ሓድሽ 'ዘደንቕ ምትእኽኻብ' ሜጦዲስትን ካቶሊካውያንን ዘረጋግጽ መጽሓፍ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብ ሓደ ኣምላኽ ኢና ንኣምን: ስሳ ዓመት ሜቶዲስትን ካቶሊካውያንን ናይ ሓባር ጉዕዞ።”
እዚ ኣርእስቲ ናይቲ ዕለት 12 ታሕሳስ ንንባብ ዝበቐዐ ሓድሽ መጽሓፍ ኮይኑ፡ ብሓባራዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ዘተ ኣብ መንጎ ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ሜቶዲስትን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን (MERCIC) ዝተዳለወ እዩ።
እዚ ብቤት ማሕተም ቫቲካን (LEV) ዝተሓትመ ሰነድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ሜቶዲስትን ኣብያተ ክርስቲያን ዝተራእየ ቲዮሎጊያዊ ምዕባለታት ዝምርምር እዩ።
ብናይ (MERCIC) ዓለም ለኻዊ ቤት ምኽሪ ሜቶዲስትን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ብዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዝተደገፈ መጽሓፍ መበል 1700 ዓመት ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ዝበዓለሉ ዓመት ዝወጸ ብምዃኑ ዓቢይ ትርጉም ኣለዎ።
እቲ “መዝገብ ተስፋን ጻውዒት ናብ ዝዓሞቐ ሕብረት” ኰይኑ ዝቐርበ መጽሓፍ፡ “ንኹለን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ኣብ ስላሴ ኣምላኽ ዘለወን እምነት ከረጋግጻን ብዛዕባ ዝቕጽል ደረጃታት ጻዕሪ ክርስትያናዊ ሓድነት ኣብ ዘካይድኦ ኣስተንትኖ፡ ህያብ” ኮይኑ የገልግል።
ዓለም ለኻዊ ቤት ምኽሪ ሜቶዲስትን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሜቶዲስታውነት ኣብ መፋርቕ መበል 18 ክፍለ ዘመን ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ መበገሲኡ ከም ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ሜቶዲስትን ኣብያተ ክርስቲያን ወግዓዊ ምፍልላይ ዝረኣየሉ ታሪኽ ከምዘየለ ይዝክር።
ፍልልይ ከም ዘሎ ብምርግጋጽ "ተዘክሮታት ምሕዋይ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ኣፍልጦ ምሃብ ከምኡውን ነቶም ግዳያት ንምኽባርን ሓባራዊ ምክብባርን ምትእምማንን ንምምዕባል ታሪኽ እንደገና ምንጋር ኣድላዪ ምዃኑ ብምምልካት፡ መቕድም ናይታ መጽሓፍ ዓለም ለኻዊ ቤት ምኽሪ ሜቶዲስትን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓባራዊ ኣበ መናብርት መጋቤ ዶ/ር. ፕሮፌሰር ኤድጋርዶ ኮሎን - ኣብ ኣመሪካ መንበረ ጥበብ ቲዮሎጊያ ኣፈ ጉባኤን ሊቀ ጳጳሳት ሼን ማኪንላይ ካብ ብሪስበንን ብሓባር ዝተኸተመ ኮይኑ፡ እቶም ክልተ ኣበ መንበራት ኣህጉራዊ ቤት ምኽሪ ሜቶዲስትን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን፡ ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ንኹሉ ባእታታት እምነት ኒቅያ መርሚሩ፡ "ኣብ እምነት ኒቅያ ብሓባር እንእምኖ እምነት ኣብ ምርዳእ ንጹር ምትእስሳር ከምዘሎ" የረጋግጹ።
“ዓለም ለኻዊ ቤት ምኽሪ ሜቶዲስትን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣብ መንጎ ሜቶዲስትን ካቶሊካውያንን ብዛዕባ መሰረት እምነትን ምንጪ ድሕነትናን ዘሎ ምርድዳእ ካብቲ ዝተረፈ ፍልልያትና ኣዝዩ ዝዛይድ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ፣ ካብቲ ኣብ ህይወትን ተግባራትን ናይ ገዛእ ርእስና ሕብረትና ጸጋ ንምድሓን ዘኽእል መገድታት ብዝምልከት ዘሎና ዝተረፈ ፍልልያት ኣጸቢቑ ዚዛይድ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ፣ ኣብዚ እውን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእን ስምምዕን ዓብዪ ዕቤት ጌርና ኢና፣ " እንክብሉ የረጋግጹ።
እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ትምህርትን ምስጢራትን ኣቃውማ ስልጣንን ውሳነን ዝምልከት ከበድቲ ሕቶታት ዝተኻየደ ምይይጥት ተቕርብ። ነቲ ማእከላይ ሕቶ ቅዱስ ቁርባን እውን ይምርምር፣ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ይዓብያ ከምዘለዋ ድማ ከም ዘስተብሃሉን ሜቶዲስት "መኣዲ ጐይታ ምልኣት ክርስትያናዊ ኣምልኾ ምዃኑ እንክኣምኑ፡ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ቓል ምስባኽ ዘለዎ መሰረታዊ ኣገዳስነት የማስውሉ ኣለዉ" ዝብል ኣፍልጦ ተብርህ።
ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ናብ ምሉእ ክርስትያናዊ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ኣብ ዝቕጽላሉ ዘለዋ እዋን፡ "ኣብ ሓደ ኣምላኽ ኢና እንኣምን" ካቶሊክን ሜቶዲስትን ኣብ እተፈላለየ ጽዋዕታኦም "ነቲ ብዋዕላ ኒቅያ እተኣወጀ ሓደ ክርስትያናዊ እምነት" ኣፍልጦ ንኽህቡ ክሕግዞም ተስፋ ይግበር።