ድለ

HEALTH-CORONAVIRUS/POPE HEALTH-CORONAVIRUS/POPE 

ካቶሊካውያን ጳጳስት ኤውሮጳ፦ ምንጻል ጥንሲ መሰረታዊ መሰል ኪኸውን ኣይክእልን እዩ

ቅድሚ እቲ ብ11 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ብራስልስ ዝካየድ ኣብ ቻርተር መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ምንጻል ጥንሲ መሰል ንምትእትታው ወይ ንምጻጉ ዝመርጽ ድምጺ ንምሃብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምቅርራብ ብፁዓን ጳጳስት ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ብጽኑዕ ከም ዝቃወምዎ ድምጾም ብምስማዕ ዘገድድ ስነ-ሓሳብ ከም ዘይድግፍዎ ገሊጾም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣውሮጳውያን ብጹዓን ጳጳስት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታትን ኣብ ኵሉ ደረጃ ዕቤትን ወድሰብ ወትሩ ቅዱስን ብሸለልትነት ዝርአ ከም ዘይዃኑን ኣረጋጊጾም፣ እዚ ርድኢት እዚ ምስ ዝጠፍእ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ ድልዱልን ነባርን መሰረት እውን ከምኡ ከም ዝዓኑ ኣመልኪቶም ።

እዚ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ቻርተር መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ ንምእታው ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ድምጺ ቕድሚ ምሃቦም ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኢዩ ዝነበረ ።

እዞም ብፁዓን ጳጳስት ደድሕሪ እቲ “ክብር ዘኣልቦ ጽንፍ” ዝተሰምየ ሓድሽ ሰነድ ቅድስቲ መንበር ንምንጻል ጥንሲ ኣብ ዝርዝር ምጥሓስ ሰብኣዊ ኽብሪ ብምጥቃስ ከም "መቓብርን ዜሕዝንን" ተግባር ገይሩ ዚገልጾ ኣብ ምውጽኡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኢዩ ዝነበረ።

ንደቂ ኣንስትዮን ንመሰላተንን ብሓቂ ንምድንፋዕ ዚግበር ቃልሲ የዳኽም

እቲ ብቤት ምኽቲ ብፁኣን ጳጳስት ሕብረት ኤውሮጳ ዝወጸ መግለጺ "እወ ብምኽንያት ክብሪ ደቂ ኣንስትዮንን መሰል ህይወትንን ምንጻል ጥንሲ ስነ-ምግባራዊ ግዴታን ኣይኰነን" ዝብል ኣርእስቲ ኣለዎ።

እዞም ብፁዓን ጳጳስት ኣብታ ደቂ ኣንስትዮ ናጻ ኰይነን ክነብራ ዝኽእላ ኣውሮጳ ንኽዓዩ ቈራጽነት ከም ዘለዎም ገለጹ፣ ነዚ ድማ ንዓታቶምን ንማሕበረሰቦምን ከም ህያብ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ፣ ከምኡውን "ኣደነት ንብሕታውን ማሕበራውን ሞያውን ናብራ ፈጺሙ ኣይድረትን ኢዩ።"

"ንምንጻል ጥንሲ ምትብባዕን ምቅልጣፍን ኣንጻር ናይቲ ሓቀይና ክብሪ ደቂ ኣንስትዮን መሰላተንን ኢዩ ዝኸይድ" ብምባል ድማ ኣጠንቀቑ፣ ከመይሲ ምንጻል ጥንሲ "መሰረታዊ መሰል ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ" ድማ በሉ።

ንዅሉ ሰብኣዊ መሰላት መሰረታዊ ኢዩ

ጳጳስት ሕብረት ኤውሮጳ መሰል ህይወት "መሰረታዊ ዓንዲ ዅሉ ሰብኣዊ መሰላት ብምዃኑ ብፍላይ ከኣ መሰል ህይወት እቶም ብቐሊሉ ዝጥቅዑን ብቐሊሉ ተነቀፍቲ ዝኾኑ ንዝኽእሉ ዝከላኸል ዘይብሎም ሰባት ኢዩ " ብምባል ውን ኣስፊሖም ገለጹ ።

ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘለዋ ንጹር ኣቕዋም ብምዝካር "ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ብዅሉ ሓይልን ብንጹርን ንህይወት ዘይተወልዱ ህጻናት ምጥባቕ ምስ ምክልኻል ምስ ናይ ነፍስወከፍ ሰብኣዊ መሰላት ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰር ኢዩ" ክብሉ ዘለዎም ተሪር መርገጺ ኣመልክቱ።

ሓደ ሰብ ንዘይተወልደ ህይወት ብዋጋ ዘይሽነን ክብሪ ከም ዘለዎ ገይሩ እትንተ ዘይተረድኦ ንሰብኣዊ መሰላት ዝከላኸለሉ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ ዝኸውን ወትሩ "ነቲ እናሓለፈ ዝኸይድ ዘሎ ድፍኢት ናይቶም ገዛእቲ ሓይልታት ኢዩ ዝኸውን" ክብሉ ካብቲ ሓድሽ ሰነድ “ክብር ዘኣልቦ ጽንፍ” ብምጥቃስ ኣጠንቀቑ።

ሕብረት ኣውሮጳ "ነቲ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘሎ እተፈላለየ ባህልታትን ልምድታትን ሃገራዊ ክብርታትን ከኽብር ኣለዎ " ከምኡውን "ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዶባታ ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብርታት፡ ጾታዊ መንነትን ጾታን፡ ሓዳርን ከምኡውን ብዛዕባ ስድራቤት ስነ-ምግባራዊ ኣቕዋም ከስገድድ ኣይክእልን ኢዩ" ዝብል ርእይቶ ኣቕረቡ።

ቻርተር ብዅሉ ተቐባልነት ዘይረኸበ መሰላት ኬጠቓልል ኣይክእልን እዩ

"ቻርተር መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ብዅሉ ተቐባልነት ዘይረኸበን ዚኸፋፍልን መሰላት ኬጠቓልል ኣይክእልን እዩ " ብምባል ኣጕልሑ፣ ከመይሲ ኣብ ሕጊ ኣውሮጳ ወይ ኣህጉራዊ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ፍሉጥ ነገር ኢዩ፣ "እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ቅዋም ሃገራትን ሕግታትን ዘለዎ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ይፈላለ እዩ ። "

እዚ መግለጺ እዚ ምስ ኣቡናት ሕብረት ኤውሮ ብምስምማዕ እቲ ቻርተር ብመሰረት እቲ ኣብ ፕሪያምብል እተጻሕፈ "ንብዙሕ ባህልታትን ልምድታትን ህዝብታት ኣውሮጳ" ከምኡውን ነቲ "ንኣባል ሃገራት ዝውቱር ቀዋማዊ ልምድታትን ኣህጉራዊ ግዴታታትን" ከኽብር ከም ዘለዎ ውን ኣመልኪቶም ይርከቡ።

ፈረንሳ ድሕሪ ምትእትታዋ

ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ቻርተር ሕብረት ኣውሮጳ ንምእታው ዝግበር ዘሎ ምርጫ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጋህዲ ክሳዕ ዝኸውን ዕጹው ምዕራፍ ኢዩ ዝመስል ነይሩ።

ብ4 መጋቢት ኣብ ቅዋም ፈረንሳ መሰል ምንጻል ጥንሲ ምስ ተጠቓለለ ኣብ መንጎ መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ምንጻል ጥንሲ ኸም ዚተኣታቶ ዘመልክት ክርክር ኣብ ኣውሮጳ ኸም ብሓድሽ ተኸፍተ።

እዚ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ድሮ ብ7 ሓምለ 2022 እኳ እንተ ቐረበን ንገሊአን ኣባል ሃገራት ምጽራር እኳ እንተ ኣለዓዓለን ሕጂ ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ ነቲ ጽባሕ ሓሙስ ሓድሽ ድምጺ ከድምጻ ዝቐረበ ሕቶ እንደገና ክጅመር ወሲነን ኣለዋ ።

10 April 2024, 17:45