ድለ

2025.12.10 መራሕቲ ቤተክርስትያን እስያ ዛዕባ ማሕታ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ጒስነታዊ ኣገልግሎት ይዝትዩ 2025.12.10 መራሕቲ ቤተክርስትያን እስያ ዛዕባ ማሕታ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ጒስነታዊ ኣገልግሎት ይዝትዩ 

መራሕቲ ቤተክርስትያን እስያ ዛዕባ ማሕታ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ጒስነታዊ ኣገልግሎት ይዝትዩ

ብናይ መላእ ሃገራት እስያ ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሓቝፍ ፈደረላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ ኣብ ሆንግ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘስዕቦ ብድሆታትን ትምህርትን ንቕሓት ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ምኽልኻል ናጽነት ደቂ ሰባት ቀዳምነት ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣተኵይሮም ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ የካይዱ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት እስያ፣ መራሕቲ ርክብን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሃገራት እስያ ጉባኤ ካቶሊካውን ጳጳሳት ዝሓቍፍ ፈደረላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ ዓውደ ጉባኤ – 2025  ኣብ ሆንግ ኮንግ ከም ዘበገሱን እዚ ድማ እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ኣብ ሰብኣዊ ክብርን ስነ - ምግባራዊ ምስትውዓልን ተልእኾ ቤተ - ክርስትያንን መሰረት ብምግባር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ብሓላፍነት ምቕባል ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡን ብቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ርክባት ፈደራላዊ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤስያ (FABC-OSC) ዝተዳለወ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዓውደ ኣኼባ (10–12 ታሕሳስ) ኣብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ይካየድ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ቾው፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከም ህያብ ንሓባራዊ ረብሓ

እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ መኽፈቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ጳጳስ ሆንግ ኮንግ፡ ካርዲናል ስቲቨን ቾው ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ንእስያውያን መራኸቢታት ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከም “ህያብ ካብ ኣምላኽ” ክቕበልዎን ዓዲሞም፡ ኣጠቓቕምኡ ናብ ጽቡቕ ሰብኣውነትን ሓልዮት ፍጥረትን ዝቐንዐ ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ . . . ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ካብ ዲያብሎስ ዘይኮነ ካብቲ ዝሕግዘና እግዚኣብሄር ህያብ እዩ፣ እዚ ኣኼባ እዚ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብግቡእ ንምዕዋት ክሕግዘና፡ ሓራ ከውጽኣናን፡ ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ መደብ ንምስትውዓልን ንምስዓብን ክሕግዘና ተስፋ እገብር - ቢሎም - ተሳተፍቲ ምዕባለታት እደ ጥበብ ብተስፋን ብጥንቃቐ ምስትውዓልን ብስነ - ምግባራዊ ንጹርነትን ክቐርብዎ ኣተባቢዖም፡ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ እዋን ቅልጡፍ ለውጢ እውን እንተኾነ ግብረ ገባዊ ተኣማንነት ክዕቅባ ኣለወን፡ እንተዘይኮይኑ ከመይ ገይሩ ካቶሊካዊ መራኸቢ ክህሉ ይኽእል?” እንክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም፡ "ተስፋና ኣብ ጎይታ ክንገብር እንኮለና፡ መጀመርያ ንዕኡ ከነኽብሮ ኣሎና እምበር ንመወልቲ ወይ ስነ - ሓሳባት ፈጺሙ ክኸውን የብሉን። ኣብዚ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ኩነታት ዓለም ኣብ ተልእኾና ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጥ የድልየና" ከም ዝበሉ የመላኽት።

ካርዲናል ቾው ንሕልና ተኣማኒ ምዃን ኣገዳስነቱ ኣስሚሮም:- “ካብ ሕልናይ ክዛረብ ከለኹ: ዋላ እውን ነቐፌታ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን እንተኾነ፡ ሕጂ እውን ሰላም ይህልወኒ” ካብ ብሲኖዳዊ መስርሕ ዝተቐረጸ ውልቃውን ሓባራውን ሕልና ምዝራብ ናጽነትን ሓቅነትን የምጽእ . . . ኣርዑተይ ፎኪስ እዩ” ዝብል ቃል የሱስ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጸገም ንሕና ሰብ መራኸቢ ብዙሓን “ብመንፈስ ተመሪሕና ብልብና ክንዛረብ” ይሕዘና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

