ድለ

2025.10.10 S.E. ሊቀ ጳጳሳት ብሮግልዮ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ ኣብ ኣሜሪካ ንቤተ ክርስቲያን ይርድኡ እዮም 2025.10.10 S.E. ሊቀ ጳጳሳት ብሮግልዮ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ ኣብ ኣሜሪካ ንቤተ ክርስቲያን ይርድኡ እዮም   (@VATICAN MEDIA)

ሊቀ ጳጳሳት ብሮግልዮ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ ኣብ ኣሜሪካ ንቤተ ክርስቲያን ይርድኡ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መሪሕነት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕ.መ. ኣመሪካ ዕለት 9 ጥቅምቲ ዘካየድዎ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ርክብ ስዒቡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳስ ጢሞቴዎስ ብሮልዮ ዕለት 10 ጥቅምቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕት ብዛዕባ ሓድነት ጳጳሳት ኣመሪካ ምስ ቅድስቲ መንበርን ኣብ መንጎ ውልትውናን ማሕበራዊ ብድሆታትን ወንጌል ንምእዋጅ ዘለዎም ሓባራዊ ተልእኾን የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቶሞቲ ብሮሊዮ ዝምራሕ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት (USCCB) መሪሕነት ድሕሪ እቲ ዕለት 9 ጥቅምቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘካየዶ ቀዳማይ ወግዓዊ ርክብ ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮ ኣብ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ርክብን ኣገዳስነት ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ሰፊሕ መግለጺ ከም ዝሃቡን፣ ሊቀ ጳጳስ ብሮሊዮ ምስ ቅዱስ ኣቦና ንምርኻብ ዝረኸብዎ ዕድል ምስጋናኦም ገሊጾም፣ “ኣዝዩ ደስ ዘብል ኣኼባ እዩ ነይሩ - ቢሎም - ቅድሚ ሕጂ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ እንከለዉን ኣብ እዋን ሲንዶስ ጳጳሳት ከም እተራከቡ ኣስተብሂሎም፣ “ኣመሪካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንበር ጴጥሮስ” ምህላዎም ብዝምልከት ስምዒቶም ምስ ተሓተቱ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. “ሰፊሕ ተመክሮን ኣብ መላእ ዓለም ምስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ቤታውነት ኣጒሊሖም፣ "ኣብዚ ኣብ ኤውሮጳ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡ፡ ልኡከ ወንጌል ድሕሪኡ ድማ ኣብ ፔሩ ጳጳስ ዝነበሩ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ድማ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ዘኪሮም፣ “ምስ ር.ሊ.ጳ. ብቋንቋ ዓድኻ ክትዛረቦ ምኽኣል፡ እዚ ዝተወሰነ ቅጽበታውነት ይህበካ። ምሳኻ ዝኸይድ ዓቢ ሓው ዘሎካ ኮይኑ ይስምዓካ - እዚ ድማ ዓቢ በረኸት እዩ" ኢሎም።

ዓሚቝ ርድኢት ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣሜሪካ

ድሕረ ባይታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝህሉ ርክብ ክጸልዎ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፣ ከምኡ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊጾም። “ቅዱስ ኣቦና ነቲ ክውንነት ብርግጽ ይፈልጥዎ እዮም ኣብኡ እዮም ዓብዮም፣ ኣይርድኡናን እዮም ዝብል ተደጋጋሚ ድሕሪ ሕጂ ኣይሰማማዕን እዩ፡ ምኽንያቱ ብርግጽ ነቲ ክውንነት ብቐረባ ዓሚቝ ኣፍልጦ ስለ ዘለዎም፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣመሪካ ወትሩ ምስ ጳጳስ ሮማ ጥቡቕ ርክብ ከም እትሕልው ኣጒሊሖም፣ “ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብብዝሒ ጳጳሳትን ቤተ ክርስቲያንን ወትሩ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣዝየን ጥቡቕ ምሕዝነት ኣለዎም፣ ምስኦም ብሓድነት ናይ ምስራሕ ድሌት” እውን ወትሩ ዘሎ እዩ፣ ንጴጥሮስ ኣዚና እሙናት ኮይንና፣ ድምጺ ጴጥሮስ ክንሰምዕን ክንስዕቦን ህንጡያት ኢና” ኢሎም።

