ድለ

ኣንግሊካዊት ጳጳስ ሳራ ሙላሊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ኮይነን ተሰምየን ኣንግሊካዊት ጳጳስ ሳራ ሙላሊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ኮይነን ተሰምየን  (AFP or licensors)

ኣንግሊካዊት ጳጳስ ሳራ ሙላሊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ኮይነን ተሰምየን

ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ንጳጳስ ለንደን ሳራህ ሙላልይ ቀጻሊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ክኾና ምስያመን ከም ዘጽደቕዎ ዜና ቫቲካን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ጳጳስ ሳራ ሙላሊ መበል 106 ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ ክትከውን እያ። ንሰን ነቲ ሓልፍነት እተመዛ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝኽዕናን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2026 ዓ.ም. ናይ ካንተርበርይ መንበረን ብወግዒ ክርከባ ከም ዝኾና ዜና ቫቲካን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓበሬታ ጠቒሱ እንክሕብር፣ ንሰን ዳርጋ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ስልጣኖም ዝለቐቒ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስልቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ዌልቢ ዝትከኣ ምዃነን የመላኽት።

እቲ ብቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ ዝወጸ ኣዋጅ ብተወሳኺ “ሳራህ ካብ 2018 ጀሚረን ጳጳስ ለንደን ኮይነን ከገልግላ ከም ዝጸነሓን ነዚ መዝነት እዚ ዝተሰመያ ቀዳመይቲ ጓለ ኣንስተይቲ ከም ዝኾናን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ ሰበካ ኤክስተር ጳጳስ ኮይነን ከም ዘገልገላን ቅድሚ ኣብ 2001 ጳጳስ ምስያመን፡ ኣብ 37 ዓመት ዕድሚአን ሓላፊት ኣለይቲ ሕሙማን ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝነበራን። እቲ ዝነብረኦ ዝነበራ ሞያ እውን ንኣለይቲ ሕሙማት "ፍቕሪ ኣምላኽ ንምግላጽ ኣጋጣሚ እዩ" እንክብላ ይገልጸኦ።  ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝጀመረ መስርሕ ህዝባዊ ምምኽኻርን ጸሎት መመያን ስዒቡ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾና ዝተመርጻ ሳራህ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጉዳይ ምርጫ ዝከታተል ንጉሳዊ ሽማግለ ከም ዘጽደቖ ዜና ቫቲካን ናይ ውህደት ኣንክግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት። እቲ ሽማግለ ካብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝን ናይ መላእ ናይ ውህደት ኣንግሊካንን ካብ ሃገረ ስብከት ካንተርበርይን ብዝመጹ ወከልቲ ዝቖመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ

ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊስ እቲ ዝለዓለ ጳጳስ ክኸውን እንከሎ። እቲ ኣገልግሎት ሓያሎ ተራታት ዘወሃህድ ኮይኑ፡ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት፣ ናይ መላእ እንግልጣርን መጥሮፖሊታን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ርክስቲያን ቀዳማዊ ዝብል ሓላፍነት ዘጠቓልል ኮይኑ፣ ጳጳስ ሳራ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ፣ “ንጻውዒት ክርስቶስ ነዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ክምልስ ከለኹ፡ ከምቲ ንእስነተይ ይብላ - ክኣምን ካብ ዝጀመርኩሉ እዋን ኣትሒዘ ዝደረኸኒ ንኣምላኽን ንኻልኦትን ብመንፈስ ኣገልግሎት እየ ዝገብሮ ዘለኹ” . . . ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወንጌል ዘለዋ ምትእምማን ክትዓቢ ከተተባብዕ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እንረኽቦ ፍቕሪ ክትምስክርን ንተግባራትና ክትቀርጾን” ድሌተን ምዃኑ ገሊጸን፡ “ነዚ ናይ እምነት ጉዕዞ ምስቶም ኣብ መላእ ሃገርን ኣብ መላእ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሚሊዮን ዝቑጸረኡ ምመናንን ከካፍላ “ብሃንቀውታ እጽበ” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

05 Oct 2025, 11:16