ድለ

2019.11.12 Preghiera vescovi della Conferenza epsicopale degli StatI Uniti 2019.11.12 Preghiera vescovi della Conferenza epsicopale degli StatI Uniti 

ሊቀ ጳጳሳት ኮክሊ ሓድሽ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕ.መ.ኣ ክኾኑ ተመሪጾም

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ኮክሊ ሓድሽ ኣቦ መንበር ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ክኹኑ ከለዉ፣ ብፁዕ ኣቡነ ዳንኤል ፍሎረስ ከኣ ሓድሽ ምክትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ተመሪጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ኤስ. ኮክሊ ናይ ሰበኻ ኦክላሆማ ሲቲ ሊቀ ጳጳሳት ሓድሽ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊአውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክዀኑ ተመሪጾም።

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ባልቲሞር ተጋቢኦም ንብፁዕ ኣቡነ ዳንኤል ፍሎረስ ብዓል ብራውንስቪል ቴክሳስ ሓድሽ ምክትል ኣቦ መንበር ኰይኖም ከገልግሉ መረጽዎም። እቲ እተኻየድ ምርጫ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮግሊዮንን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ዊልያም ሎሪን፣ እቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምዝዛሞም ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ ግዜ ኢዩ ተፈጺሙ።

ሊቀ ጳጳሳት ኮክሊ

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮክሊ ወዲ 70 ዓመት ኮይኖም ድሮ ኣብ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ USCCB መሪሕ ግደ ዝንበሮም ኢዮም፣ ጸሓፊ ናይዚ ጉባኤ ዀይኖም ድማ ኣገልግሉ ዝጸንሑ ኢዮም። ብ2004 ጳጳስ ሰበኻ ሳሊና ዀይኖም ቕድሚ ምሻሙ፣ ብ1983 ኣብ ሰበኻ ዊቺታ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ፣ ጸኒሖም ድማ ብ2010 ሊቀ ጳጳሳት ከተማ ኦክላሆማ ዀይኖም ተሾሙ። ኣብ ሥነ መለኮታዊ መጽናዕቲ ድማ ካልኣይ መዓርግ ዲግሪ ኣለዎም።

ብፁዕ ኣቡነ ፍሎረስ

ብፁዕ ኣቡነ ፍሎረስ ወዲ 64 ዓመት ኮይኖም፣ ኣቦ መንበር ኮሚተ ሰረተ-እምነት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር እዮም። ብ2006 ቅብኣተ ጳጳስና ተቐበሉ፣  ሓደ ኻብቶም ኣብ ቤት ሕጽፈት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳት ዘገልገሉ 12 ጳጳሳት ውን ኢዮም ዝንበሩ። ኣብ መጽናዕቲ ሥነ መለኮት ድማ ናይ ሊቅነት መዓርግ ኣለዎም፣ ኣቐዲሞም ድማ ከም መምህር ሥነ መለኮት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኢዮም።

12 Nov 2025, 12:51