ድለ

2025.12.05 Jubilee of hope of the Eparchy of Keren 2025.12.05 Jubilee of hope of the Eparchy of Keren 

ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን መበል 30 ዓመት ምስረታኡ ኣብ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ይጽንብል

ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዕለት 26 – 30 ሕዳር፣ ካብ መላእ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመጹ ነጋድያን ኤርትራውያን፣ ምስቶም ካብ ኤርትራ ዝመጹ ብብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ዝተመርሐ ገለ ካህናትን ምእመናንን ኤጳርቅና ከረን፣ ኣብታ መዲና ክርስትና ዝኾነት ከተማ ሮማ፣ መበል 30 ዓመት ምስረታ ሰበኻኦም ምስ ንግደት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ብምዝማድ ኣብ ጽላል ቅድስቲ መንበር ጸምቢሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ብዕለ 21 ታሕሳስ 1995 ካብ ዝምስረት፣ ሎም ዓመት መበል 30 ዓመት ምስረታኡ ይዝክር ኣሎ። እዛ ዓመት እዚኣ ድማ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢዮቤል ተስፋ 2025 እትጽምብለሉ ዘላ ዓመት ብምዃና፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረንን ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራን ነዚ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ብምዝማድ ኣብ ከተማ ሮማ ፍሉይ ንግደት ኣካየዶም። እዚ ንግደት እዚ ብኤጳርቅና ከረን እተወደበ ኮይኑ፣ ካብ ወርሒ መስከረም ናብ ኩሎም ቁምስናታትን ማሕበራት ኤርትራውያንን ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ምእመናን ብዝተገብረ ዕድመ ክሳተፉ ዝኸኣሉን፣ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ምስ ጳጳሳም ኣስታት 7 ካህናትን ሓደ ምእመን ካብ ኤጳእርና ከረንን፣ ከምኡ ውን ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ዝኾኑ ነጋድያን ተሳቲፎም።

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምበል 14 ምስ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ኤጳርቅና ከረን
ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምበል 14 ምስ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ኤጳርቅና ከረን   (@VATICAN MEDIA)

ርክብ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ብፁዕ ኣቡነ ኪዳን የዕብዮ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 26 ሕዳር ኣብ እተኻየደ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንነጋድያንን ንመላእ ኤጳርቅና ከረንን ወኪሎም ብምስታፍ፣ ድሕሪ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተራኺቦም። ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዝዛም ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ “ካብ ኤርትራ ብብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ዝምራሕ፣ መበል 30 ዓመቱ ዝዝክር ንዘሎ ኤጳርቅና ከረን’ውን ሰላምታይ የቕርብ። ኣብ ምስክርነት ፍቕርን ስኒትን ሰላምን፣ ኩሉ ግዜ ጎይታ ይመርሓኩም። ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ወትሩ ዕቤት ናይቲ ሰናይ ዝኾነ መንፈሳዊ ሓይሊ ተስፋ ከተስተማቕሩ እውን እጽሊ። ንዓኻትኩምን ንስድራቤትኩምን ሓጐስን ሰላምን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እምህለል። እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ ድማ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ይዕብዮ ንሰበኻ ከረንን ንወከልቲ ነጋድያንን ብምውካል፣ ንቕዱስነቶም ኢድ ብምንሳእ ካብ ከረን እተማልእዎ ክልተ ህያባት ከም ገጸ በረኸት ኣቕረቡሎም። እዚ ድማ ብስነ ጥበባዊ ፍጹም ተክለማርያም እተሰናደወ ሓደ ባህላዊ ስነጥበብ ዘንጸባርቕ፣ ንናይ ሕዝቢ በጐስ ዕለታዊ መነባብሮን ጥበብን ዘመልክት ናይ “ቅልወት” (ተንኮበት) ድሕረገጽ ዘለዎን፣ ስእሊ ቅዱስነቶምን ባዝሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ካቴድራል ቅዱስ ሚካኤል ከረንን ዘርኢ ስነጥበባዊ ሥርሓትን ኢዩ ዝንበረ፣ ከምኡ ውን ካልኣይ ብሥነጥበባዊ መም. ሃብተወልድ ምስግና እተሰናደወ ሓደ ብዛዕባ ኩነታት ዓለምናን ብወንጌል ከመይ ጌርካ ካብ ውግእን ዕንወት ተፈጥሮስን ናብ ሰልማን ብልጽግናን ምስጋር ከም ዝከአል ዘርኢ ናይ ቅብኣ ስራሕ ውን ኣወፈዩሎም።

