ድለ

ካፎድ፡ ውጥን ስደተይናታት ናብ ሩዋንዳ ምስጓግ ዝብል ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ መፍትሒ ኣይኮነን ይብል ካፎድ፡ ውጥን ስደተይናታት ናብ ሩዋንዳ ምስጓግ ዝብል ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ መፍትሒ ኣይኮነን ይብል  

ካፎድ፡ ውጥን ስደተይናታት ናብ ሩዋንዳ ምስጓግ ዝብል ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ መፍትሒ ኣይኮነን ይብል

ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዑቕባ ሓተትቲ ስደተይናታት ናብ ሩዋንዳ ንምስጓግ ዘፍቅድ ሕጊ ከተጽድቕ ዝወሰደቶ ስጒምቲ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ብኣህጽሮተ ቃል CAFOD እተሰምየ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት ዝርከብዎም ብዙሓት ትካላት ረድኤትን ማሕበራት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዘይቅቡል ውሳኔ እንክብሉ ቅረታኦም የስምዑ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንገለ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ ብባይቶ ብሪጣንያ ሰሉስ ዕለት 23 ሚያዝያ ኣጋ ምሸት ንዝጸደቐ ሕጊ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ብኣህጽሮተ ቃል CAFOD እተሰምየ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትካል ረድኤት፥ “እቲ ውሳኔ ብብዙሕ ደረጃታት ተስፋ ዘቑርጽ" ዝብል ብናይቲ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን ጉዳያት ጎስጓስን ርክብን ዋና ሓላፊ ኒል ቶርንስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ርእይቶ ከም ዝሃበን፥ እቲ ውጥን ርህራሄን ኣህጉራዊ ሓላፍነትን ዝጎደሎ ምዃኑ ይገልጽ።

"እዚ ሕጊ ተሓንጺጹን ክጸድቕ ምርኣይ ብሓቂ ዘጉህይ እዩ ቢሉ፥ እቲ ትካል ረድኤት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኰኑ ኻልኦት ሰባት ነቶም ካብ ግጭትን ጭንቀትን ዝሃድሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኽንህቦም ዝሓትቱና ሓልዮትን ድንጋጽን ዘርኢ ኣይኮነን፡” ንክርስትያናዊ ክብርታት ክሰምዕ ዘይምኽኣሉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “እንግዶትን፣ ምክልኻልን፣ ምውህሃድን ምሕናጽን” ዝብል ዘቕርብዎ ጻውዒት ሓልዮትን ርህራሀን ነቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምሕሳብ ዘቕርብዎ ጻውዒት ዝጻረር እዩ። ነቶም ካብ ከም ዩክረይን ዝኣመሰላ ዞባታት ዝመጹ ስደተይናታት እተገብረሎም ሰፊሕ ኣቀባብላ ርኢኻ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ሕግን ኣረኣእያ ህዝቢ ብሪጣንያን ዘሎ ፍልልይ ዘስተብህል ውሳኔ መንግስቲ እዩ፡ ስለዚ እቲ ሕጊ ካብ ዩክሬን ወይ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስደተይናታት ህዝቢ ንዘርኣዮ ሓልዮትን እንግዶትን ኮታ "ንስምዒትን ኩነታትን ሃገርና ዘንጸባርቕ ኣይኮነን" ይብል።

