ድለ

ኣብ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን: ሓደ እሱር ነበር ብዛዕባ ታሪኻዊ ኢዮቤል የስተንትን ኣብ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን: ሓደ እሱር ነበር ብዛዕባ ታሪኻዊ ኢዮቤል የስተንትን  (@Vatican Media)

ኣብ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን: ሓደ እሱር ነበር ብዛዕባ ታሪኻዊ ኢዮቤል የስተንትን

ሓደ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንኡስራት ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል እተሳተፈ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየደ ኣብ ሕምብርቲ ቤተ ክርስቲያን ሓያል ምልክት ሓቛፍነትን ምዃኑ የስተንትን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣገልግሎት ጥምረት ኣካያዲ ፈጠራዊ ትሕዝቶን መስራቲ ናይቲ ካብ ማእሰርቲ ናብ ሕብረተሰብ ንምምላስ ንዝሰጋገሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ደገፍን ዕድላትን ዘቕርብ ማሕበር ብእምንቶ ምንባር መስራቲ ን18 ዓመታት ኣብ ቤት ማሕቡስ ዘሐለፈ ኣብ 2014 ዓ.ም. ናጻ ዝተለቀ ጆሹዋ ስታንሲል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ኣብዚ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብፍሉይ ንእሱራት ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፍ ዝብል ሓሳብ ፈጹሙ ኣብ ኣእምሮይ ኣይነበረን - ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዕለት 14 ታሕሳስ ንኡሱራት ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ከም ዘብዓለትን ኣብዚ ካብ ዕለት 13 – 14 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ኢዮቤል ንኡሱራት ምስ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ነጋድያን ተጸንቢረ፡ ንፈለማ እዋን ብፍሉይ ንእሱራት ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል መደብ ክሳተፍ፡ ውልቃዊ ታሪኸይ ብዕምቆት ዝምልከትን ዓሚቝ ታሪኻዊ ሰብኣውን መንፈሳውን ኵነት እዩ” ይብል።

“ምንጻል ዘይኮነስ ምሉእ ሓቛፍነት” ዘቃልሕ

ኣብ ሰንበት ዘሓሴት - ሳልሳይ ስንበት ዘመነ ምንጽኣት ዝተኻየደ መዓልቲ ኢዮቤል ንእሱራት፡ ስታንሲል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዘት ምዃና ኣመልኪቱ። ንሱ፡ ነቲ ብዙሓት እሱራት ነበር ዝስምዖም ነባሪ ቁስሊ ዝፍውስ ቅዱስ እዋን እዩ . . . ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጽእ እንኮለኻ፡ እንተወሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ጸርገ  - ንጡፍ (ራድዮኣክቲቭ) ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ፡ ኣብ ግንባርካ ‘ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈሐ’ ዝብል ምልክት ከምዘሎካ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ክርእዮ ዘይክእል ስምዒት እዩ ኣብ ውሽጥኻ ዝተርፍ - ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ክትምለስ ከምዘይፍቀደልካ ኮይኑ ይስምዓካ።”

ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. እታ ንኡሱራት እተወፈየት መዓልቲ ኢዮቤል ነዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነበር እሱር ዝተርፍ ስምዒት ዝቃወም እዩ . . . “ተሓዊስና ጥራይ ዘይኮነስ ልክዕ ኣብዚ፡ ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ከም እተሓቖፍና እዩ ዘረጋግጸልና። ብፍላይ ኣብ ሳልሳይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት - ሰንበት ዘሓሴት ብምውዓሉ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣይተደርበኻን፡ እቲ ሓድሽ ተበግሶኻ ድማ ብሓቂ ሓድሽ ተበግሶ ምዃኑ ካብ እትነግረካ መዓልቲ ንላዕሊ ዘሐጉስ እንታይ ኣሎ?” ይብል።

