ድለ

ርእሰ ሰበኻታት ሲድኒ ንግዳያት መጥቃዕቲ ቦንዳይ ናይ ልደት ብርሃን ምርኢት የወፍይ ርእሰ ሰበኻታት ሲድኒ ንግዳያት መጥቃዕቲ ቦንዳይ ናይ ልደት ብርሃን ምርኢት የወፍይ  (© Giovanni Portelli Photography/Catholic Archdiocese of Sydney)

ርእሰ ሰበኻታት ሲድኒ ንግዳያት መጥቃዕቲ ቦንዳይ ናይ ልደት ብርሃን ምርኢት የወፍይ

ድሕሪ ኣብ ኣውስትራሊያ ከተማ ሲድነይ ኣብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶኒ ፊሸር፡ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኣብ ቅድሚ ካቶሊካዊት ካቴድራል ተኣኪቡ ነቶም ግዳያት መብራህቲ ልደት ብምብራህ ከም ዝዘከሩ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ጃምላዊ መቕተልቲ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት፡ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንሓደ ካብቲ ዓመታዊ መደባት ምቕርራባት ንልደት፡ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ግዳያት ከም ዘውዓሎን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ሲድኒ ዝርከብ ካቶሊካዊት ካቴድራል ቅድስቲ ማርያም ንበዓለ ልደት ንምስንዳው ዝተፈላለዩ መደባት ዝፍጸም ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት ግን በቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ሊቀ ጳጳሳት ሲድኒ ኣንቶኒ ፊሸር ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ናይ ብርሃን ምርኢት ንስነ ስረዓት ዝኽሪ ግዳያት ከም ዝወዓለ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።

“ዝኽሮም በረኸት ይኹን”

ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን  መንፈሳዊ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድን፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝመጹ መራሕቲ፡ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ከምኡ’ውን ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ህይወት ዝመጹ ሰባት ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ካቴድራል ኣብ ዘሎ ቅርዓት ተኣኪቦም፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት  ዝኽሪ ከም ዝሓበሩ ገሊጾም፡ ኩሎም እቶም ዝተኣከቡ “ኩሉ ሰብ ዝኽበረሉን ዝሕቆፈሉን ሰላማዊ ሕብረተሰብ” ንምህናጽ ዳግማይ ከም ዝውፈዩ ቃል ከም ዝኣተዉ የረጋግጹ።

እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ክልተ ዓመት ወጥሪ

እቲ ዘሕዝን ግን፡ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ሲድኒ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ውጥረት ኢዩ ተፈጺሙ። ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ቓዛን እተገብረ ውግእን ምስኡ እተተሓሓዘ ፖለቲካን ዘለዎም እተፈላለየ ኣረኣእያ፡ "ኣብቲ ከባቢ ናብ ኣዝዩ ዜጨንቕ መርኣያታት ተዘርጊሑ እዩ። ሰባት ኣብ ኣረኣእያኦም ኪፈላለዩ መሰል ከም ዘለዎም ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡ፡ እዚ ተቓውሞታት እዚ "ሰባት ኣብ ሲድኒ ንኣይሁድ እውን ከይተረፈ ጽልኢ ንኸርእዩ ዘኽእሎም ጸረ-ሴማዊነት ክህሉ ደሪኹ እዩ።” ብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ዝበዝሑ መደረታት ንቡሓት ክማርኹ ተራእዩ እዩ። ናይ ሓቂ ሰላም ክህሉ ከም ዘይክእል ኣሉታዊ ኣረኣእያን ዘይምእማንን እናዓበየ ከም ዝኸደን፡ ገሊኦም ሰባት ሓደ እስራኤላዊ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ እቲ ውግእ ኣየብቅዕን እዩ ዝብሉ ከም ዝነበሩን "ከምዚ ዓይነት ዘረባ ዓመጽ የለዓዕል ንገሊኦም መንእሰያት ድማ ናብ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ከም ዝድርኾም ርግጽ እዩ” እንክብሉ ጓሂኦም ይገልጹ።

