ድለ

2025.12.02 Vescovi della Conferenza Episcopale del Mozambico (CEM) Programma Portoghese 2025.12.02 Vescovi della Conferenza Episcopale del Mozambico (CEM) Programma Portoghese 

ጳጳሳት ሞዛምቢክ፣ ብምብጻሕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ማፑቶ ሓፈሻዊ ጉባኤ የካይዱ

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሞዛምቢክ (CEM)፣ ነቲ ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብዚ ሰሙን ናብ ሞዛምቢክ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምኽንያት ብምግባር ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካየዱ ኢዮም። እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ህውከት ዝመልኦ ኣውራጃ ካቦ ደልጋዶ ቀጻሊ ናዕቢ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ከም ምልክትን መረጋገጽን ቅርበቶምን ዝርኣ ኢዩ። ብሰንኪ እቲ ብእስላማዊ ዕጡቓት እተፈጸመ መጥቃዕትታት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተመዛቢሎም ብዙሓት ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ድማ ተቐቲሎም ይርከቡ ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ምልክታ እዚ በቶም ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሞዛምቢክን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኢናሲዮ ሳውሬ ናይ ናሰበኻ ናምፑላ ሊቀ ጳጳሳት እዩ ተመሓላሊፉ።

ብመሰረት እቲ ሊቀ ጳጳሳት ሳውሬ ዝውጽእዎ መግለጺ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ንዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንምቕባል ዝግበር ሥነ ስርዓት፣ እቶም ጳጳሳት ዓመታዊ ሓፈሻዊ ኣኼባኦም ከካየዱ ኢዮም። እዚ ኣኼባ እዚ ንዅሎም ጳጳሳት እታ ሃገር ከራኽብ እውን ኢዩ። ምስቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዝዓበየ ናይ ካቶሊካውያን መንእሰያት ፍጻመታትን በዓላትን ዝዀነ ሳልሳይ ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ሓደ እዋን ክካየድ ኢዩ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሳውሬ ኣብ መግለጺኦም እዚ ዝመጽእ ፍጻመታት ንቤተ-ክርስትያን ሞዛምቢክ ኣገዳሲ ጉስነታውን ውድባውን ዕላማ ከም ዘለዎ እውን ኣጕልሕ።

ቅርበት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሳውሬ ብዛዕባ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘለዎ ኣገዳስነትን እክገልጹ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ህዝቢ ሞዛምቢክ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብማሕበራውን ቍጠባውን ጸጥታውን ብድሆታት እተተንከፉ ሰባት ዘለዎም ጥብቅን ሓድነትን ሓያል ምልክት ምዃኑ ኣጕልሑ።

"ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝገብርዎ ምብጻሕ ቅርበት ቅዱስ ኣቦንናን ነቲ ምስቶም ዝሳቐዩ ህዝቢ ሞዛምቢክ ዘለዎ ሓድነትን መልእኽትን ከመሓላልፉ ኢዮም" በሉ። ብተወሳኺውን እቲ ምብጻሕ ብፍላይ ንህዝቢ ካቦ ደልጋዶን ናምፑላን ምጽንናዕ ከም ዘምጽእ ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።

ብኣንጻሩ ግን ሳልሳይ ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት፣ ካብ ኩለን ሰበኻታት ሞዛምቢክ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ክእከቡ ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ፣ እምነትን ሕውነት መዛኑ ንምድንፋዕን ቤተ-ክርስትያን ንመንእሰያታ ዘለዋ ቅርቡብነት ከረጋግጽን ትጽቢት ድማ ይግበረሉ።

ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ዝካየድ ፍጻመታት ሞዛምቢክ፣ ብዙሕ ማሕበራውን ሰብኣውን ብድሆታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ሓድነትን ተስፋን ናይ ወንጌላውነት ተልእኾን ከተደልድል ተስፋ ትገብር ኣላ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

11 Dec 2025, 12:27