ድለ

2025.10.22 ኣብ ዮርዳኖስ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ውሳነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን 'ዘለናዮ ዘመን' 2025.10.22 ኣብ ዮርዳኖስ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ውሳነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን 'ዘለናዮ ዘመን'  

ኣብ ዮርዳኖስ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ውሳነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን 'ዘለናዮ ዘመን'

ካቶሊካዊ ማእከል መጽናዕትን መራኸቢ ብዙሓንን ከምኡ’ውን ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ ኣመሪካዊ መንበረ ጥበብ ማዳባ፡ ንመበል 60 ዓመት ዝኽሪ Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘማእከለ ኣብ ዘዳለውዎ ዓውደ ጉባኤ ፓትርያርክ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፡ ኢማም ኣሕመድ ኣል - ከላይለህን ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖትን በርገሳውያንን ከም እተኣተፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 20 ጥቅምቲ 2025 ማእከል መጽናዕትን መራኸቢ ብዙሓንን ካቶሊክ (CCSM) ምስ ኣመሪካዊ  መንበረ ጥበብ ማዳባ (AUM) ብምትሕብባር መበል 60 ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ 1965 ብኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝወጸ Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ሰነድ ንምዝካር ዓውደ መጽናዕቲ ከም ዘካየዱን፡ እቲ ሰነድ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ንምዕባይ ንሓድሕዳዊ ምርድዳእን ሰፊሕ ኣድማስ ዝኸፈተ ምዃኑ ዝንገረሉ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣባል ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ከምኡ’ውን ናይ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ሃሸሚት ዒማም ዶክተር ኣሕመድ ኣል - ከላይለህ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ናይ ማዳባ ኣመሓዳሪ ሓሰን ኣልጅቡር፡ ብርክት ዝበሉ ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ከምኡ’ውን ካብ ክፍሊ ላዕለዋይ ፍትሒ፡ ክፍሊ ኢፍታ፡ ከምኡ’ውን ካብ ሚኒስትሪ (ኣውቃፍን) ሓፈሻዊ በዓል መዚ እስላማዊ ጉዳያትን ውህብቶታት ስልጣንን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ፡ መራህቲ ሃይማኖት ምስልምና መምሃራን ሃይማኖት ምስልምናን፡ ሓለፍቲ ማሕበር ተመሃሮ ምስልምናን ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ፒዛባላ ኣብ ቀንዲ መደረኦም ነቲ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘዳለዉ ብምምስጋን ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን እምነትን ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዝተመርኮሰ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ምኽፋት ዘለዎ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ኣስሚሮም፡ ሕብረተሰባት ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ እዚ ሰነድ ዘለዎም ንቕሓት ካብ ስነ ትምህርታዊ ዓንኬላት ወጻኢ ድሩት እኳ እንተኾነ፡ መንፈሱን ትሕዝትኡን ብተግባር ኣብቲ ዞባ ዝተቐልቀለ ዘተን ናይ ሓባር መነባብሮን ተበግሶታት ዝተሰነየ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ “ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ንጉስ ዓብደላ ዳግማዊ፡ ንዘተን ሰላምን ዮርዳኖስ ዞባውን ኣህጉራውን ተልእኮ መሰረት ዝገበረ ናይ ሓሸማዊ ንግስነት ዮርዳኖስ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍልጡ።

ካርዲናል ፒዛባላ ነቲ ንተልእኾ ናይቲ ሰነድ ዘንጸባርቕ “ብርሃናዊ ቀጥዕታት” እንክብሉ ኣብ ዝገለጽዎ እንከስተንትኑ፡ እዚ ድማ ዘተ ናይ ኣእምሮ ቅንጦት ዘይኮነስ ንህይወትን ምርግጋእን ህዝብታት ኣገዳሲ ኣድላይነት ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ብተወሳኺ ብዮርዳኖስ ዝምራሕ ዓለማዊ ናይ ዘተ ተበግሶታት፡ ማለት መልእኽቲ ኣማን፡ ናይ ሓባር ቃል ተበግሶ፡ ከምኡ’ውን ዓለማዊ ናይ ሓባር ሃይማኖታት ስኒት ሰሙን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝርከቡ ሃይማኖታዊ ቦታታት ሃሸሚት ምሕላው፡ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዓውዲ ዘተ ዝንቀሳቐሱ ሓያሎ ሃገራዊ ትካላት ጠቒሶም፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ “ናብ ተስፋን ምትእምማንን ዝወስድ ንግደት” ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ኣብ ዳግመ ምንባብ ታሪኽን ሕሉፍ ዝምድናታት ማሕበረሰባትን ጥራይ ዝተሓጽረ ከምዘይኮነ እውን ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፡ ኣብ ትምህርትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ናይ ምትእስሳር ባህሊ ከነስርጽን፡ ኣብ ቅድሚ ምፍልላይን ግርጭታትን ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃይማኖት ምትሕብባር ከነዕቢ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዞባ ዝተራእየ ዘስካሕክሕ መዓት፡ ካብዚኦም እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ ኲናት ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ መደምደምታ መደረኦም፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ሃይማኖታት ሓቀይና ዘተ ካብ ምግባር ከም ዝጅምር ኣስሚሮም፡ ማሕበረሰባት ክርስትያን ከም ኩሎም ካልኦት ማሕበረሰባት ናይቲ ዞባ ዘይነጻጸል ኣካል ናይዚ መሬት ከም ዝኾኑን፡ ምስኦም ዝግበር ዝምድና ንመጻኢ ንምህናጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣስዒቡ ድማ፡ እቲ ዞባ ምስ ሰፊሕ ዓለም ንኽወሃሃድን ንኹሉ ሰብ ዝጸሉ ዓለማዊ ብድሆታት ንምግጣምን ዝምድና ክርስትያንን እስልምናን ኣገዳሲ ምዃኑ መደረ ዘስምዑ ናይ ካቶሊካዊ ማእከል መጽናዕትን መራኸቢ ብዙሃንን ኣመሓዳሪ ዶክተር ሪፍዓት ባደር፡ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ሕሉፍ ንምስትንታን ዘይኮነስ፡ ናብ መጻኢ ንምጥማት ዝዓለመ ምዃኑ ከም ዘመልከቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዮርዳኖስ ካብ 1980ታት ጀሚራ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ንዝግበር ዘተን ምትሕብባርን ተበግሶታት ኣብ ምጅማር ወትሩ ፈላሚት ምዃና ኣስሚሩ፣ ኣብ ዓውድታት ሓባራዊ መነባብሮን ምኽባር ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ድማ ህያው ምዃና ኣረጋጊጹ፡ እዚ ዓመታዊ ዝኽሪ ንባህሊ ዘተን ሰላምን ንምዕባይ ዝሕግዝ መንገዲ ዝሰምዑ ሓደስቲ ወለዶታት ንምዕባይ ኣበርክቶ ክገብር ተስፋ ከምዘለዎን መንእሰያት ወለዶታት ኣብ መንጎ እምነታት እስላማውን ክርስትያናውን ሓባራዊ ክብርታት እናስፍሑ፡ ንናይ ዮርዳኖስ ኣብ መንገዲ ሰላም፡ ሕብረተሰባዊ ስኒት ዝወስድ ጒዕዞ ምስክርነት ብምሃብ ዛንታታት ዓወት ምልክት ምግባር ክቕጽሉ ዘለዎ ተስፋ ከም ዝገለጸ የመላኽት።