ኣብ መስርሕ ዘሎ ስራሕ

እዚ መጥቃዕቲ እዚ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ብካልኣይ ቫቲካን Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ብዘርእስቱ ሓደ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣቢላ ንዅሎም ካቶሊካውያን ንነፍሲ ወከፍ ዓይነት ጸረ - ሴማዊነት ክነጽግዎ ትጽውዕ፡ ይኹን እምበር ድሕሪ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ሰነድ ዘለናዮ ዘመን . . . ሊቀ ጳጳሳት ፊሸር ይብሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ኺመሃሮ ዘለዎ ነገር ምዃኑ ብምዝኽካር፣ ከመይሲ እዚ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ብተደጋጋሚ ዚርአ ጽልኢ እዩ። ሰባት ንኣይሁድ ከፍቅሩ ደጋጊምና ከነዘኻኽሮም ኣሎና።" ብፍላይ ንክርስትያን ዘርኢ ህዝቢ ኣይሁድ ስለ ዝዀኑ እዚ ህጹጽ ጻውዒት እዩ” ይብሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ መበል 23 ጳውሎስ ሻድሻይ፡ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክርስትያን ደቂ ኣይሁድ ምዃኖም ደጊሞም ገሊጾም እዮም፣ ስለዚ ከምቲ ሊቀ ጳጳሳት ሲድኒ ዝገለጽዎ፡ "ከምቲ ንወለዲ እንገብረሎም ንዓታቶም ፍሉይ ዓይነት ኣኽብሮት ኪህልወና ኣለዎ . . . ነዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዝመስል ጸረ- ሴማውነት ዘረባን ጠባይን ንምቅላስ ካቶሊካውያን "ንሰባት ፍቕርን ኣኽብሮትን ንምምሃር ከምኡውን ኣብ ዘይሰማምዑሉ እዋን ኣብ በርገሳዊ ስልጡን ዘተ ክሳተፉ ደኣ እምበር፡ ናብ ዓመጻ ከይምለሱ" ብስብከትን ትምህርትን ኣቢሎም ስጕምትታት ክወስዱ ከም ዘለዎም የስተብህሉ። ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ ድማ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንዅሉ ዕድመ ዝምልክት እኳ እንተ ዀነ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ግና ኣብ ሓያሎ ክፍልታት ዓለም ኣገዳስነት ኣለዎ።

ንውሁድን ፈቃርን ማሕበረሰብ ንቕድሚት ምጉዓዝ

እቲ መጥቃዕቲ ንማሕበረሰብ ኣይሁድ ዒላማ እኳ እንተ ገበረ፡ ከምቲ ሊቀ ጳጳሳት ፊሸር ዘጕልሕዎ፡ "ንብምሉኡ ማሕበረሰብ ዝጎድኣ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ ኣብ ኣውስትራልያ ጃምላዊ ቕትለት ልሙድ ኣይኰነን፣ እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ኣብ 1996 እዩ ተፈጺሙ። ሕጂ ግን እዚ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ንብዙሓት ሰባት ኣሰምቢድዎምን ፍርሒ ኣሕዲሩሎምን እዩ። ንኽሓውዩን ንቕድሚት ንኽስጕሙን ንምሕጋዝ ኣብዚ እዋን እዚ ቤተ - ክርስትያን ዘለዋ ግደ ኣብ ደገፍን ሕንጸትን ምጽንናዕን ምእንቲ ምውታት ምጽላይን ሰላማዊ ማሕበረሰብ ምህናጽን እዩ።

ገና ዓብዪ ምክፍፋል እኳ እንተ ሃለወ ኣብ በዓል ልደት ብርሃን ምርኢት ናይ ዝኽሪ ስነ - ስርዓትን ነቶም እወንታዊ ስጕምትታት ንቕድሚት ዘሰንይን "ሕብረት ዘለዎምን ኣኽብሮትን ፈቃርን ማሕበረሰብ ክንከውን ኣብ ምድላዩና ዘጠራነፈን እዩ . . . ካብ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ፍርቂ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ኣብቲ ፍጻሜ ንምስታፍ ኣብ ቅድሚ ካቴድራል ተኣኪቦም ከም ዝነበሩን በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ሊቀ ጳጳሳት ሲድኒ "ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ናይ ዝኽሪ ስነ - ስርዓት እዚ ንምግባር እቲ ዝበለጸ ቦታ ቅርዓት ካቴድራል ቅድስት ማርያም ክኸውን ዝተሰማማዑ፣ ከመይሲ እዚ ካቴድራል ካብ ኵሎም እምነታት ንዝመጹ ሰባት ኣብ ሓደ ኣብ ምምጻእ ታሪኽ ዘለዎ ስለ ዝኾነ” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

19 Dec 2025, 17:25