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣቡነ ኪዳነ ገጸበረኸት እንከቕርቡሎም
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣቡነ ኪዳነ ገጸበረኸት እንከቕርቡሎም   (@VATICAN MEDIA)

ዕለተ ሱባኤን

ዕለት 28 ሕዳር ነጋድያን ብብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ተመሪሖም፣ ኣብ ደብረ ቅዱስ ኣንጦንዮስ በኵረ መነኮሳት ዘግብጽ ገዳመ ሩሲኩም፣ ናይ ምሉእ መዓልቲ ሱባኤ ኣካየዶም። ነቲ ሱባኤ ድማ ንግሆ ብጸሎት መቑጸርያን ምስጢረ ንስሓን ፈለምዎ፣ ክቡር ኣባ ዳዊት ሓድጉ ኣገልጋሊ ካህን ጕስነታዊ ኣገልግሎት ኤርትራውያን ኣብ ስዊድን ብዛዕባ እቲ ቅዉም ሓሳብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ዝኾነ፣ “ተስፋ ኣየሕፍርን ኢዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተዂሮም ኣስተንትኖ ቃል ኣማላኽ ኣካፊሎም፣ ድሕሪ ናይ መዛሙርን ጸሎት መለኮታዊ ምሕረትን መደብ፣ ብብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ዝተመርሐ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም። ነዚ መደባት ሱባኤ ድማ ክቡር ኣባ ጸሓየ ክፍለማርያም ይመርሕዎ ነበሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ኣብ ደበረ ቅዱስ ኣንጦንዮስ በኵረ መነኮሳን መሥዋዕተ ቅዳሴ እንከዕርጉ
ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ኣብ ደበረ ቅዱስ ኣንጦንዮስ በኵረ መነኮሳን መሥዋዕተ ቅዳሴ እንከዕርጉ

ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ “ብጸጋ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕጻው ዓመተ ኢዮቤል 2025፣ ኣብ መበል 30 ዓመት ምሥረታ ኤጳርቅናና ናይ እምነት ንግደት ክንግበር እንከሎና ሓደ ዓቢይ መንፈሳዊ ፍጻሜ ንገብር ኣሎና” በሉ። ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ካብ ወንጌል ማቴዎስ 20፡29-34 ምርኩስ ብምግባር ድማ ብዛዕባ ትርጉምን ዕላማን እዚ ንግደት እንታይ ምዃኑ ኣስተንተኑ።

ቀጺሎም ድማ ብፁዕ ኣቦና፣ ንሓሳባቶም ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ብምጥማር ከምዚ ክብሉ ስብከቶም ቀጸሉ፤ “ቀዳማይ ከምቶም ዕውራት ኣብዚ ወንጌል ዝረኸብናዮም፡ ንሕና`ውን ናይ እምነት ነጋድያን ኢና፡ ኵሉ ነገር ንድሕሪት ገዲፎም፡ ስቅ ምባል ኣበዩ፡ ንሕና`ውን ካብ ርሑቅ ተጓዒዝና ማለት ካብ ከረን፡ ካብ ክፍልታት ኤውሮጳ ናብታ ማእከል ልቢ ቤተክርስቲያን ዝኾነት፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮኵሓ ሃይማኖት ዝርከበላ መዲና መጺእና ኣሎና፡ እዚ ንግደት እዚ ብርእሱ ጥርዓን ኢዩ፡ እዚ ድማ ጐይታ ናባኻ ንእመን፡ ምሕረትካ ንደሊ፡ ፍቃድካ ብንጹር ክንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ ንኽንብሎ ኢና፣ ኣብዚ ምህላውና ናይ ከረን ቤተክርስቲያንና፡ ኣብ መንጎ ብድሆታትን መሥዋዕትታን ተስፋታትን ብእምነት እትጐዓዝ ምዃና ንምምስካር ኢዩ።”

