ድለ

ጳጳሳት ሃይቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘመነ ምጽኣት፡ ኣብ ተስፋን ለውጥን የተባብዑ ጳጳሳት ሃይቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘመነ ምጽኣት፡ ኣብ ተስፋን ለውጥን የተባብዑ  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ሃይቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘመነ ምጽኣት፡ ኣብ ተስፋን ለውጥን የተባብዑ

ጉባኤ ጳጳሳት ሃይቲ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ ዘመነ ምጽኣት - ልደት ክርስቶስ ንኹሉ ሰብ ምንጪ ተስፋ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣስሚሮም፡ ዝመጽእ ህዝባዊ ምርጫ “ልዕሊ ወገናዊ ረብሓታት ዝበረኸ” ዕድል ክኸውን ይጽውዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ወቕቲ ልደት፡ ቤት ምክሪ ጳጳሳት ሃይቲ (CEH) “ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ጸልማትና ይበርህ” ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ መራሕ ቃል ገይሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ “ዝተፈተነ፣ ኣብ ጸልማት ለይቲ ዘይርጉጽነትን ቃንዛን ዝጓዓዝ” ንዘሎ ህዝቢ ሃይቲ “ዘይተጸበዮ ዓወታት” ከምጽኣሉ ከም ዚኽእል የጒልሑ።

ተስፋ በዓል ልደት

ኣብቲ ዕለት 8 ታሕሳስ እተዘርግሐ መልእኽቲ፡ ጉባኤ ጳጳሳት ሃይቲ ኢየሱስ ብኸመይ “ኣብ ጽላሎት ድኽነት” ከም እተወልደ ኣጒሊሖም፣ እዚ ኸኣ ብዙሓት ኣብ ሃይቲ ዚርከቡ ሰባት ብዕምቈት ክርድኦም ዚኽእል ኩነት ምዃኑ ኣመልኪቶም ብፍላይ ኣብ ማእከል እዚ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዝንበር ልደት ክርስቶስ ንኹሉ ሰብ ምንጪ ተስፋ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎምል፡ ይኹን እምበር፡ ክርስትያናዊ ተስፋ ካብ ብድሆታት ክውንነት መህደሚ፣ ወይ “ላዕለዋይ ተስፋ” ምምዕዳው ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ እዚ ክርስትያናዊ፣ ናይ ልደት ተስፋ ናብ ሓላፍነታውን ቆራጽን ስጉምቲ ዝድፍእ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሃይቲ ኣብ መንጎ ወርሒ ጥሪን መስከረምን ብጉጅለታት ዝፍጸም ዓመጽ ብውሕዱ 4388 ሰባት ከምዝቐተሉ ኣብ ሃይቲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓበረን፡ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም፡ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ዳርጋ 12 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ጽዑቕ ሕጽረት መግቢ የጋጥሞ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብድሆታት፡ ጳጳሳት ሃይቲ ንዅሉ ሰብ - ጸዋዕታኡ ይኹን ዕድሚኦም ብዘየገድስ፡ “ገበርቲ ሰላም” ንምዃን ተልእኾኦም ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ካልእ እቶም ጳጳሳት ናይ ተስፋ ምልክት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ 2026 ናብ ግጥም እግሪ ኲዕዞ ዓለም ምሕላፉ፡ እዚ ድማ ምልክት ናይ ህዝቢ ሃይቲ ምፍልላይ ንምስጋር ዝድርኽ ዘለዎ ዓሚቕ ክብሪ ምዃኑ ከም ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምርጫ ንመጻኢ ለውጢ ከበግስ ይኽእል እዩ

ብመንጽር’ቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዓመጽ፡ “ግሁድ ድሩትነት ትካላት”፡ ከምኡ’ውን ህጹጽ ጸጥታ፡ ጳጳሳት ሃይቲ፡ ኩሎም ፖለቲካዊ መራሕቲ፡ ማሕበራዊ ተዋሳእቲ፡ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት “ልዕሊ ወገናዊ ረብሓታት ክብርኹ” ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅድሚ እቲ ዕለት 7 ለካቲት 2026 ዝካየድ ምርጫ፡ ይብሉ ጳጳሳት ሃይቲ ባይቶ ማእከላይ ተራ ናይቲ ኣብ 1987 ዓ.ም. ቅዋም ሃገር ብምዝኽካር፡ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ስልጣን ርእሰ ብሔር መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ (CPT) ክዛዘም ዝገብር ከም ዝኸውን፣ ከምኡ እውን ኵሎም እቶም ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዚሳተፉ ሰባት ነቲ ሕገ መንግስቲ ህውከት ንምውጋድ ከም መሰረት ገይሮም ኪጥቀሙሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ዝመጽእ ምርጫ “ዲሞክራስያዊ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍን ግሉጽን” ክኸውን ዝኽእል ሓቀይና ናይ ጸጥታ ሃዋህው ምስ ዝፍጠር ጥራይ ምዃኑ ኣነጺሮም- እዚ ድማ ኩሎም ሃገራውያን ሰበስልጣን ንምምርግጋእ ክሰርሑ ከም ዘተሓሳሰቡን፡ ኣብ ቅንዕናን ኣገልግሎትን ፍሉይ መሰላት ናይ ምንጻግ ትብዓትን ዝተሃንጸ “ሓድሽ መሪሕነት” ክህሉ እውን ተላብዮም፡  ብልሽውና ክኽሕዱ፡ ምትላል ክቃወሙን ንሓባራዊ ረብሓ ዝሰርሑን መራሕቲ ከምዘድልዩ ኣብሪሆም፡ ኣብ መደምደምታ ነታ ሃገር “ንመስፍን ሰላም” ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማሕጺኖም፡ ሃይቲ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ድንግል ማርያም ኣንቢሮም፡ በዓለ ልደት ክሳብ 2026 ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ንኽመጽእ ዝተሓደሰ ተስፋ ከለዓዕል ተስፋኦም ከም ዘቕረቡን፡ እቲ መልእኽቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃይቲ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝተኸተመ ኮይኑ፡ ንኹሎም ኣባላት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ሃይቲ ኣብ ሓደ ዘራኸበ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

11 Dec 2025, 16:20