ነቲ ጉዳይ ምጥምዛዝ

እቲ ሕጊ ነቲ መብዛሕትኦም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ውልቀ-ሰባት ኣብ ኣውሮጳ ዕቝባ ክረኽቡ ዝደልዩ ነዚ ድላዮም ብሓላፍነት ንኻልእ ሃገር ምሃብ ነቲ ጸገሞም ዘጋድድን ስሙር ንጉሳዊ መንግስቲ ማለት ዓባይ ብሪጣንያ ንተነቃፊ ህዝቢ ንምድጋፍ ዘለዋ ሓላፍነት ዕሽሽ ዝብል ብምዃኑ ጓሂኡ ዝገለጸ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ወይለስን ትካል ረዴት ክፍሊ ጓስጓስን ሓበሬታን ሓላፊ ኣስዒቡ፥ "እቶም ዝበዝሑ ካብ ግጭትን ቁጠባዊ ጸገማትን ካልእ ኩሉን ዝሃድሙ፡ ብዓቢኡ ናብተን ዝሃድሙለን ሃገራት ከባቢ ናብ ዝርከባ ሃገራት ክኸዱ ዝድርኽ እምበር ናብ ኤውሮጳ ንኽመጹ ዝድግፍ ኣይኮነን፥ እዚ ዝጸደቐ ሕጊ ምስቲ ኣብ ሓድሽ ውዕል ሕብረት ኤውሮጳ ንዑቕባን ስደትን ዝተዘርዘረ መትከላት ዝጋጮ እዩ። እዚ ውዕል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ንዘሎ ሓባራዊ ሓላፍነት ዘጉልሕ እዩ። ስለዚ ብትኽኽል እቲ ሓድሽ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ዛዕባ ስደተይናታትን ዑቕባ ሓተትን ዝምልከት ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ ከምዘይኮነት ዘመላኽት እውን እዩ፥ ይኹን እምበር መንግስቲ ብሪጣንያ ሰብኣዊ ፍታሕ ንምምራጽ ድሌት ከምዘይብሉ ዝነግርን፡ ብመንጽር’ቲ ዘለዎ ርኡይ ጸጋታትን ክሕግዝ ዝኽእል ዓቕምን ነቲ ሓድሽ ሕጊ ነቒፉ፥ “ንሕና እታ ዝበዝሐ ጸጋታት ዘለና ሃገር ኢና፡ ስለዚ ድማ ርትዓዊ ብጽሒትና ኣብ ምክፍፋል ጾር ካልኦት ርትዓዊ ብጽሒትና ክንወስድ ይግባእ ማለት ግቡእ እጃምና ኸነበርክት ኣሎና" ይብል።

መራሔ መግንስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሱናክ፡ እቲ እማመ ስደተኛታት ሓደገይና ጉዕዞታት ካብ ምፍጻም ዝዓግቶም እዩ ዝብል ዘቕረብዎ መብርሂ ሓቂ ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ናይ ዓባይ ብሪጣንያን ወይለስን ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ትካል ረድኤት ናይ ጎስጓስን ሓበሬታን ሓላፉ እንክምልስ፥ ዘለዎም ጥርጣረ ብምግላጽ፡ ንውጽኢታዊነት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መከላኸሊታት ኣብ ዓቢ ሕቶ የእትው።

"ህይወትካ ኣብዘን ኣዝየን ተነቀፍትን ብስደተይናታት ዝጨናነቓ ጃላቡ ከምኡውን መብዛሕትኡ ግዜ ህይወት ዘድሕን መሳለጥያ ኣብ ዘይህልወሉ ዅነታት እንተድኣ ኣሊኻ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኽእሎን ርሑቕን ሓደጋ ንኣእምሮኻ ክቕይሮ ይኽእል እዩ ቢለ ክሓስብ ድማ የጸግመኒ” ምስ በለ፥

ክብሪ ምኽባር

ኣብ መደምደምታ፡ ንተነቀፍቲ ሰባት ንምክልኻል ሕጋዊ ሰብኣዊ መምርሕታትን ሰባት ንኽስደዱ ዘኽእሉ ሕጋዊ ሰብኣዊ መንገድታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ጠለባት ክግምገሙ ይኽእሉ እዮም፡ ከምቲ ዝግባእ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ እንግዶት ክግበረሎም ከም ዝከኣል ገሊጹ፥ በዚ መሰረት እቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ውሳኔ ብሓቂ ንኣህጉራዊ ግዴታታት እውን ዕሽሽ እናበልካ ልዕሊ ርህራሄ ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ብዝብል ምስምስ ምዕጋት ቀዳምነት ምሃብ፣ ከምኡ’ውን መሰረታዊ ጠንቅታት ምዝንባል ንምፍታሕ ምፍታን ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስምዓንን” ኢሉ።

25 April 2024, 16:33