ዓውደ ኣኼባ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ (FABC)
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ማእከል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ፣ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣማኪሉ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ፣ ዕለት 23 መስከረም ናይ ታይላንድ ጉባኤ ጳጳሳት ምኽትል ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶኒ ዌራዴት ቻይሴሪ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተበገሰን፣ እዚ ዓውደ ኣኼባ ብመንጽር እቲ ኣብ 2026 ዓ.ም. ኣብ ኢንዶነዢያ ክካየድ ዝኾነ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ (FABC) ምክያዱ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ እንከመላኽት፣ ኣስዒቡ "ዕላማና ነቲ ናይ መወዳእታ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ናይ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ሰነድ ብሓባር ንምጽናዕን ንምርዳእን ብዛዕባ ጳጳሳት እስያ ንምስትንታንን ቤተ - ክርስትያን ኣብ እስያ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ኸም እትኽእል ንምምርማርን ዝኣመተ ምንባሩ ናይ ታይላንድ ጉባኤ ጳጳሳት ምኽትል ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶኒ ዌራዴት ቻይሴሪ ንሊካስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝገለጹ ዝሓበሩ የመላኽት።
እቲ ኣኼባ ነቲ ኣብ 2022 ንመበል 50 ዓመት ዝኽሪ ቅዋመ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ (FABC) እተሓትመ ምስ ዓለምለኻዊ መስርሕ ሲኖዶስ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ሰነድ ባንግኮክ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብዕምቆት ከም ዝመርመረን ኣብ መላእ እስያ መገዲ ሲኖዳውነት ንምቕባል፤ ከምኡውን ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ - ክርስትያን ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኣድላይነት ዘዕሞቐን ምንባሩ ኣመላኺቶም፣ እቲ ኣብ እስያ ዘሎ መንፈሳዊ ተመስጦ፣ ምስቲ መመያ ዝብል ቃል ሲኖዳውነት ዘለዎ ዓሚቝ ርክብን ከምኡ እውን ብመንፈስ ምዝታይን ምስ ዝብል ኣገባብ ሲኖዳውነት ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።
ኣብ ሰለስተ ኣርእስትታት ዘተኰረ ትሽዓተ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዓውደ ዘተ ዝተበረሉን፣ ኣብ መንጎ ናይቲ ኣብ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድን ናይ 2022 ዓ.ም. ብናይ ባንኮክ ሰነድ ዝጽዋኦ ኣብ ናይ 2022 ብምኽናይት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድን ዘሎ ምትእስሳር ዘስተንተነን ኣብ መላእ እስያ ናይ ሲኖዳውነት መገዲ ምቕባል፤ ከምኡውን ኣብ ሲኖዳዊት ቤ ተ- ክርስትያን ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኣድላይነት ዘረጋገጸን ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ቻይሴሪ ንሊካስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 ናይቲ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ናይ መወዳእታ ሰነድ ምስ ተሓትመ ከምኡውን ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2025 ናይቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣተገባብራ ዝመርሕ ሰነድ ድሕሪ ምቕራቦም፣ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ናብ ሲኖዳውነት ገጻ ኣብ እትጓዓዘሉ ዘላ እዋን ዝተኻየደ እውን ምዃኑ ብጹዕነቶም ንሊካስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ እቲ ክሳብ 2028 ዝጸንሕ መስርሕ ሲኖዳውነት፣ ጳጳሳት ንጹር ሸቶታትን ናይ ግዜ ገደብን ከውጽኡ ከምኡውን ካብ ኵሉ ኽፍልታት ቤተ - ክርስትያን ሰፊሕ ተሳትፎ ከረጋግጹ ይሓትት። እዚ ድማ ካህናትን ምእመናንን ጥራይ ዘይኰነስ ንመንእሰያት እተገለሉ ማሕበረሰባት ከምኡውን ነቶም ንመስርሕ ሲኖዶውነት ዚጠራጠሩ እውን ዜጠቓልል እዩ።
"እዚ ኣኼባታት እዚ ነተን ኣብ እስያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ሲኖዶሳውነት ንምዕማቕን ሕብረት ንምድልዳልን ኣብ ውሽጢ ቤተ - ክርስትያን ናይ ሲኖዶሳውነት መገዲ ንምቕባልን ከምኡውን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ብጥብቂ ሓድነት ንምጉዓዝ ዘለወን ዓሚቝ ድሌት ዘንጸባርቕ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።