ርክብ እምበር መደባት ኣይኮነን

ስታንሲል ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ዓመታት ከስተንትን እንከሎ፡ ዕድላት መንፈሳዊ ዕብየት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትካላዊ ውጥናት ዘይኰነስ፡ ኣብ ውልቃዊ ርክብ ከም ዚምርኰስ ኣስተብሂሉ። "ኣብተን ብመንግስቲ ዝመሓደራ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ብዛዕባ ሃይማኖት ብዙሕ ጥርጣረታት ኣሎ፣ ዝኾነ ናይ ብሓቂ መንፈሳዊ ዕብየት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓደ ሰብ፡ ወለንተይና፡ ካህን፡ ኣባል ሰብ ውፉይ ህይወት - ካህን - ድንግል፡ ብቐጻሊ ብተካይዶ ርክብ ዝርከብ እውን እዩ . . . ንዕኡ እቲ ርክብ እቲ ብዘይተጸበዮ መንገዲ እዩ መጺኡ፣ በቶም ብቐጻሊ ክበጽሕዎ ዝጀመሩ ኣባላት ካቶሊካዊ ዓለማውያን ምንቅስቓስ እዩ።

"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሓቂ ክትልወጥ ዝገብረካ ነገር መደብ ወይ ውጥናት ኣይኮነን፥

“ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሓቂ ዝቕይረካ ነገር ንባዕሎም ብክርስቶስ ምስ ዝተቐየሩ - ዝተለወጡ ሰባት ምግጣም እዩ።”

እዚ እምንቶ ሕጂ ምስቲ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ ንምድጋፍን ንምስፋሕን ዝጽዕር ጥምረት ኣገልግሎት ኣብያተ ማእሰርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝገብሮ ስራሕ ይቐርጾ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 25, 36 “ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነይረ፡ ንስኻትኩም ድማ በጺሕኩምኒ” ዚብል ቃል ኢየሱስ ብምዝካር፡ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ እቲ እተረሰዐ ዕዮ ምሕረት እዩ” ብምባል ትዕዝብቱ የካፍል።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ግብረ ገባዊ ንጹርነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንኡሱራት ኣብ እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘቕረብዎ ስብከት፡  ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣረኣእያን መዋቕራዊ ጸገማትን እንኮላይ ኣባይቲ ማሕቡስ ብኡስራት ምዕልቕላቐን ሕጽረት ናይ ተሓድሶ መደባትን ዝብሉ ጉዳያት ጠቒሶም እዮም ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ክብደት ኣለዎ።

"ኪዛረቡ እንከለዉ ስነ - ምግባራዊ ግልጽነት ኣለዎም፡ ስለዚ ብዛዕባ እቲ ዚብልዎ ጉዳያት ኣጸቢቖም ከም ዝሓሰቡ ተስተውዕል። እቲ ናይቶም ኣመሪካዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቃላቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብፍሉይ የቃልሕ። "ብፍላይ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንካቶሊካውያን ዘነቓቕሕ ዓቢይ ሓገዝ እዮም።”

መልእኽቲ ሓቛፍነት

ስታንሲል ብዛዕባ’ቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘመሓላለፍዎ ሓቛፍነት ዝብል ጸረ ናይ ምግልጋል መልእኽቶም ከስተንትን እንከሎ፡ ስቓይ እሱራት ካብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻ ክግለል ከምዘይክእል ኣስሚሩ፡ “ሓደ ክፋል ቤተ ክርስቲያን ዝሳቐ እንተኾይኑ ብገለ መልክዑ ቤተ ክርስቲያን ባዕላ ትሳቐ ኣላ ማለት እዩ” ስለዚ ሸለልትነት ኮነ ኢልካ ዝፍጸም ይኹን ኣይኹን ነባሪ ቁስሊ ከም ዝገድፍ የጠንቅቕ።