ሩፊኒ፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምሉእ ብምሉእ ሰብ ኣብ ምዃን ምቕጻል

ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ መብጽዓን ሓደጋታትን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንቤተክርስትያንን ሕብረተሰብን ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከም ዘቕረቡን፡ ካብ ስነ ኣሃዛዊ መድረኻት ንዋሕዚ ሓበሬታ ዝቐርጹሉ ዘይግሉጽ ስነ - መጐትን፡ ክረጋገጽ ካብ ዘይክእል ምንጭታት፡ ምዕሪት ቅመራ መተሓላልፎን፡ ኣጠንቂቖም፡ እዚ ቀላሲ ሓይሊ እዚ ንተጠቀምቲ ኣብ ሓቂ ዘይኮነስ ብንግዳዊ ወይ ስነ-ሓሳባዊ ረብሓታት ዝድረኽ ኣገባባ ኩሉ ንምምካት ዝሕግዝ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዓብላሊ ቀጥዕታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንፍጥነትን ኣቓልቦን ካብ ዕምቆትን ልክዕነትን ቀዳምነት ብምሃብ፡ ንናጽነት ኣተሓሳስባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ህዝባዊ ዘተ ከም ዝዕምጽጽን ኣመልኪቶም፡ መልእኽትታት ፍራንቸስኮን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን  ተወኪሶም ትምህርትን ንቕሓት ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ከም መከላኸሊ ናጽነት ደቂ ሰባት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ፡ ምስትውዓልን ሓበሬታ ናይ ምግምጋም ክእለትን፡ “ልቢ ወዲ ሰብ ባዕሉ” ሰብ ሰርሖ ከይከውን ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

“ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ፈጺሙ ክትክኣና የብሉን። ቤተክርስትያን ኣመንቲ ኣብቲ ኣተሓሳስባ፡ ዝኽርን ባህርያትን ክቐርጽ ዝኽእል ስነ ኣሃዛዊ ዘመን ምሉእ ብምሉእ ሰብኣውያን ኮይኖም ክቕጽሉ ክትሕግዞም ኣለዋ። ንሮማኖ ጓርድኒ ብምጥቃስ ምስ ሓይሊ እደ ጥበብ ዝመጣጠን ዝተሓደሰ ኣተሓሳስባ ክህሉ ጻውዒት ብምቕራብ፡ እዚ ድማ ኣብ ሕልናን ሓላፍነትን ሓቅን ዝተሰረተ መታን ክኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

“ኣስተውዕሎት ሰብ ሰርሖ ክኸውን ኣይክእልን እዩ”

ሩፊኒ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ቤተ ክርስቲያንን ብሰፊሑ ኣብ ዘስተንትነሉ እዋን፡ እቲ ብልሙድ ኣዘራርባ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓደ ዓይነት ስሌት ኮይኑ ከም ዝቕጽል ኣጽኒዖም፡ ሓያል ግን ከኣ ድሩት እዩ . . . ሓቀይና ጥበብ ካብ ምዕሪት ቅመራ (ኣልጎሪዝም) ክመጽእ ኣይክእልን'ዩ። ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምሉእ ፍልጠት ከቕርብ ከም ዝኽእል ብምእማን፡ ነቲ “ኣምላኽ ንምዃን” ዝብል ፈተና ንምድጋም ሓደጋ ከቃልዕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም፡ እደ ጥበብ ስግኣት ዘይኮነስ ዕድል መታን ክኸውን ስነ - ምግባራዊ ክትትል የድልዮ - ምስ በሉ - ብዛዕባ ኣድላይነት ሓቀይና ርክብ ደቂ ሰባት እውን እንከስተንትኑ፡ ብሰብ ሰርሖ ኣስተዕሎ ዝፍጠር ጽሑፋት፡ ምስልታት ወይ ሙዚቃ፡ ብሓላፍነት እንተዘይተጠቒምካሉ፡ ርክባዊ ዋጋ ምሕዞ ደቂ ሰባት ከጉድል ከምዝኽእል ገሊጾም፡ ተሳተፍቲ ንኣስተንትኖን ንዘተን ሓቀይና ዝምድናን ዝኸውን ግዜ ክዕቅቡ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልኡኻትን ጉባኤታትን

ኣብቲ ኣኼባ ሸውዓተ ጳጳሳትን ልዕሊ 15 ካህናትን ጎኒ ጎኒ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ መራኸቢታት፣ ምፍታሽ ሓቅታትን ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ክኢላታት ዓለማውያን ምመናን ሰብ ሞያ ይሳተፉ ከም ዘለዉን ቅድስቲ መንበር ብኽልተ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣካላት ኣቢላ ከም እተወከለትን፡ እቲ ዓውደ ኣኼባ፡ ብዛዕባ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኣብ ሰብኣውነት ዘለዎ ጽልዋን”፤ “ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎን ቤተ ክርስቲያንን”፤ ኣበርክቶ ሰብ ሰርሕዕ ኣስተአውዕሎ ኣብ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሃን”፤ “ቅዱሳት መጻሕፍትን ቤተ ክርስቲያንን ሰነዳትን ንምትንታን"፤ "ሓደስቲ ኣገባባት ብመርበብ ምርግጋጽ"፤ "መትከላት ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ስብከት ወንጌል" ዝብሉ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ኣማእኪሉ ይካየድ ምህላዉን፡ እዚ ምይይጥ እዚ ኣብ እስያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕመረት ክርስትያናዊ ርክብ ዘሎ ዝምድናዊ ቅንዕና እናዓቀበት ስነ ኣሃዛዊ ለውጢ ኣብ ጉስነት ዘለዎም ጽልዋ ክትግምግም ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ
11 Dec 2025, 16:16