“ካልኣይ፡ ክርስቶስ ናይ ነጋድያን ጥርዓን ዝሰምዕ ኢዩ፡ ኣብዚ ኢዮቤል ዓመተ ጸጋ፡ ጐይታ ከምቲ ነቶም ክልተ ዕውራት ዝሀቦ ኣተክሮ፡ ንዓና`ውን ማዕረ ኣተኵሮ ሂቡና ኣሎ፡ ኣብ ሮማ ኣብ መቃብር ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ክንርከብ እከሎና፣ ክርስቶስ ንነፍስወክፍና፡ እንታይ ክገብረልካ/ልኪ ትደልዪ ይብለና ኣሎ። ሕውየት ኢና እንደሊ፣ እንታይ ዓይነት ዑረት ኣብ ሕይወትና፡ ኣብ ሥድራ ቤትና፡ ኣብ ማሕበራትና፡ ኣብ ኤጳርቅናና ኣሎ? ክንብል እሞ፣ ኣብዚ ንግደት ኢዮቤል ኣብ ሮማ ናይ ኤጳርቅና ከረን፣ ልባዊ ሰላም፡ ዕርቂ፡ ድልዱል እምነት ንደሊ ኣሎና፡ ከምኡ ውን ዝተሓደሰ ተስፋ ንደሊ ኣሎና፡ ወይ ውን መስቀልና እንጾረሉ ጸጋ ንደሊ ኣሎና ክንብሎ ኢዩ። ነዚ ዅሉ ክርስቶስ ጽን ኢሉ ይሰምዓና ኣሎ” ክብሉ ውን ኣስትንተኑ።

ንሱባኤ ንግደት ኢዮቤል ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ
ንሱባኤ ንግደት ኢዮቤል ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ

ኣስዒቦም ድማ ሳልሳይ፡ ሕውየት ናብ ተልእኮ ኢዩ ዝመርሓና፣ እቶም ክልተ ዕውራት ሓደ ጊዜ ምስ ተፈወሱ፡ ክልቲኦም ንክርስቶስ ሰዓብዎ፡ ኣርድእቱ/ ደቀ መዝሙርቱ ኮኑ፡ ንሕና ውን ነጋድያን ቡራኬ ጥራሕ ክንወስድ ኣብዚ ኣይመጻእናን፡ ንተልእኮ ክንሕደስ ኢና መጺእና ዘሎና፡ ናብ ዓድና፡ ናብ ሥድራና፡ ነናብ ዝመጽእናዮ እንክንምለስ ከሎና፡ ነቲ ኣብዚ ዝተቀበልናዮ ብርሃን ሓድነት፡ ብርሃን ሕድገት ወይ ይቕሬታ፡ ብርሃን ትብዓት፡ ብርሃን ክርስቲያናዊ ምስክርነት ሒዝና ነናብ ቦታና ንምብጻሕ ኢዩ።” ክብሉ ውን ስብከት ቃል ኣምላኽ ብቋንቋታት ትግርኛን ብሊንን ኣካፈሉ።

ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ንኹሎም እቶም ኣብ መንጐ ነጋድያን ኣብዛ ዓመት እዚኣ መበል 40ን 30ን 25ን ዓመታት ቃልኪዳኖም ዝዝክሩ ዘለዉ፣ ኣምላኽ ኣብ ስድራቤቶም መንፈስ ሰላምን ፍቕርን ከውርደሎም ብምጽላይ ባረኽዎም።

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ደበረ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ገዳመ ሩሲኩም
መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ደበረ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ገዳመ ሩሲኩም

ጕዕዞ 30 ዓመት ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን

ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓባራዊ ናይ ምሳሕ እንግዶት ድሕሪ ምስታፍ፣ ኣብቲ ቤተክርስቲያን ተምሊሶም ብዛዕባ ጕዕዞ 30 ዓመት ኤጳርቅና ከረን ዝገልጽ መደብ ዘተ ተኻፊሎም። ኣብቲ ዝተኻየደ መደብ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ኣሓጽር ኣቢሎም፣ ኤጳርቅና ከረን ካብ ዝምስረት ኣሕትሒዙ ዘካየዶም ንጥፈታትን ምዕባሌታትን፣ ዝሕለፎም ግድላትን ጸጋማትን ኣካፈሉ። ኣስዒቦም ድማ ክቡር ኣባ ዑቕባ ጋብር ወልደጊዮርጊስ ዋና ጸሓፊ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን፣ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ጉስነትን ማሕበራዊ ጉዳያትን እተገበረ ጕዕዞ 30 ዓመት ኤጳርቅና ከረን ብሰፊሑ ገሊጾም። ብድሕርዚ ክልተ መደረታት ድማ ምእመናን ሓባራዊ ዘተ ብምክያድ ሓሳባቶምን ትምኒቶምን ምስጋናኦምን ገለጹ።

