ድለ

ኣነ ኣፍቀርኵከ: ንድኻታት ተወፋይነት ናይ እምነት ቅድመ ኩነት እምበር ሳዕቤን ኣይኮነን! ኣነ ኣፍቀርኵከ: ንድኻታት ተወፋይነት ናይ እምነት ቅድመ ኩነት እምበር ሳዕቤን ኣይኮነን! 

ኣነ ኣፍቀርኵከ: ንድኻታት ተወፋይነት ናይ እምነት ቅድመ ኩነት እምበር ሳዕቤን ኣይኮነን!

ኣብ በልጅም ናይ ንኡሳን ኣሃው ፍራንቸስካውን ሓለቓ ኣባ ፍረደሪክ ማሪ ለ መሁተ ብዛዕባ እቲ ዕለት 9 ጥቅምቲ ውግዓዊ ዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ንድኻታት ተወፋይነት ናይ እምነት ቅድመ ኩነት እምበር ሳዕቤን ከም ዘይኮነ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጀመረን ሕጂ ብር.ሊ.ጳ. ልዮን እተዛዘመ Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ኣብ በልጂም ናይ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሃዊ ማሕበር ሓለቓ  ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ፍረደሪክ ማሪ ለ መሁተ

ብዛዕባ እቲ ሃዋርያዊ ማዕዳን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕት፣ ፍቕሪ ንግዚኣብሔርን ፍቕሪ ንድኻታትን ዘይነጻጸል ምዃኑ ለቡ ዝብል ሰነድ እዩ” ኢሎም።

ሕቶ፡- ብዛዕባ እዛ ሓዳስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቁሩብ ክትብሉና . . . ገለ ካብቲ ቀንዲ ቅዉም ነገራት እንታይ እዮም?

እቲ ቀንዲ ቅዉም ነገር ብቐዳምነት እቲ ኣርእስቲ ዝገልጾ ፍቕሪ ንድኻታት እዩ፣ ግን ምፍቃሮም ጥራይ ዘይኮነስ - ከመይ ጌርና ከም እነፍቅሮም፡ ከመይ ጌርና ምስኦም ንሰርሕ። ከመይ ጌርና ምስኦም ወንጌል ነንብብ? ከመይ ጌርና ኢና ሕብረተሰብ ንዓኣቶም ጥራይ ዘይኮነስ ምስኦም ኮይኑ ዝሃነጽ ? ድኻታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ምዃኖም ብኸመይ ነነጽር? ዝብሉ ይጠቕሱ

ሕቶ፡- እዚኦም ንነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣዝዮም ፍቱዋት ዝነበሩ ኣርእስታት እዮም፡ ከምቲ እንፈልጦ ድማ እቲ ሓድሽ ምዕዳን ብእኦም ዝተጀመረን ብር.ሊ.ጳ. ሊዮን ዝተዛዘመን፣ ናይ ሓባር ጻዕሪ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሰነድ እዚ እቲ ዝቕጽል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን፡ እንቲ ሓድሽን ስልጣናዊ ትምህርቲ እንታይ እዩ?

ኣብቲ ምዕዳድ ዘሎ ሓረግ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድዩ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንምባል ኣዝዩ ከቢድ እዩ፣ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ ምበልኩ። ሓደ ካብቲ ዓቢ ነገር ናይዚ ጽሑፍ ኣዝዩ ቅኑዕ ምዃኑ እዩ - ኣብ መንጎ ክልቲኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓቢ ቀጻልነት ኣሎ።

እዚ ናይ ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጵጵስና ናይ መወዳእታ ሰነድ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ናይ ሓባር ጽሑፍ እዩ፣ ብናተይ ኣረኣእያ ድማ ንናይ ልዮን ር.ሊ.ጳጳስና እውን ሓደ ዓይነት መደብ እዩ።

ሕቶ፡- ገለ ካብቲ ደሚቑ ዝርአ ናይቲ ሰነድ መልእኽቲ እንታይ እዩ?

ንድኻታት ዘለና ተወፋይነት ንቲዮሎጊያዊ ትንተና ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ናብ ቤተ ክርስቲያን እኸይድ: ንእየሱስ እፈቱ: ናብ ቅዳሴ እኸይድ: ከምኡውን: ንፉዕ ሰብ ንኽኸውን: ንድኻታት ክሕግዝ የድልየኒ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንድኻታት ዝግበር ተወፋይነት ከም ሳዕቤን እምነትና ኢና ንርእዮ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንድኻታት ዘሎና ተወፋይነት ምስ ድኻታት ምንባር ከም ድኻታት እንነብረሉ ራእይ እንቕበለሉን ወንጌል እንቕበለሉን ቦታ ምዃኑ ይምህሩና። ከምኡ እንገብረሉ ካልእ ቦታ የለን፡ ብዘይካ ምስ ድኻታት እንገብሮ ርክብ። ንዓይ እዚ ኣዝዩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ክርስትያን ስለ ዝኾንኩ ብመጀመርታ ንድኻታት እሓልየሎም፡ ድሕሪኡ ድማ ራእይ እቕበል። ሽዑ ጥራይ እየ እቲ ሓቀይና ኣምላኽ መን ምዃኑ ዝፈልጥ።

ሕቶ፡- ንስኹም ባዕልኹም ከም ፍራንቸስካዊ ካህን ናይ ድኽነት መብጽዓ ዘለኩም ኢኹም። እቲ መብጽዓ ዝተገብረሉ ወይ ዝተመርጸ ድኽነት ካብቲ ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ ብዘይ ድሌቶም ዘጋጥሞም ድኽነት ብኸመይ ይፍለ?

