጹ፣  ከምኡ’ውን "እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘፍርህ ነገር ብፍላይ ኣብ ጎማ ብሓፈሻ ኸኣ ኣብ ብምሉኡ ምብራቕ እታ ሃገር  ስግኣታት ምህላው ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 16 ክሳዕ 18 ሚያዝያ ናብ ምብራቓዊ ኮንጎ ምጻሕ የካይድ ኣሎ፣ ካብዚ ከባቢ እዚ ብሰንኪ እቲ ዓመጽ ዘኸተሎ ሳዕቤናት ካብ ምወዳእታ 2021 ጀሚሩ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ካብቲ ከባቢ ተመዛቢሎም ይርከቡ ኣለዉ።

ካርዲናል ኣምቦንጎ ኣብ መግለጺኦም ከም ዘመልከትዎ "ጳጳሳት ናይቶም ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከቡ ሰበኻታት ቡካቩ ኣብቲ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ዘውጽእዎ ጉስነታዊ መንልእኽቲ ንጹር ትንተና ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ኣቕሪቦም ኢዮም" በሉ። "ቤተ-ክርስትያን ንባዕላ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኢያ ዘላ" ብምባል ዘለዎም ሻቕሎት ውን ገለጹ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ጳጳሳት ዞባ ቡካቩ ልክዕ ከም ኵላትና ብሃገራዊ ደረጃ ውን ብጉባኤ ጳጳስት ኮንጎ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ ነቲ ህዝቢ  ኣብ ጸገሙ ንምስናይ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ።"

ኣስዕብ ኣቢሉውን ነቶም ዝሳቐዩ ዘለው ሰባት ምክንኻን ምሕላይን እቲ ጉስነታዊ ተልእኾና ዝሓተና  "ነቶም ዝሳቐዩ ዝለዉ ሰባት ከመይ ጌርና ንፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ከነርእዮም ከም እንኽእል" ከም እተጸዋዕና ኢዩ ክብሉ ገለጹ። ኣብ መደምደምታ ኸኣ "ቤተ-ክርስትያን ነዚ ክትገብር ኢያ እትጽዕር ዘላ፣ እንተዀነ ግን ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኰነን" ብምባል መግለጺኦም ዛዘሙ።

19 April 2024, 17:42