ንዝኾነ ሓደ ጉጅለ ምግላል ንብምሉኡ ኣካል ስለ ዘዳኽምን ንጸዋዕታ ቤተ ክርስቲያን ምሕረትን ፈውስን ሓድነትን ስለ ዘጸልምትን፡ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ምርሳዕን ምጥንጣንን፡ ምስ ሕመረት ወንጌል ዝጋጮ ምዃኑ ወሲኹ የስተብህል።

ንቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብምድጋም ኩሉ ሰብ ክወድቕ ከምዝኽእልን ኩሉ ሰብ ዳግማይ ክትንስእ ክፍቀደሉን ዕድል ክረክብን ከምዘለዎን ደጊሞም ብምርግጋጽ፡

በዳሂ ጸለመ፡ ህያው ምብጃው - ድሕነት

ስታንሲል ቅድሚ ዓመታት ፍርዱ ወዲኡ ካብ ቤት ማሕቡስ ዝወጸ እውን እንተኾነ፡ ጸለመ ብቐሊሉ ከምዘይጠፍእ ይኣምን። “ክሳብ ሕጂ እዩ ዝስመዓኒ። "ሓደ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ኽፋል ድሕነቱ ምርሓቕ ጥራይ ከም ዝዀነን እንደገና ምሉእ ብምሉእ ክሕቋፍ ከም ዘይክእል ኰይኑ እዩ ዚስምዖ።"

ይኹን እምበር እንደገና ኣብ ሕብረተሰብ ተሓቋፍነት ክረክብ ዝኸኣለ ብዘይ ቅድመ ዅነት ዕርክነት ስለ ዘጋጠሞ ምዃኑ ሓቢሩ። "እኹል ተነሲሐ እንተ ዀይነ ዝሓተተኒ ሰብ ኣይነበረን፡ ብዘይ ቅድም ኵነት ዝውፈየልካ ዕርክነት ጥራይ እዩ ንዅሉ ነገር ዝቕይር።  እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ነቲ ኣብ ሰሜን ካሮሊና ንነዊሕ እዋን ካብ ቤት ማሕቡስ ፍርዲ ኣጠናቒቑ ናጻ ምስ ወጸ፡ ሰባት ድሕሪ ፍርዳዊ ማእሰርቶም ናጻ ምስ ወጹ ናብ ሕብረተሰብ ዝምለሱ  መሰጋገሪ ኣባይቲ ዘቕርብ ዘይመኽሰባዊ ብእምንቶ ምንባር ብብዝብል መጸውዕ ንእሽቶ ትካል ከቕውም ከም ዝደረኾ ብምምልካት፡ "ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ህይወቶም ዘሕለፉ ሰባት "ናይ ምጥፋእ ስምዒት ይስምዖም - ኣብቲ ዝምለስሉ ማሕበራዊ ሃዋሁ ዘይብቑዕነት ስምዒት ዘለዎም ይኾኑ፡ ከም ናይ ኢድ ተለፎን ድዩ ክፕምፑይተር ምጥቃም ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት እውን እንተ ዀነ ሓድሽ እዩ ዝኾኖም” ይብል።

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን

ስታንሲል ናብ ዓዱ ክምለስ ከሎ፡ እቲ ሒዛዎ ዝምለስ ነባሪ ጦብላሕታ ኢዮቤል፡ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ኣብ ህይወተይ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት፡ ኩሉ ቋንቋ፡ ኩሉ ባህሊ ክንድዚ ዝኣክል ሰባት ርእየ ኣይፈልጥን። ሕጂ ድማ እሱራት ነበር፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣብ ህይወቶም ዝወደቑን ዝተንስኡን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን።”

ንዕኡ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. መዓልቲ ኢዮቤል ንእሱራት ነቶም ብድሕሪ መቑሕ ዘለዉ ወይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈትሑ ናይ ተስፋ ምልክት ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን መዘኻኸሪ እዩ።

"ንእሱራት ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣብ መወዳእታ ንኹሉ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዩ" እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

16 Dec 2025, 16:27