ድለ

ጸብጻብ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ 5 ቢልዮን ሰባት ግህሰት የጋጥሞም ጸብጻብ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ 5 ቢልዮን ሰባት ግህሰት የጋጥሞም 

ጸብጻብ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ 5 ቢልዮን ሰባት ግህሰት የጋጥሞም

ሓገዝ ንዘድልየን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ 2025 ብዛዕባ ናጽነት ሃይማኖት ኣብ መላእ ዓለም ብዕምቆት ዝገልጽ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዳርጋ 5.4 ቢልዮን ሰባት ኣብተን ከቢድ ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝፍጸመለ ሃገራት ከም ዝነበርን እዚ እውን ጥንቂ ምውሳኽ ስደት ምዃኑ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓገዝ ንዘድልየ ኣብ ጸገም ንዝርከባ ኣቢያተ ክስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ መላእ ዓለም ዝቕጽል ዘሎ ኣድልዎን ስደትን ኣብ ዘጉልሕ ዘውጽእ ጸብጻብ ሃይማኖታዊ ናጽነት ሕታም 2025፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ን196 ሃገራት ብምርኣይ፡ - ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2023 ክሳብ 31 ታሕሳስ 2024 ዝሽፍን - ኣብ ዓንቀጽ 18 ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ሓሳብን ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት ክህልዎ መሰል ኣለዎ” ዝብል ውሳኔ ከም እተሰመረሉን ነቲ ናይ 2025 ሕታም ጸብጻብ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ስነ ኣበው ተቕዋም ኣጎስቲኒያኑም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ካብቲ ዝሓለፈ ጸብጻብ ጀሚሩ፡ ስደትን ኣድልዎን ዘጋጥመን ሃገራት ብዝምልከት ዝተኣከበ ኣሃዛትን ሓበሬታን ምይይጥ ከም እተገበረሉ ዜና ቫቲካን ኣየመላኽት።


ስደት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ነቲ ዓውደ ርክብ ብዘስሞዎ መደረ ዝኸፈቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ናይዚ ዓመት ጸብጻብ፡ እቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳስዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ካብ 1999 ኣትሒዙ በቢ ዓመቱ ካብ ዘቕርቦ ጸብጻባት እቲ ዝዓበየን ሰፊሕን ምዃኑ ገሊጾም፡ ዝንባለ ሃይማኖታዊ ስደት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርኢ ከም ዝኾነን፡ እቲ ጸብጻብ 64.7% ካብ ህዝቢ ዓለም - ዳርጋ 5.4 ቢልዮን - ኣብተን "ከቢድ ወይ ኣዝዩ ከቢድ ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት" ኣብ ዝፍጸመለ ሃገራት ከምዝነብር የጠንቅቕ።

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳስዊ ትካል - ACN ነተን ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ስደት፡ ኣድልዎ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ማለት (ገና ስደት ወይ ኣድልዎ ዘይንበረለን ግን ከኣ ክትትል ክግበረለን ዝግበአን ሃገራት) ኣብ ዝብል ሰለስተ ዝተፈላለየ ምብድ የቀምጠን።

ዋና ኣሰናዳኢት ናይቲ ናይ 2025 ዝወጸ ጸብጻብ ማርታ ፔትሮሲሎ፡ 24 ሃገራት ብስደት ብኸመይ ከም ዝሳቐያ፡ 38 ድማ ብሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ብኸመይ ከም ዘጋጥመን ገሊጻ፡ ብተወሳኺ ንብርክት ዝበሉ ኣህዛብ ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብሕጊ ከምዘይተረጋገጸን፡ ካልኦት ድማ ብሕጊ ኣብ ወረቐት ኩሉ ሰብ ማዕረ እዩ ዝብል ግን ብተግባር ውሑስ ከም ዘይኮነ ዘብርህ ምዃኑ ኣብ ዘስመዐቶ መደረ ኣመላኺታ፡ ጸብጻብ እቲ ጳጳሳዊ ትካል ፍሉይ ዝገብሮ፡ ንክርስትያናዊ ሃይማኖታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹለን ሃይማኖታት ዝጥምት፡ ኣድማሳዊ ኣገባብ ዝኽተል ምዃኑ እዩ። እዚ ጸብጻብ ኣብ ዓለምና ምስ መንግስቲ ዘይተኣሳሰር እንኮ ጸብጻብ ከም ዝኾነ ኣጒሊሓ፡ ኣብ ውሑዳት ሃገራት እውን ዝተሓጽረ ኣይኮነን፣ እዚ ድማ እቲ ጸብጻብ ብጭቡጥ ኣድማሳውን ዓለማዊን ኣረኣእያ ክህልዎ ዝገብር ምዃኑ ከም ዘብረሀት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናጽነት ሃይማኖት ኣገዳሲ እዩ