መደብ ዘተ ምስ ነጋድያን ብዛዕባ ጕዕዞ 30 ዓመት ኤጳርቅና ከረን
መደብ ዘተ ምስ ነጋድያን ብዛዕባ ጕዕዞ 30 ዓመት ኤጳርቅና ከረን

ኣብ ምዝዛም እቲ መደብ ነዚ ንግደት ዘመልክት ሕዛብ ክሳድን ናይ ነጋድያን ቦርሳ ዝተፈላለየ ንዓመተ ኢዮቤል ዝመልክት መሳርሒታት ዘለዎ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተሰናደወ ተዓዲሉ።

ምስጋር ቅዱሳት ኣፍደጌታት

ንጽብሒቱ ቀዳም ዕለት 28 ኩሎም ነጋድያን ልክዕ ሰዓት 8፡30 ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ባዚሊካ ቅዱስ ጴርጥሮስ ዝርከብ ቅርዓት ፒያዛ ፒያ ብምትእኽኻብ፣ መስቀል ዓመተ ኢዮቤል 2025 ተሰኪሞም ብብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ተመሪሖም ከምኡ ውን መዛሙርን ሸብሸቦን ጸሎተ ዓመተ ኢዮቤልን ምህለላን እናገብሩ ናብ ቅዱስ ኣፍ-ደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ በጺሖም፣ ብቅዱስ ኣፍደገ ብምሕላፍ ድማ ኣብ ቅድሚ ማእከላይ መንበረ ታቦት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ ሃማኖት ደጊሞም፣ ብጹዕ ኣቡነ ኪዳነ ድማ ቃለ ሥሬት ኣካፈልዎም። ስዒቦም ድማ ናብ ታሕዋይ ደርቢ ናይቲ ባዚሊካ ብምውራድ፣ ኣብ ቅድሚ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ በጺሖም ተሳለሙ። ድሕሪ ቀትሪ ድማ ናብ ቅዱሳት ኣፍደጌታት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይን፣ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራኖን ንግደት ኣካይዶም።

ነጋድያን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሮማ
ነጋድያን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሮማ

ናይ ምስጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ

ሰንበት ዕለት 30 ሕዳር ኣብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ፣ ብብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ዝተመርሐ ናይ ምስጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም። ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘካፈልዎ ስበከት ቃል ኣምላኽ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ቃል ኣምላኽ ምርኩስ ብምግባር ኣስተንተኑ። ብፁዕነቶም ኣብ ስብከቶም፣ “ሎሚ ዘንበብናዮ ክፍሊ ወንጌል ማቴዎስ፣ ነቲ ናይ እዋና ጸገማት አብ ሕይወት ዝጓነፍና መሰናኽላት፣ ከመይ ገርና ከም እንብድሆ ይነግረና። ንደቂ ሰብ “ንፋሳትን ባሕርን ይእዘዙኒ” (8፡27) ዝብል ናይ ምዝካር ቃላት ኮይኑ እዩ ዝስምዓና። ደቂ ሰብ አብ ተፈጥሮ ዝገጥም ጸገማት ክንርኢ ከሎና ክንደይ ድሩታትን ዓቕምና ንእሾትይ ምኻኑን ኢና እንርኢ” በሉ።

ኣስዒቦም ድማ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ፣ “መዓልታዊ ሕይወት ደቂ ሰብ ከም ማዕበል እዩ። አብ ገለ እዋን እቲ ዝጓነፍ ማዕበል ዓቕልና የጽብበልና እሞ አብ ጉድለት እምነት የብጽሓና፣ አብ ክንዲ አብ አምላኽ ምምላስ ድማ፣ ነዚ ጸጋማትና አብ ከማና ዝአመሰሉ ሰባት ነውድቖ፣ አብዚ ማዕበል ዝኾነ ሕይወት፡ እምነት ከይነጉድል አብ ጥቓ ኢየሱስ ክንከውን የድሊ።” ክብሉ ውን ተላበው። ወሲኾም ድማ “ቤተክርስትያን አምሳል መርከብ እያ። አብ ቤተክርስትያን ምስ እንጽጋዕ ድሕነት ርግአት አብአ ከም እንረክብ ይገብረና” ክብሉ ውን ተላበው።

