ድለ

ኣብ ዞባ ታይበህ ሓደስቲ መጥቃዕቲ ሰፈርቲ ኣብ ዞባ ታይበህ ሓደስቲ መጥቃዕቲ ሰፈርቲ 

ኣብ ዞባ ታይበህ ሓደስቲ መጥቃዕቲ ሰፈርቲ

ካብ ዕለት 4 ክሳዕ ዕለት 5 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ምሸት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ኣብ እትርከብ ቍሸት ክልተ ማካይን ብሓዊ ከም ዝነደዳን ኣብ መንደቕ ናይ ሓደ ህንጻ ድማ ብሓቂ ዘስግእ ጽሑፍ ከም እተረኽብን፡ እቲ ኵሉ እስራኤላውያን ሰፈርቲ ዝፈጸምዎ ዘለዉ ዓመጽ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ቤተ - ክርስትያን "ንበዓል ልደት ዘሰንይ" መደባት ምጻእት ድሕሪ ምብጋሳ ከም ዝኾነ ቆሞስ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ገሊጾም፡ "ድሕንነት ዘይስምዓና እውን እንተኾነ ዕለታዊ ህይወትና ግን ክንቅጽል ኢና" ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክልተ መካይን ብሓዊ ከም ዝነደዳን ካልእ ዝተፈላለየ ዘስግእ ተግባራት ኮታ ኣብቲ ዞባ ዳግማይ ፍርሒ ዘበራብር መጥቃዕቲ ሰፋሮ እስራኤል ይርአ ከም ዘሎን፣ ኣብ መንጎ ሓሙስ ዕለት 4ን ዓርቢ ዕለት 5ን ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ለይቲ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ ኣብ ዘሎ ግዝኣት ፍልስጤም እትርከብ ምሉእ ብምሉእ ፍልስጥኤማውያን ክርስቲያን ዝነብሩላ ቁሸት ታይበህ ዝተፈጸመ እዩ። እዚ ፍጻመ እዚ ናይ ላቲን ስርዓት ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቁምስና መድሃኔ ኣለም ናብ በዓለ ልደት ዘሰንይ መንፈሳዊ መደባት ድሕሪ ምፍጻሙ ዘጋጠመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅርበት ቤተ ክርስቲያን

"ብኡንብኡ ናብ ስድራ ቤት እታ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃስየት በጺሐ" እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን መድሃነ ኣለም ኣባ በሽር ፋዋድለሕ፡ እታ ስድራ ቤት ኣባል ቁምስናኦም ምዃና እውን ገሊጾም፡ "ቤተክርስትያን ኣብ ታይበህ እተሳልጦ ግብረ ሰናይን እተረጋገጾ ቅርበት እውን እታ ስድራ ቤት ዘድነቐትን ዘመስገነትን እውን እንተኾነ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝዓቢ ጸቕጢ የድሊ፡ ህዝብና ሃገርና ከነድሕን ኣሎና: ምኽንያቱ ታይበህ ኣብቲ ከባቢ ናይ መወዳእታ ክርስትያናዊ ቁሸት እያ። እዛ ከተማ እዚኣ ቐጻልነት ክህልዋ ይግባእ፡ ስለዚ ድማ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር የድልየና - ካብቲ ኣብ 2025 ኣብታ ከተማ ንሻድሻይ ግዜ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ  ክሳብ ሕጂ እቲ ዝወረደ ንዋታዊ ዕንወት ጥራይ ከም ዘመልክት ኣስሚሮም: "ሞት ዘይስዓበ እውን ብምዃኑ ዕድለይናታት ኢና። እዚ እውን ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ሰባት ስለዝነበሩን" ነቲ ዝተፈጸመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብእዋኑ ከጥፍኡ ብምኽኣሎም እዩ” ኢሎም።

ድሕሪ እቲ ጽምብል መደባት መሰናዳዊ ንበዓለ ልደት ዝተፈጸመ ዓመጽ

ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልቲ ጥራይ፡ ሓሙስ ዕለት 4 ታሕሳስ ምሸት፡ ታይበህ ኣብቲ ካብ ራማላህ ክሳብ ኢየሩሳሌም ብታሪኽ ዝተኣሳሰሩ ሸሞንተ ሃገራት ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ተቕማጦን ዝተሳተፍዎ ስነ - ስርዓት መኽፈቲ ዘመነ ምጽኣት ብሓጎስ ከም እተፈጸመን ደሓር ግን ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ፡ ካብቶም ሰፋሮ ዝመጽእ ዓመጽ ዳግማይ ከም እተበገሰን ኣብ መካይንን ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ህንጻታትን ጉድኣት ከምዝወረደን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንደቕ ናይ ሓንቲ ሰላማዊት ስድራ ቤት ዘፍርሕን ዘስግእን ጽሑት ከም ዝተጻሕፈን ገሊጾም፡ እዚ ድማ እቶም ሰፋሮ ኩሉ ግዜ ኣንጻር ህዝብና ዝፍጽምዎ ተግባር እዩ፡ ኣብ ታይበህ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ" እንክብሉ ኣብሪሆም፡ እዚ ኩሉ እናሃለወ "ገና ኣብዚ ኣለና ኣብዚ ድማ ህይወትና ክንቅጽል ኢና፡ ውሕስነት ኣይስምዓናን'ዩ፡ ህይወትና ግን ንቕጽል ኣለና። ልደት ንምብዓል እውን በደባትና ክንቅጽል ኢና” ኢሎም።

ፈጺሙ ዘይሃስስ ተስፋ

ሳዕቤን ሓድሽ መጥቃዕቲ ግን ኩሉ ግዜ ፍርሒ ዘበራብርን፡ በዚ ኸኣ "ብዙሓት ዳግማይ ካብ ሃገር ምውጻእ ከም ኣማራጺ ክርእይዎ ዝድርኽን እዩ - ቢሎም ስለዚ እቲ ዕላማ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ንምስሓብን ብደረጃ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ቤተ ክርስቲያናውን ጣልቃ ንምእታው ኩሉ ዕድላት ምድህሳስ የድሊ፡ እዚ ንኽረጋገጽ እውን ዝያዳ ድምጽና ከነስምዕ ኣሎና። ንታይበህ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹለን ኣብ ምብራቕ ራማላህ ዝርከባ ከባቢታት፣ መዓልታዊ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ዝርከባ . . . ተስፋና ይቕጽል። ዝያዳ መጥቃዕቲ ምስ ዘጋጥመና ዝያዳ ተስፋ ንገብር። ተስፋ ካብ ልብና ክኣልያ ዝኽእል ዝኾነ ሓይሊ የልቦን፡ ምኽንያቱ ተስፋና ድሕሪ ሳልስቲ፡ ናይ ባዶ መቓብር እዩ፡ ናይቲ ዝተንሰአ ተስፋ እዩ፡ ተስፋ ትንሳኤ ዝለ ዝኾነ - ተስፋና ናይቲ ሓድሽ ህይወት ዝህበና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ” ይብሉ።

ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት 1680 መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ 270 ማሕበረሰባት መሬት ፍልስጤም ብእስራኤላውያን ሰፋሮ ዝፍጸም መጥቃዕቲ 1680 ምዃኑ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣረጋጊጾዎ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ፍጻመታት የጋጥም። እዚ ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዘተኮረ እዩ። ኣብ ልዕሊ ምህርቲ ኣውሊዕ ብሰፊሕ ዓመጽ ሰፋሮ ይቕጽል ኣሎ: ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ኣብ 88 ማሕበረሰባት እቲ ዞባ 178 መጥቃዕትቲ ከም እተፈጸመ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

09 Dec 2025, 17:40