ድለ

ቅድስቲ መንበር ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ጻውዒታ ተሐድስ ቅድስቲ መንበር ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ጻውዒታ ተሐድስ 

ቅድስቲ መንበር ናይ ሞት ፍርዲ ክስረዝ ጻውዒታ ተሐድስ

ቅድስቲ መንበር፡ እቲ ዘይስረዝ፡ ኣምላኽ ዝሃቦ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዘይልወጥ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ብኣድማስ ደረካ ክስረዝ ትጽውዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ኣብ 2025 ኣብ ኣብ ዋርሳው ኣብ ዝተኻየድ ሓፈሻዊ ኣኼባ ዛዕባ ልዕልና ሕጊ ናይ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ሰብ ዘይገሃስ ክብረት ንምክልኻል ዘለዋ ጽኑዕ ቈራጽነት ደጊማ ከም ዘረጋገጸት ዝዝከር እዩ።

ሓቂ ንሰብኣዊ ክብሪ

የኔታ ሉካስ ማራበሰ ምኽትል ሓላፊ ሓዋርያዊ ቀዋሚ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ጸጥታን ምትሕብባርን ኤውሮጳ (OSCE) ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበ ሰብኣዊ ክብሪ ካብ ጽንሲ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት ዘይግሃስ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ንዝኾነ ዓይነት ምቑራጽ ኣካላት፡ ኣብ ኣካል ወይ ኣእምሮ ዝወርድ ስቅያት፡ ከምኡ’ውን ነቲ ድሌት ንባዕሉ ንምዕምጻጽ ዝግበር ፈተነታት’ውን ኮኒኖም፣ ቤተ-ክርስትያን ንስቓይን ንዅሉ ዓይነት ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ብቐጻሊ ከም እትነጽጎ ደጊሙ ነቲ ስቓይ ምሉእ ብምሉእ ምውጋድ ከም ዘይከኣል መሰረታዊ ስርዓት ገይሩ ዝዕቅብ ኣህጉራዊ ሰነዳት ሰብኣዊ መሰላት ጠቒሶም ብምዝኽካር፣ ገበናዊ ሓላፍነት ናይ ምውሳን ሓላፍነት እተዋህበን ትካላት ንሓቂ ብትግሃት ክገልግላ ኣለወን እቲ ጕዳያቶም ክብረትን መሰላትን ሰብኣዊ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ብምኽባር ክካይዳ ከም ዘለዎ ብምርግጋጽ ኣብ ገበናዊ መርመራ ፍትሓውን ሰብኣውን ኣሰራርሓ ኣድላዪ ምዃኑ የጒልሑ።

ናይ ሓባር ረብሓ ምሕላው

ተወካሊ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ጕዳይ ክዛረቡ እንከለዉ ታሪኻዊ ትሕዝቶኡ ብምዝካር ፍርዲ ሞት ምስ ሰብኣዊ ክብረት ዘይቃዶ እዩ ዝብል ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፣ እቶም ብኸቢድ ገበን ዝተኸሱን ገበናቶም እውን ዝተረጋገጸ ገበነይናታት እውን ከይተረፉ ተፈጥሮኣዊ ክብረቶም ከም ዘይበርስ ዘሎ ኣፍልጦ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ርእሲ እቲ ገበነይናታት ናይ ምድሓን ኣጋጣሚ ኸይከልከለ ንሕብረተሰብ ዘዕቍብ ስርዓት መቕጻዕቲ ምምዕባል ክህሉ ዝብል ሕቶ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣስተብሂሎም፣ "ቅድስቲ መንበር ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ቅድስናን ክብርን እቲ ሰብ ዝወርድ መጥቃዕቲ ገይራ ከም እትርእዮን፣ ክወገድ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት እውን ኣለዋ - ቢሎም - ስለዚ ኣብ መላእ ዓለም ንምውጋድ ፍርዲ ሞት ብቘራጽነት ጸቕጢ ክትገብር እያ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

11 Oct 2025, 18:15