ኣስዒቦም ድማ፣ “ቤተክርስትያን ክንብል ከሎና እታ መላእ ምስጢራዊት ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት፡ ንኹልና አብ ውሽጣ እትሕዝ ማሕበር እያ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ብፍሉይ ይገልጸልና፥ ኩልና አባላት ሰውነት ክርስቶስ ኢና፥ ሕንጻ ቤቱ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኢና እናበለ ናይ ሓደ ክርስትያን ሓቀኛ መንነት ይገልጽልና። ደቂ ሓንቲ ቤተክርስትያን ስለ ዝኾና ሓንቲ ሥድራ ቤት ከአ ኢና” ክብሉ ውን ኣስመሩሉ።

ኣብ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ
ኣብ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ

ወሲኾም ውን፣ “ባሕሪ ናይ እንነብሮ ዓለም አምሳል እዩ። አብ ባሕሪ ማዕበል ስግአት አሎ። ሃቦብላ ንፋስ ውን ንመርከብና ሰንከልከል የብላ ኢዩ፣ አብኡ ፍርሒ ምጥላቕ ሞት አሎ። ዓለምና ቅሳነት ዘይብላ ኩሉ ጊዜ አብ ምህዋኽን ሻቕሎትን ትርከብ ኣላ። ዓለምና ብዘልአ ዓጊባ አይትፈልጥን ኩሉ ጊዜ አብ ዝበዝሔን ዝዓበየን ነገራት ክጥምት ከይዓገበት ትነብር ኣላ። ብባሕሪ ዝምሰል ዘሎ እምበኣር መነባብሮና ኮይኑ፣ ርግአት እምነት ተስፋ ምስ ዝጎደሎ እዩ። ነዚ ዘይርጉእ ሕይወት ንኢየሱስ ሒዝና ክንሓልፎ ከሎና ብሓቂ ቅሱናት ክንከውን ንኽእል ኢና።” ክብሉ ውን ስብከቶም ዛዘሙ።

ኣብ መወዳእታ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ነቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተቐበልዎ ሓዋርያዊ ቡራኬ ንምክፋል ንኹሎም ምእመናን መስቀል ብምስላም ባረኽዎም። ከምኡ ውን በቲ ዕለት እቲ መበል 25ን መበል 30 ዓመት ዕለተ ቃልኪዳኖም ንዝዝክሩ ዝንበሩ ክልተ ስድራቤታት ፍሉይ ብራኬ ኣካፈልዎም። ኣምላኽ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ሕጂውን ንኤጳርቅና ከረን ድሕሪ 30 ዓመት ምስረታኡ ብተስፋ ክጉዓዝ ከሰንዮ ብምጽላይ ነቲ መደብ ዛዘምዎ።

ምብጻሕ ናብ ገዳም ቅዱስ እስጢፋኖስ ቫቲካን

ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነጋድያን ብሕብረት ናብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ገዳም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዘቅዱስ እስቲፋኖስ ምብጻሕ ንምክያድ ናብ ስፍራ ኣኽልቲ ቫቲካን ገጾም ኣምርሑ። ኣባኡ ድማ ሓለቓ እቲ ገዳም ክቡር ኣባ ኃይለሚካኤል በራኺ ተቐቢሎም፣ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ እቲ ገዳም ኣቕረቡሎም። ካብኡ ነቒሎም ድማ ናብ በዓቲ ማርያም ሉርድ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ዝርከብ ብምኻድ፣ ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስለ ንግደቶምን፣ ስለ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምስረታ ኤጳቅና ከረንን ምስጋናኦም ገለጹ።

ገዳመ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቫቲካን
ገዳመ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቫቲካን   (@Vatican Media)

ምብጻሕ ናብ መቓብር ክቡር ኣባ ተኽለ ማርያም ሰምሃራይ

ኣብ መወዳእታ፣ ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምፍናዎም ነቶም፣ ብዕለት 30 ሕዳር 1942 ዝዓረፉ ብዓል ክቡር ዝኽሪ ነፍስሔር ኣባ ተክለማርያም ሰምሃራይ ሰሊም፣ መበል 83 ዓመት ዕለተ ዕረፍቶም ንምዝካር፣ ናብቲ ኣብ ጳጳሳዊ ቍምስና ቅድስቲ ሃና ዝርከብ መቓብሮም ምብጻሕ ኣካዪዶም። ኣባኡ ድማ ምእንቲ ነፍሲ ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይን ኩሎም እቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓመድ ኣዳም ዝለበሱ ቀዳሞት ካህናትን ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ጸሎት ኣዕሪጐም።

 

Photogallery

ንደት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ምስ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምስረታ ኤጳርቅና ከረን ኣብ ከተማ ሮማ
06 Dec 2025, 11:22