ናይቲ ጳጳሳዊ ትካል ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካል ኣቦ መንበር ረጂና ሊንች ዕለት 10 ጥቅምቲ ናይቲ ጳጳሳዊ ትካል ላዕለዎት ኣካላት ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ከም እተራኸቡን ገሊጾም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ሃይማኖታዊ ናጽነት ብመንግስታት ዝተዋህበና ሕጋዊ መሰል ወይ ፍሉይ መሰል ጥራይ ኣይኮነን። ሓቀይና ዕርቂ ተኻኣሊ ዝገብር መሰረታዊ ቅድመ ኩነት እዩ” ከም ዝበሉ ዘኪራ፡ “ብመሰረት ሕልናኻ ናይ ምንባር መሰል ህርመት ልቢ ክብሪ ደቂ ሰባት እዩ፡ እዚ ኣብ ዝኽበረሉ ድማ ሰላምን ፍትሕን ምስ ዝገሃስ ግን እቲ ሰብኣዊ መንፈስን ሕብረተሰብን መሰረቱ ይስእን” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዝተፈላለየ መልክዕ ይሕዝ

ኣብቲ ዋዕላ ፔትሮሲሎ ኣስዒባ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለዩ ጠንቅታት ሃይማኖታዊ ስደት ከም ዘለዉ ኣመልኪታ፡ ምልካውያን መንግስታት፡ ኣኽራርነት፡ ብሄር - ሃይማኖታዊ ሃገራውነት፡ ዝተወደበ ገበን፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ - ባህርያዊ ስደትን ሕጋዊ ዘይምጽውዋርን ኣመልኪታ፡ ብጀካ እዚ፡ እቲ ውግእ ሃይማኖታዊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሃይማኖታዊ ስደት ከም ውጽኢት ውግእ ጌርካ ኺርአ ዝከኣል ምዃኑ ከም ኣብነት ንዩክሬንን ቓዛን ሶርያን ጠቒሳ ተብርህ። ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዘመን፡ ስደትን ኣድልዎን ብመርበብ እውን ክም ዝፍጸም ሓቢራ፡ ኣመንቲ ብመርበብ ብዝገብርዎ ንጥፈታት ክትትል ይግበረሎም፣ ይስደዱን፣ ዋላ እውን ይእሰሩን። “ምልካዊ ስርዓታትን ኣኽረርቲ ጉጅለታትን ንተቓወምቲ ሱቕ ንምባልን ንውሑዳት ዒላማ ንምግባርን ብስነ ኣሃዝ ንእተራቀ ምዕባለ ከም ዕጥቂ ይጥቀሙሉ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንለውጢ ዝቐረበ ጥርዓን

ሊንች ነቲ ጸብጻብ ብወግዒ ንምቕራብ ዝተኻየደ ዋዕላ መዕጸዊ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ኩሉ ሰብ ምስ ንዝሳቀያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ትካል ተጸንቢሩ ንፈለማ እዋን ዓለማዊ ጥርዓን ክኽትም ዓዲማ። ንመሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት ሰባት ንምሕላው ብመልክዕ ሕጊ ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ኣቕሪባ፡ እቲ ጥርዓን ክሳብ ሕዳር 2026 ዝኽተም ኮይኑ፡ ስዒቡ ናብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ወከልቲ ዲሞክራስያውያን መንግስታትን ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ማሕበረሰብን ናብቲ ምንቅስቓስ ክጽንበሩ ንምትብባዕ ብወግዒ ክቐርብ ምዃኑ ከም ዝሓበረት ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

23 Oct 2025, 16:29