ናይ ኣመሪካዊ መንበረ ጥበብ ማዳባ ኣመሓዳሪ መምህር ማሙን ኣክሮሽ ብወገኑ ዓለምና ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሃይማኖታውን ባህላውን ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ዓሚቕ ምርድዳእን ምትሕብባርን ዝጠልቡ ብዙሓት ብድሆታት ኣብ እትገጥመሉ ዘሎ እዋን ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብምእንጋዱ ዘለዎ ሓበን ገሊጹ። እዚ እውን እቲ መንበረ ጥበብ ኣብ መንጎ ባህልታትን ሃይማኖታትን ንዘተ፡ ክፉትነትን ድልድል ንምህናጽን ዘለዎ ጽኑዕ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ከም ዘስተብሃለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ መጀመርታ ዘመን ኣትሒዛ ክሳብ እዛ ህሞት’ዚኣ፡ ንሃይማኖታትን ሰዓብቶምን ኣብቲ ንደቂ ሰባት ዘራኽብ ግብረ ገባውን መንፈሳውን ክብርታት ብምስታፍ፡ ንኹሉ ህዝብታት ብመንፈስ ምክብባርን ግሉጽነትን ተቐባልነትን እትቕበል መንፈሳውን ሰብኣውን ድምጽን ዕረፍቲ ሰላምን ምዃና ገሊጾም። ቤተ ክርስቲያን ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ኣብ ምዕማቕን ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ናይ ሓባር ጥቕምን ነባሪ ሰላምን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣብ ምዕማቕን ብሓባር ኣብ ምስራሕን ዓቢ ተራ ከም ዘለዋ ብምጥቃስ መደረኡ ከም ዝዛዘመ ዜና ቫቲካን ገሊጹ።

ዶክተር ኣሕመድ ኣል - ከላይለህ ኢማም ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ እውን ብወገኖም፡ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ወዲ ሰብን ዘሎ ርክብ ፍሉይን መዳርግቲ ዘይብሉ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዓሚቝ ምትእስሳርን ቀጻሊ ኣድላይነት ፈጣሪን ዝተመርኮሰ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ነቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ በቲ ልዑል ባህርያቱ ክፈልጦ ዝደሊ ንደቂ ሰባት ኣብ ድኻሞምን ዘለዎም ድላይ ኣምላኽን ኣቢሎም ክፍለጥዎ ከም ዘለዎም ምዒዶም፡ ንሰብኣዊ ርክብ ብዝበለጸ መንገዲ ማለት ብቓልን ብግብርን ከምኡ’ውን ንኻልኦት ብምኽባር ክበጽሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እምነት ማለት ተመሳሳሊ እምነት ምሓዝ ማለት ዘይኮነስ፣ ኣብ መሰል ካልኦት ናይ ምእማን መሰል ምጽናዕ ማለት ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጾም፣ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ብብዙሕነት ስለ ዝፈጠሮም፣ ፍጥረቱ ከነንጸባርቖን ብህላወና ክንደልዮን ንጽዋዕ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዮርዳኖስ ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ዘተ ፈላሚ ንምዃን ዝገበረቶ ጻዕርታት ከም መልእኽቲ ኣማን ተበግሶ "ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ዘሎ ሓባራዊ ቃል" ከምኡውን ቅነ ስኒት ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ኣብ ርእሲ እቲ ዮርዳኖስ ዘዳለዎ ኣብነታዊ ሓባራዊ መነባብሮን ካብ ሞሱል እተመዛበሉ ሰባት ምቕባልን ዝኣመሰለ ተበግሶታት ፈላሚት ንምዃን ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣመስገኖም፡  እዞም ተበግሶታት ተልእኾ ዮርዳኖስ ዝገልጹ ምዃኖም ኣብሪሆም፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ሰላምን ምክብባርን ንምድንፋዕን ንፍትሓዊ ሰብኣዊ ዕላማታት ምክልኻልን ብዝምልከት፡ ኢየሩሳሌምን ቅዱሳን ቦታታትን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ምዃነን ገሊጾም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

23 Oct 2025, 16:32