ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ሲድኒ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኩላትና ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ ሊቀ ጳጳሳት ሲድኒ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኩላትና ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ  (ANSA)

ሊቀ ጳጳሳት ሲድኒ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኩላትና ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ

ድሕሪ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ሰበኻ ሲድኒ ካህንን ከምኡ እውን ናይ ሰበኻ ሲድኒ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብትምህርትን ብስብከታታን መልእኽትታታን ኣቢላ ጸረ ሴማውነት ከብቕዕ ብዘይምቁራጽ ትጽውዕ ምዃና የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዓል ሃኑካ ንምብዓል ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ተኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይህዱ ዕለት 14 ታሕሳስ ምሸት ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ዝርከቦም ብውሕዱ 16 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ብዙሓት ካልኦት ድማ ከም ዝቖሰሉን ክሕበር እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ በዓል ናብ ዘሕዝን ትርኢት ዝተቐየረ ኵነታት ኣማእኪሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ሃናን ቅድስ ፓትሪክን ቆሞስ ኣባ ኣንቶኒ ሮቢ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይ መጀመርታ ምላሽ ስምባደን ጭንቀትን ከም ዝነበረ ገሊጾም፡ ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ኣብ ሲድኒ "መብዛሕትኦም መንእሰያት በጽሕታት" ስለ ዘለዉ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ኣብ ገምገም ባሕሪ ስለ ዝነበሩን" ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝሃድሙ ዝነበሩ መንእሰያት ከም ዘዕለልዎም ድማ ዘስካሕክህ ተዘክሮ ኮይኑ ዝተርፍ እዩ ቢሎም፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ይግብሉ፡ ገለ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕትታት "ስሩዕ ክፍሊ ህይወትና ክኸውን ኢዩ" ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ይሕብሩ።

ነቶም ዝተጎድኡ ጸሎት ምቕራብ

ኣባ ሮቢ ወሲኾም፡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ እቲ ከባቢ፡ ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መንፈሳውን ማሕበረሰባውን መራሕቲ ኣይሁድ ብሓባር ኮይኖም ነቶም ዝተጎድኡ ሰባት ቅርበቶምን ጸሎትምን ይገልጹን ደገፍ ይህቡን ኣለዉ። ኣብ ቦንዳይ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስትያን መዓልታዊ ምሉእ መዓልቲ ክፉታት ኮይነን ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላም መደብ ጸሎት የእንግዳ ከም ዘለዋን፡ ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ድማ ብዙሓት ሰባት ንጸሎት ይውሕዙ ከም ዘለዉን ዕለት 15 ታህሳስ ምሸት ንኽብሪ ግዳያትን ብህይወት ዝተረፉን ሓሳብ ዝገበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዓረገ ገሊጾም፡ “ኣዝዩ ልዑል ተሳትፎ ዝተራእየሉን፣ ድሕሪኡ ድማ ሰባት ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ጸሎት ስግደትን ኣምልኾን ከም ዝፈጸመ ይሕብሩ።

ጸረ-ሴማውነት ደው ክብል ኣለዎ

ድሕሪ እቲ ዘሕዝን ፍጻመታት ጃምላዊ ተኹሲ፡ ናይ ሲድኒ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶኒ ፊሸር፡ እቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ “ናብ ለውጢ ክመርሕ ኣለዎ” እንክብሉ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ መጥቃዕቲ “ንህይወት ደቂ ሰባት ዘሕስርን ርህራሄ ዘይብሉን ሸለልትነት” እንክብሉ ብምግላጽ፡ ገለ ሰባት ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣይሁድ ዘለዎም ጽልኢ “ብነፍሲ ወከፍ ኣውስትራልያዊ ክከሓድ ዘለዎ ዘይንገር ክፍኣት” እንክብሉ ብምምልካት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ውልቀ - ኣይሁዳዊ ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መላእ ማሕበረሰብ ኣይሁድን ኣብ ልዕሊ ኵላትናን ዝፍጸም ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ዝኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ “ንኣገባብ ኣነባብራና ከም ኣውስትራልያውያን ዝንዕቕ እዩ፡ ስለዚ ብዘየማትእ መንገዲ ክኹነንን ፍትሒ ግዳያት ብቕልጡፍ ክረጋገጽን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሊቀ ጳጳስ ፊሸር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ምፍርራሕ፡ ምፍልላይ፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን “ንሓዊ ዘጓሃህር ቋንቋ ንቡር ምግባርን” ዘስዓበ ጸረ-ሴማውነት ዝዓሰሎ ሃዋህው ከምዝነበረ ኣመልኪቶም። እዚ ተግባራት እዚ "ጽልእ ዘብርኽን ምናልባት እውን ንኣኽራርነት ኣበርክቶ ገይሩ ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰሉ ተግባራት ደው ክብል ኣለዎ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንካቶሊካውያን ብድሆ

ኣብ ማእከል እቲ ዜሕዝን ፍጻመ፡ ሊቀ ጳጳስ ፊሸር ኣብቲ “ካብ ሓይሊ ጸጥታን፡ መኮንናት ምካይን ሕክምናን ህይወት ኣድሕንን፡ ከምኡ’ውን ካብ ተዓዘብቲ ዝረኣይዎን መንፈስ ልግሲ፡ እቶም ነቶም እተጐድኡ ሓገዝ ዝህቡ ዝነበሩ ዝተራእየ "ጅግንነት፡ ገለ "ኣሰር ሰናይ" ክስትውዓል ከም ዝገበረን፡ ንብምሉኡ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዓሚቝ ሓዘኖም ገሊጾም፡ ከም ዚጽልዩ ድማ ኣረጋጊጾም፡ "ንኣይሁዳውያን ጐረባብትናን ፈተውትናን ነፍቅሮም ኢና ድሕንነቶም ንምሕላው ድማ ዝከኣለና ኽንገብር ኣሎና - ምስ በሉ - ብተወሳኺ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ብትምህርትን ብስብከትን ጸረ - ሴማውነት ንምምካት ዝገብሮ ጻዕሪ ብዕጽፊ ከዕብዮ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ እቲ ከባቢ ንኣይሁዳውያን ጎረባብቶም ቀረባ ብምዃን ንዝሞቱ፣ ንዝተጎድኡን ስንባደ ንዝሓደሮምን ኣገልግሎት ከቕርብ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ሃኑካን በዓል ልደትን ኣብ ሓደ ግዜ ከም ዝካየድን ኣብ እምነትን ስድራ ቤትን ህያባትን ብርሃንን ከም ዘማእክል ኣስተብሂሎም። ኣምላኽ “ኣብዚ እዋን እዚ ንመራሕትና ጥበብ ክህቦም፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብና ድማ ፈውሲን ተስፋን ከውሕዝ እጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Dec 2025, 16:30