ዘተ ብዛዕባ ስደትን ወንጌልን

ኣብቲ ዕለት 9 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ቅዱስነቶም፣ እቶም ጳጳሳት ብዛዕባ ስደትን ምትሕልላፍ ወንጌልን ሓዊሱ ወሰንቲ ጉስነታዊ ስክፍታታትን “ሰባት ካብ ምስ መልእኽቲ ወንጌል ብዝቐልጠፈ ምስ ፖለቲካዊ መርገጺታት ምስ ዝስለፉ ዘጋጥሞም ብድሆታት ተዛሪብና” ኢና። “ብዛዕባ እቲ ርእሰ - ጉዳይ ካብ ቅዱስ ኣቦና ገለ ጽቡቕ ትምህርቲ ሒዝና ናብ ሃገርና እውን ክንምለስ ኢና . . . ስደት ንልቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንልቢ ጳጳሳት ኣመሪካን ኣዚዩ ቀረባ ዝኾነ ኣርእስቲ ምዃኑ ወሲኾም ብምሕባር፣ "ሃገር ስደተይናታት ኢና፣ ዝጸንሐ እዩ፡ ገሊኦም ከም ፈተና ክቖጽርዎ ይኽእሉ እዮም፡ ግን ከኣ እቲ ዝዓበየ ሓይልና እውን እዩ” እንክብሉ ኣመላኺቶም፣ ስደተይናታት፡ ዓቢ ክፋል ናይታ ኣመሪካዊት ቤተክርስትያን ምዃኖም እንሰማማዓሉ ሓቂ እዩ፡ ኣቦይ ይብሉ ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ትምህርቲ ክጅምር እንከሎ፡ “ሓንቲ ናይ እንግሊዘይና ቋል ይፈልጥ ኣይነበረን” እንክብሉ ከም ኣብነት ይጠቕሱ።

ጉባእያውነት ብተግባር

ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን መንበረ ጵጵስና ኣሜሪካን ዘሎ ናይ ምትሕብባር መንፈስ እውን ኣስተንቲኖም። ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ጉዳይ ስደት ናብ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቶም ጳጳሳት ብኸመይ ግብረ መልሲ ከም ዝሃቡሉን ከም ዝተቐበልዎን ዘኪሮም፣ “እታ መልእኽቲ እቲኣ ንጹር ኣብነት ጉባእያውነት ትውክል -  ጴጥሮስ ምስ ሓዋርያዊ ጉባኤ ብምትሕብባር መልእኽቲ ወንጌል ናብ ኣባይቲ ንምብጻሕ  ዝዓለመ እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ “ነታ መልእኽቲ እዚኣ ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወንጌል ንኸነበስር ክንጥቀመላ ብምኽኣልና ኣዝየ እየ ዘመስግን” ኢሎም።

ውልትውና ምብዳህ

ሊቀ ጳጳስ ብሮልዮ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብተደጋጋሚ ንሓድነት ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣቃሊሖም። “እቲ ሓደ ዝገብረና ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፣ "ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ውጽኢታዊ ሰባኬ ቃል ኣምላኽ ክኸውን ዝተሸመ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ካልእ ድምጽታት ናይ ምስማዕ ዝንባለ ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ጳጳስ ሃገረ ስብከትን ር.ሊ.ጳጳሳት ድማ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዛረቡ ድምጺ እዮም" እንክብሉ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ኣብ መንጎ ጳጳሳት ኣመሪካ ዘሎ ብዙሕነት ኣፍልጦ እኳ እንተተዋህበ፡ ሓድነት ዕላማኦም ኣጉሊሖም፡ “ጳጳሳት ሓሳቦም ከቕርቡ ቦታ ክንህብ ንፍትን፡ ኣብ መወዳእታ ግን ምስ ህዝብና ክንዛረብ ከሎና፡ ብስሙር ድምጺ ክንዛረብ ንጽዕር። ሓቂ ምስባኽ እኹል ኣይኮነን፣ ሰባት ክቕበልዎ እንሰብከሉ መንገዲ ክንረክብ ኣሎና እንክብሉ የረጋግጹ።

ናይ መተባብዒ መልእኽቲ

ሊቀ ጳጳስ ብሮግሊዮ ንኣሕዋቶም ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምትብባዕን ፍቕርን ከብጽሑ ምዃኖም ብምርግጋጽ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣዝዮም ከም ዘፍቅሩና፥ ከም ዝርድኡናን፥ ወንጌል ህያው ንምግባር ዝያዳ ክንሰርሕ ከም ዝደልዩን ነዚ ምሉእ መልሲ ንምሃብ ድማ ክንጽዕር ኢና፣ ሓቅነት ወንጌል ካብ ዝኾነ ካልእ ክፈላልየና ዝኽእል ዓይነት ምፍልላይ ከም ዝበልጽ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክግንዘቡ ክንሕግዞም ኣሎና - ቢሎም - ስለ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ደጊሞም ብምምስጋን፣ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዳርጋ ሓደ ሰዓት ካብ ግዜኦም ለጊሶምልና እዚ ድማ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ብተወሳኺ ቅድስቲ መንበር ንጳጳሳት ዘለዋ ዓብይ ድልውነታን ተረካብነታን እውን አመስግን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

11 Oct 2025, 18:19