ድለ

ጳጳሳት ሕ. መ. ኣሜሪካ፡ መንግስታዊ ዕጽዋ ንዝተጸገሙ 'ኣዕናዊ' እዩ ጳጳሳት ሕ. መ. ኣሜሪካ፡ መንግስታዊ ዕጽዋ ንዝተጸገሙ 'ኣዕናዊ' እዩ 

ጳጳሳት ሕ. መ. ኣሜሪካ፡ መንግስታዊ ዕጽዋ ንዝተጸገሙ 'ኣዕናዊ' እዩ

ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮሊዮ መንግስታዊ ዕጽዋ፡ “ኣብ ልዕሊ እቶም ንቕድሚት ክስጉሙ ዝወሓደ ዓቕሚ ዘለዎም ድኻታትን ተቓላዕትን ህዝብና ከቢድ ጾር እዩ” እንክብሉ ብምግላጽ እዚ ዕጽዋ እዚ ከብቅዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ራብዓይ ሰሙን ዘቑጽር ዘሎ መንግስታዊ ዕጽዋ ኣብ ዝገጥማሉ ዘሎ እዋን፡ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮልዮ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣባላት ባይቶን ምምሕዳርን “ንመደባት ምድሓን ህይወት ምወላ ንምርግጋጽን መንግስታዊ ዕጽዋ ንምቁራጽን ብክልተኣዊ ውድባዊ ኣገባብ” ክሰርሑ ሓቲቶም፡ ንመደብ ሓገዝ ተወሳኺ መግቢ (SNAP) ብምውካስ፡ እዚ ንጽጉማት ስድራቤታት ንምሕጋዝ ዝተወፈየ መንግስታዊ መደብ ሓደ ካብቶም ብሰንኪ መንግስታዊ ዕጽዋ ከም ዘሰናኸለን ኣመላኺቶም፡ “ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳት ከም መደብ ሓገዝ ተወሳኺ መግቢ (SNAP) ዝኣመሰሉ ናይ ሓባር ረብሓ ዝድግፉ ኣገደስቲ መደባት ክቋረጽ ከም ዝገብር” ብምምልካት ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም፡ እዚ ንዅሎም እቶም ኣብ መደብ ሓገዝ ተወሳኺ መግቢ (SNAP)  ዚምርኰሱ ሰባት ንኸቢድ ጸገም ዘቃልዕ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ እዚ ኹሉ ሊቀ ጳጳሳት ብሮልዮ “ጾር ናይዚ ምዕጻው ኣዝዩ ኣብ ልዕሊ እቶም ንቕድሚት ክስጉሙ ትሑት ዓቕሚ ዘለዎም ድኻታትን ተቓላዕትን ህዝብና ዝወድቕ እዩ።” እዚ ድማ “ዘይፍትሓውን ዘይቅቡልን” ሳዕቤን እዩ።

ብጀካዚ፡ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ንዝተጸገሙ ዝድግፍ ህዝባዊ መምርሕታት ክህሉን ውሑስ ክኸውንን ዝጣበቑ እዮም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ካቶሊካዊ ውድባት ኣብ ምትሕግጋዝ

ድሕሪ እቲ ዕለት 1 ጥቅምቲ ዝተገብረ መንግስታዊ ዕጽዋ ብኡንብኡ፡ ብርክት ዝበላ ካቶሊካውያን ትካላት፡ ኣብ ልዕሊ ብመንግስቲ ዝምወል መደባት ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ ንኸየሕድር ቅልጡፍ ምላሽ ክወሃብ ጸዊዐን። ንኣብነት፡ ኣቦ መንበር ካቶሊካዊ ትካላት ግብረ ሰናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኬሪ ኣሊስ ሮቢንሰን፡ ሳዕቤን ናይዚ ናይ መወዳእታ ዘልምስ ኣድልዎ ካብቲ ዝተወሰነሉ ስፍራ ወጻኢ ኣብ ኵሉ ክስማዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መበል 27 መዓልቲ መንግስታዊ ዕጽዋ (27 ጥቅምቲ)፡ እናቴ ሜሪ ሃዳድ፡ ኣደ መንበርን ዋና ኣካያዲት ዕዮን ካቶሊካዊ ማሕበር ጥዕና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣገደስቲ መደባት ንኣባይቲ ስድራን ውልቀ ሰባትን ከቢድ ጸቕጢ ከምዘስዓቡ ኣጠንቂቓ፡ ህዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ባይቶን "ንተቓላዕቲ ዝከላኸል፡ መርበብ ማሕበራዊ ድሕነት ዘሐይልን ወሳኒ ቀዳምነታት ጥዕና ዘስጉምን ክልተኣዊ ስምምዕ ንምብጻሕ" ክሰርሑ ጻውዒት ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Oct 2025, 16:54