መንእሰይ መነኮስ ከለኹ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ተመኩሮ ኣጋጢሙኒ ነይሩ። እዚ ኸኣ ምስ ሓደ ጕጅለ ግዳም ሓደር ሰባት ክሰርሕ ምስ ከድኩ ገዳማዊ ምዃነይ ድማ ኣላለኹዎም፣ ብድሕሪኡ ሓደ ሰብኣይ መጺኡ እንታይ ማለት ምዃኑ ሓተተኒ። ናይ ንጽህናን ተኣዝዞን ድኽነትን መብጽዓ ዝኣተወ ሰብ ማለት ምዃኑ ድማ ገለጽኩሉ፣ ብዛዕባ ድኽነት ኣይትነግረኒ፤ ብዛዕባኡ ዋላ ሓንቲ ኣይትፈልጥን ኢኻ” እንክብሉ መለሰለይ

ንዓይ እዚ ኣዝዩ ሓያል ተመክሮ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ህይወተይን ኣብ ቲዮሎጊያ ስራሐይን ኣዝዩ ህልው እዩ። ምስ ድኻታት እየ ዝሰርሕ፡ ህይወቶም ግን ከመይ ከም ዝመስል ኣይፈልጥን እየ። ኣብ ትሕቲ ድልድል ምድቃስ ወይ ምስ ጥሙይ ከብዲ ምህላው ዘሎ ክውንነት ኣይፈልጦን እየ። ብሓቂ! ስለዚ ክሰምዖም የድልየኒ፣ ምእንቲ ኣብ ህይወቶም፣ ከመይ ጌሮም ወንጌል ከም ዘንብቡ ክገልጹለይ።

ንዓይ 'ዝተመርጸ' ድኽነት ዝተፈለየ ነገር እዩ። ብዘይ ሓይሊ፡ ብባዶ ኢድ ንሰባት ትቐርበሉ መንገዲ እዩ።

ሕቶ፡- ክርስትያን ከም ድኻታት ክነብሩ ዝተጸውዑሉ ስምዒት ከምዘሎ ኣቐዲምኩም ገሊጽካዮ ነይርካ። እንታይ ማለት እዩ: ብኸመይከ ንፍጽሞ?

ጽቡቕ ሓቂ ክዛረብ እንተ ኾይኑ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይፈልጥን እየ። ንዓይ እዚ ኣብ ህይወት ሓደ ዓይነት ኣንፈት፡ ሓደ ዓይነት ናዕቢ እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዝምድናታት፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብን ካልእን ከተተኩር ንነብስኻ ዘይምዕጻው ማለት እዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ እትነብረሉ ገዛኻ ኩሉ ግዜ ዝተሰብረ ብርጭቆ ክሕዝ መኺሩኒ፣ ኣብ ግዳም ሓደር ሰብ ከምዘሎ ንምዝኽኻር ጥራይ። ምስዚ ስእነት ቅሳነት እንተነቢርና፡ ኣጋጣሚታት ተጠቒምና ምስ ሰባት ክንራኸብ፡ ምስኦም ክንመላለስ፡ ብእኦም ክንምራሕ ክንክእል ኢና።

ናብ ድኻታት ከይድና ገለ ክንምሃር ንኽእል። ምናልባት ድማ ገለ ክንምህሮም ንኽእል ኢና- ወንጌል ንኽርድኡ ክንሕግዞም ወዘተ። ግን ኩሉ ከምዘይንፈልጥ ተገንዚብና ናብኦም ክንከይድ እውን የድልየና።

ንሕና ዘይንፈልጦም እንታይ ይፈልጡ ኢልና ክንሓቶም የድልየና። ንህይወት ብኸመይ ከም ዝርእይዋ፡ ንወንጌል ብኸመይ ከም ዝርእይዎ ክገልጹልና ምሕታት።

ሕቶ፡ ናይ መወዳእታ ሕቶ፡ ሰባት ካብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክወስድዎ ዝግብኦም ሓደ ነገር እንታይ እዩ ትብሉ?

ድኻታት ዘይምፍራህ። ሓቀይና ወንጌል ክህቡ ከም ዝኽእሉ ምፍላጥ ዝብል እዩ! እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

10 Oct 2025, 17:49